ብመስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም ፍሽኽ በሉ. . .

‘ሳዕስዕ’ሞ ሓዳርካ አይትረስዕ’

ምንጪ ስእሊ, HASAN BAGLER/ COMEDY WILDLIFE PHOTO AWARDS 2019

መግለጺ ስእሊ, ‘ሳዕስዕ’ሞ ሓዳርካ አይትረስዕ!’

ውድድር ሳዕስዒት ከዳኒቶ እንተዝህሉ ነይሩ እዘን ክልተ ከዳኒቶ ብርግጽ ምተዓወታ ነይረን። ዘሐጉስ ምርኢት ብኸመይ ከምዝቐርብ ዝፈልጣ ይመስላ።

እዛ ሓንቲ ካብቶም ኣብ 2019 ዝነበሩ ብሉጻት ስእልታት ብሓሰን ባግለር ዝቐረበት እያ።

ሓሰን፡ "ንቡር ባህሪ ከዳኒቶ'ዩ” ክብል እቲ ተግባረን ናይ ምክልኻል ምንቅስቓስ ከምዝኾነ ይገልጽ።

“ገለ ነገር ምስ ዝፈርሓ ቅልጽመን ኣልዒለን ክንፈን ይዝርግሓ። ግና ፍሽኽ ዝብላ ሳዕሳዕቲ እየን ዝመስላ።"

_____________________________________________________

ሽልማት መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም ከምዚኦም ዝበሉ ስእልታት ተጠቒሙ በብዓመቱ ብዛዕባ ዕቃበ ዕቱብ መልእኽቲ የተሓላልፍ እዩ።

እቶም ናብ ውድድር ዝቐርቡ ስእልታት ዝኾነ እንስሳ ዘገዳም ኣብ ተፈጥሮኣዊ መነባብሮ እንከሎ ዘርእዩ እምበር ኣብ መካነ እንስሳታት ዝተሰኣሉ ተቐባልነት የብሉን።

እቲ ውድድር ብዓቢኡ ንዕቃበ እንስሳ ዘገዳምን መነባብሮኦምን ንምድንፋዕ፡ ብዋዛን ፍኹስ ዝበለ ምስልታት እወታዊ መልእኽቲ ንምሕላፍ ዝዓለመ እዩ። ኣብ ዓለምና ዝርከቡ እንስሳታት ዘገዳም ከምዘለዉ መጻኢ ወለዶታት ከምዝርከብዎም ንምርግጋጽ ድማ ይሕግዝ።

መስራቲ እቲ ውድድር ጆንሰን-ሂክስ፡ "እቲ ዓመት ዓመት እንቕበሎ ልዑል ቁጽሪ ስእልታት፡ ኣብ ዕቃበ ንምውፋር ዘሎ ሸውሃት ዘርኢ'ዩ፡ ከምኡ’ውን እንስሳ ዘገዳም ብሓቂ ንምእማኑ ብዘጸግም መስሓቕ ክኾኑ ከምዝኽእሉ’ውን የዘኻኽር" ይብል። እቲ ኣብ 2015 ዝተጀመረ ሽልማት መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም፡ ካብ ዓመታዊ ኣታዊታቱ ዓሰርተ ሚእታዊት ንዝተፈላለዩ ንመኽሰብ ዘይሰርሑ ማሕበራት ዝወሃብ’ዩ።

እንስሳታት ሓዘን፡ በደል፡ ቁጥዐ፡ ሓጎስ ክስምዖም ከም ዝኽእልን ዋላ’ውን ናይ ዋዛ ስምዒት ከርእዩ ከም ዝኽእሉ ኩላትና ንፈልጥ ኢና።

እንስሳ ዘገዳም ከምቶም እንስሳ ዘቤት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዙሕ ዝተዘርገሐ ቪድዮ ይኹን ስእሊ የብሎምን።

ገለ ካብቶም እንስሳታት ‘ብሓቂ’ ይዘናግዑ ድዮም ዘለዉ ወይስ ወዝቢ ኣብ ቦታ ፍጻመን ህሞትን ብሰኣልቲ ስለዝተረኸቡ እዮም? ባዕልኹም ወስኑ።

ብኣና ወገን ንሎሚ 10 ዘገርሙ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም መሪጽናልኩም ኣለና።

‘ተጠንቀቕ!’ መሰረታዊ ትእዛዛት ወተሃደራዊ ታዕሊም

ምንጪ ስእሊ, NICOLA BEYFUS/ COMEDY WILDLIFE PHOTO AWARDS 2019

መግለጺ ስእሊ, ‘ተጠንቀቕ!’ መሰረታዊ ትእዛዛት ወተሃደራዊ ታዕሊም

እዚኣ ኒኮላ በይፉስ ኣብ 2019 “Dad tells off the kids” (ኣቦ ንደቁ ይገንሕእ) ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕረበታ ስእሊ እያ።

"እዚ ኣብ ደሴት ካንጋሩ ዝተሳእለ እዩ። ኩሉ ስድራቤት ሓደ እዩ። ኣቦ ንደቁ ትእዛዝ ይህብ፡ ንሰቶም ኣብ ኣቓልቦ ዝገበሩ ይመስሉ” ግን ውሽጦም ካልእ ነገር ይሓሰብ ክትብል ትገልጽ።

‘ንኢንስታግራመይ ከም ዝኾን ገይርካ…’

ምንጪ ስእሊ, BOB RIACH/ COMEDY WILDLIFE PHOTO AWARDS 2019

መግለጺ ስእሊ, ‘ንኢንስታግራመይ ከም ዝኾን ገይርካ…’

እዚ ምጹጽላይ ኣብ ውድድር መስሓቕ ስእሊ እንስሳታት ዘገዳም ክወዳደር ደልዩ’ዶ ይኸውን? ኣብ ልዑል ንጥፈት ዘሎ ሰኣላይ ይመስል።

‘ይቕሬታ፡ ወግዐይ ኣሰልቺዩኪ ድዩ?’

ምንጪ ስእሊ, DANIELLE D'ERMO

መግለጺ ስእሊ, ‘ይቕሬታ፡ ወግዐይ ኣሰልቺዩኪ ድዩ?’

እዛ ጉንጓ፡ ዕላል መጻምድታ ካብ ምንውሑ ዝተለዓለ ተንባሑቝ ዘላ ትመስል። እንታይ’ሞ ይገበር? መጻምድታ ደንጉዪ እዩ ተረዲእዎ። ስለዚ ብሕርቃን ይጥምታ ኣሎ።

‘ንሱ ኩርዓቱ፡ ንሳ ትዃሸም!’

ምንጪ ስእሊ, KATY LAVECK-FOSTER

መግለጺ ስእሊ, ‘ንሱ ኩርዓቱ፡ ንሳ ትዃሸም!’

ኣየ ነገር ህበይ!

ካቲ ላቨክ-ፎስተር ነዞም ክልተ ኣህባይ ኣብ ሰሜን ሱላዌሲ ኢንዶነዥያ እያ ስኢላቶም፤ ብታ ስእሊ ድማ ልዑል ናእዳ ረኺባ’ያ።

‘ነጊሰ ኣለኹ…!’

ምንጪ ስእሊ, JEAN-JACQUES ALCALAY

መግለጺ ስእሊ, ‘ነጊሰ ኣለኹ…!’

ምንጋስስ ይንገስ፤ ከመይ ኢሉ ግን ኣብ ልዕሊኦም ወጸ?

እቲ ወድንቢ (ዋይልድ ቢስት) ንማዕበል ኣማኢት ወድንቢታት ክገንሕ ድዩ ትምኒቱ ወይስ ክነፍር?

ኣብ ማሳይ ማራ፡ ኬንያ ዝተሰኣለት ኮይና ዣን ጃክ ኣልካላይ ልዑል ናእዳ ረኺቡላ እዩ።

‘ከመይ ኣለኻትኩም?’

ምንጪ ስእሊ, MIROSLAV SRB/COMEDY WILDLIFE 2022

መግለጺ ስእሊ, ‘ከመይ ኣለኻትኩም?’

ሚሮስላቭ፡ ነዚ ራኩን ኣብ ገማግም ባሕሪ ፍሎሪዳ ሽሪምፕ ምስ መገቦ’ዩ ስኢልዎ። “ሽዑ ከምዚ ኢሉ ኣመስጊኑኒ” ይብል።

‘ንዘይትገድፈኒ ኣይተካላብተኒ!’

ምንጪ ስእሊ, TXEMA GARCIA LASECA

መግለጺ ስእሊ, ‘ንዘይትገድፈኒ ኣይተካላብተኒ!’

ዓሳ ዝበልዕ ዑፍ ዓሳ ሒዙ ምርኣይ ዘይንቡር ኣይኮነን። ናይዚኦም ግን ፍልይ ዝበለ’ዩ። ብፍላይ እቲ ዓሳ ዕጫኡ ዝተቐበለ ኮይኑ ግን ምንግልታዕ ከምዘይደሊ ዘማርር ዘሎ ይመስል።

ብትሄማ ጋርሲያ ላሴካ ኣብ ብራዚል ዝተሰኣለት እያ።

‘ድሎ ከይትዕሎ፡ ጽናዕ ከይትምናዕ!’

ምንጪ ስእሊ, Aditya Kshirsagar

መግለጺ ስእሊ, ‘ድሎ ከይትዕሎ፡ ጽናዕ ከይትምናዕ!’

ኣብዛ 'ኣቃጫጭ' ('Attitude!!' ) ዘርእስታ ስእሊ ዘሎ ሕብራዊ ጠበቕ ሓያል መርገጺ ዘለዎ ጅግና ተጋዳላይ’ዶ ኣይመስልን?

ኣዲትያ ክሺርሳጋር፡ "ተባዕታይ ናይዚ ዓይነት ጠበ'ቕ፡ መሬቶም ንምክትታልን ዝበረኸ ቦታ ይመርጹ" ይብል። "እዚ ፍሉይ ተባዕታይ ኣብ እዋን ልዑል ዋዒ ሓጋይ ኣብ ጨንፈር ቁጥቋጥ ክዓርፍ ረኺበዮ።"

 ‘ኣሎ’ዶ የለን?’

ምንጪ ስእሊ, Larry Petterborg

መግለጺ ስእሊ, ‘ኣሎ’ዶ የለን?’

እዛ ኣብ ዛምብያ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ፓርክ ደቡብ ሉኣንግዋ ዝተሰኣለት ስእሊ ሓንቲ ካብቶም ኣብ 2021 ዝቐረቡ ብሉጻት ስእልታት እያ።

ፔተርቦርግ: እዚ ተባዕታይ ወዓግ ካብ ሓለፍቲ መገዲ ገለ ነገር ክወሃቦ እናተጸበየ እንከሎ ከምዝሰኣሎ ይዛረብ። ኣካላቱ ግር ዝበሎ'ዩ ዝመስል. . .