እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም
ድሕሪ ዓቢ ጾም፡ ረመዳንን ፋሲካን ናይዚ ሰሙን ስራሕን ቁሩብ ድኻም እንተተሰሚዕኩም፡ ዓርብኹም ብርህ ዘብል ነገር ኣለና።
እንስሳታት ተፈተውቲ፡ ጨካናትን መሳኪን፡ ዘገርሙ ክዀኑ ይኽእሉ - ግን ከኣ መስሓቓት’ውን እዮም።
መስረትቲ ውድድር መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም፡ “ፕላኔትና ኣብ ጭንቂ እያ ዘላ፡ ኩላትና ንፈልጦ ኢና” ይብሉ።
ግንከ እንታይ ክንገብር ንኽእል? ኩሉ ሰብ ኣብ ዕቃበ እንስሳታት ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል’ዩ።
ንኣብነት ክንገብሮም እንኽእል ሰለስተ ቀለልቲ ተግባራት ኣለዉ፡
- ብሓላፍነት ምዕዳግ፡ ከም ፕላስቲክ ዝበሉ ኣብ ኣከባቢ ጽልዋ ዘለዎም ነገራት ምውጋድ።
- ኣብ ገዛ ንጥቀሞ ማይ ምግዳብ፡ ዘይምብኻን።
- ኣብ ዕቃበ እንስሳታት ጎስጓስ ምክያድ።
ካብ ውድድር መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም ከምኡ’ውን ካብ ውድድር ስእሊ እንስሳ ዘገዳም ዝረኸብናዮም 10 መስሓቕ ስእልታት መሪጽናልኩም ኣለና።
ተዛነዩታ . . .
ኣብ መንደቕ ዶብ ሜክሲኮ ደው ዝበለ ጎያዪ፡ ብሉጽ ሰኣላይ ኣዕዋፍ ናይዚ ዓመት ተባሂሉ።
እዛ ዑፍ ኣብ ሓደ ክፋል እቲ 3,000 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን እያ ተሳኢላ። እዚ መንደቕ ዶብ፡ ንባህርያት ናይቲ ከባቢን ዓይነታት እንስሳታትን ብኸመይ ክዘርግ ከም ዝኽእል ዘርኢ እዩ።
እዞም ክልተ ኣድጊ በረኻ ኣብ ታንዛንያ፡ ኒጎቶንጎሮ ብሰሓቕ ተግ ይብሉ። ክልቲኦም ተባዕትዮ ኮይኖም ጽቡቕ ዋዛን ቁሩብ ሕሜታን ዘሕለፉ ይመስሉ። እወ፡ ደቂ ተባዕትዮ እውን ይሓምዩ እዮም።
እዛ ጎብየ ሕጊ ብዝጥሕሱ ሰባት ተማርር፤ ኣብነት ክትከውን ድማ ትደልይ። ግን ነቲ “ቀስ በል” ዝብል ምልክት ብጣዕሚ ኣርዚና ዝወሰደቶ ትመስል።
እዚ ጉንጓ ከም ወዲ ሰብ ናብራ ዝኸበዶ ይመስል። ኣብ ደቡብ እስራኤል፡ ብሹሊ ግሪንስታይን’ዩ ተሳኢሉ።
ስለላ ድዩ ካብ ሃድን ምሕባእ?
'ኣብ ሪችሞንድ ፓርክ፡ እዚ ዓጋዘን ብተኽሊ ተሸፊኑ ኣስተብሂለ። ብተኽልን ሳዕርን ክስለሙ ዘይተለምደ ኣይኰነን፡ ናይዚ ግን ሕይል ዝበለ’ዩ” ይብል ማይክ ሮው።
ኣብ ኩራሳኦ፡ ሆላንድ ዝተሳእለት እዛ ዓሳ፡ ብቲ ሰኣላይ ዝተመሰጠት ትመስል።
እዛ ስእሊ ኣብ 2018 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ምስሊ ስነ-ህይወት ቢኤምሲ ብልጽቲ ተወዳዳሪት ነይራ። እዚ ውድድር ብባዮሜድ ሰንትራል ዝካየድ ኰይኑ፡ ብዙሕነት ህይወት ወይ ኣገዳስነት ዕቃበ ዝኣመሰሉ ኣገዳስቲ ቴማታት ስነ-ህይወት የንጸባርቕ።
ማርክ ሳይሰን፡ ነዚ ፔንጉን ኣብ ደሴታት ፎክላንድ’ዩ ስኢልዎ። እታ ስእሊ ድማ ካብቶም ኣብ 2021 ኣብ ውድድር ብሉጽ ሰኣላይ ኣዕዋፍ ናይዚ ዓመት ዝነበሩ ብሉጻት ስእልታት ነይራ።
እዞም ምውቕ ዕርክነት ዘለዎም ዝመስሉ ኣናብስ፡ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ሕዛእቲ ማሳይ ማራ ብኣሽሊ ማኮርድ ተሳኢሎም።
እዞም ክልተ ኣህባይ ጉዳዮም እናፈጸሙ እዮም ተረኺቦም። ኣብ ዘይኰነ ሰዓትን ዘይኰነ ቦታን’ኳ እንተተሰኣሉ፡ ስእሎም ግን ሓንቲ ካብተን ኣብ 2019 ናብ ናይ መወዳእታ ዙር ዝበጽሓ እያ።