ሞት ጆርጅ ፍሎይድ፡ ኣብ ኣመሪካ ናዕቢ ንሻድሻይ መዓልቱ ቀጺሉ

ቤተ-መንግስቲ ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ብሰንኪ ቅትለት ጆርጅ ፈሎይት ዝተጀመረ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ናብ ልዕሊ 60 ከተማታት ኣሜሪካ ተዘርጊሑ ይርከብ።

ርእሰከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ብሓያል ናዕብን ዕግርግን ከምዝተናወጸት'ውን ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ከባቢ ቤተ-መንግስቲ ዝነበረ ሓያል ናዕቢ ተሰናቢዱ፡ ኣብቲ ኣብቲ ቤተ-መንግስቲ (ዋይት ሃውስ) ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዘሎ መሕብኢ ንውሱን ሰዓታት ከምዝተወስደ ተገሊጹ።

ትራምፕ፡ ነቶም ናዕበኛታት ዜበታዊ ግብረሽበራውያንን ዕግርግር ዘለዓዕሉ ፋሉላትን ክብል ገሊጽዎም።

ወዲ 46 ጆርጅ ፍሎይድ፡ ድረክ ቹቫን ዝተባህለ ጻዕዳ ኣባል ፖሊስ፡ ኣብ ክሳዱ ብብርኩ ረጊጽዎ፡ ክጻዓርን ምስትንፋስ ስኢኑ ክዛረብን ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ ኣብ ምሉእ ዓለም ቁጠዐ ፈጢሩ ይርከብ።

ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ኣብቲ እዋን ኣብ ትሕቲ እግሪ ፖሊስ ሂወቱ ምሕላፉ ይዝከር።

በዚ ዝጀመረ ህዝባዊ ተቓውሞ ድማ ኣብ ከተማታት ኒውዮርክ፡ ኦክላንድ፤ ኣትላንታ፡ ዳላስ፡ ዋሽንግተን ዲሲ ከምኡ'ውን ኣብ ካልኦት ዝተፈላለያ ከተማታት ኣመሪካ ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ።

ብሰንኪ ሞት ጸሊም ኣመሪካዊ ዝተወለዐ ናዕቢ፡ ንሻድሻይ መዓልቱ ይቕጽል ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብሰንኪ ሞት ጸሊም ኣመሪካዊ ዝተወለዐ ናዕቢ፡ ንሻድሻይ መዓልቱ ይቕጽል ኣሎ

ጆርጅ ፍሎይድ ዝተብሃለ ጸሊም ኣመሪካዊ፡ ብፖሊስ ክሳዱ ተረጊጹ ምስ ሞተ እዩ ኣብ ከተማታት ኣመሪካ ተቓውሞታት ተላዒሉ።

ነዚ ናዕብታት ንምህዳእ ኣብ ኣስታት 60 ከተማታት ሰዓት እቶ እቶ ተኣዊጁ ነይሩ። እንተኾነ፡ ሰባት ነቲ ኣዋጅ ሰዓት እቶ እቶ ኣየኽበርዎን።

በዚ ድማ፡ ምስ ፖሊስ ኣብ ጎነጽ እዮም ዘለዉ።

ኣብ ከተማታት ኒውዮርክ፣ ቺካጎ፣ ፍላደልፍያን ሎስ ኣንጀለስን፡ ፖሊስ ንሰልፈኛተት ክብትኑ ዘንብዕ ትኪ ተኲሶም።

ኣብ ብዙሓት ከተማታት ናይ ፖሊስ መካይን ነዲደን፡ ዱኳናት እውን ተዘሚቶም እዮም።

እቲ ናዕቢ እናኸበደ ስለ ዝመጽአን ልዕሊ ዓቕሚ ፖሊስ ብምዃኑን፡ ሃገራዊ ሓለዋ ዝበሃሉ ኣካል ሰራዊት ኣመሪካ ዝኾኑ ወተሃደራት ተዋፊሮም ኣለዉ።

ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ፡ ጥቓ ዋይት ሃውስ ሕጂ'ውን ብዙሓት ሰልፈኛታት እዮም ዝእከቡ ዘለዉ። ኣብ ጥቓ እቲ ቤተመንግስቲ ንዝርከቡ ገለ ንብረት ድማ ኣንዲዶም።

ካብቶም ብሓዊ ዝተባርዑ ሓደ፡ ኤጲስ ቆጶሳዊ ቤተክርስትያን ቅዱስ ዮሃንስ (ሴንት ጆንስ ኤፒስኮፓል ቸርች) ሓደ እዩ።

እዚ ቤተክርስትያን ታሪኻዊ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ጥቓ ዋይት ሃውስ ዝርከብን "ቤተክርስትያን ፕረዚደንታት ኣመሪካ" እናተብሃለ ዝፍለጥን እዩ።

ብዓርቢ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ቤተመንግስቲ ዕግርግር ምስ ተላዕለ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብሓለውቱ ትሕቲ ምድሪ ናብ ዘሎ ናይ ሓደጋ እዋን መሕብኢ ተወሲዱ ምንባሩ ተፈሊጡ'ሎ።

እዚ ድማ፡ ንሓጺር እዋንን ንውሕስነቱ ተባሂሉ ዝተገብረ ምንባሩን ተገሊጹ።

እቲ ኣመሪካ ሕዚ ኣጋጢሙዋ ዘሎ፡ ብሰንኪ ዓሌታውነት ዝተወለዐ ዘይምርግጋእ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ 1998 ብቕትለት ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝተወለዐ ናዕቢ፡ ተራእዩ ዘይፍለጥ እዩ።

ኣብ ልዕሊ 75 ከተማታት፡ ተቓውሞተት ነይሩ። ቅድሚ መዓልታት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ጸው ኢሎም ዝነበሩ ጎደናታት ኣመሪካ፡ ሕጂ ብሰልፈኛታት ኣዕለቕሊቖም እዮም ዘለዉ።

እዚ ድሕሪ ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ተላዒሉ ዘሎ ናዕቢታት፡ መግለጺ ቁጥዐ ናይቶም ኩሎም ብፖሊስ ኣመሪካ ዝፍጸሙ ቅትለታት ጸለምቲ ኣመሪካውያን ከም ዝኾነ እዩ ዝግለጽ።

ብተወሳኺ ድማ፡ ንዓመታት ዝተዋህለለ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዘይማዕርነት ዝወለዶ ቁጠዐ'ውን እዩ።

እቲ ዘሎ ተቓውሞታት እንታይ ይመስል?

ብሰንበት ብዙሓት ናይ ፖሊስ መካይን ዓንየን ከምኡ'ውን ተቓጺለን። ፖሰስ ድማ ብመንብዒ ትኪ መልሲ ሂቦም።

ኣብ ፊላደልፍያ፡ ናዕበኛታት መካይን ፖሊስ እናሰበሩን ንሓደ መደብር ክዘምቱን ተራእዮም።

ኣብ ሳንታ ሞኒካን ካሊፎርኒያን'ውን ዘመተን ስርቅን ከም ዝነበረ ይግለጽ። ኣብ እዋን እቲ ንመዓልታት ዝቐጸለ ተቓውሞታት ብውሕዱ 4,100 ሰባት ከም ዝተቐየዱ ይግለጽ።

ምኽንያት መእሰሪኦም ድማ፡ ገሊኦም ብስርቂ፣ ገሊኦም መገዲ ብምዕጻው፣ ገሊኦም ድማ ብምጥሓስ ሰዓት እቶ እቶ እዩ።

ኣብ ኣትላንታ፣ ቦስተን፣ ማያሚን ኦክላሆማን እውን ዓበይቲ ናይ ተቐውሞ ሰልፍታት ተኻይዶም እዮም።

ኣብ ገለ ቦታታት፡ ፖሊስ ዘይተመጣጠነ ሓይሊ ተጠቒሙ ብዝብል'ውን ክንቀፍ እንከሎ፡ ኣብ ኣትላንታ ጆርጂያ፡ ክልተ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ 2 ናይ ኮሌጅ ተምሃሮ ዘይተመጣጠነ ሓይሊ ተጠቒምኩም ብዝብል ካብ ስርሖም ተኣልዮም እዮም።

እቲ ንኽሳድ ጆርጅ ፍሎይድ ዝረገጸ ጻዕዳ ፖሊስ ድማ ብገበን ቕትለት ክሲ ቀሪብዎ ኣሎ።

ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ብዙሕ ዝተዘርገሐ ቪድዮ፡ እቲ ድሬክ ቸውቪን ዝበሃል ጻዕዳ ፖሊስ፡ ንኽሳድ ጆርጅ ፍሎይድ ንብዙሕ ደቓይቕ ረጊጽዎ ይረኣይ።

ፍሎይድ ድማ፡ ክትንፍስ ኣይከኣልኩን እናበለ ደጋጊሙ ክዛረብ ይስማዕ። ድሕሪ'ዚ እዩ ህይወቱ ሓሊፉ።