ሎሚ’ውን ኣዛነይቲ ስእልታት እንስሳ ጆባእ ኢልናኩም ኣለና

ምንጪ ስእሊ, LUCY BEVERIDGE
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙን ብስእልታት እንስሳ ዘገዳም ተዛነዩ ብዝብል ዘዘናግዑ ጥራይ ዘይኮኑስ ሰባት እቶም እንስሳታት ዘጋጥሞም ዘሎ ስግኣታት ንኽፈልጡ ዝሕግዙ ስእልታት ኣቕሪብናልኩም ነይርና።
ሎሚ ዓርቢ’ውን ብተመሳሳሊ ዘዘናግዑ ስእልታት መሪጽናልኩም ኣለና።
መብዛሕትኦም እዞም ስእልታት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ሽልማት መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም ዝቐረቡ እዮም።
ሽልማት መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም፡ ብፖል ጆይንሰን-ሂክስ፡ ቶም ሱላምን ሚሸል ዉድን በብዓመቱ ዝካየድ ውድድር እዩ።
እዞም ፕሮፌሽናል ሰኣልቲ፡ ካብዚ ውድድር ብተወሳኺ ሽልማት መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘቤት ዝብል ውድድር እውን ካብ 2020 ጀሚሮም ከካይዱ ጸኒሖም እዮም።
ቢቢሲ ትግርኛ’ውን ኣብ ክልቲኦም ውድድራት ዝቐረቡ መስሓቕ ስእልታት እናመረጸ ከቕርበልኩም እዩ።
እዞም ስእልታት ንቕሓት ዕቃበ እንስሳ ዘገዳም ይኹን እንስሳ ዘቤት ንምዕባይ ዝዓለሙ እዮም።
ገሊኦም ኣብ ንምእማኑ ዘጸግም ቃንዛ ዘለዉ ይመስሉ። ካልኦት ዝሓፈሩ ወይ ዝተሓጎሱ ይመስሉ። ኩሎም ግን ዘዘናግዑ እዮም።
ተኸታተልቲ፡ ብገለ ኣጋጣሚ ዝሰኣልክምዎም መስሓቕ ስእልታት ሃልይኩም ኣብ ቢቢሲ ትግርኛ ክቐርብ እንተደሊኹም፡ ስምኩም፡ ኣድራሻኹም፡ እቲ ስእሊ ዝሰኣልኩምሉ ኩነታታትን እዋንን ሓዊስኩም ክትልእኹልና ትኽእሉ።

ምንጪ ስእሊ, MEMPHISMORAYNINJA/ANIMAL FRIENDS COMEDY PET AWARDS
መምፊስ ሞሪ ክልተ ኣናጹ እናተቓለሱ ክጻወቱ እንከለዉ ስኢላቶም። ሞረይ፡ "ኣናጹ ነንሕድሕዶም እናተቓለሱ ምጽዋት ይፈትዉ" ትብል። “ሓሓሊፎም፡ ኣነ ምንቅስቓስ ኒንጃ ኢለ ዝጽውዖ ዓይነት ምንቅስቓስ ይገብሩ።” እዚ “ኒንጃ ኣናጹ” ዝብል ስም ዝሃበቶ፡ ቅድሚ ጸወታኦም ምቕጻሎም ንገለ ደቓይቕ ደው ኣብ ዝበሉሉ እዋን ዝሰኣለቶ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, GEORGE CATHCART
ኣብዛ ብጆርጅ ካትካርት ዝተሰኣለት ስእሊ ዘሎ ሲል (ዓሳ ዝምገብ እንስሳ) ዝሰምዖ ነገር ምእማን ዝኣበዮ ይመስል - ወይ ዝስንባደ ክኸውን ይኽእል። ብዝኾነ ገጹ መስሓቕ እዩ!

ምንጪ ስእሊ, Kevin Biskaborn
እዚ ሓንቲ ኣደ ራኩን (ስጋ ዝበልዑ ንድሙ ዝመስሉ እንስሳ) ምስ ዕሸላታ ኣብ ጽዑቕ ቦታ ተሸኺለን ዘርኢ ምስሊ፡ "ህይወት ኣብ ውሸባ" ዝብል ስም ተዋሂብዎ።
ኣብ ውሸባ፡ ኩሉ ሰብ ምስ ስድራቤቱ ተነጺሉ ኣብ ዝነብረሉ እዋን፡ ደገ ክወጽእን ዓለም ክድህስስን ይህንጠ። “እዞም ራኩናት'ውን ከምኡ ክወጹ ተሃንጥዮም እዮም" ክብል ቢስካቦርን ጽሒፉ።

ምንጪ ስእሊ, ANDY HARRIS/COMEDY WILDLIFE PHOTO AWARDS 2019
ኣብ ኤልኮርን ስሎው ካሊፎርንያ ዝርከቡ እዞም "ኣዝዮም ዝድነቑ ናይ ባሕሪ ኦተር ምሉእ ብምሉእ ተረጋጊኦም ብባህርያዊ መገዲ ይጻወቱ ነይሮም። ብሓባር ሻርጣን (ዓሰርተ ዝእግሩ ዕንቅርቢት ዝመስል ዓይነት እንስሳ ባሕሪ) እናተመገቡ፡ መን እቲ ዝያዳ ዝበለጸ ድራር ከም ዝረክብ ንምውሳን ዝተዃተኹሉ ግዜ ረኺቦም!" ይብል ሰኣይ ኣንዲ ሃሪስ።

ምንጪ ስእሊ, BRIGITTA MOSER/ BARCROFT IMAGES
ዕዮ ገዛ ከም ዘይሰራሕኹም ትዝ ክብለኩም ከሎ... ብሪጂታ ሞዘር ኣብ ሊትል ካሩ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሰኣለታ እያ።

ምንጪ ስእሊ, CORINNA HARDWARE/ANIMALFRIENDSCOMEDYPETPHOTOAWARDS
እዛ ኣኼስ ድሙ ኬሲ ትበሃል። "ኬሲ እናተዛነየት ... ብዙሕ ግዜ ከምዚ ትገብር" ትብል ስእኣሊት ኮሪና ሃርድዌር። "እቲ ሕጉስ ቦታኣ ይመስል።"

ምንጪ ስእሊ, Roland Kranitz
ሮላንድ ክራኒትዝ ነዛ ስእሊ “ኣይ ጋት ዩ” ዝብል ኣርእስቲ እዩ ሂብዋ።
“መዓልታተይ ኣብቲ ልሙድ እንዳ ጎፈር (ኣብ ሰሜን ኣመሪካ እትርከብ ኣንጭዋ መሰል እንስሳ) ኣሕሊፈዮ፡ እዞም መስሓቕቲ ንኣሽቱ እንስሳታት ሕጂ’ውን ሓቀኛ ባህርያቶም ኣየቃልዑን” ይብል።

ምንጪ ስእሊ, POZNANTER/COMEDYPETPHOTOAWARDS
እዛ ‘Cheeeese!’ ዝተበሃለት ስእሊ ብዴቪድ ፖዝናንተር ዝተሰኣለት እያ። እዚ ፈረስ ወይ ወይ ብስስከሞ ጾር ዘየማርር እወታዊ ኣረኣእያ ዘለዎ'ዩ ወይ ድማ ብጽቡቕ ጎኑ ክሰኣል ተሃንጥዩ ዝነበረ ይመስል።

ምንጪ ስእሊ, Ken Jensen
እዛ ንምእማና ተጸግም ስእሊ ሓደ ወርቃዊ ሃሪ ጸጉሪ ዘለዎ ህበይ፡ ‘ኣውች!’ ('ኣሕሓይ!') ብዝብል ዝተሰየመት እያ። ኬን ጀንሰን ኣብ 2016 ኣብ ቻይና ምስ ስድራቤቱ ኣብ ዕረፍቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ ስኢልዋ። እታ ምስሊ ኣንጻር 7000 ንምእማኑ ዘጸግሙ ካብ መላእ ዓለም ዝተለኣኹ ስእሊታት ተወዳዲራ እያ ተዓዊታ!
“እዚ ብሓቂ ናይ ጎነጽ ምርኢት እዩ፡ ይኹን እምበር፡ እቲ ህበይ ዝርከበሉ ኩነታት ኣዝዩ ዘቖንዙ ይመስል!” ይብል ኬን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







