ጥዕና ልብና ብኸመይ ክንሕሉ ንኽእል?

ልብና ኣብ ኣካላትና ኣዝዩ ዓቢ ጥቕሚ’ዩ ዘለዋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጥዕይቲ ልቢ ምውናን ጽቡቕ ዝሰርሕ ውሽጣዊ ኣካላት ከም ምህላው'ዩ ዝግለጽ።

ልቢ ኦክስጅንን ካልእ ንኣካላትና ኣገደስቲ ዝዀኑ ንጥረ ነገራት ዝሓዘ ደም ናብ መላእ ኣካላትና ትጭንጉዕ።

ምስ ልብን መትንን ዝተሓሓዙ ሕማማት ካብ ቀንዲ ጠንቅታት ሞት'ዮም።

ኣብ መላእ ዓለም ዓመታዊ 18 ሚልዮን ሰባት ብሕማም ልብን መትንን ከምዝሞቱ ከኣ ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ። ካብዞም ዓመታዊ በዚ ሕማም ዝሞቱ 18 ሚልዮን ሰባት ከኣ እቶም 80 ሚእታዊት ሞቶም ብቐጥታ ምስ ሕማም ልብን ወቕዒ ልብን ዝተሓሓዝ'ዩ።

ውዑይ ሰብ ትርግታ ልቡ ኣብ ደቂቕ ካብ 60 ክሳብ 100 እዩ። ጥዕና ልብና ምሕላው ከኣ መዓልታዊ ክንሰርሓሉ ዘለና ነገር ከምዝዀነ ከኣ ክኢላታት ልቢ [ካርድዮሎጂስት] ይሕብሩ።

ዶክተር ኢቫን ለቪን ኣመሪካዊ ተመራማሪ ልቢ ኰይኑ "ጽቡቕ ዝተመጣጠነ መግቢ ብምምጋብ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብምግባርን ሽጋራ ተመሳሰልቲ ነገራትን ብዘይምትካኽ ካብ መጀመርታ ኣትሒዝና ጥዕና ልብና ክንሕሉ ንኽእል ኢና" ይብል።

ግን ጥዕይቲ ልቢ ምውናን ካብ ወቕዒ ልብን ሕማም ልብን ነጻ ክገብረና ይኽእል ድዩ?

መጀመርታ ወቕዒ ልብ እንታይ'ዩ?

 ወቕዒ ልቢ ይጅምረኒ ኣሎ ኢልካ እንተሓሲብካ ብቕጽበት ቀዳማይ ረድኤት ጸውዕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ወቕዒ ልቢ ይጅምረኒ ኣሎ ኢልካ እንተሓሲብካ ብቕጽበት ቀዳማይ ረድኤት ጸውዕ

ወቕዒ ልቢ ደም ናብ ልቢ ምምላስ ምስ ዘቋርጽ'ዩ ዘጋጥም።

እቲ ኦክስጅን ዝሓዘ ደም ናብ ልቢ ዘይምለስ እንተሃልዩ ኣብ ውሽጢ ልብና ዝርከቡ መትንታት ክዓንውን ክሞቱን ይጅምሩ።

ግቡእ ሕክምናዊ ሓገዝ እንተዘይተገይርሎም ካብ ዕንወቶም ዘይክሓውዩ ይኽእሉ'ዮም።

ዓቢ ክፋል ልቢ እንተዓንዩ ከአ ልቢ ትርግታ ተቋርጽ፣ ትርግታ እንተኣቋሪጻ ከኣ ሞት'ዩ ዝስዕብ።

ኣስታት ፍርቂ ካብቶም ብወቕዒ ልቢ ዝተጠቕዑ፡ ካብቲ ምልክት ዝጀመሮም ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ሰዓታት ይሞቱ።

ስለዚ ንምልክታት ወቕዒ ልቢ ምልላይን ግቡእ ሕክምና ምግባርን ኣዝዩ ወሳኒ ረቋሒ'ዩ።

ሓደ ካብ ቀንዲ ጠንቂ ወቕዒ ልቢ 'ኮሮናሪ' ዝተብሃለ ንልቢ ዘጥቅዕ ሕማም'ዩ።

እዚ ሕማም ኣብ ውሽጢ መትንታት ቀስ እናበለ ዝተዋህለለ ስብሒ፡ ደም ብቐሊሉ ከምዘይሓልፍ ብምግባር ዝኽሰት ሕማም'ዩ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዓመታዊ 805 ሽሕ ሰባት ብወቕዒ ልቢ ይጥቕዑ።

ካብዚኦም እቶም 605 ሽሕ ሰባት ንመጀመርታ ብወቕዒ ልቢ ዝጥቕዑ ክዀኑ እንከለዉ እቶም 200 ሽሕ ግን ቅድሚኡ ብወቕዒ ልቢ ተጠቒዖም ዝፈልጡ'ዮም።

ብወቕዒ ልቢ ንጥቃዕ ምህላውና ብኸመይ ኢና ንፈልጥ?

እቲ ቃንዛ ካብ ኣፍልቢ ጀሚሩ ክሳብ ክሳድን የእዳውንን ዝዝርጋሕ’ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እቲ ቃንዛ ካብ ኣፍልቢ ጀሚሩ ክሳብ ክሳድን የእዳውንን ዝዝርጋሕ'ዩ

ምልክታት ወቕዒ ልቢ ብዙሕ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

እቲ ቀንዲን ልሙድን ግን ኣብ ኣፍ ልቢ ዘጋጥም ቃንዛ'ዩ። ክንዲ ብርቱዕ ቃንዛ፡ ከምዚ ኣብ ኣፍልብኻ ከቢድ ነገር ዝጸቐጠካ'ዩ ዝስምዓካ።

ገለ ደቀንሰትዮ'ውን እቲ ቃንዛ ኣብ ኣፍ ልበን፡ ክሳደንን ክልቲኡ የእዳወንን ይስምዐን'ዩ።

ክኢላ ሕማማት ልቢ ዶክተር ኣይሊን ባርሰግያን ቃንዛ ወቕዒ ልቢ ምስቲ ብጸገም ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ዝመጽእ ሕማም 'ኢንዳጀሽን' ከደናግር ከምዝኽእል ትሕብር።

እንተዀነ ቃንዛ ወቕዒ ልቢ ዘይከም 'ኢንዳጀሽን' እቲ ቃንዛ ካብ ኣፍልቢ ጀሚሩ፡ ኣብ ጸጋመይ ኢድ፡ መንጋጋ፡ ሕቘን ከብድን ዝዝርጋሕ ምዃኑ ተብርህ።

እቲ ካልእ ምልክት ወቕዒ ልቢ፡ ምስልቻው፡ ብዙሕ ረሃጽ፡ ሕጽረት ትንፋስን ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ዋላ ድኣ ወቕዒ ልቢ ሃንደበት ዝጅምር እንተዀነ፡ ሓደ ሓደ እዋን እቲ ምልክት ቅድሚ ሰዓታት ወይ ቅድሚ መዓልታት ክርአ ክጅምር ይኽእል'ዩ።

ዋላ ምስ ኣዕረፍና ዘይሓድገና ቃንዛ ኣፍ ልቢ እቲ ቀንዲ ከሻቕለና ዝግባእ ምልክት ወቕዒ ልቢ'ዩ።

ዶክተር ኣይሊን ባርሰግያን "ድሕሪ ሰለስተ ሰዓታት፡ ደም ብግቡእ ከምዝጭንጓዕ እንተዘይተገይሩ፡ እቶም ዝተጠቕዑ መትንታት ክሞቱ ይኽእሉ'ዮም፣ ክኢላታት ክሳብ ዝመጽኡኻ ኣስፕሪን ምውሳድ ከኣ ይምከር'ዩ" ትብል።

ምልክታት ወቕዒ ልቢ'ዩ ኢልካ ዝጠርጠርካዮ ምልክታት ምስ ዝህልዋካ ብቕጽበት ናብ ሆስፒታል ክትጓየ ከምዘለካ'ዮም ክኢላታት እዚ ዓውዲ ዝመኽሩ።

ዶክተር ኢቫን ለቪን "ዕድመኻ፡ ክብደትካ፡ ናይ ምትካኽን ምስታይን ወልፍታትካ ወይ ልምድታታካ ከምኡ ከኣ ኣብ ዓሌትካ በዚ ሕማም ተጠቒዑ ዝፈልጥ ሰብ ኣሎ ድዩ ምፍላጥ ኣገዳሲ'ዩ፤ እዚ ዅሉ እንተሃልዩካ'ሞ ኣብ ኣፍ ልብኻ ከኣ ቃንዛ ክስምዓካ እንተጀሚሩ ብቕልጡፍ ሕክምናዊ ሓገዝ ሕተት" ይብል።

ንወቕዒ ልቢ ብኸመይ ንከላኸሎ?

ክትጎዩ ጸኒሓ ዘዕረፈት ጓል ኣንስትይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንወቕዒ ልቢ ክንከላኸለሉ እንኽእል ኣገባባት ኣሎ፤ ገለ ካብኡ ብኣካላዊ ምንቅስቓስ መጠን ጸቕጢ ደምናን ኮሎስትሮልን ምጉዳል'ዩ።

ኮሎስትሮል፡ ኣብ ደምና ዝርከብ ጥዑያት ወሃዮታት ንኽህልዉና ዝሕግዝ ንጥረ ነገር'ዩ።

እንተዀነ ልዑል መጠን ኮሎስትሮል ንሕማማት ልብን መትንን ከቓልዓና ይኽእል።

ክኢላታት፡ ጥዑይ ኣነባብራ ጥዕይቲ ልቢ ንኽትህልወና ሓጋዚ'ዩ ኢሎም'ዮም ዝመኽሩ።

ውሑድ ስብሕን ልዑል መጠን ጽሕጎን ዘለዎም መግብታት፡ ምስ ውሑድ መጠን ጨው [ኣብ መዓልቲ ካብ 6 ግራም ዘይዛይድ ጨው] ምውሳድ ከኣ ይምከር።

ልዑል መጠን ጨው ንጸቕጢ ደምና ስለዘበርኾ ንሕማማት ልብን መትንን ከቃልዓና ይኽእል'ዩ።

ብተወሳኺ፡ ኣዝዮም ዝተመስርሑ መግብታት ዝያዳ ስብሒ ስለዘለዎም ንመጠን ኮሎስትሮልና ከበርኾ ይኽእል'ዩ።

እዚ ኣዝዩ ዝተመስርሐ እንብሎ ዘለና መግብታት ከም ኬክ፡ ብሽኮቲ፡ ሶሴጅ፡ ጠስሚ፡ ፓልም ኦይል ዘለዎም መግብታትን ካልእን ዝሓዘ'ዩ።

ዝተመጣጠነ መግቢ እንብሎ ዘይተመስርሐ ሰብሒ ዘለዎ ኰይኑ እዚ ምዕሩይ መጠን ኮሎስትሮል ንኽህልወናን መትንታት ልቢ ብዘይ ጸገም ደም ክጭንጉዑን ክቕበሉን የኽእሎም።

ዘይተመስርሐ ስብሒ ዘሎዎም መግብታት ከም ዓሳ፡ ኣቮካዶ፡ ፉልን ካልኦትን'ዮም።

ዝተመጣጠነ መግቢ ምስ ኣካላዊ ምንቅስቓስ፡ እቲ ቀንዲ ካብ ወቕዒ ልቢ ክኸላኸለልና ዝኽእልን፡ ንጥዕና ልብና ሓጋዚ ዝኾነን ነገር'ዩ።

ሚዛንና ምስ ቁመትናን ዕድመናን ዝተመጣጠነ እንተዀይኑ ከኣ ብጸቕጢ ደም ክንጥቃዕ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ'ዩ ዝንክዮ።

ዶክተር ኢቫን ለቪን፡ ኣብ መዓልቲ ን30 ደቂቕ ኣብ ሰሙን ከኣ ሓሙሽተ መዓልታት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክንገብር ከምዘለና'ዩ ዝምዕድ።

እቲ ቀንዲ ነገር ግን ፈጺምና ሽጋራ ወይ ቬፕ [ኤለትሮንያዊ ሽጋራ] ከነትክኽ ከምዘይብልና ዶክትር ኢቫን ለቪን ይመክር።

ኣብ ኣመሪካ ኣብ 23 ሽሕን 927 ሰባት ዝተገረመረ መጽናዕቲ፡ እቶም ሽጋራን ኤለትሮንያዊ ሽጋራን ዘትክኹ ሰባትን ምስቶም ሽጋራ ጥራይ ዘትኽኹ ሰባትን ክነጻጸሩ እንከለዉ ብሕማማት ልቢ ናይ ምጥቃዕ ዕድላቶም ማዕረ ምዃኑ ውጽኢት ናይቲ መጽናዕቲ ይሕብር።

እቶም ኤለትሮንያዊ ሽጋራ ጥራይ ዘትክኹ ሰባት ግን ካብቶም ሽጋራ ዘየትክኹ ሰባት ብሕማማት ልቢ ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎኦም ካብ 30 ክሳብ 60 ሚእታዊት ዝጐደለ'ዩ።

ሓንሳብ ብወቕዒ ልቢ ተጠቒዖም ዝፈልጡ ሰባት፡ ንኻልኣይ ግዜ ብወቕዒ ልቢ ምስ ዝጥቕዑ ኣብ ሆስፒታል ክድቅሱ ዘሎ ዕድል ልዑል ምዃኑ'ውን ክሳብ ሕጂ ዝተኻየዱ መጽናዕቲታት ይሕብሩ።

ኣብ መንእሰያት ወቕዒ ልቢ ክስስን ዝድርኽ ዘሎ ረቋሒ

ክኢላታት ሕማማት ልብን መትንን መንእሰያት ዝኽተልዎ ኣነባብራ ንወቕዒ ልቢ የቃልዖም ከምዘሎ ስክፍተኦም ይገልጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ክኢላታት ሕማማት ልብን መትንን መንእሰያት ዝኽተልዎ ኣነባብራ ንወቕዒ ልቢ የቃልዖም ከምዘሎ ስክፍተኦም ይገልጹ

ዕድመ እናወሰኽና ኣብ እንኸደሉ ብወቕዒ ልቢ ናይ ምጥቃዕ ዕድልና እናወሰኸ'ዩ ዝኸይድ።

ኣብ ኣመሪካ ዝተገበረ መጥጽናዕቲ ከኣ መጠን ወቕዒ ልቢ ኣብ መንእሰያት'ውን ይውስኽ ከምዘሎ'ዩ ዘርኢ።

ኣብ 2019 ዕድመኦም ካባ 18 ክሳብ 44 ኣብ ዝዀኑ ሰባት ኣብቶም 0.3 ሚእታዊት ወቕዒ ልቢ ከምዝረኣየ ዝተገበረ መጽናዕቲ ይሕብር። እንተዀነ እቲ መጠን ኣብ 2023 ናብ 0.5 ሚእታዊት ክብ ምባሉ መጽናዕትታት ይሕብሩ።

ዶክተር ኢቫን ለቪን፡ እቲ ምኽንያት መንእሰያት ዝኽተልዎ ዘለዉ ኣነባባራ ነዚ ሕማም የቓልዖም ከምዘሎ'ዩ ዝገልጽ።

እዚ ብዙሕ ዝተመስርሐ መግቢ ምብላዕን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይምግባርን ቀንዲ ምኽንያታት ምዃኑ እቲ ክኢላ ይገልጽ።

"ኵልና ምንቅስቓስ የድልየና ኣሎ፤ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንምግባር ግድን ኣይኰንናን ናብ ጂም ክንክድ ዘለና። ኣብ ገዛና ኴንና'ውን ክንገብሮ ንኽእል ኢና። እቲ ካልእ ኣብ ከም እዋን ዓለማዊ ለበዳ ኮቪድ 19 ዝነበረሉ እዋን ሰብ ኣብ ገዛኡ ኰይኑ ይሰርሕ ስለዝነበረ ንብዙሓት ንኣገባብ ኣነባብራኦም ጸልይዎም ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል።

እቲ ኻልእ ንመንእሰያት ንወቕዒ ልቢ ዘቓልዖም ዘሎ ሽጋራን ኤለትሮንያዊ ሽጋራን ምዃኑ ከኣ ዶክተር ኢቫን ለቪን ይጠቅስ።

ብተወሳኺ "ኣብ ዓሌትና ብሕማም ወቕዒ ልቢ ሓሚሙ ዝፈልጥ ሰብ እንተሃልዩ ከነስትብህለሉ ኣለና፤ ቅድሚ ሕጂ ወቕዒ ልቢ እንተኣጋጢሙና ከኣ ዳግማይ ናይ ምጥቃዕ ዕድልና ከስፍሖ ይኽእል'ዩ። ብተወሳኺ ንጸቕጥን ዋሕዲ ድቃስን ኣብ ዘቃልዕ ከባቢ እንተሃሊና'ውን ብወቕዒ ልቢ ናይ ምጥቃዕ ዕድልና የግፍሖ'ዩ" ኢሉ።