ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ጥዕና ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘንጸላለዎ ሓደጋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ 'ኣበር ዘይብሉ' ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ቅርጹ እንታይ ይመስል? ጨናኡኸ ከመይ ክኸውን ይግባእ? ዝብሉ ጉዳያት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መዘራረቢ ኣርእስቲ ኰይኑ ይስማዕ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርግሑ ሚልዮናት ሰባት ዝረኣይዎም ምስልታትን ቪድዮታትን፡ ቅርጽን ጨናን ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ንምቕያር ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ዘለዎም ፍርያት የላልዩ።
ክኢላታት ጥዕና ስነተዋልዶ ግን ደቂ ኣንስትዮ ነዞም ፍርያት ከይጥቀማ የጠንቅቑ ኣለዉ።
እዞም ፍርያት ኣብ ብልዕቲ ደቂኣንስትዮ ንዘሎ ተፈጥሮኣዊን ጥዕና ዝመልኦን ትሕዝቶ ከዛብዑ ከምዝኽእሉ ከምኡ’ውን ንረኽስታት ከምዘቃልዑ ክኢላታት ይገልጹ።
ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ገዛእ ርእሱ ተፈጥሮኣዊ ኣቀማምጣ ስለዘለዎ፡ ሰብ-ዝሰርሖም (ኣርቲፊሻል) ባእታታት ምጥቃም ነዚ ከም ዘዛብዖ ሓኪም ስነተዋልዶ ሙጅድጉል ዛይፎግሉ ካራካ ትዛረብ።
“ንመጀመርታ ግዜ ‘ሽቶ ብልዕቲ’ ዝብል መዋዓውዒ ምስ ሰማዕኩ ሰንቢደ። ንብልዕቲ ደቂ ተባዕትዮ ዝኸውን ሽቶ የለን። ስለምንታይ ደኣ ንብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ኣድልዩ?" ክትብል ትሓትት።
ዩል ጉልስ ካራ እትበሃል ኣብ ኢስታንቡል እትነብር ተምሃሪት፡ ደቂ ኣንስትዮ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቢሉ ብዝበጽሐን ጸቕጢ ከምዝተሰላቸወት ትዛረብ።
“ሕብረተሰብ ካባና ዝጽበዮም ነገራት ክንገብር ቀጻሊ ጸቕጢ ኣሎ። ሕጂ ድማ ብልዕትኽን 'ኣዝዩ ጸሊሙ' ንበሃል ኣለና” ትብል።
'ፍጹም ዝበሃል ብልዕቲ የለን'
ክኢላታት ሕክምና፡ 'ቅኑዕ' ወይ 'ፍጹም' ዝበሃል ዓይነት ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ከምዘየለ ይገልጹ።
ኣብ ለንደን ኮሌጅ ሕክምና ጥንስን ማህጸንን ሮያል እትሰርሕ ቤሪን ታዝካን፡ "ብልዕቲ ነፍሲ ወከፍ ጓል ኣንስተይቲ ዝተፈላለየ'ዩ" ትብል።
"ናይ ነብሲ ወከፍ ጓልኣንስተይቲ ብልዕቲ ብቅርጺ፡ ብዓቐንን ብጨናን ዝተፈልየ'ዩ" ክትብል ተረድእ።
ገለ ደቂኣንስትዮ፡ 'ኣብ ብልዕተይ ገለ ጸገም ኣሎ' ኢለን ናብ ሕክምና ከም ዝኸዳ ብምሕባር፡ "ክረአያ ከለዋ ግን ዝዀነ ጸገም ከምዘየለ እነግረን። ሽዑ ካብተን ተሓከምቲ እተን 90 ሚእታዊት እፎይታ ይስምዐን" ክትብል ትውስኽ።
ኣብ ገለ ሃገራት ግን ደቂ ኣንስትዮ ንበዓል ሞያ ጥዕና ከማኽራ ኣብ ዘይክእላሉ ኵነታት ይኣትዋ።
ንኣብነት ኣብ ኢራን ደቂኣንስትዮ ክትትል ጥዕና ስነተዋልዶ ክግበራ ከም ዘሕፍር’ዩ ዝቝጸር። ስለዚ ብዛዕባ ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ምዝራብ ልሙድ ኣይኮነን።
ገለ ሰብ ሞያ ጥዕና’ውን ደቂ ኣንስትዮ ሕፍረት ከምዝስምዐን ገይሮም ይነቕፍወን።
ሓንቲ ተጠቃሚት ማሕበራዊ መራኸቢ ‘ኤክስ’ "ሓንቲ መሓዛይ ንውሽጣዊ ከንፈር ብልዕቲ ዝንኪ ሕክምና መጥባሕቲ ገይራ። ስለምንታይ ከምዚ ዝኣመሰለ ምቾት ዘይህብ መጥባሕቲ ጌርኪ? ክንብል’ውን ሓቲትናያ" ክትብል ርእይቶኣ ተካፍል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እታ ነቲ ሕክምና ዝገበረት መሓዝኣ ከኣ፡ “ሓኪመይ ስለምንታይ እቲ ውሽጣዊ ከንፈር ብልዕተይ ጽቡቕ ከምዘይኰነ ስለ ዝሓተተኒ እዩ። ዓቢይን ዘይጽቡቕን እዩ ኢሉኒ። ስለምንታይ ኣፍደገ ማህጸንኪ ክንድዚ ዓብዩ ክብል እውን ሓቲቱኒ። ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ክትወልዲ እንተደሊኻ ከኣ መጥባሕቲ ግበሪ ኢሉኒ" ክትብል መልሲ ሂባታ።
እዚ መጥባሕቲ ንብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ንምዕራይ ዝግበር ኰይኑ፡ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ብቕልጡፍ ይዝርጋሕ ኣሎ።
ንቘርበት ከንፈር ብልዕቲ ምዕጻፍ ሓዊሱ ንቅርጺ ዝተፈላለዩ ክፋላት ብልዕቲ ዝቕይር መጥባሕቲ እዩ።
ብልዕቲ መጠኑ እናዓበየ ስለዝኸይድ፡ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመአን ደቂ ኣንስትዮ ነዚ መጥባሕቲ ክገብራ ኣይምከርን።
ኣብ እዋን ጽሬት፡ ጾታዊ ርክብ ወይ ምንቅስቓስ ኣካላት ምቾት ዘይፈጥረለን ደቂ ኣንስትዮ ነዚ ሕክምና ከም ኣማራጺ ይውሰዳኦ።
ይዅን እምበር፡ ቅርጺ ብልዕቲ ንምቕያር ብዝብል ጥራይ ነቲ ሕክምና መጥባሕቲ ዝገብራ ቍጽረን እናበዝሐ ይመጽእ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ።
ቅርጺ ብልዕቲ 'ዘእርም' መጥባሕቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኣውስትራልያ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ደቂኣንስትዮ ነዚ መጥባሕቲ ከም ዝገበራ ወይ ውጥን ከምዘለወን ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸአ ጸብጻብ የመልክት።
መጽሔት ‘ውመንስ ሀልዝ ቪክቶርያ’ ካብ 18 ክሳብ 50 ዓመት ዝዕድመአን 1030 ደቂ ኣንስትዮ ንዝተረኽበ መረዳእታ መሰረት ብምግባር’ያ ነቲ ጸብጻብ ኣውጺኣቶ።
እቲ ጸብጻብ፡ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ መጥባሕቲ ክገብራ ጸቕጢ ዝፈጥሩለን ዘለዉ ጾታዊ ፊልምታትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ከምዝዀኑ ይሕብር።
"ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ እንታይ ክመስል ከም ዘለዎ ዝተዛብዐ ኣረኣእያ ዝፈጥሩ ምስልታትን ቪድዮታትን፡ ነቲ መጥባሕቲ ንኽገብራ ደሪኹዎን" ይብል እቲ ጸብጻብ።
ዓለምለኻዊ ሕክምና መጥባሕቲ ዝምዝግብ ማሕበር ስነ-ጽባቐ ፕላስቲክ መጥባሕቲ [ኢንተርናሽናል ሶሳይቲ ኦፍ ኤስተቲክ ፕላስቲክ ሰርጀሪ] ዘውጽኦ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ፡ ቍጽሪ መጥባሕቲ ምዕራይ ብልዕቲ ኣብ 2019 ካብ ዝነበሮ፡ ኣብ 2023 ብ14.8 ሚአታዊት ወሲኹ’ሎ።
እቲ ዝለዓለ ቍጽሪ ኣብ ብራዚል ዝተመዝገበ ኮይኑ፡ 28 ሽሕ ደቂኣንስትዮ እቲ መጥባሕቲ ተገይሩለን።
ጓል 27 ዓመት ብራዚላዊት ኣትለት ኣካላዊ ቅርጺ ቫል ሳንታና ሕክምና መጥባሕቲ ብልዕቲ ካብ ዝገበራ ሓንቲ እያ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
“ነቲ መጥባሕቲ ክገብር ዝወሰንኩ፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ብሰንኪ ዘጋጠመኒ ነገር እዩ። ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ምህናጽ ጭዋዳታት ስለዝጀመርኩ ስቴሮይድ ክወስድ ጀሚረ" ትብል።
ብሰንኪ እቶም ‘ቦልዴኖን’ ን ‘ኦክሳንድሮሎን’ ን ዝበሃሉ መድሃኒታት ብልዕታ መጠኑ ክውስኽ ብምጅማሩ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ምቾት ክስምዓ ከምዘይከኣለ ትዛረብ።
ብዛዕባ እቲ መጥባሕቲ ዘለዋ ተመኵሮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክትገልጽ ከላ ድማ ርእሰ ተኣማንነትን ዝሓሸ ህይወትን ከም ዝሃባ ትገልጽ።
ስግኣታት
ነዚ መጥባሕቲ ቅድሚ ምግባረን ኣብ ግምት ክኣትዉ ዘለዎም ነጥብታት ከምዘለዉ ሰብሞያ ይዛረቡ።
ሃገራዊ ማእከል ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ፡ “እቲ መጥባሕቲ ጉድኣት ከስዕብ ዝኽእልን ክቡርን እዩ። ዝደለኽናኦ ውጽኢት ከም እትረኽባ መረጋገጺ የለን። ብዛዕባ ኣካላትክን ንዘለክን ኣረኣእያ ከየመሓይሾ ይኽእል እዩ” ክብል የተሓሳስብ።
እቲ መጥባሕቲ ከም ምፍሳስ ደም፡ ረኽሲ፡ በሰላ ኣካላትን ተኣፋፍነት ብልዕትን ከምኡ’ውን ከም ምረጋግእ ደም ዝበሉ ካልኦት ምስ መጥባሕቲ ዝተኣሳሰሩ ጐድናዊ ሳዕቤናት ከስዕብ ከም ዝኽእል ይግለጽ።
“ገለ ደቂ ኣንስትዮ ቅርጺ ብልዕተን ስለዘይፈትዋኦ እየን መጥባሕቲ ዝገብራ። ይዅን እምበር፡ ኣብ ቆርበት ብልዕቲ ዝረአ ምሽብሻብ ወይ ካልእ ቅርጺ ፍጹም ተፈጥሮኣዊ እዩ" ክብል እቲ ትካል የጠንቅቕ።
ሓኪም ስነተዋልዶ ሙጅድጉል ዛይፎግሉ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ብልዕተን ብዝግባእ ክፈልጣን ንተፈጥሮኣዊ ኵነታተን ክቕበላን ከምዘለወን ትምዕድ።
ኣብ ቱርኪ ዘላ ተምሃሪት ኢዩል ጉልስ ካራም እውን በዚ ትሰማማዕ።
“ንመጥባሕቲ ብልዕቲ ወይ ነቶም ዝወዓውዑ ቅብኣታት ብምቅዋም፡ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠቒምና ብዛዕባ ጥዕና ስነተዋልዶ ደቂ ኣንስትዮ ንቕሓት ክንፈጥር ኣለና። ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጠር ዘየድሊ ጸቕጢ ከነወግድ ኣለና” ትብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







