ብመስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም ወዘቤት ተዘናግዑ

‘እንታይ’ዩ እዚ ነገር’ዚ? ስለምንታይስ ይስዕበና ኣሎ?’

ምንጪ ስእሊ, BONNEFOI/COMEDYPETPHOTOAWARDS

መግለጺ ስእሊ, ‘እንታይ’ዩ እዚ ነገር’ዚ? ስለምንታይከ ይስዕበና ኣሎ?’

እዘን ጫቚት ኩቲን ስፒዲን ይበሃላ፤ ኣብ ነሓሰ 2020 ዝነቍሓ ኮይነን፡ እተን ቀዳሞት ሒደት ሰሙናት ኣብ ውሽጢ ገዛ እየን ኣሕሊፈንኦ።

ንመጀመርታ ግዜ ንደገ ናብ ዝወጻሉ መዓልቲ ድማ ንፈለማ እዋን ጽላሎተን ርእየን።

“እቲ ኣብ ዙርየን ዝንቀሳቐስን ዝስዕበንን ዝነበረ ‘ጸሊም ነገር’ መስተንክር ኮይንወን ክግረማ ምርኣይ መስሓቕ እዩ ነይሩ!” ትብል ሶፊ ቦንፎይ። ነገር ጫቚት’ውን ከም ዕሸላት ምዃኑ መን ፈለጠ?

_____________________________________________________________________________

ሽልማት መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳምን ሽልማት መስሓቕ ስእሊ እንስሳን ዓለምለኻዊ ውድድራት እዮም።

በቶም ኣዝዮም ዘገርሙ ስእልታት እንስሳ ኣቢሎም ድማ ኣገዳስነት ዕቃበ እንስሳታት ንምጉላሕ ይውዕሉ።

ተፈጥሮ ንምዕቃብ ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ምኽርታት’ውን ብምቕራብ ኣወንታዊ ለውጢ ካብ ምትብባዕ ሓሊፉ ለገስቲ ትካላት ረድኤት ንኽረኽቡ ኣብ ምሕጋዝ’ውን ኣበርክቶ ይገብሩ እዮም።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ ሰባት በቶም ኣዝዮም ዘስሕቑ ህሞታት ተፈጥሮ ንክዘናግዑ ዕድል ይህብ።

ኣብዚ ውድድር ንምስታፍ ዝኾነ ክፍሊት ኣየድልን። ናይ ስእሊ ዝንባለ ዘለዎ ዝኾነ ሰብ ብኢንተርነት ኣቢሉ ስእሉ ከቕርብን ኣብቲ ውድድር ብነጻ ክሳተፍን ይኽእል እዩ።

ተኸታተልቲ፡ ብገለ ኣጋጣሚ ዝሰኣልክምዎም መስሓቕ ስእልታት ኣብ ቢቢሲ ትግርኛ ክቐርብ እንተደሊኹም ናብ ፌስቡክ ኣድራሻና መልእኽቲ ክትሰዱልና (ኢንቦክስ ክትገብሩልና) ትኽእሉ ኢኹም።

ስምኩም፡ ኣድራሻኹም፡ ኣርእስቲ እቲ ስእሊ፡ ዝሰኣልኩምሉ ኩነታታትን እዋንን ዝገልጽ ሓበሬታ’ውን ምልኣኽ ኣይትዘንግዑ።

ኣብ ክልቲኦም ውድድራት ካብ ዝቐረቡ፡ ነዚ ሰሙን 10 ኣዛነይቲ ስእልታት እንስሳታት ዘገዳም ወዘቤት ሓሪናልኩም ኣለና። እነሆ ፍሽኽ በሉ…

‘ንሕና’ውን ምስ ዓበና ኣብ ዩትዩብ ቀሪብና ህቡባት ክንከውን ዲና?’

ምንጪ ስእሊ, BONNEFOI/ANIMALFRIENDSCOMEDYPETPHOTOAWARDS

መግለጺ ስእሊ, ‘ንሕና’ውን ምስ ዓበና ኣብ ዩትዩብ ህቡባት ክንከውን ዲና?’

እዚአን’ውን ኩቲን ስፒዲን እየን። ሶፊ ቦንፎይ ክትስእለን ከላ ዕድሚአን ገና ትሽዓተ መዓልቲ ጥራይ ነይሩ።

ኣብ ኣይፓድ ብዩትዩብ ዝተኸፈተለን ምስሊ ደርሆ ተሓንጊጠን ክርእያን እንከለዋ ኣዝየን ዝተሓንጠያ ይመስላ።

‘ዋላ ሓደ ዝረኣየና እንስሳ የለን!’

ምንጪ ስእሊ, BRENDEN SIMONSON/BARCROFT IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ‘ዋላ ሓደ ዝረኣየና እንስሳ የለን!’

ብሬንደን ሳይሞንሰን፡ እዛ ሓደ ንእሽቶ ኣባ ጎብየ ኣብ መዘናኡ ተሰቒሉ ተርእይ ስእሊ ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ቴራንጃየር ታንዛንያ ዝሰኣላ እያ።

‘እዋይ እዞም ጉዳማት ጎብየታት!’

ምንጪ ስእሊ, JAKOB STRECKER

መግለጺ ስእሊ, ‘እዋይ እዞም ጉዳማት ጎብየታት!’

እዚ ሌሙር (ኣብ ማዳጋስካር እትርከብ ህበይ ትመስል እንስሳ) ብጃኮብ ስተሬከር ዝተሰኣለ እዩ።

ስለምንታይ’ዩ ኣፋ ብግርምቢጥ ሸፊኑ? ብዛዕባ እቶም ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ኣባ ጎብየታት ካልእ ነገር ዝሓሰበ’ዶ ኣይመስልን?

‘እዞም ጎብየታት ብሓቂ ዘይተረኣዩ ድዩ መሲልዎም?!’

ምንጪ ስእሊ, ANDY EVANS/COMEDY WILDLIFE 2022

መግለጺ ስእሊ, ‘እዞም ጎብየታት ብሓቂ ዘይተረኣዩ ድዩ መሲልዎም?!’

ኣንዲ ኢቫንስ ነዚ ህበይ ኣብ ቦርንዮ፡ ሱካው ማሌዥያ እዩ ስኢልዎ።

እዚ ህበይ ብዝኾነ ነገር ኣዝዩ ዝሰንበደ ይመስል። እንታይ ርእዩ ከምዝኾነ እንተንፈልጥ ደስ ምበለና!

‘አረ ኽንደይ ጉድ ኢና ንርኢ!’

ምንጪ ስእሊ, DANIEL TRIM

መግለጺ ስእሊ, ‘አረ ኽንደይ ጉድ ኢና ንርኢ!’

እዞም ብዳኒኤል ትሪም ዝተሰኣሉ ዓሳታት’ውን ዝኾነ ዝርኣይዎ ነገር ምእማን ዝኣበዮም ወይ ዝሰንበዱ ይመስሉ።

እዞም ማድስኪፐርስ (mudskippers) ዝበሃሉ ዓይነት ዓሳታት፡ ዘይተለምደ ቅርጺ ኣካላት ኣለዎም።

ኣብ ውሽጢ ማይን ካብ ማይ ወጻእን ንነዊሕ እዋን ናይ ምጽናሕ ዓቕሚ ከምዘለዎም ይፍለጥ።

‘ኣታ ተዋሪዶም! ኣይ ኩሉ እንስሳ’ንድዩ ርእይዎም!’

ምንጪ ስእሊ, Harry Walker/Comedy Wildlife Photography Awards 2019

መግለጺ ስእሊ, ‘ኣታ ተዋሪዶም! ኣይ ኩሉ እንስሳ’ንድዩ ርእይዎም!’

ኣብዛ 'Oh My!' (ወይ ጉድ!) ዘርእስታ ስእሊ ዘሎ ኦተር፡ በቲ ዘርእዮ ስንባደ ኣቕላቦ ብዙሓት ሰባት ረኺቡ’ዩ።

ሃሪ ዎከር በዛ ስእሊ ናይ ኣብ ማይ ዝነብሩ ፍጥረታት ሽልማት ዘ ፒፕልስ ቾይስ 2019 ተዓዊቱ እዩ።

ዘይከም መብዛሕትኦም መጥበውቲ እንስሳታት ባሕሪ፡ ኦተራት ስብሒ የብሎምን። እቲ ፍሉይ ብዙሕ ጸጉሮም ግን ሙቐት ንኽረኽቡ ይሕግዞም።

‘ኣነማ ነዚ ጉድ ኣይርእይን!’

ምንጪ ስእሊ, ERIC FISHER/ COMEDY WILDLIFE PHOTO AWARDS 2019

መግለጺ ስእሊ, ‘ኣነማ ነዚ ጉድ ኣይርእይን!’

እዛ ኤሪክ ፊሸር፡ 'Oh no this is un-bear-able' ('ኣይፋልን እዚ ክጻወሮ ኣይክእልን' ብዝብል ዘቕረባ ስእሊ ሓንቲ ካብቶም ኣብ 2019 ንመወዳእታ ደረጃ ህጹያት ዝበጽሑ እያ።

እቲ ትዕግስቲ ኣልቦ ድቢ ድማ ሕማቕ መዓልቲ ኣጋጢምዎ ዘጉረምርም ዘሎ ይመስል።

‘ዓይንኻ ርአ!’

ምንጪ ስእሊ, TROY MAYNE

መግለጺ ስእሊ, ‘ዓይንኻ ርአ!’

እዚኣ ኣብ 2017 ኣብ ማይ ዝነብሩ ፍጥረታት ኣብ ዝብል ምድብ ዝተዓወተት ስእሊ’ያ።

ሓደ ዝተሃወኸ ዝመስል ጎብየ ባሕሪ ነቲ መስኪን ዓሳ ጸፊዑ ካብ መንገዱ ዝደፍኦ ዘሎ ይመስል። ኣብ ባኮንግ ፊሊፒንስ ብትሮይ ሜይን'ያ ተሳኢላ።

‘ኣነስ ፈጣሪ ባዕሉ ከዊሉኒ!’

ምንጪ ስእሊ, John Speirs

መግለጺ ስእሊ, ‘ኣነስ ፈጣሪ ባዕሉ ከዊሉኒ!’

ጆን ስፔርስ፡ “ዝበራ ዝነበራ ርግቢት እናሰኣልኩ ከለኹ ሓንቲ ቆጽሊ ኣብ ገጽ እታ ርግቢት ዓሊባ” ክብል ዝሰኣለሉ ኩነታት ይገልጽ።

'ክረምቲ ተወዲኡ ይመስለኒ' ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ 2021 ቀሪባ ሓንቲ ካብቶም ንመወዳእታ ደረጃ ዝተሓጸዩ ብሉጻት ስእልታት ክትከውን ክኢላ’ያ።