ወሲባዊ ባህጊ ደቀንስትዮ ስለምንታይ ብጌጋ ይትርጐም?

ጾታዊ ርክብ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ልምድታት ደቂ ሰባት እዩ

ምንጪ ስእሊ, SPL

መግለጺ ስእሊ, ጾታዊ ርክብ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ልምድታት ደቂ ሰባት እዩ

ባህጊ ጾታዊ ርክብ (ወሲብ) መብዛሕትኡ ግዜ ከም ረስኒ ወሲብን ኣመና ህርፋን ወሲብን (ሊቢዶ) ዝደናገሮም ሰባት ኣለዉ።

ዋላ'ኳ ሰባት ድሌት ጾታዊ ርክብ፡ ረስኒ ወሲብን ህርፋን ወሲብን ዝብሉ መግለጺታት ከም ሓደ ዝጥቀምሉ እንተዀነ፡ ብዛዕባኦም ዘሎ ምሉእ ርድኢት ግን ትሑት እዩ።

ህርፋን ወሲብ ብልማድ ድሌት ጾታዊ ርክብ ንምግላጽ ይውዕል፣ ክልተኣዊ መግለጺ ስለ ዝዀነ እቲ ህርፋን ወይ ልዑል ወይ ትሑት ክኸውን ይኽእል።

ረስኒ ወሲብ ድማ ኣካላትና ንጾታዊ ርክብ ድሉው ክኸውን ዘኽእሎ ኣካላዊ ለውጢ ይገልጽ፤ ንኣብነት፡ ከም ምውሳኽ ህርመት ልቢ፡ ምስትንፋስን ናብ ብልዕቲ ዝውሕዝ ደምን ዝኣመሰሉ ኵነታት የጠቓልል።

ባህጊ ጾታዊ ርክብ ግን ብሕክምናዊ ኣገባብ ሰባት ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም ዘለዎም ድሌት እዩ ዘመልክት።

ጾታዊ ርክብ፡ ከም ብዙሓት ባህርያት ደቂ ሰባት ልምዲ እዩ። ግን ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ዝበሃል መጠንን ድግግምን የብሉን።

ኣብ ክንድኡ፡ ድግግም፡ ንውሓትን ዓይነት ወሲብን ነፍሲወከፍ ውልቀሰባት የሐጕሰና ኣብ ዝብልዎ መጠን ዝተመርኰሰ እዩ።

ሰባት ወሲብ ዝብህግሉን ዝፍጽምሉን ብዙሕ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣሎ።

ብልምዲ ባህጊ ጾታዊ ርክብ፡ ከም ጾታዊ ድፍኢት ይሕሰብ ነይሩ፤ ሰባት ድማ ወይ ትሑት ወይ ልዑል ድፍኢት ከም ዘለዎም ክንገር ጸኒሑ'ዩ።

እዚ ድማ ኣብ ኵላትና ዝርከብ ጽኑዕ ባህርይ ተገይሩ ይግመት ከም ዝነበረ ጸብጻባት የመልክቱ።

እዚ ግን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ልክዕ ከም መጻምድተን ብዙሕ ጾታዊ ርክብ ስለ ዘይደልያ ጥራሕ፡ ትሑት ጾታዊ ድፍኢት ከም ዘለወን ብጌጋ ክሕሰብ ምኽንያት ኰይኑ'ዩ።

እዚ ክልሰ-ሓሳብ እዚ ብሞዴል ክልተኣዊ ቍጽጽር ጾታዊ ምላሽ (dual control model of sexual response) ተዓብሊሉ።

እዚ ሞዴል'ዚ፡ ንጾታዊ ምላሽና ዝድርኹ ክልተ ነጻ መስርሓት ከም ዘለዉ ይገልጽ።

እቲ ሓደ ቀስቃሲን ንጥፈት ኣላዓዓሊን ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ዘሸቝርርን ንጥፈት ዝዓግትን እዩ።

ኣብ ዝዀነ ህሞት ሓፈሻዊ ምላሽና፡ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ተጻረርቲ መስርሓት ብዘሎ ሚዛን ይውሰን። እዚ ልክዕ ከም ፍረኖን መሕነን (accelerator)ን ዘለዋ መኪና ገይርና ክንሓስቦ ንኽእል። እቲ መሕነን ከም ቀስቃሲ፡ እቲ ፍሬኖ ድማ ከም ዓጋቲ ማለት እዩ።

ኣብ ጾታዊ ርክብ ክመጽእ ከሎ ክንደይ ዝኣክል ፍረኖን መሕነንን ከም እንጥቀም ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ፤ ብተወሳኺ፡ ኣብ ሓደ ውልቀሰብ እውን ምስ ግዜን ኵነታትን ክለዋወጥ ይኽእል።

ገለ ሰባት ብሓፈሻ ዝያዳ መሕነን ወይ ፍሬኖ ክህልዎም ዝኽእል'ኳ እንተዀነ፡ እዚ ግን ኣብ ነፍሲወከፍ ኵነታት ዝተፈላለየ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ። ስለዚ፡ ባህጊ ጾታዊ ርክብ ዝተሓላለኸ፡ ውልቃውን ተለዋዋጢን እዩ።

ሳይንስ ባህጊ ጾታዊ ርክብ ብዕምቈት እንተ ርኢናዮ፡ ኣብ ክልተ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ክንመቕሎ ከም እንኽእል ይግለጽ። እቲ ሓደ፡ ግብታዊ ወይ ሃንደበታዊ ድሌት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ግብረ-መልሲ እዩ።

ግብታዊ ወይ ሃንደበታዊ ባህጊ ብቕጽበት ዝርአ ኰይኑ፡ ቀስቃሲ ነገር ኣብ ዘለወሉ ይዅን ኣብ ዘይብሉ ኵነታት ከጋጥም ይኽእል። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዕድመ መንእሰይ ወይ ኣብ ምጅማር ሓድሽ ዝምድናን የጋጥም።

ብኣንጻሩ፡ ብግብረ-መልሲ ዝመጽእ ድሌት ጾታዊ ርክብ፡ ንዝዀነ ግዳማዊ ቀስቃሲ ነገር ዝወሃብ ምላሽ እዩ። ንኣብነት፡ እነንብቦ መጽሓፍ፡ እንርእዮ ፊልም፡ ኵነታት መጻምድትና ገለ ካብቶም ግዳማዊ ቀስቀስቲ እዮም።

እዞም ክልተ ዓይነት ባህግታት፡ ኣብ ጾታዊ ምላሽ ደቂ ኣንስትዮ ብዕምቁት ዝፍትሽ ሓደ ኣማራጺ ሞዴል ዝተሃንጹ እዮም።

እዚ ሞዴል'ዚ ነቶም ክልተ ዓይነት ባህግታት ኣፍልጦ ዝህብን ቅድሚ ወይ ድሕሪ ረስኒ ወሲብ ከጋጥሙ ከም ዝኽእሉ ዝገልጽን እዩ። በዚ መንገዲ'ዚ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ወሲብ ዘለወን ስምዒት፡ ዝህብኦ ምላሽን ተመኵሮን የንጸባርቕ።

ብተወሳኺ፡ ኣካላውን ወይ ስምዒታውን ጥቡቕ ምቅርራብ ዘለዎ ወሳኒ ተራ'ውን ዘጠቓልል ኰይኑ፡ እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ርክብ ንኽገብራ ኣብ ምልዕዓል ሓያል ረቛሒ ከም ዝዀነ ኣፍልጦ ይህብ።

ባህጊ ጾታዊ ርክብ ዝጸልዉ ብዙሓት ውሽጣውን ግዳማውን ረቛሒታት ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብርግጽ ንባህጊ ጾታዊ ርክብ ክጸልዉ ዝኽእሉ ከም ስነህይወታዊ፡ ስነኣእምሮኣውን ማሕበራውን ዝኣመሰሉ ብዙሓት ረቛሒታት እውን ኣለዉ።

ቃንዛ መላግቦታት፡ ቃንዛ ብልዕቲ ዘስዕብ ኵነታት (ቩልቮዳይንያ) ወይ ድማ ጾታዊ ርክብ ቃንዛ ከስዕብ ዝገብሩ ከም ክትመ-ጻግነ ብዝኣመሰሉ ኵነታት ዝሳቐያ ደቂ ኣንስትዮ ንጾታዊ ርክብ ዘለወን ድሌት ክዳኸም ተኽእሎ ኣሎ።

እዚ ድማ ናብቲ ዝቕጽል ተመኵሮ ዝመርሕን ባህጊ ዝያዳ ክዳኸም ዝገብርን እዩ። በዚ መንገዲ እዚ፡ እቶም ናይ ምዕጋት መስርሓተን ነቶም ቀስቃሲ መስርሓት ክዕብልልዎም ይኽእሉ፤ ስለዚ፡ ድሌት ጾታዊ ርክብ ብቐጻሊ ይዳኸም።

ብተፈጥሮና ዘይጥዕመና ነገራት ክንገብር ኣይንደልን፤ እዚ ድማ ንስነኣእምሮኣውን ንኣካላውን ጉዳያት'ውን ዝምልከት እዩ።

ንኣብነት፡ ብሰንኪ መልክዕ ኣካላትና ድሎት እንተ ዘይተሰሚዑና፡ ወይ ዝምድናና ውጥረት ዝመልኦ እንተዀይኑ፡ ጾታዊ ተመኵሮታትና ኣይነስተማቕሮን። እዚ ድማ ብሓፈሻ ኣብ ጾታዊ ርክብ ዘለና ኣረኣእያን ጾታዊ ባህጊ ናይ ምሕዳር ዓቕምናን ዝጸሉ እዩ።

ድሌት ጾታዊ ርክብ ክዓግቱ ዝኽእሉ ግዳማዊ ምዝንባላት'ውን ኣለዉ። ኣብ ህይወትና ዘድልየና ስራሕ ምስራሕ፡ መግቢ ምድላው፡ ህጻናት ምሕብሓብ. . . ወዘተ ዕንቅፋት ክዀኑ ይኽእሉ'ዮም።

መወዳእታ ዘይብሉ ዝርዝር ንጥፈታትን ብቐጻሊ ድሌታት ካልኦት ሰባት ንምምላእ ዝግበር ጻዕሪን፡ ኣካላትናን ኣእምሮናን ኣሽንኳይዶ ንሓንደበታዊ ድሌት ጾታዊ ርክብ፡ ንግብረ-መልሲ ዝኸውን ድሌት ከይተረፈ ናይ ምፍራይ ዓቕሙ ብቐጻልነትን ክጸሉ ተኽእሎ ኣሎ።

ዘሐጕስ፡ ዘፈስሕን ዕግበት ዝህብን ጾታዊ ርክብ፡ ወትሩ ዘሎን ኣውቶማቲክን ዘይኰነስ፡ ብልምዲ ዝምዕብል ባህሪ እዩ። 'ኣለኒ' ወይ 'የብለይን' ኢልና ብቐሊሉ እንገልጾ ነገር ዘይኰነስ ዝያዳ ክብርኽን ክሕብሓብን ዘለዎ ተለዋዋጢ ኵነታት እዩ።

ግን ብዙሓት ሰባት እዚ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘይርድእዎ፡ ኣብ ጾታዊ ርክብ ዘለዎም ኣረኣእያ ዝተደናገረ ክኸውንን ገለ ጸገማት ከጋጥሞምን ይኽእል።

ይዅን'ምበር ግድን ከምዚ ክኸውን የብሉን።

ብዛዕባ ስነፍልጠት ባህጊ ጾታዊ ርክብ ዝሓሸ ትምህርቲ ምርካብ፡ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእስና ጾታዊ ድርኺት ጽቡቕ ርድኢት ክህበና፡ ናብ ዝያዳ ዘሐጕስን ዘዕግብን ጾታዊ ህይወት ክመርሓና ዘሎ ዕድል ልዑል እዩ።