ድምጻዊ ዊልያም ብሓንቲ ኣሳሳይት መገዲ ኣየር ኳንተስ "ዘርኣዊ" በደል በጺሑኒ ኢሉ

ዊልያም ኣብ መድረኽ

ምንጪ ስእሊ, Ryan Pierse/AFL Media

ኣሜሪካዊ ኣባል ጉጅለ ሙዚቃ 'ዘ ብላክ ኣይድ ፒስ' ድምጻዊ ዊልያም፡ ኣብ ኣወስትራልያ [ካብ ብሪስበነ ናብ ሲድኒ] ኣብ ዝነበሮ መገሻ ንሓንቲ ሆስተስ ብ "ዓሌታውነት" ነቒፉ።

ንሱ ብትዊተሩ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ሒዝዋ ዝነበረ ላፕቶፕ ከጥፍእ ካብ ሓንቲ ሆስተስ መገዲ ኣየር ኳንተስ ንዝቐረበሉ ሓበሬታ ከይሰምዐ ብምትራፉ ክግለል ከምዝተገበረ ገሊጹ።

መገዲ ኣየር ኳንተስ ግን ነቲ ዝቐረበ ነቐፌታ ነጺግዎ'ሎ።

"ኣብቲ እዋን በረራ ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ነይሩ። እዚ ድማ ዊልያም እዝኑ ብመስምዒ ድምጺ 'ሄድፎን' ሸፊኑ ብምንባሩን ነቲ ብኣባል በረራ ዝተወሃበ መምርሒ ከይሰምዐ ብምትራፉን ዝተበኣኣሰ እዩ" ኢሉ ናይቲ መገዲ ኣየር ወሃቢ ቓል።

"ድሕነት ዊልያም ክንከታተል ኢና፤ ኣብ ዝገብሮ ዑደት ድማ ጽቡቕ ክገጥሞ ንምነየሉ" ኢሉ።

ኣሜሪካዊ ድምጻዊ ዊልያም
መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ጉጅለ ድምጻውያን ዘ ብላክ ኣይድ ፒስ [The Black Eyed Peas] ዊልያም 'ዘርኣዊ’ በደል ከምዝተፈጸሞ ይገልጽ

ዊልያም 12.8 ሚልዮን ሰዓብቲ ኣብ ዘለውሉ ትዊተሩ "ኣነን ምሳይ ዝነበሩ ጉጅለን ብምኽንያት ሓንቲ ኣዝያ ቁጥዕቲ ኣሳሳይት በረራ እቲ ብጣዕሚ ዝኸፍአ ኣገልግሎት ኣጋጢሙና ክብል ከለኹ ሓዘን እናተሰምዓኒ'ዩ" ኢሉ።

"ንሳ ዓሌታዊት እያ ኢለ ክኣምን ኣይደልን። ግን ከኣ ኩሉ ኣንጸርጽሮታ ኣብ ልዕሊ ፍልይ ዝበለ ሕብሪ [ቆርበት] ዘለዎም ሰባት ጥራይ ዘነጻጻረ'ዩ" ክብል'ውን ወሲኹ ገሊጹ።

Skip X post, 1
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 1

እታ ዝተሳፈረላ ነፋሪት ኣብ መዕርፎ ነፍርቲ ሲድኒ ምስበጽሐት ፖሊስ ከምዝተጸበይዎም ከምዘዘራረብዎምን ኣፍሊጡ'ሎ።

"እታ ነፋሪት ምስ ዓለበት 5 ኣባላት ፖሊስ ኣጉባዕቢዖምለይ እዮም፤. . .ንምንታይ?" ክብል ኣብ ትዊተሩ ኣስፊሩ።

Skip X post, 2
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 2

ኣብ ትዊተሩ ስም ናይታ ሆስተስ ዝጸርሐ ኮይኑ፡ ናታን ናይ ሓደ ኣባል ፌደራል ፖሊስ ኣወስትራልን ስእሊ'ውን ዘርጊሑ'ዩ።

ሓንቲ ኣብታ ነፋሪት ከምዝነበረት ትዛረብ ተጓዓዚት ብወገና፡ ነቲ ብዊልያም ዝቐረበ ነቐፊታ ደጊፋ።

Skip X post, 3
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 3

ዊልያም ንስም'ታ ኣሳሳይት በረራ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምዝርግሑ ዝቃወሙ ሰባት'ውን ርእይቶ ይህቡ ኣለዉ።

ንሱ ብወገኑ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ነታ ውልቀሰብ ዒለማ ንምግባር ስለዝደለየ ዝፈጸሞ ከምዘይኮነ ከረድእ ፈቲኑ።

ዊልያም ኣብዚ ሕጂ ግዜ ኣብ ኣወስትራልያ ዑደት እናገበረ ይርከብ።