መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም

‘ኣብ ሰማይ ትነብር ኣቦና ስምካ ይወደስ መንግስትኻ ትምጻእ. . .’

ምንጪ ስእሊ, ROLAND KRANITZ / COMEDY WILDLIFE PHOTO AWARDS

መግለጺ ስእሊ, ‘ኣብ ሰማይ ትነብር ኣቦና . . .’

ነዛ ስእሊ ኣብ ሃንጋሪ ዝሰኣላ ሮላንድ ክራኒትዝ፡ “ልክዕ ንዓይ ‘ትደርፈለይ’ ዘላ ኰይኑ ተሰሚዑኒ” ይብል።

_____________________

ፍሽኽታን ምጽዋግን ክልተ ኣንጻራዊ ስምዒታት እዮም። ክልቲኦም ድማ ኣብ ጥዕና፡ ሓዳርን ብሓፈሻ ኣብ ህይወትናን ዘሕድርዎ ርኡይ ጽልዋ ኣለዎም።

ፍሽኽታ መብዛሕትኡ ግዜ እወታዊ ስmዒት ከመልክት ከሎ፡ ምጽዋግ ግን ከም ሓዘን፡ ቍጥዐ፡ ሕርቃን ዝኣመሰሉ ኣሉታዊ ስምዒታት ይገልጽ።

ኣብ 2009 ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ናይ ትምህርቲ ዓመታዊ መጽሔት ኮለጅ ተጸዊጐም ዝተሰኣሉ ተመሃሮ ካብቶም ፍሽኽ ዝብሉ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዝዛየድ ኣብ ሓዳሮም ክፋትሑ ተኽእሎ ኣሎ።

ተመራመርቲ፡ ኣብ 1950ታት ዝነበሩ 230 ስእልታት ተጻወትቲ ቤዝቦል መጽናዕቲ ኣካይዶም፤ እቶም ምስ ዝያዳ ሓቀኛ ፍሽኽታ ዝተሰኣሉ ተጻወትቲ ካብቶም ካልኦት ዝነውሐ ዕድመ ከም ዝነበሩ ክፈልጡ ክኢሎም እዮም።

ሰለስተ ቀንዲ ዓይነታት ፍሽኽታ ከም ዘለዉ መጽናዕትታት የመልክቱ፤

ዓስቢ ስዒቡ ዝመጽእ ፍሽኽታ፡ ተቐባልነት፡ ሓጐስ፡ ዕግበትን ካልኦት ኣወንታዊ ስምዒታትን የመሓላልፍ።

ምስ ርክብ ዝተኣሳሰር ፍሽኽታ፡ እወታዊ ዕላማ፡ ተኣማንነት፡ ዋንነት፡ ርህራሀን ማሕበራዊ ምትእስሳርን የመልክት። እቲ ሳልሳይ ምስ ዕብለላ ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ ንዕቀት፡ ጽልኢ፡ ወይ ልዕልና ንምግላጽ ዝዓለመ’ዩ። እዚ ሳልሳይ ዓይነት ፍሽኽታ ዘርእዩ ሰባት መጠን ኮርቲሶል ዝተበሃለ ሆርሞኖም ስለ ዝብርኽ ንጸቕጢ ናይ ምቅላዕ ተኽእሎኦም’ውን ከም ዝውስኽ ተረጋጊጹ እዩ።

ብተወሳኺ ፍሽኽ ዝብሉ ሰባት ዝተፈላለዩ ረብሓታት ጥዕና ክረኽቡ ልዑል ተኽእሎ ኣሎ። ፍሽኽታ፡

  • ነዊሕ ዕድመ ንኽንነብር ይሕግዘና፡
  • ጸቕጢ የቃልል፡
  • ጽቡቕ ስምዒት ክብርኽ ይገብር፡
  • ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕምና ክብርኽ ይገብር፡
  • ጸቕጢ ደም ከጕድል ይኽእል፡
  • ቃንዛ ይቕንስ፡
  • ተፈተውቲ ይገብረና፡
  • ጽኑዓት ይገብረና፡
  • ዕውታት ከም ዝዀንና ይሕብርን፡
  • ብሓፈሻ እወታዊ ንኽንከውን ይሕግዘናን።

ስለዚ ብዝተኸኣለ መጠን ፍሽኽታ ካብ ገጽና እንተዘይጠፍአ ይምከር።

እምበኣር ንሎሚ ፍሽኽ ክትብሉ ዝሕግዙ 10 ስእልታት እንስሳ ዘገዳም መሪጽናልኩም ኣለና፤ ፍሽኽ በሉ።

‘ጠፈርተኛ’

ምንጪ ስእሊ, ROIE GALITZ/ COMEDY WILDLIFE PHOTO AWARDS 2019

መግለጺ ስእሊ, ‘ጠፈርተኛ’

'እዚ ምስኪን ንእሽቶ ጃፓናዊ ህበይ ኣብ በረድ ድሕሪ ምግልባጡ ተሲኡ ጎይዩ' - ሮይ ጋሊትዝ።

‘ሰላማት ደቂ ዓዲ!’

ምንጪ ስእሊ, BARRY CHAPMAN/ COMEDY WILDLIFE PHOTO AWARDS 2019

መግለጺ ስእሊ, ‘ሰላማት ደቂ ዓዲ!’

"ሓንቲ ዋልታዊ ድቢ ኣደ ምስ ክልተ ኰርኵር ደቃ ክትጓዓዝ ከላ ንኣስታት ክልተ ሰዓታት ተዓዚበ፤ ደሓር ኵሎም ካባና ርሒቘም ከይዶም። እቲ ሓደ ወዳ ግን ገጹ ምልስ ኣቢሉ ኢዱ ኣወዛዊዙ" ብምባል ሰኣሊኣ ቤሪ ቻፕማን ዘጋጠሞ ዘደንጹ ህሞት ይገልጽ።

‘ንእሽቶ መርዓት’

ምንጪ ስእሊ, ANDREA ZAMPATTI

መግለጺ ስእሊ, ‘ንእሽቶ መርዓት’

እዚኣ ኣብ እዋን ዝሑል ክሊማ እትድቅስ ኣንጭዋ እትመስል እንስሳ ዶርማውዝ ትበሃል። ብኣንድሬ ዛምፓቲ ኣብ ኣኽራናት ኢጣልያ ተሳኢላ፤ ኣብ ምድብ ፍጥረታት መሬት ድማ ተዓዊታ’ያ።

ኣንድሬ፡ 'እናተጓዓዝኩ ከለኹ፡ ካብ ወሰን ጫካ ርሱንን ዝገርምን "ጻውዒት" ክሰምዕ ጀሚረ። ንቕሩብ ደቓይቕ ምስ ደለኹ፡ ነዛ ንእሽቶ ዶርማውዝ ረኺበ ተገሪመን ተሓጕሰን” ይብል።

‘ፍሉይ ሓይሊ’ዶ ፓራኮማንዶ?’

ምንጪ ስእሊ, JENNIFER HADLEY/COMEDY WILDLIFE 2022

መግለጺ ስእሊ, ‘ፍሉይ ሓይሊ’ዶ ፓራኮማንዶ?’

እዛ ኣንበሳ ምስ ሓዋ ኣብ ገረብ እናተጻወተት ከላ ንታሕቲ ክትወርድ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን እያ ተሳኢላ። እዛ ስእሊ ናይ 2022 ሓፈሻዊ ሽልማት ተዓዊታ’ያ።

‘ፍቕሪ ውላድን፡ ከንፈር ሰበይትን ዘይስዕሮ የለን’

ምንጪ ስእሊ, Sophie Hart/Comedy Wildlife Photography Awards 2022

መግለጺ ስእሊ, ‘ውላድ ሕሱም’

ሶፊ ሃርት፡ ‘ህይወት ኣደ' ኢላ ዝሰመየታ እዛ ስእሊ እንስሳታት ልክዕ ከም ሰባት ሓዘን፡ ጭንቀት፡ ድኻም፡ ተስፋ ምቝራጽ ከም ዝስምዖም እተመልክት እያ።

‘እሞ እዚኣ’ዶ ክትኣብየኒ!’

ምንጪ ስእሊ, Tímea Ambrus/Comedy Wildlife Photography Awards 2022

መግለጺ ስእሊ, ‘ዝረኸበት ትርከበኒ!’

እዚ ጉንጓ ምንፋር ተሃክይዎ ምዝላል ዝመረጸ ይመስል።

‘ተካሊት ዑፍ ክርም ከሪማ መስከረም ትዓውር’

ምንጪ ስእሊ, Jean-Jacques Alcalay-Marcon/Comedy Wildlife Photography Awards 2022

መግለጺ ስእሊ, ‘ተካሊት ዑፍ ክርም ከሪማ መስከረም ትዓውር’

እዛ ኣብ ሕቖ ጉማረ ደው ዝበለት ዑፍ እንታይ’ኰን ኣጋጢምዋ ይኸውን?

ሰኣሊኣ ጂን-ጃኴስ ግን እቲ ጉማረ የንባሁቕ ከም ዝነበረ’ዩ ዝገልጽ።

‘ክጎዪ’ዶ ክነፍር?’

ምንጪ ስእሊ, Bojan Bencic/Comedy Wildlife Photography Awards 2022

መግለጺ ስእሊ, ‘ክጐዪ’ዶ ክነፍር?’

ቦጃን ቤንቺክ ኣብ ማክሲሚር፡ ክሮሽያ ዝሰኣላ እያ።

‘ጸጥ ከም ዘይረኣኹም!’

ምንጪ ስእሊ, Kevin Lohman/Comedy Wildlife Photography Awards 2022

መግለጺ ስእሊ, ‘ስቕ ከም ዘይረኣኹም!’

እሞ እንስሳታት ስምዒት ካብ ምግላጽ ሓሊፎም ምስ ደቂ ሰባት ከም ዝረዳድኡ እዛ ጽቕጠት ዓይኒ መርትዖ’ዶ ኣይትመስለኩምን?