ድምጻዊ ዊልያም ብሓንቲ ኣሳሳይት መገዲ ኣየር ኳንተስ "ዘርኣዊ" በደል በጺሑኒ ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Ryan Pierse/AFL Media
ኣሜሪካዊ ኣባል ጉጅለ ሙዚቃ 'ዘ ብላክ ኣይድ ፒስ' ድምጻዊ ዊልያም፡ ኣብ ኣወስትራልያ [ካብ ብሪስበነ ናብ ሲድኒ] ኣብ ዝነበሮ መገሻ ንሓንቲ ሆስተስ ብ "ዓሌታውነት" ነቒፉ።
ንሱ ብትዊተሩ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ሒዝዋ ዝነበረ ላፕቶፕ ከጥፍእ ካብ ሓንቲ ሆስተስ መገዲ ኣየር ኳንተስ ንዝቐረበሉ ሓበሬታ ከይሰምዐ ብምትራፉ ክግለል ከምዝተገበረ ገሊጹ።
መገዲ ኣየር ኳንተስ ግን ነቲ ዝቐረበ ነቐፌታ ነጺግዎ'ሎ።
"ኣብቲ እዋን በረራ ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ነይሩ። እዚ ድማ ዊልያም እዝኑ ብመስምዒ ድምጺ 'ሄድፎን' ሸፊኑ ብምንባሩን ነቲ ብኣባል በረራ ዝተወሃበ መምርሒ ከይሰምዐ ብምትራፉን ዝተበኣኣሰ እዩ" ኢሉ ናይቲ መገዲ ኣየር ወሃቢ ቓል።
"ድሕነት ዊልያም ክንከታተል ኢና፤ ኣብ ዝገብሮ ዑደት ድማ ጽቡቕ ክገጥሞ ንምነየሉ" ኢሉ።

ዊልያም 12.8 ሚልዮን ሰዓብቲ ኣብ ዘለውሉ ትዊተሩ "ኣነን ምሳይ ዝነበሩ ጉጅለን ብምኽንያት ሓንቲ ኣዝያ ቁጥዕቲ ኣሳሳይት በረራ እቲ ብጣዕሚ ዝኸፍአ ኣገልግሎት ኣጋጢሙና ክብል ከለኹ ሓዘን እናተሰምዓኒ'ዩ" ኢሉ።
"ንሳ ዓሌታዊት እያ ኢለ ክኣምን ኣይደልን። ግን ከኣ ኩሉ ኣንጸርጽሮታ ኣብ ልዕሊ ፍልይ ዝበለ ሕብሪ [ቆርበት] ዘለዎም ሰባት ጥራይ ዘነጻጻረ'ዩ" ክብል'ውን ወሲኹ ገሊጹ።
እታ ዝተሳፈረላ ነፋሪት ኣብ መዕርፎ ነፍርቲ ሲድኒ ምስበጽሐት ፖሊስ ከምዝተጸበይዎም ከምዘዘራረብዎምን ኣፍሊጡ'ሎ።
"እታ ነፋሪት ምስ ዓለበት 5 ኣባላት ፖሊስ ኣጉባዕቢዖምለይ እዮም፤. . .ንምንታይ?" ክብል ኣብ ትዊተሩ ኣስፊሩ።
ኣብ ትዊተሩ ስም ናይታ ሆስተስ ዝጸርሐ ኮይኑ፡ ናታን ናይ ሓደ ኣባል ፌደራል ፖሊስ ኣወስትራልን ስእሊ'ውን ዘርጊሑ'ዩ።
ሓንቲ ኣብታ ነፋሪት ከምዝነበረት ትዛረብ ተጓዓዚት ብወገና፡ ነቲ ብዊልያም ዝቐረበ ነቐፊታ ደጊፋ።
ዊልያም ንስም'ታ ኣሳሳይት በረራ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምዝርግሑ ዝቃወሙ ሰባት'ውን ርእይቶ ይህቡ ኣለዉ።
ንሱ ብወገኑ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ነታ ውልቀሰብ ዒለማ ንምግባር ስለዝደለየ ዝፈጸሞ ከምዘይኮነ ከረድእ ፈቲኑ።
ዊልያም ኣብዚ ሕጂ ግዜ ኣብ ኣወስትራልያ ዑደት እናገበረ ይርከብ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







