ብሪትኒ ስፒርስ፡ እታ ኣዘራራቢት ሓዳስ መፅሓፋ እንታይ’ያ ኣቃሊዓ?

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ብሪትኒ ስፒርስ ኣብ ምሉእ ህይወታ ሰባት ክቆፃፀርዋ ፈቲኖም ገሊኦም’ውን ኣላጊፆሙላ’ዮም።
ኣብ ዕድመ ንእስነታ ጋዜጠኛታት ብዛዕባ ኣጥባታን ፆታዊ ህይወታን ብተደጋጋሚ ይሓቱዋ ነይሮም።
ምስ ዓበይት’ውን ኣብ ትሕቲ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝገፈፈ ዕቃበ ተኣሲራ። ብቤት ፍርዲ ብዝተዋህበ ትእዛዝ፡ ን13 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር (ሓለዋ ዓቃቢ) ኣቦኣ ኣሕሊፋ’ያ።
ኣብዚ እዋን ፍቓድ ከይረኸበት ኽልተ ደቃ ክትርኢ ኣይትኽእልን ነይራ። ፍቓድ መዛወሪ መኪናኣ ተመንዚዑ። መግባ ክትመርጽ ስለ ዘይከኣለት፡ ሻሂ ወይ ቡን ከይትሰቲ ተኸልኪላ። ኣብ ውሽጢ ማህጸና ዝነበረ ዕሸል ክእለ ደልያ ግን ሕቶኣ ተነፂጉ።
ስፒርስ ዳግማይ ናይ ገዛእ ርእሳ ውሳነታት ክትውስን ከም እትኽእል ዳኛ ድሕሪ ምውሳኑ’ዩ እቲ ትእዛዝ ተላዒሊ።
እዛ ስምይቲ ኣመሪካዊት ዘሕለፈቶም ተዘክሮታታ፡ ‘ዘ ዉመን ኢን ሚ’ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብዚ ሰሙን ኣሕቲማ’ያ።
ንምዃኑ ኣብ መጽሓፋ እንታይ’ያ ኣቃሊዓ?
"መርዘን፡ ካብ ሓለዋ ዓቃቢ ድሕሪ ምውፀአይ ዘጋጠመኒ ኣካላውን ስምዒታውን ጉድኣት ጥራይ'ዩ" ክትብል ጽሒፋ።
"ስድራይ ነቲ ኣብ ልዕለይ ዘውረድዎ ሓቀኛ ዕንወት ዝርድእዎ ኣይመስለንን።"
እታ መጽሓፍ፡ ሓድሽ ሙዚቃኣ ክሰምዑ ተስፋ ንዝገብሩ ኣድነቕታ ሕማቕ ዜና ዝሓዘት’ያ።
"ሙዚቀይ ህይወተይ’ዩ ነይሩ፡ እዚ ድማ ብቲ ሓለዋ ዓቃቢ ተቐቲሉ፡ ነፍሰይ ተጨፍሊቓ።"
እቶም ፍጻመታት ህይወታ ዝጸለዉ እዮም። ኩሉ ክሕደትን ህዝባዊ ውርደትን ናብ መቍሕ ዘምርሑ ይመስሉ ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
እተን ቀዳሞት ምዕራፋት ናይታ መጽሓፍ፡ ሰባት ክሳብ ክንደይ ከም ዘቃልልዋ የጕልሓ።
ስፒርስ፡ ‘ቤቢ ዋን ሞር ታይም’ እትብል ህብብቲ ደርፋ ክትፍነው ከላ ጓል 16 ዓመት መንእሰይ’ያ ነይራ።
ነታ ደርፊ እንተዘይፀሓፈታ’ኳ ምስ ተዋህባ ግን፡ ድምፃ 'ንምሕያል' ምሉእ ለይቲ ድቃስ ስኢና’ያ፡ ሃረርታ ናይታ ደርፊ ድማ ብስለት ክህልዎ ገይራ።
ቪድዮ ናይቲ ደርፊ ኣብ ዝቕረፀሉ እዋን፡ እታ መንእሰይ ነቲ መጀመርታ ዝቐረበ ሓሳብ ብምንፃግ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክዳለውን ናይ ኮሪድዮ ሳዕስዒት ክካተትን ኣለዎ ኣብ ዝብል ሓሳብ ፀኒዓ።
ቀንዲ መሰረት ዕውትነት እታ ደርፊ እዞም ክልተ ውሳነታታ እዮም ነይሮም።
እንተዀነ ግን፡ እታ ካብ ሉዊዚያና ዝመፀት መንእሰይ ነቲ ሓባራዊ ብልሒ ናይቲ ኢንዱስትሪ ሙዚቃ ነታ ምብላፃ ክቕበል ፍቓደኛ ዝዀነ ሰብ ኣይነበረን።
"ከም ሰሓቢትን ብቕዕትን ክሓስበኒ ዝኽእል ዝመስል ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን" ትብል ኣብታ መጽሓፋ።
"ሰሓቢት እንተዀይነ ንፍዕቲ ክኸውን ኣይክእልን" ብምባል ነቲ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ትገልጽ።
ዋላ እኳ ብድሕሪ መጋረጃ ፈጠራዊ ቁፅፅር እንተገበረት፡ ኣላላይታ ስፒርስ ግን ዕሸል ገይሮም’ዮም ኣቕሪቦምዋ።
ንዕዳጋ ክበሃል ከም ንፅህቲ፡ ፍርሒ ኣምላኽ ዘለዋ ጓል ገጠር እንተቕረብዋ’ውን፡ ንሳ ግን ካብ 14 ዓመት ዕድሚኣ ጀሚራ ሽጋራ እተትክኽን ኣብ ተመሳሳሊ ዕድሚኣ ድንግልናኣ ከም ዝሰኣነትን’ያ ትሕብር።
እቲ ከም ንጽህቲ ዝቐረበ ምስላ ግን ኣብ መወዳእታ ናብ ውድቀት’ዩ ወሲድዋ።
ጃስቲን ቲምበርለክን ምንፃል ጥንሲን
ስፒርስን ቲምበርለክን ኣብ 1999 እዮም ብወግዒ ርክብ ጀሚሮም፡ ሽዑ ንሳ ጓል 17 ንሱ ድማ ወዲ 18ን ዓመት ነይሮም።
ኣብዚ ርክብ ድማ ስፒርስ ጠኒሳ ከም ዝነበረት ትሕብር።
“ንጃስቲን ኣዝየ እፈትዎ ነይረ። ሓደ መዓልቲ ብሓባር ስድራቤት ክህልወና ትጽቢት ነይሩኒ” ትብል ስፒርስ፡ እቲ ጥንሲ ግን ካብቲ ዝሓሰበቶ ኣዝዩ ኣቐዲሙ ከም ዘጋጠመ ትገልጽ።
“ጃስቲን ግን ብርግጽ ብዛዕባ’ቲ ጥንሲ ሕጉስ ኣይነበረን” ብምባል ቆልዓ ንምውላድ ድሉዋት ከም ዘይኰኑን ዕድሚኦም’ውን ኣዝዩ ንእሽቶ ከም ዝዀነን ገሊጹ።
ስለዝዀነ ድማ ሕክምናዊ ምንጻል ጥንሲ ከም ዝገበረት ትዛረብ።
እቲ ውሳነ ናታ ጥራይ እንተዝኸውን ነይሩ “ፈጺመ ኣይምገበርክዎን። ጃስቲን ግን ኣቦ ክኸውን ከም ዘይደለየ ኣዝዩ ርግጸኛ ነይሩ” ትብል።
ዋላ እኳ እዚ በሰላ እንተገደፈላ ንሳ ግን ናብ ስራሕ ተመሊሳ።
ቲምበርለክ ብጽሑፍ መልእኽቱ ምስኣ ክቕፅል ከም ዘይደሊ ምስ ገለፀ፡ እቶም መጻምድቲ ኣብ 2002 ተፈላልዮም።
እዚ ድማ ዓቢ ፅልዋ ከም ዘሕደረላ ፅሒፋ’ያ፡ "ሓዚነ. . . ንኣዋርሕ ዳርጋ ክዛረብ ኣይከኣልኩን ነይረ።"

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ምስ ተፈላለዩ፡ ቲምበርለክ ተኣማኒት ከም ዘይነበረት ብትሪ ድሕሪ ምምልካቱ ሚድያታት ንስፒርስ ኣነኣኢሶምዋ።
ንሳ ግን እቲ ሓቂ ብኣንጻሩ ምዃኑን ቲምበርሌክ ከይተፈላለዩ እንከለዉ ምስ ካልኦት ርክብ ከም ዝነበሮ’ያ ትገልጽ።
ምፍልላይ ብዛዕባ ውልቃዊ ህይወት ስፒርስ ሕሜታት ክውስኽ ገይሩ። ጋዜጣታት ክሃድናኣ ጀሚረን። ሓደ ሰኣላይ መጽሔት ፒፕል፡ ሓሽሽ ወይ ሽጋራ ሒዛ እንተዀይና ንምርግጋጽ ኣብ ቦርስኣ ዘለዉ ነገራት ክተውጽእ ከም ዝሓተታ ትዝክር።
ኣብ መወዳእታ እቲ ጸቕጢ ልዕሊ ዓቐን ኰይኑ። ኣብ 2007 ብድሕሪ ሕርሲ ብቃዝኖት ትሳቐን ብሞት ሓፍታ ሳንድራ ትናወጽን ዝነበረት ስፒርስ፡ ናብ ሓደ ሳሎን ፀጉሪ ብምእታው ፀጉራ ላፅያቶ።
ፀጉራ ምልጻይ ንዓለም ግዲ ከም ዘይብላ ዝገለጸትሉ መንገዲ ከም ዝነበረ ትጠቅስ።
ቀፂሉ እንታይ ከም ዘጋጠመ ኩላትና ንፈልጦ ኢና። ስፒርስ ከም ምልክት ሓይሊ ዘይኰነስ፡ ከም መርትዖ ዘይምርግጋእ ተወሲዱ።
ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣብ ትሕቲ ሓላዊ ዓቃቢ ክትቅመጥ ተገይራ።
'ግደፉኒ'
ስፒርስ ቅንዕቲ ጸሓፊት እያ። ጽሑፋ ኣይተጽብቕን፡ ኣይትስልሞን።
ኣብ ናይ ሆስፒታል ቃሬዛ ተሸኺላ ብዘይ ድሌታ መድሃኒት ክትወስድ ከም ዝተገደደት ትዛረብ።
ኣብ ገዛ ሰብነታ ንበይና ክትሕጸብ ኣይፍቀደላን ነይሩ። ኣፍቀርታ ቅድሚ ዕርክነት ምጅማሮም ይምርመሩ፤ ብዛዕባ ጾታዊ ታሪኻ ድማ ይንገሮም።
ኣብ መጀመርታ ንወለዳን ነቶም ሓካይምን ክትጥብሮም ፈቲና። "እሺ እንተይለ፡ ብርግጽ ክሳብ ክንደይ ንፍዕቲ ምዃነይ ርእዮም ክገድፉኒ'ዮም" ኢላ ሓሲባ ከም ዝነበረት ትገልጽ።
ክትዕምፅ ኣብ እትሓስበሉ እዋን፡ ምስ ክልተ ንኣሽቱ ደቃ ምርካብ ከም መፈራርሒ ይጥቀመሉ ነይሮም።
ግን ዋላ ንነብሳ ክትሕብሕብ ዓቕሚ የብላን ኣብ ዝበሃለሉ እዋን፡ ናብ ርሑቕ ተላኢኻ። ኣብ ኤክስ ፋክተር ከም ዳኛ ተቖጺራ፡ ንኣርባዕተ ዓመት ኣብ ላስ ቬጋስ ጸኒሓ’ያ።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
እቲ ነጥበ መቐይሮ ዝመፅእ፡ ሓንቲ ሕያወይቲ ነርስ፡ ደገፍታ ብዛዕባ ብሪትኒ ሓራ ትውጻእ ዝብል ምንቅስቓስ ክዛተዩ ዘርኢ ቪድዮ ምስ ኣርአየታ’ዩ።
ብዝተሓደሰ ትብዓት ድማ ሓድሽ ጠበቓ ቆፂራ ንነብሳ ግዳይ ግህሰት ሓለውቲ ዓቃባውያን ምዃና እናገለፀት ናብ ፖሊስ ደዊላ።
ብድሕሪኡ ነፃ ካብ ትኸውን ዳርጋ ክልተ ዓመት ገይራ ኣላ፡ በሰላኡ ክሳዕ ዝሓውይ ግን ዓመታት ክወስድ እዩ።
ብፍላይ ብዛዕባ ኣቦኣ ክትጽሕፍ ከላ ቁጥዐኣ ይሕይል።
ኣቦኣ ጄሚ ስፒርስ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ከም ዘለዎን ፍሹል ነጋዳይን ከም ዝዀነን ትገልፅ፤ ኣብ ልዕሊ ደቁ ሓይሊ ዝጥቀምን ንኣዲኦም ዝፀርፍን "ሸለልተኛ"ን "ዝሑል"ን ሰብ’ዩ ትብል።

እታ ‘ዘ ዉመን ኢን ሚ’ እትብል መጽሓፋ ዘንበበ ሰብ ብስም ስፒርስ ዘይምሕዛንን ዘይምቁጣዕን ኣይካኣሎን።
ብፍላይ ሓድሽ ህይወታ ዝገለጸትሉ መንገዲ፡ እቲ ዝነበራ ዓለም ክሳብ ክንደይ ዝጸልመተ ከም ዝነበረ እያ እተጕልሕ።
"ሕጂ ቸኮሌት ክበልዕ ይኽእል’የ።"
"ካልኦት ሰባት ዝደልይዋ ዓይነት ሰብ ከይከውን ግዜኡ'ዩ" ክትብል ትጽሕፍ። "ብሓቂ ንነብሰይ ክረኽባ ግዜኡ'ዩ።"
ስፒርስ ኣብ ከባቢኣ ንዝነበረ ፀገም ንምምካት ዝወሰደቶም ስጉምትታት፡ መርትዖ ጥዕና ኣእምሮኣ እዮም።
እቲ ፅላለ፡ ኣብ 1998 ናብ ኮኸብነት ክትብርኽ ከላ’ዩ ዝጅምር። ንሳ ብኡንብኡ ተፈታዊት’ኳ እንተዀነት፡ ሚድያ ግን ኣይተቐበላን።
ከም ፍርያትን መሳርሒን ኢንዱስትሪ ሙዚቃ ብዝተረኣየት መጠን ድማ፡ ርእሳ ንምምሕዳር ዝነበራ ናፅነት ንምሽርሻር እናቐለለ ከይዱ።
ስፒርስ ኣቦኣ ኣብ ልዕሊ ውልቃውን ሞያውን ህይወታ ሕጋዊ ተቖጻጻሪ ከም ዝዀነ ዝገለጸሉ መንገዲ ኣዝዩ ዘሕዝን ህሞት ከም ዝነበረ ትዝክር።
ንሱ፡ "ሕጂ ብሪትኒ ስፒርስ ኣነ እየ" ኢልዋ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







