እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብስእልታት እንስሳ ዘገዳም ተዛነዩ
ፖል ጆይንሰን-ሂክስ፡ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሰኣላይ እንስሳ ዘገዳም ኮይኑ እናሰርሐ እንከሎ፡ገለ ካብቶም ስእሊታቱ ርእዩ ክርትም ኢሉ ስሒቑ።
ዋዛ ናይቶም ስእልታት ዘዘናግዕ ጥራይ ኣይኮነን፤ ሰባት ኣብቶም ንእንስሳታት ዘጋጥሞም ዘሎ ስግኣታት ንኽፈልጡ ዝሕግዝ መሳርሒ ምዃኑ ተረዲኡ።
እንስሳታትን እቶም ዝጸልውዎም ጉዳያትን ብሓቂ ንምርዳእ፡ ከም ብጾት ነበርቲ እዛ መሬት ስምዒታቶምን ተመክሮኦምን ክንካፈል ኣለና።
ስለዚ ድማ፡ ኣብ 2015፡ ሓሳብ ሽልማት መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም ተጸንሰ።
ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ምስ ሓባራዊ መስራትን ሰኣላይን ቶም ሱላም ተማኺሮም። ክልቲኦም ፕሮፌሽናል ሰኣልትን ውዕዉዓት ዕቃበን ብሓባር ውድድር ሽልማት መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም ክጅምር ገይሮም። ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ሚሸል ዉድ ተጸንቢራ።
ካብ’ቲ እዋን’ቲ ጀሚሩ ድማ፡ እናዓበየ ከይዱ ንዓለም እንስሳ ዘገዳም ትርጉም ዘለዎ ኣበርክቶ ክገብር ዝኽእል ዓለማዊ ውድድር ኮይኑ።
እዚ ዘዘናግዕ ውድድር ገለ ካብቶም ዝያዳ ዘስሕቑ ምስልታት ተፈጥሮኣዊ ዓለም ንምርኣይ ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ብቐንዱ ንዕቃበ እንስሳ ዘገዳም ድማ ዘጉልሕ እዩ።
በብዓመቱ ካብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ጀመርትን ክኢላታትን ሰኣልቲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምስልታት ብምቕባል ዓለምለኻዊ ሽፋን መራኸቢ ብዙሃን ይረኽቡ።
ቢቢሲ እውን ንዝሓለፉ ዓመታት መስሓቕቲ ተዓወትትን ሕጹያትን ስእልታት እዚ ውድድር ከቕርብ ጸኒሑ እዩ።
ቁሩብ ክትስሕቑ ድሌት እንተሃሊኹም፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመተ ውድድራት ካብ ዝቐረቡ ገለ ስእልታት መሪጽናልኩም ኣለና። እነሆ ፍሽኽ በሉ...