ጭዋዳታትካ ከይሃሰኻ ሚዛን ኣካልካ ናይ ምጕዳል ሜላ


መዓንጣኣ እናተለከዐት እትረአ ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ልዕሊ ንቡር ሚዛን ኣካላት ዘለዎም ሰባት፡ መብዛሕትኦም ሚዛን ንምጕዳል ዘይገብርዎ ጻዕሪ የሎን።

ሚዛን ብዝተፈለለየ ኣገባባት ክጐድል ይኽእል እዩ፣ እቲ ቀንዲ ነገር ከኣ ልዕሊ እቲ ትበልዖ መጠን ካሎሪ ምቅጻል'ዩ።

ካሎሪ እንታይ'ዩ? ብኸመይከ ነቃጽሎ ኣብ ዝብል'ዩ ሰብ ዝድረት ወይ ዝፈለላ።

ኣብ ሆስፒታል ሳኦ ፖውሎ ክኢላ ምውስዋስ ኣካላት ፓቢሎስ ብራጋ፡ "እቲ ሓሳብ፡ ኣካላትና ንኽንቀሳቐስ ከም ነዳዲ ነቲ ዘለዎ ጸዓት ክጥቀም ይጅመር - ቀንዲ ከኣ ስብሒ፡" ብምባል ይገልጾ።

ብቐንዱ፡ ምጕዳል ሚዛን ጥዑይ መግቢ ብምምጋብን ስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብምግባርን'ዩ ክስነ ዘለዎ።

ሓድሓደ ግዜ እቲ ንወስዶ ካሎሪ ውሑድ ኰይኑ ብዙሕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንገብር እንተዄንና፡ ናይ ኣካላትና ስብሒ ወዲእና ንጭዋዳታትና ክሳብ ምህሳይ ክንበጽሕ ስለ እንኽእል'ዩ ኵሉ ሚዛኑ ዝሓለወ ክኸውን ዘለዎ።

ክኢላታት፡ ድልዱል ጭዋዳታት ዘይምህላው ልክዕ ኣብ ኣካላትካ ልዕሊ ዓቐን ስብሒ ከም ምኽዛን'ዩ ኢሎም'ዮም ዝገልጽዎ።

ስለዚ፡ ሚዛን ንምጕዳል ኢልና ንጭዋዳታትና ኣብ ሓደጋ ዘየእቱ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኢና ክንገብር ዘለና።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ሳኦ ፓውሎ ክኢላ ሞታቦሊዝም ኢለይን ድያስ፡ "ሚዛን ምጕዳል ማለት በይኑ ኪሎግራማት ምጕዳል ጥራይ ኣይኰነን፣ ከም ጭዋዳ ዝኣመሰሉ ክፋላት ኣካላትና'ውን ጥቕሞምን ቀጻልነቶምን ዝሓለወ ክኸውን ኣለዎ፡" ትብል።

ሓደ ሰብ ካሎሪ ከቃጽል እንከሎ ኣካላቱ ሕጽረት ጸዓት'ዩ ዘጋጥሞ። ኣብ ከምዚ ህሞት ከኣ ኣካለትና ጸዓት ዝረኸበሉ ሜላ ከም ዝቕይር እታ ክኢላ ተብርህ።

"ጭዋዳ እቲ ቀንዲ ጸዓት ዝደልን ዘህልኽን ክፋል ኣካላትና'ዩ። ኣካላትና ከኣ ንጭዋዳታትና ዝያዳ ጸዓት ዘህልኽ ኢሉ ይርድኦ'ዩ፣ ልክዕ ከምዚ ኣብ ፋብሪካታት ወጻኢታት ንምንካይ ነቲ ቀንዲ ብዙሕ ዘህልኽ ክፋል ዓቕምታቱ ተጕድሎ፡ ኣካላት'ውን ጸዓት ከጕድል ምስ ዝደሊ ብመትንና'ዩ ዝጅምር፡" ትብል።

እዚ ከኣ ብምዕሩይ ምስ ዘይግበር፡ ሚዛን ንምጕዳል ኢልና እንገብሮ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንትሪ ጭዋዳታትና ከማህምኖ ይኽእል'ዩ።

ስለዚ፡ ጥዕና መትንታትና ከይሃሰና ከመይ ገይርና ኢና ሚዛንና ከነጕድል ንኽእል?

ምጥላልን ፕሮቲንን ቀንዲ መሰረት ምዕቓብ ጭዋዳታት

ክኢላታት ንኣካላትና ብማይ ምጥላል ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ'ዮም ዝገልጹ።

ኢለይን ድያስ፡ "መትንታታን 70 ሚኢታዊት ትሕዝቶኡ ማይ'ዩ። ስለዚ ብግቡእ ንኽሰርሕ ወትሩ ጥሉላት ክንከውን ኣለና። እዚ ማለት መዓልታዊ ንነፍሲወከፍ ኪሎግራምና ካብ 30 ክሳብ 40 ሚሊ ሊትር ማይ ከም ዘድልዮ ንረዳእ። ጭዋዳታትና ማይ ምስ ዝጐድሎ ዓቐኑ ጥራይ ዘይኰነ ዋላ ብቕዓቱ'ዩ ዝጐድል፡" ትብል።

ነዚ ቅልል ብዝበለ ኣገባብ ንምርድኡ ሓደ 100 ኪሎግራም ዝምዘን ሰብ ኣብ መዓልቲ ካብ 3 ክሳብ 4 ሊትሮ ማይ ክሰቲ ኣለዎ።

ብተወሳኺ፡ መትንና ከይሃሰና ሚዛን ከነጕድል ምስ እንደሊ፡ ፕሮቲን'ውን ኣገዳሲ'ዩ።

ሓደ ሚዛን ንምጕዳል ኢሉ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝገብር እኹል ሰብ፡ መዓልታዊ ንነፍሲወከፍ ኪሎግራም ሰብነቱ ካብ 1.4 ክሳብ 2 ግራም ፕሮቲን ክምገብ ኣለዎ።

ነዚ'ውን ቅልል ብዝበለ ኣገባብ ንምርድኡ፡ ሓደ 100 ኪሎግራም ዝምዝን ሰብ ኣብ መዓልቲ ካብ 140 ግራም ክሳብ 200 ግራም ፕሮቲን ክወስድ ኣለዎ።

ብክልተ ኣእሳዋ ሚዛን እናልዓለት ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ካልእ ክኢላታት ዝህብዎ ምኽሪ ምጕዳል ካሎሪ ሚዛኑ ዝሓለወ ክኸውን ከም ዘለዎ'ዮም።

ኢለይን ድያስ፡ "ኣብ መዓልቲ ክሳብ 500 ካሎሪ ምቅጻል ንቡር'ዩ። ኣብ መዓልቲ ካብዚ ንላዕሊ ከነቃጽል ምስ እንፍትን ግን ኣካላትና ንጭዋዳታትና'ዩ ከዳኽሞ ዝጅምር። እዚ ከኣ ንሜታቦሊዝምና ከጕድሎ ይጅምር፡" ትብል።

ሜታቦሊዝም ወሃዮታት ኣካላትና ንዝበላዕናዮ መግቢ ናብ ጸዓት ዝቕይረሉ ከሚካላዊ መስርሕ'ዩ።

ደቀንስትዮ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ብምውድዳር ዝወሓደ ሜታቦሊዝም'ዩ ዘለወን።

ኢለይን ድያስ፡ "ብቐጻሊ መዓልታዊ 500 ካሎሪ ምቅጻል ከቢድ ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ ብ300 ካሎሪ ኣብ መዓልቲ ኣቢልና እንተ ጀመርና ተመራጺ'ዩ፡" ትብል።

ብምቕጻል፡ "እዚ ኵሉ ግን ምዕሩይ ዝዀነ ኣመጋግባ ከሰንዮ ኣለዎ - ብፍላይ ከኣ ፕሮቲን። ብውሕዱ ሓደ ሲሶ ካብ እንምገቦ ትሕዝቶ ፕሮቲን ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ፡" ትብል።


መግቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካሎሪ ንምቅጻል ጥራይ ተባሂሉ ዘይግበር ምንቅስቓስ

ሚዛን ሰብነት ንምጕዳል ብዘይካ ኣብ ኣመጋግባ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር፡ ንመትንና ከይሃሰና ሚዛንና ንኸነጕድል ሓጋዚ'ዩ።

ዕላማና ስብሕና እናኣጕደልና ጭዋዳና'ውን ከነዐንትር እንተ ደሊና፡ እቲ እንገብሮ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክፍለ ንቡር'ዩ።

ኢለይን ድያስ፡ "ከም ምልዓል ክብደት ዝኣመሰለ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ጭዋዳታትና ንኽድልድልን ንኽዕንትርን ወሳኒ'ዩ፡" ትብል።

ኢለይን ድያስ ኣካላትና ብተፈጥሮኡ ኣብ ሓደ ግዜ ሓደ ዕላማ'ዩ ዘፈጽም፡ ወይ ስብሒ ምጕዳል ወይ መትኒ ምዕንታር።

ስብሒ ንምቅጻል ዝያዳ ካሎሪ ምህላኽ፡ መትኒ ንምዕንታር ከኣ ዝያዳ ካሎሪ'ዩ ዝጠልብ። ኣካላትና ከኣ ነዚ ክልተ ተጋራጫዊ ጠለባት ኣብ ሓደ ግዜ ከተግብሮ ኣይክእልን'ዩ።

ኢለይን ድያስ ቀጺላ፡ "ኣብ ገለ ፍሉይ ኣጋጠሚ ግን ንኣብነት ኣብ ድሕሪ ንጽፈ ጽግያት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ንኽልቲኡ ኣብ ሓደ ግዜ ከተግብራኦ ይኽእላ'የን፡" ትብል።

ሚዛን ንምጕዳል ወይ መትኒ ንምዕንታር ዝግበር ኣካላዊ ምንቅስቓስ ካልእ ተወሳኺ ረብሓታት ከም ዘለዎ ከኣ እዛ ክኢላ ትገልጽ።

ምስ ምውሳኽ ዕድመ ዝመጽእ ከም ክረሻ፡ ካልኣይ ደረጃ ሽኮርያ፡ ጸቕጢ ደምን ሕማም ልብን ክከላኸለ ይኽእል'ዩ።

ምዕሩይ ኣካላት፡ ጥዑይ ኣእምሮ

ካልእ ወሳኒ ረቛሒ ምዕቃብ ጭዋዳታት ጽቡቕ ስምዒት ንኽህልወና ዘለዎ ግደ'ዩ።

ፓቢሎስ ብራጋ፡ "እቲ ክብደት ንምጕዳልን ኣቃውማ ኣካላት ንምሕላውን ዝግበር ጕዕዞ ተወሳኺ ጸቕጢ ዘይፈጥር ክኸውን ኣለዎ። ሓደ ሰብ ካብ መጠን ንላዕሊ ንነብሱ ዝነቅፍ ወይ ውጥረት ዘለዎ እንተዀይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ንጥዕናኡ ዝያዳ ክጐድእ ይኽእል'ዩ፡" ብምባል የጠንቅቕ።

እቲ ኣገዳሲ ነገር ነቲ ውጥን ምስ ክውንነት ነፍሲወከፍ ውልቀሰብ ምምጥጣን ምዃኑ ከኣ የጕልሕ።

"መደባት ስፖርታዊ ምንቅስቓስ፡ መደባት ስራሕ፡ ናይ ዕረፍቲ ግዜ - ኵሉ ኣብ ውሽጢ መዓልታዊ ህይወት ክሰማማዕ ኣለዎ። እቲ ሓቀኛ ዕላማ እዚ'ዩ፡" ብምባል ምኽሩ ይልግስ።