ስለምንታይ'ዮም መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ብብዝሒ ብኣእምሮኣዊ ሕማማት ዝሳቐዩ ዘለዉ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ቍጽሪ ብኣእምሮኣዊ ሕማማት ዝሳቐዩ ሰባት ብርኡይ'ዩ ወሲኹ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ።
ንዓሰርታት ዓመታት ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ ደቂ ተባዕትዮ ምስ ደቀንስትዮ ብምንጽጻር ሕክምናዊ ሓገዝ ናይ ምሕታት ድሌቶም ብ40 ሚእታዊት ዝወሓደ ከምዝዀነ የነጽር።
እንተዀነ ክሳብ ሕጂ ኮቴታትን መንእስያትን ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ከመይ ደረጃ ምስ በጽሑ ሕክምናዊ ሓገዝ ከምዝሓቱ ኣዝዩ ውሑድ ኣፍልጦ'ዩ ዘሎ።
ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ኣውሮጳ መጽናዕቲ ድሕሪ ምክያድ ዝተሓተመ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ "ኣዝዩ ዘተሓሳስብ'ዩ፡ መጠን ርእሰ ቅትለት ኮተቴታትን መንእሰያትን ደቂ ተባዕትዮ ልዑል ክንሱ ናብ ሕክምና ከይዶም ሓገዝ ዝሓቱ ግን ውሑዳት'ዮም" ይብል።
ነዞም መንእሰያት ሓገዝ ንኽሓቱ ናብ ሕክምና ንኸይከዱ ዝድርኾም ዘሎ ረቋሒ እንታይ'ዩ? ወለዲ፡ ሓገግቲ ኣካላትን ኣብያት ትምህርትን ከአ ተራአን እንታይ'ዩ ክኸውን ዘለዎ?
ብስቕታ ምስቓይ
ብደረጃ ዓለም፡ ካብ 10 ክሳብ 19 ኣብ ዝዕድመኦም ኮቴታትን ኣባጽሕን ደቂ ተባዕትዮ ሓደ ካብ ሸውዓት ሰባት ኣእምሮኣዊ ጸጋማት ከምዘጋጥሞ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘወጽኦ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ይሕብር።
ሕማማት ጸቕጢን ቅዛነትን እቶም ቀንዲ ነዞም መንእሰያት ዘጥቅዑ ሕማማት ኰይኖም፡ ካብ ቀንዲ ጠንቂ ሞት ካብ 15 ክሳብ 29 ዓመት ዝዕድመኦም ደቂ ተባዕትዮ ከምዝዀነ'ዩ እቲ ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝወጽአ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ዝሕብር።
'ብላንሰት ሳይክያትሪክ ኮምሽን' ዝተገበረ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ 75 ሚእታዊት ኣእምሮኣዊ ሕማማት ቅድሚ 25 ዓመቶም ከምዝጅምሮምን እቲ ዝበዝሐ ኣእምሮኣዊ ሕማማት ዝርኣየሉ ዕድመ ከኣ 15 ከምዝዀነ የረድእ።
እዚ ዅሉ እናዀነ ግን እቶም ብኣካላዊ ጥዕና ድልዱላት ብኣእምሮኣዊ ሕማማት ግን ዝተጠቕዑ ደቂ ተባዕትዮ፡ ናብ ሕክምና ከይዶም ሓገዝ ክሓቱ ኣይርኣዩን'ዮም።
ኣብ ኣእምሮኣዊ ጸገማት ደቂ ተባዕትዮ ኣመልኪቱ ንነዊሕ ዓመታት መጽናዕቲ ዘካየደ ኣውስትራልያዊ ፕሮፌሰር ፓትሪክ ማክጎሪ "ኣብ ዝሓለፈ 15 ክሳብ 20 ዓመታት ኣዝዩ ኣሻቓሊ ዝዀነ ኣእምሮኣዊ ሕማማት መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኢና ርኢና፡ እቲ ዝኸፍአ ነገር ከኣ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ሕክምናዊ ሓገዛት ክረኽብሉ ናብ ዝኽእሉ ማእከላት ዘይከዱ ምዃኖም'ዩ" ኢሉ።
ዳርጋ እቲ ሕማሞም ናብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ ብሰብ ክርአ ምስ ጀመረ፡ ብሓገዝ ካልኦት ሰባት ናብ ሕክምና ከምዝመጽኡ ከኣ ፕሮፌሰር ፓትሪክ ማክጎሪ የረድእ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክኢላታት እዚ ዓወዲ፡ ኮተቴታትን መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ሕክምዊ ሓገዛት ከይሓቱ ቀንዲ ምኽንያት ኰይኑ ዘሎ ነጥቢታት ማሕበራዊ ልምድታታን ንጸገማትካ ባዕልኻ ክትፈትሕ ናይ ምድላይን ከምዝዀነ ብምግላጽ፡ ብተወሳኺ ደቂ ተባዕትዮ ሓደ ነገር ምስ ዘጨንቘም ምልክት ድኻም ገይሮም ስለዝሓስብዎ'ዩ ይብሉ።
ኣብ ካናዳ ዩኒቨርስቲ ብሪቲሽ ኮሎምብያ ክኢላ ኣእምሮኣዊ ሕማማትን ዳይረክተር ናይቲ ንደቂ ተባዕትዮ ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዝቘመ 'ሄድስ ኣፕ ጋይስ' ዝተሰመየ ማሕበር ዝዀነ ዶክተር ጆን፡ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ሕክምናዊ ሓገዛት ምሕታት ከም ምልክት ድኻም ገይሮም ከምዝወስድዎ ይሕብር።
ዶክተር ጆን፡ "ብዛዕባ ተባዕታዊ ማሕበራዊ ምትእስሳር እንተተዛሪብና፡ ደቂ ተባዕትዮ እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎምን ዘይብሎምን ብዙሕ መምርሒታትን ምኽርታትን ኣሎ፡ ተሪር ኵን፡ ሓያል ኵን፡ ተጻዋሪ ኵን፡ ንነብስኻ እትቈጻጸር ኵን፡ ዝዀነ ድኽመት ወይ ተቓላዕነት ኣይተርኢ፣ ነገራት ባዕልኻ ፈቲሽካ ፍለጦም " ይብል።
ኣስዒቡ፡ "ብዙሕ ካብዞም ነገራት እዚኣቶም ምስ ናይ ገዛእ ርእስኻ ስምዒታዊ ህይወት ምትእስሳር ንምፍጣርን እንተድኣ ኣድልዩካ ሓገዝ ንምሕታትን ከም መሰናኽላት ኰይኖም ከም ዘገልግሉ ክትዕዘብ ትኽእል ኢኻ።" ይብል ዶክተር ጆን።
እቲ ዶክተር ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ዝወሃብ ኣእምሮኣዊ ሓገዛት ብቓና፡ ብቛንቋን ኣቀራርባን ሓሲብካ እንተኣዳሊኻዮ ንደቂ ተባዕትዮ መሳጢ ክኸውን ከምዝኽእልን ብኡኡ መንጽር ቍጽሪ ሕክምናዊ ሓገዛት ዝሓቱ ደቂ ተባዕትዮ ክውስኽ ከምዝኽእል የረድእ።
ዘይወግዓዊ ኣቀራርባ
ኣብዚ ቀረባ ዝተኻየደ መጽናዕትታት ከኣ ንደቂ ተባዕትዮ ብዘይካ እቲ ማሕበራዊ ልምድታትን ንጸገማትካ ባዕልኻ ክትፈትሕ ናይ ምድላይን [ድኹማት ክብሃሉ ስለዘይደልዩ]፡ ደቂ ተባዕትዮ ንምልክታት ኣእምሮኣዊ ሕማማት ስለዘይፈልጥዎን ብኸመይን ንመንን ሓጋዝ ክሓቱ ከምዘለዎ ስለዘይፈልጡን'ውን እቲ ካልእ ጸገም ምዃኑ ክኢላታት ይሕብሩ።
እቶም መንእሰያት ኣብ ክንዲ ኣብ ሕክምና ወግዓዊ ብዘይኰነ ኣገባብ ሓገዛት ክረኽቡ ከምዝመርጹ ከኣ ይርዳእ።
እዚ ምስ ኣዕሩኽቶም ብምዝርራብን ስሞምን መንነቶም ከይነገሩ ብማንዛ ሓገዝ ዝረኽብሉ ኣገባባትን ዝያዳ ውጽኢታዊ ከምዝዀነ ከኣ ክኢላታት ይሕብሩ።
ንኣብነት ኣብ ኣውስራልያ፡ እዚ ዘይወግዓዊ ብዝመስል ኣቀራርባ ንመንእያት ደቂ ተባዕትዮ ኣእምሮኣዊ ሓገዛት ዝረኽብሉ ኣገባብ ተፈቲኑ፡ ውጽኢት ተረኺብዎ'ዩ።
"መንእሰያት ኣብ ናይ መጀመርታ ርክብ ኣብ ናይ ምምኽኻር ክፍሊ ኮፍ ክብሉ ከምቲ ዝድለ ምቹእነት ዘይክፈጥረሎም ይኽእል'ዩ፤ ኮፍ ኢሎም ቃለ መሕትት ክግበረሎም ኣይደልዩን ይዀኑ" ይብል ፕሮፌስር ፓትሪክ ማክጎሪ።
ኣተሓሒዙ፡ "ምናልባት ዝያዳ ርጕእ ዕላል ክገብሩ ይመርጹ ይዀኑ፤ ካልእ እናገበሩ - ከም ንእግሪ መገድኻ ወይ ምናልባት ጸወታ ፑል ወይ ቴብል ቴኒስ እናተጻወቱ ዝገብርዎ ዕላላትን ዝያዳ ክፉታትን ከይተሰከፉ ክዛረቡን ከተባብዖም ይኽእል'ዩ፡" ብምባል እዚ ዘይወግዓዊ ዝመስል ኣቐራርባ ዝያዳ ውጽኢታዊ ምዃኑ የረድእ።
ማሕበራዊ ሚድያ፡ ዓርኪዶ ጸላኢ?
ማሕበራዊ ሚድያ ብዓል ክልተ ስሕለት'ዩ። ተነጽሎ ንዘጋጠሞም ኮተቴታት ናብ ሰብ ክሕውሶምን ኣገዳሲ ሓበሬታ ንኽረኽቡን ክሕግዞም ይኽእል'ዩ፤ ብኣንጻሩ ከኣ ንጐዳኢ ትሕዝቶን መርዛም ሓሳባትን ከቓልዖም'ውን ይኽእል'ዩ።
ክኢላ ስነኣእምሮኣዊ ሕማማት ዶክተር ሳይሞን ራይስ፡ "መብዛሕትኦም መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ኣብዚ እዋን ብመንገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ምስ ጸለውትን ብዛዕባ ተባዕታዊ ባህርያት ምስ ዝሰብኩ ደቂ ተባዕትዮ ክራኽቡ ይርኣዩ'ዮም" ይብል።
'ሙቨምበር' ዝተባሃለ መጽናዕታዊ ትካል ዝገበሮ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ እቶም ዝያዳ ንቓንዛ፡ ጸገማትን ስቓይን ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝምልከት ዝዳሎ መደባት ዝዕዘቡ ደቂ ተባዕትዮ ምስ መዛኑኦም ብምንጽጻር ዝያዳ ብኣእምሮኣዊ ጸገማት ከምዝጥቕዑ የረድእ።
ዶክተር ሳይሞን ራይስ ግን ኵሉ ትሕዝቶ ኣሉታዊ ከምዘይኰነን፡ ማሕበራዊ ሚድያታት ንጥዕና ኣእምሮ ንምምሕያሽ እውን ጠቓሚ መሳርሒ ክኸውን ከምዝኽእልን የጕልሕ።
ብተወሳኺ፡ "ማሕበረሰባት ኣብ ሓደ ኣብ ምምጻእ፡ ጽቡቕ ሓበሬታ ጥዕናን ጥዕና ኣእምሮን ኣብ ምሃብ፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ተኽእሎታት ጉድኣት ኣብ ምንካይ፡ ኣወንታዊ መዳያት ማሕበራዊ መራኸቢታት ክንጥቀመሉ ከም እንኽእል ከነረጋግጽ የደሊ፡" ይብል።
ይዅን እምበር፡ ኣሰራርሓ ኣልጎሪዝም ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ብባህሪኡ 'ቫይራል' ክኸውን ዝያዳ ተኽእሎ ዘለዎ ትሕዝቶ ንምዝርጋሕ ዝተዳለወ ብምዃኑ፡ እዚ ከቢድ ብድሆ ከም ዝዀነን፡ እወታዊን ንጥዕና ዝቐንዐን ትሕዝቶ ድማ ነዚ ኣልጎሪዝን ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ሰንጢቑ ናብ ኵሉ ክባጻሕ ከቢድ ምዃኑን እዚ ክኢላ የረድእ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ተመራማሪት ፕሮፌሰር ሚና ፋዝል ብወገና፡ ወለድን መንእሰያትን ኣልጎሪዝም ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ከመይ ከምዝሰርሕ ክፈልጡ ኣገዳሲ ምዃኑ'ያ ትሕብር።
ንሳን ብጾታን ዘካየድዎ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንጡፋት ዝዀኑ ሰባት እቶም ሓደ ሲሶ፡ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ርእሶም ሓደጋ እናኣውረዱ እንከለዉ ዘርኢ ቪድዮ ከምዝተዓዘቡ ትገልጽ።
እንተዀነ እቲ ጉዳይ በይኑ ማሕበራዊ ሚድያ ዝሕመየሉ ከምዘይኰነን ኣብ ሕብረተሰባት ዘሎ ለውጢ'ውን ኣብዚ መቓን ኣትዩ ክርአ ከምዘለዎ ፕሮፌሰር ሚና ፋዝል ትሕብር።
ንሳ "ማሕበራዊ ቅርጺ ስድራን ማሕበረሰብን ብቕልጡፍ'ዩ ዝቐያየር ዘሎ፤ ስለዚ ብጽቡቕ እንተተሰሪሕሉ ማሕበራዊ ሚድያ ንመንእሰያት ኣብ ምሕጋዝ ጽቡቕ መሳርሒ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ትብል።
ንጽምዋ ዘቃልዕ ረቋሒ
ሓደ ካብቲ ንመብዛሕትኦም ኮተቴታን መንእሰያትን ደቂ ተባዕትዮ ዘጋጥሞም ብድሆ ጽምዋ'ዩ።
ኣብዚ ዛዕባ ኣመልኪቱ ኣብ መጽሄት 'ጋሉፕ ሳርቨይ' ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ዝተሓተመ መጽናዕታዊ ጽሑፍ 25 ሚእታዊት ካብ 15 ክሳብ 34 ዝዕድመኦም ኣመሪካውያን ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብርቱዕ ጽምዋ ከምዝተሰመዖም ዝገልጽ ጽሑፍ'ዩ ሓቲሙ።
ኣብታ ሃገር ብሓፈሻ መጠን ጽምዋ 18 ሚእታዊት'ዩ፤ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ብተመሳሳሊ 18 ሚእታዊት'ዩ።
ኣብ ደቂ ተባዕትዮ መንእሰያት ዝያዳ ምዃኑ ከኣ ዝያዳ ኣሻቃሊ ይገብሮ።
ዶክተር ጆን ጽምዋን ንህላወኻ ትርጕም ምስኣንን እተን ቀንዲ ንመንእሰያት ናብ ጸቕጢ ኣእምሮ ዝሸማኦም ዘለዋ ረቋሒታት ምዃነን የብርህ።
ተመራመርቲ፡ ደቂ ተባዕትዮ ዕርክነት ዝምስርትሉን ነጻ ኰይኖም ዘዕልልሉ ባይታ ምጥጣሕ ብዙሕ ጸገማት ከቃልል ከምዝኽእል ይሕብሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተራ ኣብያተ ትምህርቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ንኣሽቱ ኣወዳት ሓገዝ ደልዮም ሓገዝ ክረኽብሉ ናብ ዝኽእሉ ቦታ ኣብ ዝኸድሉ፡ እቲ ሓገዝ ውጺታዊ ኰይኑ ይረኽብዎ'ዮም፤ እዚ ከኣ ሓደ እወታዊን ተስፋ ዝህብን ምዕባለ'ዩ" ትብል ፕሮፌሰር ሚና ፋዘል።
ኣስዒባ፡ "እቲ ሓገዝ ኣበይ'ዩ ተዋሂቡ ንዝብል ቦታ ኣገዳሲ ዘይክኸውን ይኽእል'ዩ፤ ኣብ ቤት ትምህርቲ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክኸውን ይኽእል'ዩ፤ ብሕብረተሰብ'ውን ዝተወሃበ ክኸውን ይኽእል'ዩ። እቲ ቀንዲ ዘገድስ ኣድሚዑ'ዶ ኣየድመዐን ዝብል'ዩ" ትብል።
እቲ ካልእ ተስፋ ዝህብ ምዕባለ ከኣ እቲ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ንተምሃሮ ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ጥዕናኦም ዝምልከት ትምህርትን ማዕዳን ውጽኢታዊ ኰይኑ ይርከብ ምህላዉ'ዩ።
ፕሮፌሰር ፋዘል ደቂ ተባዕትዮ መንእሰያት ዝያዳ ብኣእምሮኣዊ ሕማማት ይጥቕዑ ብምህላዎም፡ ኣብያተ ትምህርቲ ንኣወዳት ኣተኲረን ትምህርተን ክነድፋ ከምዘለወን ትኣምን።
"መብዛሕትኦም ህጻናት ዓለም ብርግጽ ዕድል ትምህርቲ ይረኽቡ'ዮም፤ ስለዚ ምናልባት እዚ ቦታ እዚ ብሓቂ ብዛዕባ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ህጻናትን መንእሰያትን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንእስነትን ስነ ኣእምሮኣዊ ሕማማትን እንታይ ማለት ምዃኑ ንኸነረድእ ከም መድረኽ ክንጥቀመሉ ኣለና - ብፍላይ ንኣወዳት፡" ትብል።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







