ብስእልታት እንስሳ ዘገዳም ተዛነዩ

ኣዝዩ ዝሰንበደ ምጹጽላይ

ምንጪ ስእሊ, MARY MCGOWAN/CWPA/BARCROFT IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ኣዝዩ ዝሰንበደ ምጹጽላይ

ፖል ጆይንሰን-ሂክስ፡ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሰኣላይ እንስሳ ዘገዳም ኮይኑ እናሰርሐ እንከሎ፡ገለ ካብቶም ስእሊታቱ ርእዩ ክርትም ኢሉ ስሒቑ።

ዋዛ ናይቶም ስእልታት ዘዘናግዕ ጥራይ ኣይኮነን፤ ሰባት ኣብቶም ንእንስሳታት ዘጋጥሞም ዘሎ ስግኣታት ንኽፈልጡ ዝሕግዝ መሳርሒ ምዃኑ ተረዲኡ።

እንስሳታትን እቶም ዝጸልውዎም ጉዳያትን ብሓቂ ንምርዳእ፡ ከም ብጾት ነበርቲ እዛ መሬት ስምዒታቶምን ተመክሮኦምን ክንካፈል ኣለና።

ስለዚ ድማ፡ ኣብ 2015፡ ሓሳብ ሽልማት መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም ተጸንሰ።

ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ምስ ሓባራዊ መስራትን ሰኣላይን ቶም ሱላም ተማኺሮም። ክልቲኦም ፕሮፌሽናል ሰኣልትን ውዕዉዓት ዕቃበን ብሓባር ውድድር ሽልማት መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም ክጅምር ገይሮም። ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ሚሸል ዉድ ተጸንቢራ።

ካብ’ቲ እዋን’ቲ ጀሚሩ ድማ፡ እናዓበየ ከይዱ ንዓለም እንስሳ ዘገዳም ትርጉም ዘለዎ ኣበርክቶ ክገብር ዝኽእል ዓለማዊ ውድድር ኮይኑ።

እዚ ዘዘናግዕ ውድድር ገለ ካብቶም ዝያዳ ዘስሕቑ ምስልታት ተፈጥሮኣዊ ዓለም ንምርኣይ ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ብቐንዱ ንዕቃበ እንስሳ ዘገዳም ድማ ዘጉልሕ እዩ።

በብዓመቱ ካብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ጀመርትን ክኢላታትን ሰኣልቲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምስልታት ብምቕባል ዓለምለኻዊ ሽፋን መራኸቢ ብዙሃን ይረኽቡ።

ቢቢሲ እውን ንዝሓለፉ ዓመታት መስሓቕቲ ተዓወትትን ሕጹያትን ስእልታት እዚ ውድድር ከቕርብ ጸኒሑ እዩ።

ቁሩብ ክትስሕቑ ድሌት እንተሃሊኹም፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመተ ውድድራት ካብ ዝቐረቡ ገለ ስእልታት መሪጽናልኩም ኣለና። እነሆ ፍሽኽ በሉ...

‘ምስ ክንፈይ ተዛረብ!’

ምንጪ ስእሊ, JENNIFER HADLEY/COMEDY WILDLIFE 2022

መግለጺ ስእሊ, ‘ምስ ክንፈይ ተዛረቢ!’
ፍቕሪ ኣብ ትሕቲ ከዋኽብቲ

ምንጪ ስእሊ, BENCE MATE/BARCROFT IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ፍቕሪ ኣብ ትሕቲ ከዋኽብቲ
'ናብ ቤት እግዚአብሔር ንኺድ ምስ በሉኒ...’

ምንጪ ስእሊ, CARL HENRY/ BARCROFT IMAGES

መግለጺ ስእሊ, 'ናብ ቤት እግዚአብሔር ንኺድ ምስ በሉኒ...’
‘ጉዳይ ኣህባይ'

ምንጪ ስእሊ, Megan Lorenz

መግለጺ ስእሊ, ‘ነገር ኣህባይ'
እዚ ኣባ-ጎብየ እንታይ ይብል ኣሎ?

ምንጪ ስእሊ, Mark Fitzpatrick

መግለጺ ስእሊ, እዚ ኣባ-ጎብየ እንታይ ይብል ኣሎ?
ኣዝዩ ድራማዊ ባእሲ

ምንጪ ስእሊ, SERGEY SAVVI/CWPA/BARCROFT IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ኣዝዩ ድራማዊ ባእሲ
‘ትስዕቡኒ ኣብኣ ትዴኹም!’

ምንጪ ስእሊ, TILAKRAJ'NAGARAJ/COMEDY WILDLIFE PHOTOGRAPHY AWARD

መግለጺ ስእሊ, ‘ትስዕቡኒ ኣብኣ ትዴኹም!’
ፎቶቦምብ፡ ኣነስ ኣይሰኣልንድ ድየ?

ምንጪ ስእሊ, Brigitte Alcalay Marcon

መግለጺ ስእሊ, ፎቶቦምብ፡ ኣነስ ኣይሰኣልንድ ድየ?
'ሕሜታ እንስሳ ዘገዳም'

ምንጪ ስእሊ, Bernhard Esterer

መግለጺ ስእሊ, 'ሕሜታ እንስሳ ዘገዳም'
እዚ መን ይሓስቦ?

ምንጪ ስእሊ, RYAN SIMS/COMEDY WILDLIFE 2022

መግለጺ ስእሊ, እዚ መን ይሓስቦ?
‘መን? ኣነ?!’

ምንጪ ስእሊ, LEE ZHENGXING/COMEDY WILDLIFE 2022

መግለጺ ስእሊ, ‘መን? ኣነ?!’
'ጽንኩር ድርድር'

ምንጪ ስእሊ, Ayala Fishaimer

መግለጺ ስእሊ, 'ጽንኩር ዘተ'
'እምባሕ!'

ምንጪ ስእሊ, Jagdeep Rajput

መግለጺ ስእሊ, 'እምባሕ!'
'ስልክይና'

ምንጪ ስእሊ, Marcus Westberg

መግለጺ ስእሊ, 'ስልክይና'
'ማሕበራዊ ርሕቀትና’ባ ንሓሉ!'

ምንጪ ስእሊ, Petr Sochman

መግለጺ ስእሊ, 'ማሕበራዊ ርሕቀትና’ባ ንሓሉ!'
'ኣነ እየ ሻምፕዮን!'

ምንጪ ስእሊ, Ramesh Letchmanan

መግለጺ ስእሊ, 'ኣነ እየ ሻምፕዮን!'
‘እስኪ ቁሩብ ከዕርፍ’

ምንጪ ስእሊ, THOMAS D MANGELSEN/COMEDY WILDLIFE PHOTO AWARDS

መግለጺ ስእሊ, ‘እስኪ ቁሩብ ከዕርፍ’