ቀታሊ ህቡብ ራፐር ኒሲ ሃስል ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ኒፕሰይ ሃስል

ምንጪ ስእሊ, DAVID CROTTY

መግለጺ ስእሊ, 'ቪክትሪ ላፕ' ትብል ኣልበም ኒፕሰይ ሃስል፡ ሓንቲ ካብ ብልጹት ተባሂላ ንሽልማት ግራሚ ተሓጽያ ዝነበረት'ያ

ቀታሊ ራፕር ኒፕሲ ሃስል ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከም ዝኣተወ ፖሊስ ሎስ ኣንጀለስ ሓቢሩ።

እቲ ጥርጡር ቀታሊ ኤሪክ ሆልድር ወዲ 29 ኮይኑ፡ ካብ ሰንበት ጀሚሩ ካብ ፖሊስ ክሃድም ከም ዝጸንሓ'ውን ኣመልኪቶም።

ጠንቂ እቲ ቅትልት ኣብ ሞንጎ ራፕር ኒፕሲ ሃስል ኤሪክ ሆልድርን ዝነበረ ውልቃዊ ጉዳይም ከም ዝኾነ መርመርቲ እቲ ጉዳይ ሓቢሮም።

ግረይ ላይን

ፖሊስ ሎስ ኣንጀለስ ስም ጥርጡር ቀታሊ ኒፕሲይ ሃስል ትማሊ ወግዓዊ ገይሩ ነይሩ። እዚ ድሕሪ እቲ ንዝኽሪ ኒፕሲይ ሃስል ተባሂሉ ዝተገብረ ስነ-ስርዓት ብዘጋጠመ ዕግርግር ስዒቡ ኢዩ ወግዓዊ ኮይኑ።

ሰብ መዚ ሎስ ኣንጀለስ ከም ዝገለጽዎ፡ ብቕትለት ኒፕሲይ ሃስል ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ ኤሪክ ሆልደር ዝተባህለ ወዲ 29 መንእሰይ ኢዩ።

ብሰኑይ ንዝኽሩ ኣብ ዝተገብረ መደብ ብዘጋጠመ ምብርጋግ 19 ሰባት ተጎዲኦም። ናይዚ ምኽንያት ግን ንጹር ኣይኮነን ዘሎ።

ምኽንያት እቲ ዕግርግር ድምጺ ጥይት ስለ ዝተሰምዐ ኢዩ ዝብል ዘረባ፡ ፖሊስ ሓቅነቱ ርጉጽ ኣይኮነን ኢሉ ኣሎ።

ግረይ ላይን

ፍሉጣት ስነጥበበኛታት ዓለምን ሰበስልጣን መንግስትን፡ ኣደነቕቱን ብሞት እቲ ኣብ ንእስነቱ ትማሊ ሰንበት ዝተቐትለ ብኒፕሰይ ሃስል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ኤርሚያስ ኣስገዶም ዝተሰምዖም ሓዘን ይገልጹ ኣለዉ።

"ክርድኣኒ ኣይክልን'ዩ። መንፈሰይ ተናዊጹ'ሎ! ክቡር እግዚኣብሄር፡ ንመንፈሱ ብሰላም ኣዕርፎ፡ ንፈተውቱ ድማ መለኮታዊ ምጽንናዕ ሃቦም! በቲ ዝበጽሓካ ኣዝየ እሓዝን" ክትብል ህብብቲ ድምጻዊት ሪሃና ዝተሰመዓ ጓሂ ገሊጻ።

ካልኦት ከም በዓል ድሬክ፡ ፑሻ ቲ ዝበሉ ፍሉጣት ናይ ራፕ ሙዚቀኛታት ዝኾኑ ፈተውቱ'ውን ብወገኖም ብሃንደበታዊ ሞት 'ኒፕሰይ' ዝተሰምዖም ሓዘን ብመንገዲ ትዊተር ገሊጾም።

"ፍሉይ ፍጥረት" ምንባሩ ዝገለጸ ፑሻ "ምኻድካ ዘሕዝን'ዩ ኒፕ፡ ዝተባረኽካ ምዃንካ ጥራይ'ዩ ሰላም ክህበኒ ኪኢሉ ዘሎ... ብልጽቲ ዓመት ብሙዚቃ ብሓባር ስለዝተቛደስና ክብሪ ይስምዓኒ ክብል" ንዝነበሮም ምትሕብባር ዘኪሩ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብወገኑ፡ "በቲ ዘሕዝን ሞት ናይ ህቡብ ስነጥበባዊን ነጋዳይን ኤርሚያስ ደበሳይ (ኒፕሰይ ሃስል) ምስመዐይ ኣዝየ እሓዝን፡ ብሰላም የዕርፍካ፡ ንቤተሰብ ጽንዓት ይሃብኩም" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ከንቲባ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ'ውን ንሞት ኒፕሰይ "ዘጒሂ ትራጀዲ'ዩ" ክብል ብምግላጽ፡ ማሕበረሰብ ናይቲ ስነጥበበኛ ብሓባር ክሓዝኑንን ክጸናንዑን ጸዊዑ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ብዙሓት ኤርትርውያንን ኣፍሪቃውያንን ድማ ብሞት ኤርሚያስ ዝተሰምዖም ሓዘን ኣብ ዝተፈላለዩ መሕበራዊ መራኸቢታት ይገልጹ'ለዉ።

ኣብ ሚያዝያ 2018 ንኤርትራ ኣብ ዝበጽሓሉ ዝነበረ እዋን፡ ምስ ኤርትራውያን ቤተሰቡን፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ ነይሩ።

እቲ ካብ ኤርትራዊ ኣቦ ዝውለድ ራፐር ኤርሚያስ ኣስገዶም (ኒፕሰይ ሃሰል) ትማሊ ሰንበት 31 መጋቢት'ዩ ብዝተተኮሶ ጠያይቲ ኣብ ኣመሪካዊት ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ተቐቲሉ።

እቲ ወዲ 33 ራፐር፡ ኣብ ጥቓ ዝውንኖ መሸጢ ዓለባ 'ማራቶን ክሎዚን' ዝተቀትለ ክኸውን እንከሎ፡ ካልኦት ክልተ ሰባት'ውን ከም ዝቖሰሉ ሎስ ኣንጀለስ ታይምስ ገሊጹ።

ራፐር ኤርሚያስ ኣስገዶም (ኒፕሰይ ሃስል)

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ራፐር ኤርሚያስ ኣስገዶም (ኒፕሰይ ሃስል)

'ቪክትሪ' ዝብል ኣልበም ኒፕሰይ ሃሰል፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ምድብ ብሉጽ ኣልበም ራፕ፡ ሕጹይ ሽልማት ግራሚ ኮይኑ ቐሪቡ ነይሩ።

ክሳብ ሕጂ መንነት እቶም ቀተልቲ ከም ዘይተፈለጠ'ውን ፖሊስ እታ ከተማ ገሊጹ።

ዕግርግር ኣብ ዝበዝሖ ከባቢ ሎስ ኣንጀለስ ካሊፎኒያ ዝዓበየ ኒፕሰይ ሃስል፡ ትማሊ ሰንበት ንጉሆ ''ሓያላት ጸላእቲ ክህልዉኻ፡ ትዕድልቲ እዩ'' ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ነይሩ።