ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ተባዕትዮ፡ ክሳዕ ሕጂ ዘይተመሃዘሉ ዘደንጹ ምኽንያታት እንታይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቶም ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ከኒና ቅቡላት ዘይኰኑ ዝበሃሉ ብዙሓት ጐድናዊ ሳዕቤናት፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ንደቂ ኣንስትዮ ከሳቕዩ ጸኒሖም እዮም። ማዕርነት ዘለዎ መለክዒ ድዩ?
መከላኸሊ ጥንሲ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተለዓለ ሓሳብ ዝመስሎም ሰባት ሒደት ኣይኰኑን፤ ብሓቂ ነዊሕን ድሙቕን ታሪኽ ኣለዎ።
ጥንታውያን ግሪኻውያን፡ ፍረነብሲ ወዲ ተባዕታይ ብምውዓይ ፍርያምነት ምንካይ ይኽእል እዩ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቦም ነይሮም። እዚ ድማ ብ ዘይባህርያዊ መንገዲ ትንቢታዊ ኰይኑ ተረኺቡ - ድሕሪ ዳርጋ ክልተን ፈረቓን ዘመናት፡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ሓቂ ከም ዝዀነ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።
እቲ ከረጢት ፍረነብሲ ብተፈጥሮኡ ከም ስርዓተ መማቻቸው ሙቐት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ኰይኑ’ዩ ዝሰርሕ - ካብ ኣካላት ወጻኢ ተንጠልጢሉ መርበብ ሰራውር ብምጥቃም ሙቐት ይለዋውጥ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብቲ ዝተረፈ ኣካል ካብ ሓደ ክሳብ ኣርባዕተ ዲግሪ ዝትሕት ሙቐት ይህልዎ።
ገለ መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ዋላ'ውን ፍረነብሲ ብውሑድ ዲግሪ ክውዒ ምግባር፡ ብዝሒ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ብዓቢኡ ክንኪ ይኽእል'ዩ። ስለምንታይ እዚ ከም ዝዀነ ግን ምሉእ ብምሉእ ንጹር ኣይኰነን።
ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ዘመናዊ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ደቂ ተባዕትዮ፡ ሰብነት ብውዑይ ማይ ምሕጻብ’ዩ። ኣብ 1956 ስዊዘርላንዳዊት ሓኪም ማርተ ቮገሊ፡ ንሰለስተ ሰሙን መዓልታዊ ን45 ደቓይቕ ኣብ 46.6 ሰልሽየስ ዋዒ ኣብ ዘለዎ መሕጸቢ ኣካላት ኮፍ ዝበሉ ደቂ ተባዕትዮ፡ ንሽዱሽተ ወርሒ ዝኸውን ምኽነት ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ኣረጋጊጻ።
እዚ ብሙቐት ዝፍጸም ኣገባብ ብሰብ ሞያ ሕክምና ኣይምከርን። ኣብዚ እዋን’ዚ ንደቂ ተባዕትዮ ዝዀኑ ክልተ ውሑሳትን ውጽኢታውያንን ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ጥራይ እዮም ዘለዉ።
እቲ ሓደ ኮንዶም እዩ፤ ዋላ’ኳ ገለ ደቂ ተባዕትዮ ምቾት ከምዘይብሎም እንተገለጹ፡ ብትኽክል እንተተጠቒምናሉ 98 ሚእታዊት ካብ ጥንሲ ይከላኸል። እቲ ካልኣይ ድማ ከም ቀዋሚ ዝቝጸር ቫዘክቶሚ ወይ መስርሕ ምምካንን ኰይኑ ልዕሊ 99 ሚእታዊት ውጽኢታዊ እዩ።
ካብዚ ወጻኢ ካልኦት ኣማራጺታት ንምርካብ እንታይ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣሎ? ዘጋጠሙ ብድሆታትከ እንታይ’ዮም?
ምዕባለ ብደቂ ተባዕትዮ ዝውሰድ ክኒና መከላኸሊ ጥንሲ
ኣብ 1968 ሓደ ዘይልሙድ ነገር ዘጋጠሞ መንእሰይ ናብ ሓኪም ስነ-ኣእምሮ ይኸይድ።
እቲ መንእሰይ ሕማም ስኪዞፍረኒያ ስለዝነበሮ ቲዮሪዳዚን ዝበሃል መድሃኒት ክወስድ ጸኒሑ’ዩ፡ ደሓር ግን ሓደ ዘይተለምደ ነገር ኣስተብሂሉ፡ ኣብ እዋን ጥርዘውነ መትሎኡ "ደረቕ" ኰይኑ፤ ማለት’ውን ዕልቋቕ ኣየፍስስን።
እዚ ኣጋጣሚ ድሕሪ ኣስታት ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ንሓደ ዘደንቕ ሓድሽ ሓሳብ መነቓቕሒ ኰይኑ፣ እቲ መንእሰይ ዝወስዶ ዝነበረ መድሃኒት መሰረት ናይ ደቂ ከኒና ተባዕትዮ መከላኸሊ ጥንሲ ክኸውን ይኽእል’ዶ?
ምስ ግዜ ተመራመርቲ ምፍሳስ ዕልቋቕ ዝዕፍን ካልእ ተመሳሳሊ መድሃኒት ምሂዞም፤ እዚ መድሃኒት ንጸቕጢ ደም ዝወሃብ ፌኖክሲቤንዛሚን እዩ።
ክልቲኦም መድሃኒታት ንጥዑያት ደቂ ተባዕትዮ ንምሃብ ውሑስ ኣይክዀኑን እዮም፡ እቲ ሓሳብ ግን ከመይ ከም ዝሰርሑ ምፍላጥን ድሕሪኡ ነቲ ኣገባብ እዚ ካልእ መስርሕ ተጠቒምካ ዳግማይ ምፍጣር እዩ ነይሩ።
ንብዙሕ ዓመታት ምርምርን ምዕባለን ተኻይዱ - ኣብ መወዳእታ ግን ሓደ ዓቢ ዕንቅፋት ኣጋጢሙ።
ውሑስን ውጽኢታውን ከኒና ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሰከማኦ ዓቢ ሓላፍነት ምክልኻል ጥንሲ ከቕልል ልዑል ተኽእሎ ኣሎ፤ ብተወሳኺ ዓመት ዓመት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ዘይተተለሙ ጥንሲታት ክከላኸል ይኽእል ነይሩ።
እንተዀነ፡ ገለ ደቂ ተባዕትዮ እቲ "ደረቕ" ጥርዘውነ ዝብል ሓሳብ ቅቡል ገይሮም ኣይወሰድዎን። ንገለ ደቂ ተባዕትዮ፡ እቲ "ዕልቋቕ ዘድርቕ" ዝተበሃለ ከኒና ከም ዘማህምህ ወይ ዘዳኽም ገይሮም ወሲዶምዎ። እቲ ኣገባብ ኣብ መወዳእታ ምወላ ስኢኑ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ ሕጂ እዋን ደቂ ተባዕትዮ ዝወስድዎ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ገና ክውን ኣይኰነን። ኣብ ለካቲት፡ ኣብ ኣናጹ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ተስፋ ዘለዎ ሓድሽ ዕላማ ኣለልዩ ኣሎ - ሞለኪዩላዊ ምቅይያር።
እዚ መስርሕ ንኽልተ ሰዓታት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ክድንዝዝ ዝገብር እዩ፤ ነቲ ከኒና ዝወስድ ሰብ ንግዚኡ መኻን ክገብሮ ይኽእል።
እቲ መድሃኒት ምዕራፍ ዝቕይር ተባሂሉ'ኳ እንተተነኣደ፡ ደቂ ሰባት ንኽጥቀምሉ ፍቓድ ቅድሚ ምርካቡ ግን ገና ነዊሕ መንገዲ ክጓዓዝ ኣለዎ።
ብሓቂ እቲ ጸገም፡ ንደቂ ተባዕትዮ ዝኸውን ውጽኢታዊ መከላኸሊ ምርካብ ኣይኰነን።
ኣብ ዝሓለፈ ፍርቂ ዘመን፡ ንመከላኸሊ ጥንሲ ደቂ ተባዕትዮ ዝዀኑ ብዙሓ ሜላታት ተኣሚሞም ነይሮም፤ ገለ ካብዚኦም ድማ ኣብ ደቂ ሰባት ንዝግበር ክሊኒካዊ ፈተነታት ዝበጽሑ እዮም።
ይኹን’ምበር፡ ነፍሲ ወከፎም ኣብ መወዳእታ ዘይፍንቀል ዕንቅፋት ገጢምዎ - እቶም ውሑሳትን ውጽኢታውያንን ዝተበሃሉ ከይተረፉ ብሰንኪ ዘይተደልየ ጐድናዊ ሳዕቤናት ተሰሪዞም።
ሓያሎ ከኒናታት ደቂ ተባዕትዮ፡ ጐድናዊ ሳዕቤናት የስዕቡ እዮም ተባሂሎም ተነጺጐም።
እቲ ዘደንጹ ግን እቶም ዝተጠቐሱ ጐናዊ ሳዕቤናት፡ ኣብቶም ብደቂ ኣንስትዮ ዝወስዱ መከላኸሊታት ዝረኣዩ ልሙድ ምልክታት ምዃኖም እዩ።
ንደቂ ተባዕትዮ ዝኸውን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒናታት ፍቓድ ክረኽቡ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝዀነሉ ምኽንያት ደኣ እንታይ እዩ? እቶም ብድሆታትከ ዝያዳ ሳይንሳዊ ድዮም ወይስ ባህላዊ?
ሕቶ ስነ-ምግባር
ስለምንታይ ጐናዊ ሳዕቤናት መከላኸሊ ጥንሲ ደቂ ተባዕትዮ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ ንምፍላጥ፡ ናብቲ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ውሁድ ከኒና ንመጀመርታ ግዜ ዝተማዕበለሉ እዋን ምምላስ የድሊ - ኣብ መወዳእታ 1950ታት።
ኣብቲ እዋን፡ ንክሊኒካዊ ፈተነታት ዝውዕሉ ብሰፊሑ ቅቡል ዝዀኑ ወግዓዊ ደረጃታት ኣይነበሩን፡ እቲ ብተዛማዲ ልዑል መጠን ዘለዎ ውህደት ኢስትሮጅንን ፕሮጀስትሮንን ዝዀነ መድሃኒት ድማ ኣብ ከም በዓል ፖርቶሪኮ ዝኣመሰላ ሓያሎ ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ተኸታታሊ ኣካታዒ ፈተነታት ተፈቲኑ።
1500 ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ እየን ተሳቲፈን። ፍርቂ ካብተን ተሳተፍቲ ከቋርጻ ከለዋ፡ ሰለስተ ድማ ሞይተን፤ እንተዀነ እቲ መድሃኒት ኣብ 1960 ካብ ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ ፍቓድ ረኺቡ።
ድሕሪኡ ኣብ ሰነ 1964 ኵሉ ነገር ተቐይሩ። ብፍላይ ገለ ሓካይም ኣብ ናዚ ጀርመን ሕክምናዊ ገበናት ብምሕጋግ ተኸሲሶም ኣብ ኑረምበርግ ንፍርዲ ድሕሪ ምቕራቦም፡ ማሕበር ሕክምና ዓለም ብዝብል ዝጽዋዕ ዓለምለኸ ኮንፈደረሽን ማሕበራት ሕክምና፡ ሓድሽ ሕጊ ሕክምናዊ ስነ-ምግባር ከምዘድሊ ኣስተውዒሉ።
ነዚ ስዒቡ ኣዋጅ ሄልሲንኪ ጸዲቝ፤ እዚ ኣዋጅ፡ ንተሳተፍቲ ሕክምናዊ ምርምር ንምክልኻል ዝተዳለወ ሕጊ ሕክምናዊ ስነ-ምግባር እዩ።
እቲ ሕጊ፡ ሳይንቲስት ንተሳተፍቲ ፈተነ ቀዳምነት ክህቡን እቶም ፈተነታት ነቶም ተሳተፍቲ ክህብዎም ዝኽእሉ ረብሓታት ካብቶም ክፍጠሩ ዝኽእሉ ጕድኣታትን ሓደጋታትን ይመዝን ድዩ ኣይምዘንን ዝብል ቅድመ ኵነት ኣብ ግምት ከእትዉን ይጠልብ።
"ስለዚ [ብድሕሪኡ]፡ ብመንጽር መርምር መድሃኒትን ሓደጋን ኣብ ሕብረተሰብ ለውጢ ተራእዩ" ትብል ሱዛን ዎከር፤ ንሳ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኣንግልያ ራስኪን ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር መከላኸሊ ጥንሲን ጥዕና ስርዓተ ተዋልዶን እያ።
እቲ ብደቂ ኣንስትዮ ዝውሰድ ዝተወሃሃደ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና፡ እቲ ኣዋጅ ቅድሚ ምጽዳቝ ሸተት ኢሉ ዘምለጠ እዩ - ኣብዚ ሕጂ እዋን እንተዝምዕብል ግን ኣዝዩ ዝኸበደ መስርሕ መርመራ መጋጠሞ ነይሩ።
ዘመናዊ ዓሌት ናይቶም ዝተወሃሃደ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒናታት፡ ዋላ'ኳ ሳሕቲ ልዑል ጸቕጢ ደምን ርግኣተ ደምን ከስዕብ ዝኽእል እንተዀነ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ውሑስ ከም ዝዀነ ይሕሰብ።
ይዅን እምበር፡ ምልውዋጥ ስምዒት፡ ረስኒ፡ ሕማም ርእስን ምልስላስ ጡብን ዝኣመሰሉ ሓያሎ ትሑት ጐናዊ ሳዕቤናት’ውን ከስዕቡ ይኽእሉ እዮም። ቅርጺ ኣካላት ክቕይሩ ከም ዝኽእል ዝሕብሩ ገለ መርትዖታት ከይተረፈ ኣለዉ።
እዚ ናብቲ ዝቕጽል ሕቶ ይመርሓና - ብደቂ ተባዕትዮ ዝውሰዱ ከኒናታት መከላኸሊ ጥንሲ - ብመንጽር ቅቡል ጐድናዊ ሳዕቤናትን ብሓፈሻ ውሕስነትን ድሕነት - ስለምንታይ ብዝለዓለ ወግዓዊ ደረጃታት ይተሓዙ?
ምኽንያቱ ብሕክምናዊ መንገዲ ርኡይ ዝዀነ ሓቂ ንምግላጽ፡ ደቂ ተባዕትዮ ክጠንሱ ስለዘይክእሉ እዩ።
"ኮሚተታት ስነ-ምግባር ብመንጽር ሓደ ፈተነ ንሓደጋታትን ረብሓታትን ብኸመይ ከም ዝመዝናኦ ክንሓስብ ዘለና ይመስለኒ፤ ምኽንያቱ ዋላ'ኳ መጻምድቲ እንተዀኑ፡ ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ኣካላዊ ሓደጋታት ጥንሲ እትስከም ጓል ኣንስተይቲ እያ" ትብል ዎከር። "ኣንጻር እዚ እንተተመዚኑ፡ ዘይምቹእ ጐድናዊ ሳዕቤናት [ዝያዳ] ቅቡል'ዩ።"
ኣብ ኣሜሪካ፡ ኣብ ዓመት ኣስታት 700 ደቂ ኣንስትዮ ብጥንስን ምስ ሕርስን ብዝተኣሳሰሩ ጸገማት ክሞታ እንከለዋ፡ ኣስታት 50 ሽሕ ድማ "ከቢድ ሕማም ኣደታት" የማዕብላ- ርኡይ ናይ ሓጺር ወይ ነዊሕ ግዜ ሳዕቤናት ጥዕና።
ብደረጃ ዓለም ኣስታት 295 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እዋን ሕርስን ድሕሪ ሕርስን ይሞታ።
ብባህርያዊ መገዲ ደቂ ተባዕትዮ ዘይውሑስ ጾታዊ ርክብ እንተፈጺሞም ነዞም ሓደጋታት ኣይቃልዑን፤ ስለዚ ዝዀነ ክወስድዎ ዝኽእሉ መከላኸሊ ጥንሲ፡ ልዑል ደረጃታት ድሕነት ዝሓለፈ ክኸውን ኣለዎ።

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ንኣብነት ሆርሞናዊ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒናታት ደቂ ተባዕትዮ ንውሰድ - ካብ 1970ታት ኣትሒዙ ብርክት ዝበሉ ዓይነታት ተማሂዞም እዮም። ተመራመርቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ንሓያሎ ኣዋርሕ ንወለንተኛታት ቴስቶስትሮን ብምውጋእ ኣብ ምፍራይ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ጽልዋ ኣሕዲሩ እንተዀይኑ መርሚሮም።
ሓደ ኣቐዲሙ ዝተገብረ ፈተነ፡ ፍሉይ ውጽኢት ከም ዘለዎ ኣረጋጊጹ - ሓደ ሰብ ን180 ዓመታት ነቲ ኣገባብ እንተተጠቒሙ ሓሙሽተ ግዜ ጥራይ ጥንሲ ከጋጥም ይኽእል። ድሒሮም ዝተገብሩ መጽናዕትታት፡ ከም ፕሮጀስቲን ዝበለ ካልኣይ ሆርሞን ብምውሳኽ ዝያዳ ውጽኢታዊ ክኸውን ዝኽእል እንተዀይኑ መርሚሮም።
ይዅን’ምበር፡ ሓደ ጸገም ነይሩ - እቶም ፍወሳታት ሆርሞን ጽንኩር ውሁድ ጐድናዊ ሳዕቤናት ከም ዘምጽኡ ተራእዩ - ብዙሓት ካብዞም ሳዕቤናት ኣብተን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ዝወስዳ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥሙ እዮም። ቴስቶስትሮን ጥራይ ፈጸጋ፡ ቅብኣት ዘለዎ ቆርበት፡ ምውሳኽ ክብደት ሰብነትን ካልኦትን ከስዕብ ይኽእል፡ እዚ ድማ ገለ ፈተነታት ብኣጋኡ ደው ክብሉ ምኽንያት ኰይኑ።
"ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ሆርሞናዊ መርፍእ መከላኸሊ ጥንሲ ኣዝዮም ዕዉት ፈተነታት ተኻይዶም'ዮም" ትብል ዎከር፤ ንሳ፡ ኣብ ምዕፋን ምትእኽኻብ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ዳርጋ 100 ሚእታዊት ውጽኢታዊ ኰይኑ ዝተረኸበ መርፍእ መከላኸሊ ጥንሲ ከም ኣብነት ትጠቅስ።
"ኣዝዩ ውጽኢታዊ ነይሩ" ትብል። "ግን ብሰንኪ ከም ለውጢ ስምዒትን ለውጢ ቆርበትን ዝኣመሰሉ ክፍታታት ጐድናዊ ሳዕቤናት ዝነበሩ ስክፍታታት ተቛሪጹ - በዚ ድማ ምስ መከላኸሊ ጥንሲ ደቂ ኣንስትዮ እንሰርሕ ብሓቂ ኣይገረመናን።"
ናብ ተቐባልነት ዝወስድ መንገዲ
ይዅን እምበር፡ ንደቂ ተባዕትዮ ዝዀኑ ብርክት ዝበሉ ሆርሞናዊ ዘይኰኑ ኣማራጺታት መከላኸሊ ጥንሲ እውን ተሓሲቦም ነይሮም።
ንኣብነት፡ ኣብ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንዝርከብ ፕሮቲን ዒላማ ዝገበረ ክታበትን ከምኡ’ውን ግዝያዊ ቫዘክቶሚ ወይ መስርሕ ምምካንን (ናብ ቀደሙ ወይ ናብ ንቡር ክምለስ ዝኽእል ማለት’ዩ) ዝኣመሰሉ ይርከብዎም።
ግዚያዊ ቫዘክቶሚ ወይ መስርሕ ምምካን፡ እቲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ካብ ፍረነብሲ ዝወጸሉ ቱቦ ብሰብ ሰርሖ ፖሊመር ብምውጋእ፡ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከይወጽእ ምዕጋት የጠቓልል። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ህንዲ ሳልሳይ ምዕራፍ ክሊኒካዊ ፈተነታት ይካየደሉ ኣሎ - እዚ ድማ ቅድሚ ንሕክምና ምጽዳቝ ዝግበር መወዳእታ ደረጃ መርመራ’ዩ።
ይዅን’ምበር፡ ከምቲ “ደረቕ” ጥርዘውነ ዘለዎ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና፡ ሆርሞናዊ ዘይኰነ መከላኸሊ ጥንሲ’ውን ገለ ደቂ ተባዕትዮ ክቕበልዎ ዝኽእሉ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ።
"ኣብቲ ብዛዕባ እዚ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ዝገበርክዎም ዘተታት ከም ዝርድኣኒ፡ ደቂ ተባዕትዮ ብዛዕባ መጻኢ ፍርያምነትን ብዛዕባ ዘይተፈልጡ ጐድናዊ ሳዕቤናትን ይጭነቝ’ዮም፤ እቶም ሳዕቤናት ድማ ነቲ ኣማራጺ ንዓመታት ድሕሪ ምጥቃም ጥራይ እዮም ክፍለጡ ዝኽእሉ" ክትብል ዎከር ትገልጽ።
"ኣብ ኣፈጻጽማ [ጾታዊ ርክብ] ክህሉ ብዛዕባ ዝኽእል ጽልዋ፡ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ እንታይ ከም ዝስምዖም ይጭነቝ።"
ምወላ እውን ሓደ ጸገም ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ጉዳይ “ደረቕ” ጥርዘውነ ዘለዎ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ 20 ሚእታዊት ደቂ ተባዕትዮ ኣይንወስዶን ኢና ክብሉ እንከለዉ፡ ማዕረኡ ድማ ከም ዝወሰድዎ ገሊጾም። እቶም እቶም ዝተረፉ 60 ሚእታዊት ከም ዘይወሰኑ’ኳ ገሊጾም እንተነበሩ፡ ኣብ እንስሳታትን ኣብ ሰብን ፈተነታት ቅድሚ ምክያዱ እቲ ምወላ ተሰሪዙ’ዩ።
ዎከር፡ ኣብ መከላኸሊ ጥንሲ ደቂ ተባዕትዮ ንዝግበር መጽናዕቲ ንምምዋል ኣበርቲዐን ዝሰርሓ ሓያሎ ትካላት ግብረ ሰናይ ከም ዘለዋ ትሕብር።
እንተዀነ፡ ኣገባባት መከላኸሊ ጥንሲ ደቂ ኣንስትዮ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ስራሕ ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን፡ ኩባንያታት መድሃኒት ንደቂ ተባዕትዮ ዝዀኑ ኣማራጺታት ንምምዕባል ትሑት ድርኺት ክህልዎም ከም ዝኽእል ትግምት። ካብቲ ዝገብርዎ ወፍሪ ዝዀነ ረብሓ ኣይንረክብን ኢና ኢሎም ከም ዝሓስቡ ትእምት።
መን ይፈልጥ? ምናልባት እቲ ናይ መወዳእታ ተስፋ ዘለዎ ኣማራጺ - እቲ ኣብ ኣናጹ ዘርኢ ተባዕታይ ንግዚኡ ክድንዝዝ ዝገብር ፕሮቲን - እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ብድሆታት ክሰግር ይኽእል ይኸውን።
ደቂ ኣንስትዮ ዓለምና ግን ትንፋሰን ሒዘን ክጽበያ ዘሎ ተኽእሎ ትሑት እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







