ካንየ ዌስት ንስድራቤት ግዳያት ፖሊስ ኣመሪካ 2 ሚልዮን ዶላር ወፍዩ

ካንየ ዌስት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካንየ ዌስት

ፍሉጥ ጸሊም ኣመሪካዊ ደራፋይ ካንየ ዌስት፡ ንስድራቤት ጆርጅ ፍሎይድን፡ ካልኦት ብተመሳሳሊ ኩነታት ኣባላቶም ብፖሊስ ዝተቐተልዎም ስድራቤታት ንምድጋፍ 2 ሚልዮን ዶላር ወፍዩ።

እቲ ብቅዲ ሙዚቃ ራፕ ዝፍለጥ ዌስት፡ ነታ 6 ዓመት ዝዕድሚኣ፡ ጂያና ዝተባህለት ጓል ጆርጅ ፍሎይድ ንናይ ዩኒቨርሲቲ ወጻኢታታ ዝሽፍን ማዕከን ገንዘብ መስሪቱ።

ንሱ፡ ንስድራቤታት ናይቶም ኣብ 2020 ብኣባላት ፖሊስ ኣመሪካ ዝተቐትሉ፡ ኣህማውድ ኣርበሪን ብሪዮና ተይለርን ንምሕጋዝ'ውን 1.5 ሚልዮን ዶላር ወፍዩ'ሎ።

ኣህማውድ ኣርበሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት'ዩ፡ እናጎየየ እንከሎ፡ ብጻዓዱ ኣቦን ወዱን ተቐቲሉ።

እታ ጓል 26 ዓመት ናይ ሕክምና ቴክኒሻን ዝነበረት፡ ብሪዮና ኣርበሪ ድማ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ኣብቲ ኣብ ሉዊስቪል ዝርከብ ገዝኣ እንከላ ብፖሊስ ተቐቲላ።

ካንየ ዌስት ትማሊ ሓሙስ፡ ምስቶም ኣብታ ዝነብረላ ከተማ ቺካጎ ተቓውሞታቶም ዘስምዑ ተምሃሮ ከም ዝተራእየ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ሓቢረን።