ተጻወቲ ክለብ ሊቨርፑል ንቅትለት ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ተቓውምኦም ይገልጹ

ምንጪ ስእሊ, LFC
ተጻወቲ እንግሊዛዊት ክለብ ሊቨርፑል፡ ብርኮም ዓጺፎም ብምምብርካኽ ንቅትለት ናይቲ ኣብ ኢድ ፖሊስ ዝሞተ ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ዘለዎም ተቓውሞ ገሊጾም።
እቶም ተጻወቲ፡ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ኣንፊልድ ኣብ ዝርከብ ሜድኦም ኣብ ዝለማመድሉ ዝነበሩ እዋን፡ ነቲ ተቓውሞ እናርኣዩ ክስኣሉ ከም ዝወሰኑ ተፈሊጡ።
እቲ 29 ተጻወቲ ዝራኣይሉ ስእሊ፡ "ሓድነት ሓይሊ'ዩ። #ብላክላይቭስማተር" ዝብል መግለጺ ሒዙ ኣብ ትዊተር ድሕሪ ምልጣፉ፡ ብሰፊሑ ይዝርጋሕ ኣሎ።
እቲ ኣገባብ ተቓውሞ፡ ኣብ 2016 ብፍሉጥ ተጻዋታይ 'ኣመሪካን ፉትቦል' ኮሊን ካፐርኒክ'ዩ ተጀሚሩ።
ንሱ፡ ኣብቲ እዋን ኣንጻር ጭካነን ዓመጽን ፖሊስን ዓሌታዊ ኣድልዎን'ዩ ኣብ ሜዳ፡ ሃገራዊ መዝሙር ኣብ ዝዝመረሉ ኣብ ከንዲ ቀኒዑ ደው ዝብል፡ ብርኩ ብምዕጻፍ ተቛውሞኡ ገሊጹ።
ጸለምቲ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ፕሪሜርሊግ ዓዲ እንግሊዝ'ውን ብሞት ጆርጅ ፍሎይድ ዝተሰምዖም ጓሂ ክገልጹ ጀሚሮም ኣለዉ።
ተጻዋታይ ጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ ዝኾነ ፈረንሳዊ ፖል ፖግባ ኣብ ኢንስታግራም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሕርቃን፡ ጽልኢ፡ ውርደት፡ ስቓይን ጓሂን ይስምዓኒ" ክብል ጽሒፉ።
"ጓሂ፡ ንጆርጅን፡ ንኩሎም እቶም መዓልታዊ ብዓሌትነት ዝሳቐዩ ጸለምቲ ህዝብታት። ኣብ ኩዕሶ እግሪ፡ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ዝኾነ ቦታ!" እዚ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክጠፍእ ኣለዎ። ጽባሕ ወይ ኣብቲ ዝቕጽል መዓልቲ ዘይኮነ፡ ሎሚ ከብቅዕ ኣለዎ!"
ወዲ ጋንትኡ፡ ማርከስ ራሽፈርድ ብወገኑ፡ "ህዝቢ ተጎዲኡ'ሎ፡ ሰባት መልሲ ይደልዩ ኣለዉ። ሂወት ጸለምቲ የገድስ'ዩ። ባህሊ ጸለምቲ የገድስ'ዩ። ማሕበረሰብ ጸለምቲ የገድስ'ዩ። ነገድስ ኢና" ብምባል ዝተሰምዖ ሓዘንን ዘለዎ ተቛውሞን ገሊጹ'ሎ።
ፍሉጥ፡ ኣመሪካ ተጻዋታይ ኩዕሶ ሰኪዔት ማይክል ጆርዳን'ውን፡ ብሞት ጆርድ ፍሎይድን ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዝፍጸም ዘሎ ቅትለታት፡ ዓመጽን፡ ዓሌታዊ ኣድልዎን ከም ዘቖጠዖ ተዛሪቡ።
"ከቢድ ጓሂ፡ መሪር ቃንዛን ጥረ ሕርቃንን" ከም ዝስምዖን ብምግላጽ፡ "ኣብ ጎኒ'ቶም ኣንጻር ሱር ዝሰደደ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዝፍጸም ጎነጽ ዝቃለሱ ደው እብል" ኢሉ።
ከም ብዓል ፍልጥቲ ተጻዋቲት ቴንስ፡ ጸላም ኣመሪካዊት ሰሪና ዊልያምስ ዝርከብዎም፡ ብዙሓት ካልኦት ስፖርተኛታት'ውን ነቲ ቅትለት ብምኹናን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ስምዒታቶም ይገልጹ ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







