ብፕሮቲን ሃብቲሞም ዝሽየጡ መግብታት ክሳብ ክንደይ 'ጥዑያት' እዮም?

ብፍሉጣት ሰባት ተወዓዊዖም ዝሽየጡ ዘለዉ ፕሮቲን ዝበዝሖም መግብታት መሸጣኦም ወሲኹ

"ልዑል ፕሮቲን" ዘለዎም ምቁር መግብታትን ኣብ ኵሉ ዕዳጋታት ንረኽቦም።

ካብ ፓንኬክን ፓስታን ጀሚሩ ክሳብ ሩዝን ፒዛን ፈቘኡ ንረኽቦም።

ፍሉጣት ሰባት እውን ኣብ ምውዕዋዕ ክሳተፍዎ ንዕዘብ ኣለና። ኣብነት ክሎይ ካርዳሽያን ብዛዕባ መቐረት ቆሎ ዕፉን ኣፋሊጣ ነይራ።

ንሳ ነቲ ዘፋለጠቶ ቆሎ ዕፉን፡ "ፍጹም ጥዑም መግብን ንመዓልትኻ ዘመቅር ብ ፕሮቲን ዝሃብተመን" ክትብል ኣላልያቶ ነይራ።

ፍሉጥ ኣመሪካዊ ተዋሳኣይ ዛክ ኤፍሮን ድማ ኣብ ጥሪ ብፕሮቲን ዝሃብተመ መግቢ ኣፋሊጡ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

እንተዀነ እዚ ዕምቆቱ እናሰፍሐ ዝመጽእ ዘሎ መወዓውዒ ፕሮቲን ናይ ዕዳጋ መታለሊ ሜላ ጥራይ ድዩ ወይስ እዞም ፍርያት እዚኦም ብሓቂ ጭዋዳታት ክትሃንጽ ወይ ጥዑይ ህይወት ክትነብር ትጽዕር እንተሊኻ ጠቐምቲ እዮም?

ነዚኣቶም ተወሳኺ ገንዘብ ከተውጽእ ከ ፍትሓዊ ድዩ?

መሸጣ ናይዞም ክትበልዖም ኣብ ኣፍካ ምቁራት ዝኾኑ ፍርያታት ይውስኽ ከምዘሎ ሓደ ቢቢሲ ዘረጋገጾ መጽናዕቲ የመልክት።

ትካል መጽናዕቲ ሚንቴል ንቢቢሲ ዘካፈሎ ኣሃዛት ከምዘመልክቶ፡ ኣብ 2025 ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ 8.3 ሚእታዊት መሸጣ መግብታት ልዑል መጠን ፕሮቲን ከምዘለዎም ይገልጽ።

እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2024 ዝነበረ 6.1 ሚእታዊት ከምኡ'ውን ኣብ 2023 ካብ ዝነበሮ 4.6 ሚእታዊት ወሰኽ ከምዘርኣየ ዘመላኽት'ዩ።

ኣብ ሚንቴል ዳይረክተር መጽናዕቲ ኪቲ ሶይኒነን፡ ፕሮቲን ኣብ ከም ደርሆን ፍረታትን ዝኣመሰሉ ብተፈጥሮኦም ልዑል መጠን መኣዛ ዘለዎም መግብታት ይውሰኹ ከምዘለዉን፡ ኣብ ዘይትጽበዮም ፍርያት'ውን ይውሰኽ ከምዘሎን ትዛረብ።

እታ በዓልቲ ሞያ መጽናዕቲ ብተወሳኺ "ምቁር መግቢ፡ ግራኖላ፡ ፓንኬክ፡ ዋላ'ውን እቲ ዘይልሙድ ፒዛ፡ ልዑል ፕሮቲን ሒዞም ይመጹ ኣለዉ" ኢላ።

ኣብ ሊቨርፑል ዝነብር ብውልቁ ዘሰልጥን ኢታን ስሚዝ ብወገኑ፡ ልዑል ፕሮቲን ዘለዎ ኣመጋግባ ንህንጸት ጭዋዳታት ኣድላዪ ምዃኑ፡ እንተዀነ ብዘይ እቲ ኣብ ድኳናት እትርእዮ ልዑል ፕሮቲን ዘለዎ ምቁር መግብታትን መስተታትን ክግበር ከምዘለዎ ይዛረብ።

"ካብ መግቢ ዝሓሸ ነገር ከምዘየለ ይኣምን'የ" ዝበለ ስሚዝ፡ "እቲ ዘድልየካ ፕሮቲን ካብ ኣሕምልትን ቅብኣት ዘይብሉ ስጋን ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ" ኢሉ።

ምቹእነት ልዑል ፕሮቲን ዘለዎም ምቁር መግቢ፡ ምስቲ ኣብ ዓማዊል ዘሎ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ናይቲ መኣዛ ተደሚሩ፡ ኣፍረይቲ ፕሮቲን ከም መሳርሒ ዕዳጋ ክጥቀሙሉ ከም ዝገበሩ'ውን ይኣምን።

ኣፍረይቲ ፍርያቶም ምንጪ ፕሮቲን እዩ ክብሉ፡ እንተወሓደ 12 ሚእታዊት ብፕሮቲን ከም ዝቐርብ ንተቘጻጸርቲ ከርእዩ ኣለዎም።

ኮሊ ካርዳሺያን፡ ብፕሮቲን ዝበልጸጕ መግቢታት ካብ መንጐ ዘወዓውዑ ፍሉጣት ሰባት ሓንቲ እያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኮሊ ካርዳሺያን፡ ብፕሮቲን ዝበልጸጕ መግቢታት ካብ መንጐ ዘወዓውዑ ፍሉጣት ሰባት ሓንቲ እያ

ሓደ ፍርያት ልዑል ፕሮቲን ኣለዎ ክበሃል እንተዀይኑ እቲ ኣሃዝ 20 ሚእታዊት ክኸውን ኣለዎ።

"ሓደ ተጓይዩ ናብ ቤት መግቢ ኣትዩ ክመስሕ ዝደሊ ሰብ ፈለማ ኣብ ክንዲ ክልተ ዝተጠበሰ እንቋቑሖ ዝበልዕ ስለምንታይ ተቐዳዲሙ ፕሮቲን ዘለዎም መግብታት ከምዝእዝዝ ክትዕዘብ ትኽእል ኢኻ" ይብል።

ስሚዝ ኣስዒቡ "ኣብተን 12 ዓመታት ከም ውልቃዊ ኣሰልጣኒ ኮይነ ዝጸናሕኩለን ዓመታት፡ ከምዚ ሕጂ ኣብ ዙርያ ረብሓታት ፕሮቲን ዝርአ ብዙሕ ሃረርታ ተዓዚበ ኣይፈልጥን" ኢሉ።

ፕሮቲን ካብ ምህናጽ ጭዋዳታትን ስፖርታዊ ብቕዓትን ጀሚሩ ክሳብ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እዋን ጥንሲ ኣዝዩ ሓጋዚ ነገር እዩ።

ጭዋዳታት ክትሃንጽ ትጽዕር እንተሊኻ ኣብ መዓልቲ ኣብ ሓደ ኪሎ ግራም ክብደት ኣካላትካ ኣስታት 1.6 ግራም ፕሮቲን ክትወስድ ከምዘለካ ዶክተር ፖል ሞርጋን ዝተባህለ ናይ ዩኒቨርሲቲ መምህር ኣመጋግባ ደቂ ሰባት ይምዕድ።

ንሱ፡ ነቲ ሓፈሻዊ ጥዕናኡ ከረጋግጽ ዝጽዕር ማእከላይ ሰብ፡ እዚ ኣሃዝ ከባቢ 1.2 ግራም ክኸውን ከም ዘለዎ ይዛረብ።

ብዙሓት ካብቶም ኣብ ፍርያቶም ትሕዝቶ ፕሮቲናት ዘፋልጡ ትካላት ዕዳጋ የታልሉ ዘለዉ ኮይኑ ከምዝስመዖ ብምግላጽ ከምቲ ኣብ ሚድያታት ዝግለጽ ጽቡቕ ዘይክኾኑ ከምዝኽእሉ የጠንቅቕ።

ዶ/ር ፖል ብተወሳኺ፡ "ረብሓ ከምዘለዎም ይኣምን'የ፤ እንተኾነ መብዛሕቲኦም መግብታት ኣመና ዝተመስርሑ ስለዝኾኑ ብዛዕባኡ ብልክዕ ንፈልጦ ነገር የለን" ይብል።

ልዕሊ መጠን ፕሮቲን ናይ ምውሳድ ሓደጋኡ

ፕሮቲን ንጭዋዳታቱ ክሃንጽ ዝደሊ ሰብ ኣገደስቲ'ዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣዝዮም ዝተመስርሑ መግብታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዮም ኣለዉ። እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተሓትመ ሓደ መጽናዕቲ ምስ ሓደ ኣብ ዘይዕድመኡ ዝሞተ ሰብ ኣተኣሳሲርዎ ነይሩ'ዩ።

ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ተመራመርቲ፡ ክልተ ተመሳሰልቲ ምንጪ ፕሮቲን ብምውሳድ ሓደኡ ኣመና ዝተመስርሐ ብምግባር ኣብ ጭዋዳታት ክህልዎም ዝኽእል ዝተፈላለየ ጽልዋ ንምርዳእ ይጽዕሩ ከምዘለዉ ይገልጽ።

ካልእ ጉዳይ ካሎሪ እዩ ምኽንያቱ ክብደት ሰብነት ምውሳኽ እቲ ዝበዝሐ ጸገም ሰባት ዝያዳ ፕሮቲን ክወስዱ ኣብ ዝፍትኑሉ እዋን ምዃኑ ዶክተር ሞርጋን ይገልጽ፡ ምኽንያቱ ዝኾነ ልዕሊ ዓቐን ኣብነት ስብሒ ኣብ ኣካላትና ስለዝኽዘን'ዩ።

ገለ ብፕሮቲን ዝተወዓውዑ ምቁር መግብታትን መስተታትን ተመሳሳሊ ቀመማት ብምጥቃም ስሩዕ ፍርያት ካሎሪ ክህልዎም ይኽእል'ዩ።

ዶክተር ሞርጋን፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ፕሮቲን ምብላዕ ንኣዕጽምትኻ ክጎድእ ወይ ንኹሊትካ ክጎድእ ይኽእል እዩ ዝብል ክልሰ-ሓሳባት ይነጽጎ፡ እንተኾነ ቅድመኡ ዝነበረካ ኵነታት ጥዕና ምርኣዩ ኣገዳሲ'ዩ።

ዶክተር ሞርጋን ብዛዕባ ኣመና ዝተመስርሑ ፍርያት ፕሮቲን ስክፍታ እኳ እንተሃለዎ፡ ኣብ ቀንዲ መግብታት ምውሳኽ ፕሮቲን ረብሓ ከም ዘለዎ ይርኢ።

ብፍላይ ነቶም ኣብ ጭዋዳታቶምን ኣዕጽምቶምን ሓይሊ ንምዕቃብ ዝያዳ ፕሮቲን ዘድልዮም ኣረጋውያን ጠቐምቲ ክኾኑ ይኽእሉ።

እዞም መግብታት ጠቐምቲ ድዮም እዩ?

ጥዕናና ንምዕቃብ ዝያዳ ፕሮቲን ዘድልየና እንተዀይኑ ወይ ድማ ጭዋዳታት ንምህናጽ ንፍትን እንተሃሊና፡ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብል ኢታን።

"መብዛሕትኡ ኣመጋግባኻ ምሉእ መግቢ እንተዀይኑን ሸቶኻ ንምውቃዕ ተወሳኺ 20ግ ፕሮቲን እንተድኣ ኣድልዩካን ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ" ኢሉ።

እንተዀነ፡ ሚዛን ምሕላው ኣገዳሲ ከም ዝዀነን ኣብኣቶም ጥራይ ክንምርኰስ ከም ዘይብልናን ይመክር።