ሎሚ’ውን ኣዛነይቲ ስእልታት እንስሳ ጆባእ ኢልናኩም ኣለና

እሰይ! ሎሚ ዓርቢ እዩ!

ምንጪ ስእሊ, LUCY BEVERIDGE

መግለጺ ስእሊ, 'ኣሰይ! ሎሚ ዓርቢ እዩ!'እዛ ሉሲ ቤቨሪጅ ዝሰኣለታ ጠለ-በዱ ዝዓይነታ ዓጋዜን እንታይ ረኺባ ክንድዚ ትዘልል ከምዘላ መን ይግምት? ከምዚ ዓይነት ፈንጠዝያን ዝላን ክቱር ሓጎስ ንምግላጽ ወይ ድማ ተባዕትዮ ንኣንሰትዮ ንምምራኽ ዝጥቀምሉ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙን ብስእልታት እንስሳ ዘገዳም ተዛነዩ ብዝብል ዘዘናግዑ ጥራይ ዘይኮኑስ ሰባት እቶም እንስሳታት ዘጋጥሞም ዘሎ ስግኣታት ንኽፈልጡ ዝሕግዙ ስእልታት ኣቕሪብናልኩም ነይርና።

ሎሚ ዓርቢ’ውን ብተመሳሳሊ ዘዘናግዑ ስእልታት መሪጽናልኩም ኣለና።

መብዛሕትኦም እዞም ስእልታት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ሽልማት መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም ዝቐረቡ እዮም።

ሽልማት መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም፡ ብፖል ጆይንሰን-ሂክስ፡ ቶም ሱላምን ሚሸል ዉድን በብዓመቱ ዝካየድ ውድድር እዩ።

እዞም ፕሮፌሽናል ሰኣልቲ፡ ካብዚ ውድድር ብተወሳኺ ሽልማት መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘቤት ዝብል ውድድር እውን ካብ 2020 ጀሚሮም ከካይዱ ጸኒሖም እዮም።

ቢቢሲ ትግርኛ’ውን ኣብ ክልቲኦም ውድድራት ዝቐረቡ መስሓቕ ስእልታት እናመረጸ ከቕርበልኩም እዩ።

እዞም ስእልታት ንቕሓት ዕቃበ እንስሳ ዘገዳም ይኹን እንስሳ ዘቤት ንምዕባይ ዝዓለሙ እዮም።

ገሊኦም ኣብ ንምእማኑ ዘጸግም ቃንዛ ዘለዉ ይመስሉ። ካልኦት ዝሓፈሩ ወይ ዝተሓጎሱ ይመስሉ። ኩሎም ግን ዘዘናግዑ እዮም።

ተኸታተልቲ፡ ብገለ ኣጋጣሚ ዝሰኣልክምዎም መስሓቕ ስእልታት ሃልይኩም ኣብ ቢቢሲ ትግርኛ ክቐርብ እንተደሊኹም፡ ስምኩም፡ ኣድራሻኹም፡ እቲ ስእሊ ዝሰኣልኩምሉ ኩነታታትን እዋንን ሓዊስኩም ክትልእኹልና ትኽእሉ።

‘መጀመርያ ፍቕሪ - ኣብ መን ተጀመረ?’

ምንጪ ስእሊ, MEMPHISMORAYNINJA/ANIMAL FRIENDS COMEDY PET AWARDS

መግለጺ ስእሊ, ‘መጀመርያ ፍቕሪ - ኣብ መን ተጀመረ?’

መምፊስ ሞሪ ክልተ ኣናጹ እናተቓለሱ ክጻወቱ እንከለዉ ስኢላቶም። ሞረይ፡ "ኣናጹ ነንሕድሕዶም እናተቓለሱ ምጽዋት ይፈትዉ" ትብል። “ሓሓሊፎም፡ ኣነ ምንቅስቓስ ኒንጃ ኢለ ዝጽውዖ ዓይነት ምንቅስቓስ ይገብሩ።” እዚ “ኒንጃ ኣናጹ” ዝብል ስም ዝሃበቶ፡ ቅድሚ ጸወታኦም ምቕጻሎም ንገለ ደቓይቕ ደው ኣብ ዝበሉሉ እዋን ዝሰኣለቶ እዩ።

ኣይትብለንን!

ምንጪ ስእሊ, GEORGE CATHCART

መግለጺ ስእሊ, ኣይትብለንን!

ኣብዛ ብጆርጅ ካትካርት ዝተሰኣለት ስእሊ ዘሎ ሲል (ዓሳ ዝምገብ እንስሳ) ዝሰምዖ ነገር ምእማን ዝኣበዮ ይመስል - ወይ ዝስንባደ ክኸውን ይኽእል። ብዝኾነ ገጹ መስሓቕ እዩ!

‘ህይወት ኣብ ውሸባ’

ምንጪ ስእሊ, Kevin Biskaborn

መግለጺ ስእሊ, ‘ህይወት ኣብ ውሸባ’

እዚ ሓንቲ ኣደ ራኩን (ስጋ ዝበልዑ ንድሙ ዝመስሉ እንስሳ) ምስ ዕሸላታ ኣብ ጽዑቕ ቦታ ተሸኺለን ዘርኢ ምስሊ፡ "ህይወት ኣብ ውሸባ" ዝብል ስም ተዋሂብዎ።

ኣብ ውሸባ፡ ኩሉ ሰብ ምስ ስድራቤቱ ተነጺሉ ኣብ ዝነብረሉ እዋን፡ ደገ ክወጽእን ዓለም ክድህስስን ይህንጠ። “እዞም ራኩናት'ውን ከምኡ ክወጹ ተሃንጥዮም እዮም" ክብል ቢስካቦርን ጽሒፉ።

‘በጃኻ ግደፍ፡ ኣይትተዃተዀኒ!’

ምንጪ ስእሊ, ANDY HARRIS/COMEDY WILDLIFE PHOTO AWARDS 2019

መግለጺ ስእሊ, ‘በጃኻ ግደፍ፡ ኣይትተዃተዀኒ!’

ኣብ ኤልኮርን ስሎው ካሊፎርንያ ዝርከቡ እዞም "ኣዝዮም ዝድነቑ ናይ ባሕሪ ኦተር ምሉእ ብምሉእ ተረጋጊኦም ብባህርያዊ መገዲ ይጻወቱ ነይሮም። ብሓባር ሻርጣን (ዓሰርተ ዝእግሩ ዕንቅርቢት ዝመስል ዓይነት እንስሳ ባሕሪ) እናተመገቡ፡ መን እቲ ዝያዳ ዝበለጸ ድራር ከም ዝረክብ ንምውሳን ዝተዃተኹሉ ግዜ ረኺቦም!" ይብል ሰኣይ ኣንዲ ሃሪስ።

ውይውይ! ጠፊአ!

ምንጪ ስእሊ, BRIGITTA MOSER/ BARCROFT IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ውይውይ! ጠፊአ!

ዕዮ ገዛ ከም ዘይሰራሕኹም ትዝ ክብለኩም ከሎ... ብሪጂታ ሞዘር ኣብ ሊትል ካሩ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሰኣለታ እያ።

‘ከም ድላየይ… ኣነ ከምድላየይ…’

ምንጪ ስእሊ, CORINNA HARDWARE/ANIMALFRIENDSCOMEDYPETPHOTOAWARDS

መግለጺ ስእሊ, ‘ከም ድላየይ… ኣነ ከምድላየይ…’

እዛ ኣኼስ ድሙ ኬሲ ትበሃል። "ኬሲ እናተዛነየት ... ብዙሕ ግዜ ከምዚ ትገብር" ትብል ስእኣሊት ኮሪና ሃርድዌር። "እቲ ሕጉስ ቦታኣ ይመስል።"

ሸለው ላጋ፡ ጠስሚ ዕዳጋ ድዩ ወይስ እንታይ…

ምንጪ ስእሊ, Roland Kranitz

መግለጺ ስእሊ, ሸለው ላጋ፡ ጠስሚ ዕዳጋ ድዩ ወይስ እንታይ…

ሮላንድ ክራኒትዝ ነዛ ስእሊ “ኣይ ጋት ዩ” ዝብል ኣርእስቲ እዩ ሂብዋ።

“መዓልታተይ ኣብቲ ልሙድ እንዳ ጎፈር (ኣብ ሰሜን ኣመሪካ እትርከብ ኣንጭዋ መሰል እንስሳ) ኣሕሊፈዮ፡ እዞም መስሓቕቲ ንኣሽቱ እንስሳታት ሕጂ’ውን ሓቀኛ ባህርያቶም ኣየቃልዑን” ይብል።

ይጥዓም ይሕሰም፡ ፍሽኽታ ዓመለይ - ኩሉ ጸይረ፡ ፍሽኽታ ዓመለይ

ምንጪ ስእሊ, POZNANTER/COMEDYPETPHOTOAWARDS

መግለጺ ስእሊ, ኩሉ ጸይረ ፍሽኽታ ኣመለይ. . .

እዛ ‘Cheeeese!’ ዝተበሃለት ስእሊ ብዴቪድ ፖዝናንተር ዝተሰኣለት እያ። እዚ ፈረስ ወይ ወይ ብስስከሞ ጾር ዘየማርር እወታዊ ኣረኣእያ ዘለዎ'ዩ ወይ ድማ ብጽቡቕ ጎኑ ክሰኣል ተሃንጥዩ ዝነበረ ይመስል።

ተካል ገመድ! መንገዲ ዓመት፡ ብጥዕና ኺዶ በሉ!

ምንጪ ስእሊ, Ken Jensen

መግለጺ ስእሊ, ተካል ገመድ! መንገዲ ዓመት፡ ብጥዕና ኪዶ በሉ!

እዛ ንምእማና ተጸግም ስእሊ ሓደ ወርቃዊ ሃሪ ጸጉሪ ዘለዎ ህበይ፡ ‘ኣውች!’ ('ኣሕሓይ!') ብዝብል ዝተሰየመት እያ። ኬን ጀንሰን ኣብ 2016 ኣብ ቻይና ምስ ስድራቤቱ ኣብ ዕረፍቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ ስኢልዋ። እታ ምስሊ ኣንጻር 7000 ንምእማኑ ዘጸግሙ ካብ መላእ ዓለም ዝተለኣኹ ስእሊታት ተወዳዲራ እያ ተዓዊታ!

“እዚ ብሓቂ ናይ ጎነጽ ምርኢት እዩ፡ ይኹን እምበር፡ እቲ ህበይ ዝርከበሉ ኩነታት ኣዝዩ ዘቖንዙ ይመስል!” ይብል ኬን።