መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም

ንስሱዕ ሓደው ይወድቆ፡ ሓደው ይሓንቆ ድዮም ዝብሉ? ብጆን ቻኒ ኣብ ኣሜሪካ ተሳኢላ ኣብ ውድድር መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም 2022 ዝቐረበት ስእሊ'ያ።

_______________________

ሓርማዝ ሓጐሱ ብኸመይ ይገልጽ? ቺምፓንዚ ሓዘንን ጭንቀትን ይስምዖ’ዶ? ኣኽላባትን ደማሙን ንምንታይ ጸወታ ይፈትዉ?

ማርክ ቤኮፍ ኣብ ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ዘካየዶ ትንተና ኣብ 2000 ኣብ መጽሔት ባዮሳይንስ፡ ጥራዝ 50፡ ሕታም 10 ኣቕሪቡ ነይሩ።

ንሱ፡ ብዙሓት እንስሳታት ከም ሓጐስ፡ ፍርሒ፡ ፍቕሪ፡ ተስፋ ምቑራጽ፡ ሓዘንን ሕፍረትን ዝኣመሰለ ስምዒታት ከም ዝስምዖም ዘስደምም መርትዖታት ይህብ።

ማርክ፡ እንስሳታት ሓጎስ፡ ባህታን ጸወታን ዘስተማቕርዎ ከም ዝመስሉ ዝተፈላለዩ ተመራመርቲ ተወኪሱ ይሕብር።

ብዙሓት እንስሳታት ዓርኪ ወይ ዝፈትውዎ ሰብ ብምስኣኖም ሓዘን ከም ዝስምዖም ዝሕብሩ መርትዖታት’ውን ሒደት ኣይኰኑን።

ምስ ሓደ ወይ ሓንቲ መጻምዲ ጥራይ ርክብ ዝህልዎም እንስሳታት ብዙሓት እዮም፤ እዚ ፍቕሪ ኣይመስልን’ዶ?

ሓቂ እዩ፡ እንስሳታት እንታይ ከም ዝስምዖም ክነግሩና ስለ ዘይኽእሉ፡ ስምዒቶም ብርግጽ ክንፈልጥ ኣጸጋሚ እዩ።

እዞም ንሎሚ ዝመረጽናልኩም ኣሰርተ ኣሳእል ግን ክንዲ'ቲ ዝግመት ኣጸጋሚ ከም ዘይኰነ ይምስክሩ።

ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ጸጉሪ ክበላሾ ከሎ ዓመላ ከመይ ይዀን? ኤሪክ ኬለር ኣብ ደሴት ደቡብ ጆርጅያ ዝሰኣላ እያ።

ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ድቢ እንታይ ከም ዘጋጠመ ንጹር ኣይኰነን፡ እንተዀነ እቲ ደው ዝበለ ገለ ዘይመሰጦ ነገር ርእዩ ክርሕቕ ዝደለየ ይመስል።

ካብ ዕረፍቲ ናብ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ክትምለሱ ከለኹም? ትካዘ ዝስምዓኩም ኣለኹም’ዶ?

ኣብ ፕራግ ቸክ ሪፓብሊክ ኣብ ዝርከብ ቐላይ ከተማ፡ ኣብ ጽምው ዝበለ ህሞት ዝተረኸበት ጫቚት ደርሆ- ማይ፡ ድልየታ ጽንጽያ ክትሃድን'ዩ ነይሩ፤ ኣበይ እሞ?

ዚደነክ ጃክል ኣብ 2021 ኣብ ውድድር ሰኣሊ ኣዕዋፍ ናይዚ ዓመት ዘቕረባ እያ።

እንስሳታት ስምዒት ይሃልዎም ኣይሃልዎም እንታይ ኣገዳስነት ኣለዎ?

ኣብ መንጎ ስምዒታት ደቂ ሰባትን እንስሳታትን ዘሎ ተመሳሳልነት፡ ንእንስሳታት ብዝሓሸ መንገዲ ክንርዳእ ይሕግዘና።

ኣብ መንጎ ደቂ ሰባትን እንስሳታትን ኣብ ዝግበር ስምዒታዊ መግለጺታት ርጉጽ ባህርያውን ስነ-ኣካላውን ተመሳሳልነት ከምዘሎ መጽናዕትታት ይሕብሩ።

እንስሳታት ንከባቢኦም ዝህብዎ ምላሽ ልክዕ ከምቲ ናይ ደቂ ሰባት እዩ። ንኻልኦት ስምዒታዊ ምላሽ ይህቡ፡ ኹነታት ይግምግሙን ኣብ እዋን ሓደጋ ድማ ውጥረትን ጭንቀትን ይስምዖም።

ብዛዕባ ባህርያውን ስነ-ኣካላውን ባእታታት ስምዒታት እንስሳታት ብዝተረዳእና መጠን፡ ብዛዕባ ስምዒታት፡ እንተላይ ናይ ገዛእ ርእስና ስምዒታት፡ ከምኡ’ውን ንባህሪና ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ዝያዳ ንርዳእ።

ብተወሳኺ፡ እንስሳታት እንንከባኸበሉ ሃዋህው፡ እነርእዮም ሓልዮት ዳግማይ ክንሓስበሉ ከተባብዓና ይኽእል።

ኣብ መወዳእታ ናታቶምን ናይ ገዛእ ርእስናን ከባቢታት ከነመሓይሽ ንኽእል፤ እዚ ድማ ርክብ ሰብን እንስሳን ዘመሓይሽ እዩ።

እዞም እንስሳታት ዘጋጥሞም ኣሉታዊ ስምዒታት ምንካይ፡ ከምኡ’ውን ተመኩሮ እወታዊ ስምዒታት ምዕባይ፡ ስነ-ምግባራዊ ዕላማና ክንገብር ንኽእል።

ኣብ እንስሳታት ዝበጽሑ ሓደጋታት ምክልኻል ይከኣል’ዩ፤ እንተወሓደ ድማ ኣብ እንስሳታት ሓደጋ ካብ ምስዓብ ንክንዕቀብ ክንውስን ንኽእል ኢና።

"እዚ ጉዳይ ድሕነት እንስሳታት ጥራይ ኣይኰነን ዘልዕል - ንመሰላት እንስሳታት'ውን ዘመልክት'ዩ” ትብል ዶክተር ባርባራ ጀይ ኪንግ።

ንሳ ኣብ ኮለጅ ዊልያምን ሜሪን ፕሮፌሰር ስነ-ሰብ እያ፤ ‘ሃው ኣኒማልስ ግሪቭ’ (እንስሳታት ሓዘኖም ብኸመይ ይገልጹ) እትብል መጽሓፍ’ውን ኣለታ።

"እንስሳታት ክስምዖም ዝኽእል ዓሚቕ ስምዒታት እንተድኣ ተረዲእናዮ፡ ኣብ መላእ ዓለም ህላወ መካነ እንስሳታትን መሕረዲ ቦታታትን ኣብ ሕቶ ምልክት ከነእቱ ይግባእ፡ ነቶም ስርዓታት ድማ ዳግማይ ክንሓስበሎም ኣለና። ምኽንያቱ ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ባዕልና ዝስምዓና ሓዘን ኣብ መላእ ዓለም ብኹሎም ዓይነት እንስሳታት ዝስምዖም ሓዘን ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።”

እዚ ዑፍ ኣብ ርሑቕ ሰሜን ስኮትላንድ ብኬቪን ሞርጋንስ እዩ ተሳኢሉ፤ ኣብ ውድድር ሰኣሊ ኣዕዋፍ ናይዚ ዓመት ድማ ቀሪቡ ነይሩ።

ኣብ 2021 ኣብ ውድድር ሰኣሊ ኣዕዋፍ ናይዚ ዓመት ዝቐረበት እዛ ስእሊ፡ ውላዶም ካብ ሓያል ቁሪ ክከላኸሉ ዝጽዕሩ ክልተ ፐንጒን ተርእይ።

ኣብ ባሕሪ ወዴል፡ ኣንታርቲካ ብዴቪድ ቲፕሊንግ ተሳኢላ፡ ኣብ ውድድር ሰኣሊ ኣዕዋፍ ናይዚ ዓመት ድማ ቀሪባ ነይራ።

እዛ ዑፍ መዓር ዕምባባ ድሕሪ ምምጻያ፡ ኣብቲ ኣብ ዕምባባ ዝተዋህለለ ማይ ዝናብ ተዕርፍ። ሙሳም ሬይ ኣብ ውድድር ሰኣሊ ኣዕዋፍ ናይዚ ዓመት ዝተወዳደረላ ስእሊ እያ።

ብድፍረት እቲ ሓሸራ ዝተደናገረ እዚ ሃሚንግበርድ ኣብ ኮስታሪካ ብጋይል ቢሶን ተሳኢሉ። ከም ኣጋጣሚ ኰይኑ እቲ ሓሸራ ኣብ መወዳእታ ከይተጎድአ በሪሩ’ዩ።