ጸጕርና ካብ ምርጋፍን ምብራሕን ክንዓግቶ ንኸእልዶ?

ጸጕሩ ዘርኢ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምርጋፍ ጸጕሪ ዓሌትን ጾታን ከይፈለየ ኣብ ኵሉ ሰብ ከጋጥም ከም ዝኽእል ክኢላታት ይገልጹ።

ጸጕርና ብሰንኪ ስእነት ጥዕናን ተወርሶን ኰነ ስርዓተ ኣነባብራና ክረግፍ ይኸእል።

ጠንቂ ምርጋፍ ጸጕሪ ርእስና ኣለሊና ንምፍዋሱ ምእንቲ ክንክእል፡ ኣብ ብሪጣንያ ንትነብር ክኢላ ጸጕርን ቈርበትን ኢኒታን ኣጊደ ተወኪስናያ ኣለና።

ብዙሓት ዓማዊል ከም ዘለዋኣ እትዛረብ ኣጊደ፡ ጸጕረን ብምርጋፉ ሓገዝ ደልየን ዝመጽኣኣ ብኣብዝሓ ደቀንስትዮ እየን።

"ካብ ምምላጥን ምርጋፍን ጸጕሪ ርእሲ ዘምልጥ የሎን። ኣነ እዚ ኵሉ ኣፍልጦ እናሃለወኒ ካብ ምርጋፍ ጸጕሪ ከምልጥ ኣይክእልን እየ፡" ብምባል ንዅሉ ሰብ ከም ዘጋጥሞ ተብርህ።

መጽሔት ኣመሪካ፡ ደርማቶሎጂክ ሰርጀሪ ከም ዝሕብሮ፡ 16% ካብቶም ካብ 18-29 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቂ ተባዕትዮ፡ ምርጋፍ ጸጕሪ የጋጥሞም። እዚ ድማ ካብቶም 30-39 (30% )ዓመት ዝዕድሚኦም ደቂ ተባዕትዮን ልዕሊ ፍርቂ ካብ 40-49 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቂ ተባዕትዮን ይዓቢ።

ምርጋፍ ጸጕሪ (ወይ ከምቲ ሓካይም ዝገልጹዎ ምብራሕ ርእሲ) ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ዝያዳ ኣቓልቦ ይረክብ፣ እንተዀነ፡ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ጸጕረን ይምለጥ እዩ።

ብመሰረት ቤት ትምህርቲ ሕክምና ሃርቫርድ፡ ኣስታት ሲሶ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህይወተን ኣብ ገለ እዋን ምርጋፍ ጸጕሪ ወይ ምብራሕ ርእሲ የጋጥመን።

ንዝረገፈ ጸጕሪ ብኣግኡ ክትመልሶ ትኽእል ዲኻ?

ጸጕራ ዝሓዘት ጓለንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዕለታዊ ኣነባብራና ክንገብሮም እንኽእል ብርክት ዝበሉ ለውጥታት'ኳ እንተ'ለዉ፡ "እቲ ቀዳማይ መርመራ ገይርካ ካብ ብዓል ሞያ ቀንዲ ጸገሙ ምርዳእ እዩ፡" ይብል ሓኪም ቈርበት ዶክተር ኣንቻል ፓንት።

"ብዙሕ ፕሮቲን ዘለዎ ኣመጋግባ ንዕብየት ጸጕሪ ኣገዳሲ'ዩ፡" ይብል። "ዝዀነ ዓይነት ሕጽረት ኣመጋግባ እንተ'ልዩ፡ መጀመርታ ንሱ ክቕየር ኣለዎ።"

ብዙሓት ጸጕሮም ብኡንብኡ ይርግፍ ከም ዘሎ ዘስተብሃሉ ሰባት፡ ከም ማይኖክሲዲል ዝኣመሰሉ ኬሚካላት ዘለዎም ክሬማት ወይ ካፈይን መሰረት ዝገበሩ ፍርያት ክጥቀሙ ይፍትኑ።

ሚኖክሲዲል ብሓፈሻ ብመልክዕ ፈሳሲ ወይ ዓፍራ ዝዳሎ ኰይኑ፡ ናብ ሱር ጸጕሪ ዋሕዚ ደም ከም ዝውስኽን እዚ ድማ ንዕብየት ጸጕሪ ከም ዘኽእልን ተበጺሑ ኣሎ።

ይዅን'ምበር፡ ዶክተር ፓንት፡ ማይኖክሲዲል፡ "ምርቃቕ ጸጕሪ ኣብ ምንካይ ይሕግዝ'ዩ፣ ሓድሽ ጸጕሪ ግን ከብቍል ኣይክእልን እዩ፡" ኢሉ የጠንቅቕ።

ብፍላይ ንደቂ ተባዕትዮ፡ ኬቶኮናዞል ጸጕሮም ካብ ምርጋፍ ይሕግዝ። ፈሮፎር ንምፍዋስ እውን ጽቡቕ ሜላ ምዃኑ ክኢላታት ይዛረቡ። ፍሮፎር ድማ ብቕልጡፍ ክፍወስ ኣለዎ፣ ምኽንያቱ፡ ብሰንኪ ስሓ ዝስዕብ ነድሪ ንምርጋፍ ጸጕሪ ከጋድዶ ስለ ዝኽእል።

ኬቶኮናዞል ካብ ማይኖክሲዲል ዝፈልዮ ነገር ኣብ ቈርበት ርእሲ ንዝፍጠር ረኽሲ ፋንጋስ ንምፍዋስ ዝውዕል ጸረ-ፋንጋስ መድሃኒት ብምዃኑ እዩ።

"ብዙሓት ሰባት ምርጋፍ ጸጕሪ ሕክምና ኬድካ መድሃኒት ትወስድ'ሞ፡ ሻቡ ብቕጽበት ዘቋርጽ ኰይኑ ይስምዖም፣ በቃ ጸጕረይ ክበቍል እዩ ብምባል ዝግበር ነገር ዘሎ ኣይመስሎምን።

ዶክተር ፓንት ግን፡ ''ከምኡ ግን ኣይኰነን። ዝረገፈ ጸጕሪ ንምምላስ ምሉእ ዕድመኻ ተወፋይነት ዝደሊ'ዩ፡" ብምባል ምክንኻኑ ቀጻሊ ክኸውን ይመክር።

ጸጕራ እትምሸጥን መሻጢትን ኣብ ቤተ ክንክን ጸጕሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣነባብራና ምቕያር

ብዛዕባ ዓይነት ጸጕርኻ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ኣፍሮ ጸጕሪ ትነጥፍ ክኢላ ጸጕርን ቈርበትን ኣጊዲ፡ ገለ ቅዲ ኣቋንና ተሪርን ከቢድ ኣርተፍሻልን ወሲኽካ ዝቝነን፣ ገለ ምሻጦ ድማ ብርቱዕ ሓዊ (ከም ፓሊስትራን መቕስን) ሓድሓደ ግዜ ኣብ ምጕዳል ጸጕሪ ኣበርክቶ ክህልዎም ከም ዝኽእል ትዛረብ።

"ቅዲ ጸጕርና ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። ከቢድን ስጡምን ቅዲ ጸጕሪ ክትገብር ከለኻ፡ ኣብ ልዕሊ መናፊት ጸጕርና ብዙሕ ጸቕጢ ክገብር ይኽእል'ዩ፡" ትብል።

ኣብ ቈርበት ርእስኻ ንዝፍጠር ቍስሊ ካብ ምሕዋይ ክሳብ ምሕዳስ ዓቢይ ተራ ስለ ዝጻወት፡ ወጢርና ከነትሕዞ ሓጋዚ ኣይከውንን።

"ዓማዊለይ ብሰንኪ ልዕሊ መጠን ወጢርካ ምቍናንን ምትሓዝን፡ ጸጕረን ክረግፍ፡ ክበርሕን ካልእ ጸገማት ከስዕበለንን ርእየ'የ።"

ካልኦት ኣብ ግምት ከነእትዎም ዘለና፡ ምርጋፍ ጸጕርን ምብራሕ ርእስንን ከጋድዱ ዝኽእሉ ነገራት ድማ ምትካኽ ሽጋራ፡ ምስታይ ኣልኮላዊ መስተ፡ ጸቕጥን ሕጽረት ድቃስን እዮም።

ዶክተር ፓንት ሽጋራ ምትካኽ ቫዞኮንስትሪክሽን (ምጭባጥ) ከም ዘስዕብ፣ እዚ ድማ ዋሕዚ ደም ናብ ኣካላትካ ከም ዘጕድል ይገልጽ። እዚ፡ ኣብ ቈርበት ርእስኻ'ውን ክኸውን ከም ዝኽእል ይዛረብ።

ቈርበት ርእስኻ ብስሩዕ ዘይምሕጻብ'ውን ጠንቂ ምምዛዝን ምርጋፍን ጸጕርኻ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

"ቅብኣት ዘለዎ ቈርበት ርእሲ ዘለካ ሰብ እንተዄንካ ጸጕርኻ መዓልታዊ ወይ ኣብ ሳልስቲ ክትሕጸብ ኣለካ፡" ብምምባል ዶክተር ፓንት ይምዕድ።

ቈርበት ርእስኻን ዓይነት ጸጕርኻን ንቡር ወይ ደረቕ እንተዀይኑ፡ እንተ ወሓደ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ክትሕጸቦ ኣለካ ይብል።

ርእሱ ዝርአ ወዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምትካል ጸጕሪ እቲ ዝቐለለ መፍትሒ ድዩ?

ምትካል ጸጕሪ ሓደ ከም ስነጽባቐዊ መስርሕ ኰይኑ፡ ብመብጣሕቲ ዝግበር እዩ። ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ትርእይቶም ዘለዎም ርእሰ-ተኣማንነት ንምምላስ ጸጕሮም የትክሉ።

ልዑል ወጻኢታቱ ንጐድኒ ገዲፍና፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ምትካል ጸጕሪ ግኑን እዩ።

ዶክተር ፓንት ግና ሓድሓደ ግዜ ድሕሪ ምትካል ጸጕርኻ ምክንኻን እንተ ኣቋሪጽካዮ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ዓመት ተፈጥሮኣዊ ጸጕርኻ ተመሊጡ፡ ምስቲ ዝተተኽለ ጸጕርኻ ጥራሕ ከም እትተርፍ እቶም ተጠቀምቲ ከም ዘይርድኡዎ ይዛረብ።

ኢኒታን ኣጊደ ብወገና ፡ ምትካል ጸጕሪ ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ክኸውን ከም ዘለዎን ምትካል ጸጕሪ ንዅሉ ሰብ ፍታሕ ኰይኑ ከም ዘይስምዓን ትገልጽ።

"ምትካል ብመሰረቱ፡ ናብ ደገ ክትኸይድ እንከለኻ ቍሪ ስለ ዝዀነ ጃኬት ከም ምልባስ ኰይኑ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ጃኬት ኣይተደራረብካን፡'' ኢላ ድማ ተረድእ።