በዞም መስሓቕ ስእልታት እንስሳታት ተዘናግዑ

ምንጪ ስእሊ, MAGDALENA STRAKOVA/THE MARS PETCARE COMEDY PET PHOTO AWARDS 2020
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብስእልታት እንስሳ ተዛነዩ እናበልና ዘዘናግዑ ስእልታት ጆባእ ክንብለኩም ጸኒሕና ኣለና።
እዞም ስእልታት ኣብ ውድድራት ሽልማት መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳምን ሽልማት መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘቤት ዝቐረቡ እዮም።
ዕላማ እቶም ስእልታትን ውድድራትን፡ ካብ ምዝንጋዕ ሓሊፉ ብዛዕባ ኣብቶም እንስሳታት ዘጋጥሞም ዘሎ ስግኣታት ንቕሓት ንምብራኽ እዩ።
ተኸታተልቲ፡ ብገለ ኣጋጣሚ ዝሰኣልክምዎም መስሓቕ ስእልታት ሃልይኩም ኣብ ቢቢሲ ትግርኛ ክቐርብ እንተደሊኹም፡ ስምኩም፡ ኣድራሻኹም፡ እቲ ስእሊ ዝሰኣልኩምሉ ኩነታታትን እዋንን ሓዊስኩም ክትልእኹልና ናብ ፌስቡክ ኣድራሻና መልእኽቲ ክትሰዱልና (ኢንቦክስ ክትገብሩልና) ትኽእሉ ኢኹም።
ነዚ ሰሙን ዝሓረናዮም ኣዛነይቲ ስእልታት እንስሳ እዞም ዝስዕቡ'ዮም…

ምንጪ ስእሊ, STEFAN BRUSIUS
እዚ እንስሳ ምስ ላማ ዝመሳሰልን መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ዝደናገርን’ዩ። እንተኾነ ግን እዚ ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ዝርከብ መጥበዊ እንስሳ ሓደ ካብ ዓይነታት ኣግማል ኮይኑ ኣልፓካ (Lama pacos) ብዝብል ስም ይፍለጥ።
ስቲፋን ብሩስየስ ነዛ ስእሊ ‘Smokin' Alpaca’ (ሽጋራ ዘትክኽ ኣልፓካ) ክብል ገሊጹዋ ኣሎ። “ሽጋራ ዘትክኽ ዘሎ ይመስል” ብምባል።
ሓንቲ ካብቶም ኣብ ሽልማት ስእሊ መስሓቕ እንስሳ ዘቤት 2022 ንመወዳእታ ደረጃ ዝበጽሑ ስእልታት ኮይና ኣብ ካልኦት ኩሎም ፍጡራት ዝብል ምድብ ተዓዋቲታ’ያ።

ምንጪ ስእሊ, SALLY LLOYD-JONES/COMEDY WILDLIFE PHOTO AWARDS
እዛ ዑፍ 'ኪንግፊሸር' ትበሃል ኮይና ብሳኣሊ ሎይድ-ጆንስ ዝተሰኣለት እያ።
“ሓንቲ ኪንግፊሸር ኣብቲ "ኣብቲ ዓሳ ምግፋፍ ኣይከኣልን" ዝብል ምልክት ክትዓልብ ተስፋ ገይረ ነይረ። ኣብ መወዳእታ ሓንቲ ኪንግፊሸር ዓሳ ሒዛ ንሓያሎ ካልኢታት ምስ ዓለበት ኣዝየ ተሓጒሰ። ብድሕሪኡ ምስ ዓሳኣ ነፊራ። ነቲ ምልክት ዘቖመ ሰብ ተላግጸሉ ዘላ’ያ ትመስል!” ይብል ሳኣሊ።
እዛ ስእሊ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ሽልማት ስእሊ መስሓቕ እንስሳ ዘቤት 2020 ዝተዓወቱ እያ።

ምንጪ ስእሊ, TINA STEHR
እንታይ እዩ ክሳብ ክንድዚ ዘስሕቕ? ገለ ነገር ነዚ ኣፍሪቃዊ ዝብኢ ብስሓቕ የንቀጥቅጦ ኣሎ፡ ዕስለ መሓዙቱ ግን እንታይ ካርካር/ፊርፊር ከምዘበሎ ዝፈለጡ ኣይመስሉን...
እዛ ብቲና ስተር 'ሰሓቕ ዘገዳም (‘Wild about laughing’) ዝብል ኣርእስቲ ዝተወሃባ ስእሊ ንሽልማት ስእሊ መስሓቕ እንስሳ ዘገዳም 2017 ዝተሓጸየት’ያ።

ምንጪ ስእሊ, MAGDALENA STRAKOVA/THE MARS PETCARE COMEDY PET PHOTO AWARDS 2020
እዛ ‘Gossip Girls’ (ሕሜታ ኣዋልድ) እትብል ብማግዳሌና ስትራኮቫ ዝተሰኣለት ስእሊ ኣብ 2020 ብምድብ ሓያል ፈረስ ተዓዊታ’ያ።
“ኣብ መጓሰ ኣፍራስ ይስእል ነይረ፡ እዘን ሰለስተ ድማ ከም ተኣኪበን እናዕለላ ፍሽኽ ዝብላ ኣዋልድ ቤት ትምህርቲ ይመስላ )” ትብል መግዳሌና።
እቶም ብሉጻት መሓዙትኩም፡ እቶም ኩሉ ግዜ ዋዛታትኩም ዘስሕቖም ኣይኮኑን ድዮም!

ምንጪ ስእሊ, MUNTAZERI ABDI
እዚ ካብ መንጎ ቆጽሊ ውጥም ዝብል ዘሎ እንቁርዖብ ብሙንታዘሪ ኣብዲ ኣብ ኣብ ኢንዶነዥያ ዝተሰኣለ’ዩ።
ካብቶም ኣብ 2018 ንሽልማት ስእሊ መስሓቕ እንስሳ ዘገዳም ዝተሓጸዩ ስእልታት ሓንቲ ኮይና “Spy” (ሰላዪ) ብዝብል ኣርእስቲ እያ ቀሪባ ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, Douglas Croft/Barcroft Images
እዛ ወኻርያ ሽቶ ጸወታ ጎልፍ (hole-in-one) ዘመዝገበትዶ ይመስለኩም?
ዳግላስ ክሮፍት በዛ ሓንቲ ወኻርያ ኣብ ሳን ሆዜ ኣሜሪካ ንዝርከብ ሜዳ ጎልፍ ከም ውልቃዊ ሽቓቕ ክትጥቀም ዘርእይ ስእሊ ልዑል ናእዳ ረኺቡ’ዩ።
ንሽልማት ስእሊ መስሓቕ እንስሳ ዘገዳም 2017 ድማ ተሓጽያ ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, Vlado Pirsa/Comedy Wildlife Photography Awards 2019
ቭላዶ ፒርሳ፡ ነዛ ስእሊ 'ዘይምርድዳእ ስድራቤት' (‘Family Disagreement’) ክብል ሰምዩዋ።
ሓንቲ ካብቶም ኣብ ሽልማት ስእሊ መስሓቕ እንስሳ ዘቤት 2019 ንመወዳእታ ደረጃ ዝበጽሑ ስእልታት ድማ እያ።
እዞም ኣብ ኣዝዩ ውዑይ ዘይምርድዳእ ዘለዉ ዝመስሉ መስሓቕ ኣዕዋፍ ክሮኤሽያ፡ ሽልማት ኣብ ኣየር ዝርከቡ ፍጡራት 2019 ረኺቦም እዮም።
ኣብ መንጎኦም እዚኦም ክኣቱ መን ይደፍር...? ተዓሪቖም ክኾኑ ተስፋ ንገብር. . .

ምንጪ ስእሊ, ARSHDEEP SINGH/COMEDY WILDLIFE 2022
ስእሊ እዛ ኣብ ቱቦ ትርአ ጉንጓ ንሽልማት ስእሊ መስሓቕ እንስሳ ዘገዳም 2022 ዝተሓጸየት’ያ።
ኣርሽዲፕ ሲንግ፡ ነዛ ‘Pipe Owls’ ዝብል ኣርእስቲ ዝሃባ ስእሊ ኣብ 2018 ኣብ ቢካነር ህንዲ እዩ ስኢሉዋ። ኣብቲ እዋን ካብ ቤተመዘክር ታሪኽ ለንደን ሽልማት ተዓዊቱላ እዩ። ኣርሽዲፕ ክሽለም ከሎ ገና ወዲ 10 ዓመት ህጻን ጥራይ’ዩ ነይሩ። ንሱ፡ ገና ወዲ 6 ዓመት ከሎ እዩ ስእሊ ከልዕል ጀሚሩ። ኣብ 2020 ድማ ብሉጽ ሰኣላይ እንስሳ ዘገዳም ኤስያ ዝብል ሽልማት ተዓዊቱ’ዩ።
"መዓልታዊ እየ ዝመሃር፡ ምምሃር ዝሓሸ ሰኣላይ ክኸውን ይሕግዘኒ" ይብል።
ኣርሽዲፕ፡ ስርሑ ኣብ ሎንሊ ፕላኔት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ጀርመንን ህንድን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቢቢሲ ዋይልድላይፍ ተሓቲሙ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, ARSHDEEP SINGH/CWPA/BARCROFT IMAGES
እዛ ኣብ ዘይግባእ ቦታ ደገ ክትወጽእ ከም ዝተረኣየት ፈሊጣ ‘እንታይ’ሞ ይጠበስ ሕጂ?’ እትብል ትመስል ዘላ ጉንጓ’ውን በቲ ወደ 6 ዓመት ኮይኑ ስእሊ ዝጀመረ ኣርሽዲፕ ሲንግ’ያ ተሳኢላ።
ሓንቲ ካብቶም ንመወዳእታ ደረጃ ሽልማት ስእሊ መስሓቕ እንስሳ ዘገዳም 2018 ዝተሓጸዩ ስእልታት ነይራ።
ኣርሽዲፕ ሲንግ፡ "ካብ ጌጋታትኩም መዓልታዊ ምምሃር ቀጽሉ፡ ስራሕ ካልኦት ሰኣልቲ’ውን ተኸታተሉ" ክብል ይምዕድ።

ምንጪ ስእሊ, ANTHONY N PETROVICH/COMEDY WILDLIFE PHOTO AWARDS
እዛ ናይ ኣንቶኒ ኤን ፔትሮቪች ስእሊ ሓንቲ ካብቶም ንመወዳእታ ደረጃ ሽልማት ስእሊ መስሓቕ እንስሳ ዘገዳም 2019 ዝተሓጸዩ እያ።
እዚ ዓሳ ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ ካብቲ ሃዳናይ ሻርክ (ከልቢ ዓሳ) ዘምለጠ መሲልዎ ዕርፍ ኢሉ ነይሩ። እንተኾነ ነዊሕ ከይጸንሐ እቲ ሻርክ ከምዘርከቦን ብድሕሪቱ ከምዘሎን ልቡ ነጊርዎ (ተፈሊጥዎ) ዝደንገጸ/ዝፈርሐ ይመስል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







