'ዳየሪ' ምጽሓፍ ንጥዕና ኣእምሮ ክሕግዝ ይኽእል ድዩ?

ዳያሪ እትፅሕፍ መንእሰይ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

እቲ ቀንዲ ኣማኻሪ ስነ-ፍልጠት መንግስቲ ብሪጣንያ ሰር ፓትሪክ ቫላንስ፡ ቅልውላው ኮቪድ 2020 ዝጽሕፎ ዝነበረ ዕለታዊ ዝኽሪ ክሕተም ኣይተጸበየን ወይ ኣይደልን’ዩ ነይሩ።

እቲ ልዑል ሓበሬታ ከም ዘለዎ ዝንገረሉ፡ ብብዝሒ ምጽሓፍ ዘዘውትር ተመራማሪ ስነ-ፍልጠት ሰር ፓትሪክ፡ እቲ ኣብ ወራር ኮቮድ-19፡ ንሚኒስተራት ዓባይ ብሪጣንያ ዝሕግዘሉ ዝነበረ እዋን ዝጽሕፎ ዝነበረ ዕለታዊ ዝኽሪ፡ ጥዕና ኣእምሮኡ ንምዕቃብ’ዩ ዝጽሕፎ ነይሩ።

ኣብዚ እዋን መብዛሕትኡ ዝኽርታትና ብኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት እዩ ዝጸሓፍ። ይዅን እምበር እቲ ብኢድ እንጽሕፎ ዕለታዊ ዝኽሪ ናይ ብሓቂ ድዩ ንጥዕና ኣእምሮና ዝሕግዝ ዝብል ሕቶ ይለዓል እዩ።

ጁልያ ሳሙኤል እትበሃል፡ “ግሪፍ ዎርክስ- ሓዘን ይስርሕ’ዩ” ዘርእስቱ መጽሓፍ ዝጸሓፈት ክኢላ ስነ ኣእምሮን ደራሲት ከምኡ’ያ ትኣምን።

[እታ መጽሓፍ፡ ታሪኽ ብዙሓት ሓዘንተኛታት ውልቀ ሰባት ዝሓቘፈት ብኸመይ ካብ ሓዘን’ካ ትፍወስ እያ ተዘንቱ]

'ንዓቕሚ ምክልኻል ሕማማት የደልድል’

ንሳ፡ ኣብቲ ብሰሉስ ንቢቢሲ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ዝተሰምዓና ክንጽሕፍ ይዅን ክንዘራረብ እንከለና ውሽጣዊ ስምዒታትና ከምዝወጽእ ተረጋጊጹ’ዩ። ከም ሓቂ ዕለታዊ ዝኽርታትካ ምጽሓፍ ልክዕ ጭንቀትን ውጥረትን ንምቍጽጻር ምስ ሓኪም ከም ምዝራብ’ዩ ዝሕግዝ። ንስርዓተ-ምክልኻል ሕማም ኣካላትና እውን ይሕግዝ’ዩ" ትብል።

ወይዘሮ ሳሙኤል ብምቕጻል፡ ዕለታዊ ዝኽሪ ይነበብ ኣይነበብ ብዘየገድስ፡ "ስምዒትካ ብጽሑፍ ምግላጽ ከህድኣና ይኽእል’ዩ" ትብል።

እቶም ብፍላጥ ይዅን ብባህጊ ዕለተ ዝኽርታቶም ዝጽሕፉ ሰባት ሓሳባቶም ብኻልኦት ንኽንበብ ወይ እውን ብስምዒታቶም ንኽድዓዓሱ ይሕግዞም እዩ።

ኣዳም ከይ፡ ዕለታዊ-ዝኽርታቱ ክጽሕፍ እንከሎ ስነ-ኣእምሮኣዊ ዕግበት ከምዝረኸበ ይገልጽ።

እቲ ሓኪም ዝነበረ ኣዳም ኬይ እቲ ናብ ህዝቢ ንኽዝርጋሕ እትጽሕፎ ዕለታዊ ዝኽርታት ዝያዳ መብርሂ ከምዘድልዮ ይሕብር።

"ዝጽሕፎም ዝነበርኩ ዕለታዊ ዝኽርታት ብዝሓሸ መገዲ እኳ እንተ ተጻሕፈ፡ ኣብ እተወሰነ እዋን ናብ ኣሕተምቲ ክልእኮም ምዃነይ እፈልጥ ስለዝነበርኩ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓገዝ ኣይሃበንን" ይብል።

እቲ ብ2016 ኣብ ኤዲንብራ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ እተገብረ ፈስቲቫል ዘንበቦ ድርሰቱ፡ ናብ ሓንቲ 'ዚስ ኢዝ ጐይንግ ቱ ሀርት’ ዘርእስታ ዳሕራይ ናብ ናይ ተሌቪዥን ፕሮግራም ዝቐረበትን ተኸታታሊ ሽልማት ዝረኸበትን መጽሓፍ ክትከውን በቒዓ።

እቲ ደራሲ ንገዛእ ርእሱ ዝኸውን ዕለታዊ ዝኽሪ እዩ ዝጽሕፍ ነይሩ። ሚስተር ከይ ኣብቲ ዝተጨናነቐ ዘሕልፎ ህይወት መዓልታዊ ዝኽሪ ምጽሓፍ ካብቲ ዝነበሮ ጸቕጥታት ዘህድእ ፍወሳ ምንባሩ’ዩ ዝኣምን።

ንሱ ምስቶም ንህዝቢ ዝማርኹ ነዊሕ መስርዕ ዘለዎም ከም በዓል ሳሙኤል ፐፒስ ኣብ 1600ታት ዝኣመሰሉ ዘደንቕ ዕዮ ዘበርከተ፡ ከም በዓል ኣና ፍራንክ፡ ኣለን ክላርክ፡ ቶኒ ቤን፡ ሳሻ ስዊር፡ ኣለን ሪክማን፡ ሻምበል ስኮት፡ ኔላ ላስት፡ ሌና ሙክሂና ዝኣመሰሉ ስሙያት መዝገብቲ ዕለታዊ ዝኽሪ (ዲያሪስት) ተጸንቢሩ’ዩ።

ናይዛ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ልዑል ምንቕቓሕ ዝፈጥር መደረ እትህብ ዝነበረት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝዓረፈት ክብርቲ ንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ብሕቲ ዕለታዊ መዝገብ እንተዝሕተም ዓቢ ትርጕም ከምዝህብ ኣየጠራጥርን’ዩ።

መዘክር ኣን ፍራንክ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

ኣብ ማእከላት ሳይሞን ዊስን ቤተ-መዘክር ቶለራንስ ብተደጋጋሚ ዝቐርብ ዕለታዊ መዝገብ ኣና ፍራንክ ነባሪ ትእምርቲ ይህብ ኣሎ።

ናይ መበል 20 ዘመን ፍሉጥ ጸሓፍ ታሪኽ፡ ትራቪስ ኤልቦሮይ፡ ዕለታዊ መዝገብ ምጽሓፍ ንሕብረተሰብ ይዅን፡ ንውልቀሰባት ንሕጅን ንመጻእን ዓቢ ጥቕሚ ከምዝህብ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ዕለታዊ ዝኽሪ ምጽሓፍ፡ ንጸሓፍቲ "ውጹእ መሃዝነት" ንኸጥርዩ ኣብ ርእሲ ምሕጋዙ ንመጻኢ ወለዶታት ብዛዕባ ዝሓለፈ ታሪኽ ክፈልጡን ትምህርቲ ክረኽቡን ዝሕግዝ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስራሕ እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ፡ "ወግዓዊ ምንጭታት ዘየስተብህለሉ ወይ ከኣ ዕሽሽ ዝብሉዎ ነጥብታት" ከምዘጠቓልል ሚስተር ኤልቦሮ ይገልጽ።

ተመራማሪ ታሪኽ ዩኒቨርሲቲ ኤክሰተር ኣሉን ዊሸይ፡ መዝገበ-ዕለታዊ ዝኽሪ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዝፍጸም ጠቓሚ መዝገብ ወይ እውን ዘይርሳዕ ብሕታዊ ፍጻመታት ዘዘኻኽር፡ "ኣዝዩ ሃብታም ታሪኻዊ ምንጭታት" ክኸውን ከም ዝኽእል ይኣምን።

ይዅን እምበር ብኣንጻሩ እውን ከምቲ ካትሪን ካርተር ንቢቢሲ ዝገለጸቶ፡ ኣሉታዊ ስምዒት ዘሕድር ወይ ጣዕሳኻ ዘዘኻኽር ክኸውን ይኽእል’ዩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዊልፍረድ ሎርየር፡ ብዛዕባ ገዛእ ታሪኽካ (ኣውቶባዮግራፊ) ዕለታዊ ዝኽርን ተመኵሮ ህይወት ምጽሓፍን እትምህር ፕሮፌሰር ላውሪየር፡ እቲ ደራሲ ዝሓለኖ ነገር ብዘየገድስ፡ እቲ ብሕታዊ ዝኽርታቱ ናይ ውልቁ ኣይኮነን ኢሉ እያ ትምጕት።

"ኣብቲ፡ ዕለታዊ መዝገብ ዝኽሪ፡ ምጽሓፍ ልሙድ ህዝባዊ ንጥፈት ዝነበረሉ እዋን ይዅን ሕጂ ዝኽርታትካ ግላዊ ንምግባሩ ዝሓለነ ኣይኮነን ኢለ ምተኸራኸርኩ" ትብል ።

ዶክተር ዊሻይ ዕለታዊ ዝኽርታትካ ምጽሓፍ ጻዕርን ዲስፕሊንን ከም ዘድልዮ ይገልጽ።