‘እግረይ ንምንዋሕ ዝገበርክዎ መጥባሕቲ መፈጸምታኡ ኣይጸበቐን’

ኢሌን

ምንጪ ስእሊ, Elaine Foo/Supplied

መጠንቀቕታ፦ እዚ ትሕዝቶ እዚ ንኣንበብቲ ዜጨንቕ ኰይኑ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ዝርዝር ሕክምናዊ ሓበሬታታት ዝሓዘ እዩ።

ኣእጋር ኢሌን ፉ ብሕብጠትን በሰላን መልክዐን ቀይረን ኣለዋ። ነፍሲ ወከፍ ኣእጋራ ነቲ ዕውት ዘይኮነ ግጉይ ሕክምና ምንዋሕ እግሪ የዘኻኽርኣ።

ጓል 49 ዓመት ኢሌን ፉ ካብ 2016 ጀሚራ ሓሙሽተ መጥባሕትን ሰለስተ ምትካል ዓጽምን ተገይሩላ። ንነዊሕ እዋን ዝዓቖረቶ ገንዘባ ወዲኣ፤ ምስ ሓኪማ’ውን ክሳብ ምክሳስ በጺሓ።

ሓደ እዋን ኢሌን ኣብ ውሽጢ ዓጽማ ዝተገጠመ ተሰቢሩ፤ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ እግራ "ካብ ውሽጢ" ዝጥበስ ዘሎ ኮይኑ ይስምዓ ከምዝነበረ ትዛረብ።

"ጉዕዞይ ናይ ሓዊ ፈተና እዩ ነይሩ፤ ግን ከኣ ድሒነ" ትብል።

ሓኪማ ዝኾነ ሸለልትነት ከምዘይፈጸመ እዩ ብቐጻሊ ዝኽሕድ። ገለ ካብቲ ዘጋጠማ ጸገማት ድማ ካብቲ ክትገብሮ ዝነበራ ጥንቃቐታት ብዘይምፍጻማ፤ ገሊኡ ድማ ብናይ ገዛእ ርእሳ ተግባራት ከምዝነቐለ ይዛረብ።

ኢሌን ንቁመታ ወትሩ ትጸልኦ ከምዝነበረት እያ ትዛረብ።

"ኣብ 12 ዓመት ዕድመይ ካብ መብዛሕትአን ኣዋልድ ዝነዋሕኩ ነይረ። ኣብ 14 ዓመት ዕድመይ ግን ሃንደበት ዝሓጸርኩ ኮይነ። ምስ ግዜ ጭነቀት ኮይኑኒ። ነዋሕ ማለት ዝበለጸት፤ ጽብቕቲ ማለት እዩ። በቃ ነዋሕቲ ሰባት ዝያዳ ዕድላት ከም ዘለዎም ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ" ትብል።

ኣብ ዕድመ መንእሰይነት ምስበጽሐት ከኣ እቲ ጭንቀታ ብዝያዳ እናሓየለ መጺኡ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኢሌን፡ ዝኾነ ሰብ ካልኦት ሰባት ብኸመይ ይርእይዎ ብዘየገድስ ኣብ ቁማናኡ ጉድለት ወይ ኣበር ከምዘሎ ዝኣምነሉ ‘ዲስሞርፊያ’ ዝበሃል ዓይነት ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ከም ዝነበራ ትኣምን። እቲ ኩነታት ዘስዕቦ ጽልዋ ድማ ኣዝዩ ዝኸፍአ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኢሌን ጓል 25 ዓመት ከላ፡ ሰባት ኣዕጽምቲ እግሮም ንምንዋሕ መጥባሕቲ ዝገብሩሉ ቻይናዊ ክሊኒክ ዝምልከት ጽሑፍ ኣንበበት። ሕልሚ ቀትሪ ዝመስል፤ ንኢሌን ዘገረማ ነበረ።

"ሰባት ከንቱ ከምዝብልዎ እፈልጥ እየ። ዲስሞርፊያ ምስ ዘጋጥመካ ግን ስለምንታይ ኣዝዩ ሕማቕ ዝኾነ ስምዒት ከም ዝስምዓካ ዘነጽር ርትዓዊ መግለጺ ኣይህሉን" ክትብል ንዝነበረትሉ ኵነታት ተረድእ።

ኢሌን ድሕሪ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ለንደን ነዚ ኣገልግሎት ምንዋሕ ቁመት ዝህብ ናይ ብሕቲ ክሊኒክ ረኸበት። እቲ ኣግልግሎት ብሓኪም መጥባሕቲ ኣካላት ዣን-ማርክ ጉይሸት እዩ ዝካየድ ነይሩ። ንሱ ክኢላ ምንዋሕ ኣካላት ኮይኑ ናይ ገዛእ ርእሱ መናውሒ መሳርሒ ዘመሃዘ እዩ።

"እዚ ናይ ብሓቂ ዘገርም ህሞት እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ኣብ ለንደን ክሕከም ዘኽእለኒ እዩ ነይሩ። ብድሕሪ ሕክምናይ ከኣ ኣብ ገዛይ ኮይነ ክሓዊ ዘኽእለኒ።" ክትብል ትዝክር።

“ዶክተር ጉይሸት ብዛዕባ እቶም ከጋጥሙ ዝኽእሉ ስሕተታት ግልጺ እዩ ነይሩ። መጉዳእቲ ነርቭ፣ ምረጋግእ ደም ከምኡ’ውን ኣዕጽምቲ ተመሊሶም ናይ ዘይምግጣም ተኽእሎ።

“ግን ባዕለይ መጽናዕቲ ገይረ’የ ነይረ። ናብ ኣዝዩ ክቡር ሓኪም ከይደ ተመጣጣኒ ሕክምናዊ ክንክን ክረክብ’የ ዝጽበ ነይረ። ሕልመይ ካብ 1 ሜትሮን ነጥቢ 57 ሴ.ሜ ናብ 1 ሜትሮ ነጥቢ 65 ሴ.ሜ ክነውሕ እዩ ነይሩ።” ትብል።

ብ25 ሓምለ ድማ ኣስታት 50 ሽሕ ፓውንድ ወጻኢታት ብምግባር ሕክምና መጥባሕቲ ብምጅማር ንህይወታ ናብ ዝቕይር መስርሕ ኣትያ።

ኢሌን ኣብ ሆስፒታል

ምንጪ ስእሊ, Elaine Foo/Supplied

እግሪ ንምንዋሕ ዝግበር ሕክምና ብዙሕ ዘይተለምደ እኳ እንተኾነ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ናይ ብሕቲ ክሊኒካት ግን ይካየድ እዩ። ከከም’ቲ ዝፍጸመሉ ቦታ ድማ ካብ 15 ሽሕ ፓውንድ ክሳብ ልዕሊ 150 ሽሕ ፓውንድ ክፍሊት ይሓትት።

“[ብድሕሪ መጥባሕቲ] ምንቃሕ ኣዝዩ ዘሕጉስ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ዝኾነ ነገር ከምዘይተፈጸመ ኮይኑ ስለዝተሰምዓኒ። ቃንዛ ኣይነበሮን። ድሕሪ 90 ደቓይቕ ግን ጀሚሩ። ዝኾነ ሰብ ንእግረይ ዘብስሎ ዘሎ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ልክዕ ከምዚ ብውሽጢ ዝጥበስ ዘሎ ማለት’ዩ። ኣብታ ቀዳመይቲ ምሸት ክሳብ ሰዓት 6 ንግሆ ብቓንዛ ከእውይ ጀሚረ፤ ክሳብ ዝድቅስ ድማ የእውይ ነይረ” ክትብል ትዝክር።

ኣብዚ ኣገባብ ሕክምና ቃንዛ ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ። ኣብ እዋን’ቲ መጥባሕቲ ኣዕጽምቲ እግሪ ኣብ ክልተ ተሰቢሩ ኣብ ውሽጡ ሓፂን ይግጠም።

እቶም ብሓጺን ዝተሰርሑ ነኣሽቱ ነገራት ነቲ ኣብ ክልተ ዝተሰበረ ዓጽሚ ንምፍላይ በብቑሩብ ይዝርግሑ። እዚ መስርሕ’ዚ ቁመት ናይቲ ተሓካሚ ንምዕባይ ዝዓለመ’ዩ። እቶም ዝተሰብሩ ኣዕጽምቲ ኣብ መንጎ ዘሎ ሃጓፍ ንምምላእ በብቑሩብ ተመሊሶም ክሓውዩ ኣለዎም።

እቲ ኣገባብ ሕክምና ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ኮይኑ፤ መበገሲ ናይቲ ነዊሕ ግዜ ዝቕጽል ሕክምና እዩ።

“እቲ መስርሕ ምንዋሕ ኣስታት ክልተ ወይ ሰለስተ ኣዋርሕ እዩ ዝወስድ፤ ብድሕሪኡ ብጽቡቕ ኩነታት ናብ ስራሕ ቅድሚ ምምላስካ ንምሕዋይ እንተወሓደ ዕጽፊ ናይቲ ግዜ የድልየካ” ክብል ኣቦ መንበር ማሕበር ሕክምና ኣካላት ብሪጣንያ ነበር ፕሮፌሰር ሃሚሽ ሲምፕሰን የጠንቅቕ።

ኣስዒቡ “ንመብዛሕትኦም ሰባት ድማ ካብ ህይወቶም ክሳብ ሓደ ዓመት ይወስደሎም” ይብል።

መጥባሕቲ ምስ ተዛዘመ መስርሕ ምንዋሕ ቁመት ኢሌን ጀመረ። ንውጽኢታውነት ሕክምናኣ ድማ ብዙሓት ንጥፈታት ክትፍጽም ትግደድ ነይራ። ድሕሪ ክልተ ሰሙን ግን ሓደጋ ከምዘጋጠማ ትዛረብ።

“ኣብ ጸጋማይ እግረይ ብዙሕ ቃንዛ ክስምዓኒ ጸኒሑ። ሽዑ ሓደ ለይቲ ኣብ ዓራት እናተንቀሳቐስኩ ከለኹ ዝኾነ ናይ ምስብባር ዝመስል ድምጺ ሰሚዐ። ድሕሪኡ ድማ ከቢድ ቃንዛ ተሰሚዑኒ” ትብል።

ዓፅሚ ናይ ኢሌን

ምንጪ ስእሊ, Elaine Foo/Supplied

ኢሌን ስካን ክትገብር ምስከደት ዝፈርሐቶ ነገር ከምዘጋጠመ ኣረጋገጸት። እቲ ኣብ ጸጋመይቲ እግራ ዝተገጠመ ሓጺን ነቲ ኣብ ኣካላት ወዲ ሰብ ዝጠንከረ ዓጽሚ ከምዝሰበሮ ፈለጠት። ንሳ ክትጭነቕ ከላ ሓኪማ ዶክተር ጉይሸት ግን መረጋገጺ ከምዝተወሃባ ትዛረብ።

“ክገብሮ ዘለኒ ነገር እንተሃለ ዘይምጭናቕ ጥራይ ምዃኑ ነጊሩኒ። ክሳብ ዝሓዊ ተጸበዩ ድማ ከም ብሓድሽ ነቲ መስርሕ ክንጅምሮ ኢና ኢሉኒ”

የማነይቲ እግሪ ኢሌን ምንዋሕ እናቐጸለት ከላ ኣብ ጸጋመይቲ እግራ ነቲ ሓፂን ንምግጣም ድማ ንካልእ መጥባሕቲ መደብ ክገብሩ’ዮ። እቲ ውጥን እታ ጸጋመይቲ’ውን ምስታ የማነይቲ እግራ ክትነውሕ ዝብል’ዩ ነይሩ።

እቲ ተወሳኺ መጥባሕቲ ኣሽሓት ፓውንድ ከም ዝውድእ ዝተነግራ ኢሌን እንተኾነ ግን ንውጽኢት እቲ መስርሕ ክሳብ ዝረኣየት ክትከፍል ሕጉስቲ ምንባራ ትዛረብ።

ክሳብ መስከረም የማነይቲ እግራ ኣብቲ ዝተሓሰበ 7 ሴንቲ ሜተር በጺሓ ነይራ። ነገራት ግን ምሉእ ብምሉእ ቅኑዕ ኣይነበረን። ኣብ መንጎ የማናይን ጸጋማይን እግራ ዝነበረ ዘይምስምማዕ ጸገም ይፈጥር ስለ ዝነበረ፡ ዓንዲ ሕቖኣ ይጠውይን ኣብ ቀጻሊ ቃንዛ የእትዋን ነበረ።

ድሕሪ ሽዱሽተ ሰሙን ኣብ የማነይቲ እግራ ዝተገብረ ስካን ዘሰክፍ ጸገም ዕብየት ዓጽሚ ኣርእዩ። ዓጽሚ እግራ በቲ ብሓጺን ምስተትሓሓዘ ዘይለገበ ነይሩ።

ኢሌን ሓገዝ ንምርካብ ናብ ዶክተር ጉይሰች ምስከደት ናብቲ ኣብ ሚላኖ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ክሊኒክ ንካልእ መጥባሕቲ መደብ ኣትሓዛ። ኣብ ሚያዝያ 2017፡ ኣብ ጸጋማይ እግሪ ኢሌን መስርሕ ምንዋሕ ዳግማይ ጀሚሮም። ኣብ የማናይ እግሪ’ውን ዕብየት ዓጽሚ ንምንቕቓሕ ዝሕግዝ ኣንጉዕ ወሰኹሉ። ድሕሪ እቲ መጥባሕቲ ግን ኢሌን ዝያዳ ሕማቕ ዜና ተነገራ።

"ዶክተር ጉይሸት እቲ ሓጺን ኣብ ዘውጽኣሉ ዝነበረ እዋን ከም ዝተሰብረ ነጊሩኒ" ትብል።

“ካብ ካልእ ተሓካሚ ዝተረኸበ ካልእ ሓጺን ከእትወላ ክኢሉ” እዚ ድማ ዝያዳ ገንዘብ ክትኸፍል ከምዝገበራ ወሲኻ ትዛረብ።

ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ዳርጋ ምንቅስቓስ እናተጸገመት ግን ናብ ገዝኣ ክትበጽሕ እናተሃንጠወት ናብ ለንደን ተመልሰት። ምስ ዶክተር ጉይሸት ዝነበረ ርክብ ከኣ እናተበላሸወ ከደ። ጸኒሑ ምሉእ ብምሉእ ተበትከ።

ኢሌን

ምንጪ ስእሊ, Elaine Foo/Supplied

ብድሕሪኡ ናበይ ክትኸይድ ከምዘለዋ ኣይትፈልጥን ነይራ። ኣብ ሓምለ 2017 ግን ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ክኢላ መጥባሕቲ ኣካላት ናብ ዝኾነ ሓኪም ክትከይድ ክኢላ።

እቲ ክኢላ ድማ "እዚ ሓጺር ጉዕዞ ከምዘይከውን" ከምዝነገራ ትዛረብ።

"ቅድሚ ምሉእ ብምሉእ ምሕዋየይ እንተወሓደ ንሓሙሽተ ዓመት ንዝወስድ ሕክምና ንነብሰይ ከዳሉ ነይሩኒ" ትብል።

ካብቲ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ዝገበረትሉ ናይ መጀመርታ መጥባሕቲ ጀሚሩ ካብ ዘጋጠማ ናይ ኣእምሮን ኣካላውን በሰላኣ ገና ኣብ ምሕዋይ ከምዘላ እያ ትዛረብ። ዝተፈላለየ ናይ ምንቅስቓስ ጸገማት ከምዘለዋን ኣብ ስነልቦናዊ ጸቕጢ ከምእትሳቐን ትዛረብ።

“ካብ 2017 ክሳብ 2020 ካብ ዓለም ተሓቢአ። ኣፍቃሪኦ ዘይብለይ፤ ስራሕ ኣልቦ፤ ሽራፍ ሳንቲም ዘይብለይን ጉድእቲ ኣካልን እየ ነይረ።” ትብል።

ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ግን ሓደ ዝሓሸ ተስፋ ክትረክብ ጀሚራ። እቲ ንኣርባዕተ ዓመታት ዝቐጸለ ሕጋዊ ክትዕ ኣብ ወርሒ ሓምለ ስለዝተፈትሐ ዶክተር ጉይሸት ኣብ ልዕሊኡ ንዝቐረበ ክሲ ንምፍታሕ "ብዙሕ" ገንዘብ ክኸፍላ ተሰማሚዑ’ሎ።

ጠበቓ ናይቲ መጥባሕቲ ዝገብር ሓኪም ግን ብወገን ዶክተር ጊይሸት ዝኾነ ሸለልትነት ከምዘይነበረ እዩ ዝካታዕ።

ኢሌን “ኣብ ህይወተይ ብሉፅ ዓመታት ባኺኑ። ሎሚ ዝኾነ ነዚ ኩሉ ኩነታት ከምዝሓለክፍ እናፈልጥኩ ነቲ ሕክምና ምተቐበልክዮ’ዶ ኢሉ እንተዝሓተኒ፡ ርግጸኛ ኰይነ ‘ኣይውዕሎን ኣዝየ የመስግነካ!’ ምበልኩ” ትብል።