እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም
ነዛ ስእሊ ኣብ ሃንጋሪ ዝሰኣላ ሮላንድ ክራኒትዝ፡ “ልክዕ ንዓይ ‘ትደርፈለይ’ ዘላ ኰይኑ ተሰሚዑኒ” ይብል።
_____________________
ፍሽኽታን ምጽዋግን ክልተ ኣንጻራዊ ስምዒታት እዮም። ክልቲኦም ድማ ኣብ ጥዕና፡ ሓዳርን ብሓፈሻ ኣብ ህይወትናን ዘሕድርዎ ርኡይ ጽልዋ ኣለዎም።
ፍሽኽታ መብዛሕትኡ ግዜ እወታዊ ስmዒት ከመልክት ከሎ፡ ምጽዋግ ግን ከም ሓዘን፡ ቍጥዐ፡ ሕርቃን ዝኣመሰሉ ኣሉታዊ ስምዒታት ይገልጽ።
ኣብ 2009 ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ናይ ትምህርቲ ዓመታዊ መጽሔት ኮለጅ ተጸዊጐም ዝተሰኣሉ ተመሃሮ ካብቶም ፍሽኽ ዝብሉ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዝዛየድ ኣብ ሓዳሮም ክፋትሑ ተኽእሎ ኣሎ።
ተመራመርቲ፡ ኣብ 1950ታት ዝነበሩ 230 ስእልታት ተጻወትቲ ቤዝቦል መጽናዕቲ ኣካይዶም፤ እቶም ምስ ዝያዳ ሓቀኛ ፍሽኽታ ዝተሰኣሉ ተጻወትቲ ካብቶም ካልኦት ዝነውሐ ዕድመ ከም ዝነበሩ ክፈልጡ ክኢሎም እዮም።
ሰለስተ ቀንዲ ዓይነታት ፍሽኽታ ከም ዘለዉ መጽናዕትታት የመልክቱ፤
ዓስቢ ስዒቡ ዝመጽእ ፍሽኽታ፡ ተቐባልነት፡ ሓጐስ፡ ዕግበትን ካልኦት ኣወንታዊ ስምዒታትን የመሓላልፍ።
ምስ ርክብ ዝተኣሳሰር ፍሽኽታ፡ እወታዊ ዕላማ፡ ተኣማንነት፡ ዋንነት፡ ርህራሀን ማሕበራዊ ምትእስሳርን የመልክት። እቲ ሳልሳይ ምስ ዕብለላ ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ ንዕቀት፡ ጽልኢ፡ ወይ ልዕልና ንምግላጽ ዝዓለመ’ዩ። እዚ ሳልሳይ ዓይነት ፍሽኽታ ዘርእዩ ሰባት መጠን ኮርቲሶል ዝተበሃለ ሆርሞኖም ስለ ዝብርኽ ንጸቕጢ ናይ ምቅላዕ ተኽእሎኦም’ውን ከም ዝውስኽ ተረጋጊጹ እዩ።
ብተወሳኺ ፍሽኽ ዝብሉ ሰባት ዝተፈላለዩ ረብሓታት ጥዕና ክረኽቡ ልዑል ተኽእሎ ኣሎ። ፍሽኽታ፡
- ነዊሕ ዕድመ ንኽንነብር ይሕግዘና፡
- ጸቕጢ የቃልል፡
- ጽቡቕ ስምዒት ክብርኽ ይገብር፡
- ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕምና ክብርኽ ይገብር፡
- ጸቕጢ ደም ከጕድል ይኽእል፡
- ቃንዛ ይቕንስ፡
- ተፈተውቲ ይገብረና፡
- ጽኑዓት ይገብረና፡
- ዕውታት ከም ዝዀንና ይሕብርን፡
- ብሓፈሻ እወታዊ ንኽንከውን ይሕግዘናን።
ስለዚ ብዝተኸኣለ መጠን ፍሽኽታ ካብ ገጽና እንተዘይጠፍአ ይምከር።
እምበኣር ንሎሚ ፍሽኽ ክትብሉ ዝሕግዙ 10 ስእልታት እንስሳ ዘገዳም መሪጽናልኩም ኣለና፤ ፍሽኽ በሉ።
'እዚ ምስኪን ንእሽቶ ጃፓናዊ ህበይ ኣብ በረድ ድሕሪ ምግልባጡ ተሲኡ ጎይዩ' - ሮይ ጋሊትዝ።
"ሓንቲ ዋልታዊ ድቢ ኣደ ምስ ክልተ ኰርኵር ደቃ ክትጓዓዝ ከላ ንኣስታት ክልተ ሰዓታት ተዓዚበ፤ ደሓር ኵሎም ካባና ርሒቘም ከይዶም። እቲ ሓደ ወዳ ግን ገጹ ምልስ ኣቢሉ ኢዱ ኣወዛዊዙ" ብምባል ሰኣሊኣ ቤሪ ቻፕማን ዘጋጠሞ ዘደንጹ ህሞት ይገልጽ።
እዚኣ ኣብ እዋን ዝሑል ክሊማ እትድቅስ ኣንጭዋ እትመስል እንስሳ ዶርማውዝ ትበሃል። ብኣንድሬ ዛምፓቲ ኣብ ኣኽራናት ኢጣልያ ተሳኢላ፤ ኣብ ምድብ ፍጥረታት መሬት ድማ ተዓዊታ’ያ።
ኣንድሬ፡ 'እናተጓዓዝኩ ከለኹ፡ ካብ ወሰን ጫካ ርሱንን ዝገርምን "ጻውዒት" ክሰምዕ ጀሚረ። ንቕሩብ ደቓይቕ ምስ ደለኹ፡ ነዛ ንእሽቶ ዶርማውዝ ረኺበ ተገሪመን ተሓጕሰን” ይብል።
እዛ ኣንበሳ ምስ ሓዋ ኣብ ገረብ እናተጻወተት ከላ ንታሕቲ ክትወርድ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን እያ ተሳኢላ። እዛ ስእሊ ናይ 2022 ሓፈሻዊ ሽልማት ተዓዊታ’ያ።
ሶፊ ሃርት፡ ‘ህይወት ኣደ' ኢላ ዝሰመየታ እዛ ስእሊ እንስሳታት ልክዕ ከም ሰባት ሓዘን፡ ጭንቀት፡ ድኻም፡ ተስፋ ምቝራጽ ከም ዝስምዖም እተመልክት እያ።
እዚ ጉንጓ ምንፋር ተሃክይዎ ምዝላል ዝመረጸ ይመስል።
እዛ ኣብ ሕቖ ጉማረ ደው ዝበለት ዑፍ እንታይ’ኰን ኣጋጢምዋ ይኸውን?
ሰኣሊኣ ጂን-ጃኴስ ግን እቲ ጉማረ የንባሁቕ ከም ዝነበረ’ዩ ዝገልጽ።
ቦጃን ቤንቺክ ኣብ ማክሲሚር፡ ክሮሽያ ዝሰኣላ እያ።
እሞ እንስሳታት ስምዒት ካብ ምግላጽ ሓሊፎም ምስ ደቂ ሰባት ከም ዝረዳድኡ እዛ ጽቕጠት ዓይኒ መርትዖ’ዶ ኣይትመስለኩምን?