ድምጻዊት ብሪትኒ ስፒርስ መጽሓፍ ንዝጸሓፈት ሓፍታ ናይ መጠንቀቕታ ደብዳበ ጽሒፋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ውርይቲ ኣመሪካዊት ድምጻዊት ብሪትኒ ስፒርስ፡ ሓድሽ መጽሓፋ እተፋልጥ ዘላ ሓፍታ ጄሚ ሊን ስፒርስ፡ ናዓኣ ዘናሹ ዘረባ ምዝራብ ደው እንተዘይኣቢላ ክትከሳ ምዃና ገሊጻ።
ጠበቓ እታ ድምጻዊት ኣብ ዝጸሓፎ ናይ መጠንቀቕታ ደብዳበ፡ ነቲ ውልቃዊ ተዘክሮታት ዝሓዘ መጽሓፍ "እዋኑ ዘይሓለወ" ክብል ብምግላጽ፡ ብዙሓት "ዘጋግዩ ወይ ጠገለ ዘይብሎም ዘረባታት" ዝሓዘ እዩ ኢሉ።
ዋለኳ ብሪትኒ ነቲ መጽሓፍ ዘየንበበቶ እንተኾነት፡ ሓፍታ "ገንዘብ ንምርካብ ኢላ ተጠቂማትለይ " ኢላ ከምእትኣምን እውን ገሊጹ።
ብተወሳኺ ንሓፍታ ከምዘይትዕገሳ ኣብቲ ድብዳበ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ጄሚ ሊን ዛጊድ ዝሃበቶ ርእይቶ የለን።
እቲ መጽሓፍ ብዛዕባ ብሪትኒ ስፒርስ ዘይምዃኑ እታ ጸሓፊት ከምዝተዛረበት ዝተጠቐሰ እቲ ደብዳበ: መጻሓፋ ኣብ እተፋልጠሎም መድረኻት ነታ ድምጻዊት ዘናሹ ዘረባ ካብ ምዝራብ ክትቁጠብ ጸዊዑ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጄሚ ሊን ኣብ 'ጉድ ሞርኒንግ ኣመሪካ' ዝተባህለ መደብ ተለቪዥን ቀሪባ ብዛዕባ እቲ ዝጻሓፈቶ 'Things I Should Have Said' ዝብል መጽሓፍ ካብ እትዛረብ ንድሓር ክልቲአን ኣሕዋት ናብ ናይ ቃላት ኩናት ኣትየን ኣለዋ።
ጄሚ ሊን፡ እቲ መጽሓፍ ብዛዕባ ውልቃዊ ህይወታ፣ ኣብ ልዕሊ ጓላ ኣጋጢሙ ዝነበረ ሓደጋ፥ ምስ ብሪትኒ ስፒርስ ዝነበራ ርክብን እታ ድምጻዊት ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ወላዲኣ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ዝነበራ ተራን ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ።
ንሳ እቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣቦኣ ዝነበረ ህይወት ሓፍታ ከብቅዕ ተራ ከምዝነበራ ኣብቲ ቃለ መሕተት ዝተዛረበት ኮይና፡ ኣብ መጽሓፋ ንሕሉፍ ባህርያት ብሪትኒ "ዘይርጉእን ጥውይዋይን" ክትብል ከምዝገለጸቶ ማዕከን ዜና ኤቢሲ ጽብጺቡ።
ብሪትኒ ስፒርስ ምስ ጉድ ሞርኒን ኣመሪካ ኣብ ዝነበራ ጻንሒት፡ እቲ ሓፍታ ባህርያታ ክትቆጻጽሮ ዘይከኣል ከምዝነበረ ዝተዛረበቶ ከምዝረበሻ ገሊጻ።
"ቅድሚ 15 ዓመታት ብዙሕ ኣብ ጥቓይ ኣይነበረትን፤ ስለዚ ገንዘብ ንምርካብ እንተዘይኮይኑ ንምንታይ ብዛዕብኡ ምዝራብ ኣድልዩ?" ብምባል ነቒፋ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ 2008 (ኣኣ) ጀሚሩ ናይ ብሪትኒ ስፒርስ ወኪል ኮይኑ ዝጸንሐ ኣቦኣ ጄሚ ስፒርስ፡ ሃብቲ ጓሉ ክብዝብዝ ጸኒሑ ተባሂሉ እዩ ዝኽሰስ።
ንሱ ኣብቶም ናታ ሞግዚት ኮይኑ ዝጸነሐሎም 13 ዓመታት፡ ካብ ናታ ሃብቲ ኣስታት 6 ሚልዮን ዶላር ንባዕሉ ከምዝኸፈለ ጉጅለ ሕጊ እታ ድምጻዊት ኣቃሊዑ እዩ።`
እንተኾነ ጃሚ ስፒርስ ነቶም ክሲታት ብምጻግ ንናይ ጓሉ ድልየት የማልእ እምንባሩ ይምጉት።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







