ሂፕ-ሆፕ ዝቐየራ ሓሙሽተ ብሉጻት ደቂ ኣንስትዮ ራፐራት

ምንጪ ስእሊ, INTERSCOPE RECORDS
ሂፕ-ሆፕ ሙዚቃ ብደቂ ተባዕትዮ ዝተዓብለለ ክመስል ይኽእል እዩ፤ ግን ደቂ ኣንስትዮ ካብ መጀመርታ ጀሚረን ኣብ ሂፕ-ሆፕ ክሳተፋ ጸኒሓን እየን።
እዚ ቅዲ ሙዚቃ ሓደ ድግስ ብሮንክስ ዝተወልደ’ዩ።
ሲንዲ ካምበል ዝተባህለት ተምሃሪት ካልኣይ ደረጃ፡ ድሕሪ ዕረፍቲ ትምህርቲ ኣብ ዝጅመረሉ እዋን ንመግዝኢ እትኽደኖም ክዳውንቲ ዝኸውን ገንዘብ ንምእካብ ነቲ ድግስ ኣዳልያ። ዲጄ ኩል ሄርክ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓዋ ሙዚቃ ክጻወት ዓዲማቶ።
ነዊሕ ከይጸንሐት፡ ድምጻዊት ኣርኤንድቢ ዝነበረት ሲልቭያ ሮቢንሰን፡ ኣብ ዓለም ናይ መጀመርታ ትካል ሂፕ-ሆፕ ዝዀነ ሹገር ሂል ሪከርድስ ብሓባር መስሪታ። ብድሕሪ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ፈላሞት ንጽል ደርፍታት ኣውጺኣ።
እቲ ቅዲ ተፈታዊ እናዀነ ምስ ከደ ግን ከም በዓል ሮክሳን ሻንተ፡ ኵል ሌዲ ሮክን ኤምሲ ሻ-ሮክን ዝኣመሰላ ፈለምቲ ራፐራት ብደቂ ተባዕትዮ መዛኑአን ተዓብሊለን።
ኣብ መጀመርታ 1990ታት ‘ጋንግስታ ራፕ’ ማዕቢሉ፤ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ንዓመጽ ጕጅለታት ዝጠቅስን ዓብላልነት ተባዕትዮ ዘመልክቱ ግጥሚታት ዝሓዘ ዓይነት ራፕ እዩ። ስለዝዀነ ሂፕ-ሆፕ ዝያዳ ከም ናይ ኣወዳት ንጥፈት ክርአ ጀሚሩ።
እዚ ቅዲ ካብ ዝጅመር 50 ዓመት ይመልኦ ኣሎ፤ ቢቢሲ ነቲ ታሪኽ ንምእራም ዝዓለመ ሓድሽ ሰለስተ ክፋላት ዘለዎ ሰነዳዊ ፊልም ኣዳልዩ ኣሎ።
እዚ ፊልም ኣብ ቅዲ ሂፕ-ሆፕ ኣበርክቶ ንዝገበራ ደቂ ኣንስትዮ ስነጥበባውያን ኣፍልጦ ዝህብን ንሓደ ሓድሽ ወለዶ ራፐራት ዘጕልሕን’ዩ።
ሓንቲ ካብዚአን ኣብ ፊላደልፍያ ዝተወልደት ራፐር ኢቭ እያ። ኢቭ ‘ሁዝ ዛት ገርል’ን ‘ሌት ሚ ብሎው ያ ማይንድ’ ብዝብሉ ህቡባት ደርፍታት ትፍለጥ።
ኢቭ፡ ሓሙሽተ መስርሕ ሂፕ-ሆፕ ዝቐየራ ደቂ ኣንስትዮ ክትመርጽ ብቢቢሲ ተሓቲታ። ንሳ ከም እትብሎ እዘን ዝስዕባ ደቂ ኣንስትዮ ስነጥበባውያን ኣብ ቅዲ ሂፕ-ሆፕ ዓቢ ለውጢ ዘምጽኣ’የን።
1. ክዊን ላቲፋ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ክዊን ላቲፋ ቅጥኒ ዘይክውንነታዊ መለክዒ ጽባቐ ኣብ ዝዀነሉ ሆሊዉድ፡ መብዛሕትና ከይተደናገረት ወትሩ ምስ ምሉእ ርእሰ ተኣማንነታ ኢና እንርእያ።
ይዅን’ምበር ንሳ ናብዚ ደረጃ ንምብጻሕ ዝተጓዓዘቶ መንገዲ ቀሊል ኣይኰነን።
"ኣብ ከባቢ 18 ዓመት ከለኹ፡ ኣብ መስትያት ርእየ፡ ‘ንነብስኺ ወይ ፍተውያ ወይ ድማ ጽልእያ' ኢለ። ንነብሰይ ከፍቅር ድማ ወሲነ። እዚ ድማ ብዙሕ ነገራት ቀይሩ" ትብል።
ክዊን ላቲፋ ኣብ 1970 ኣብ ኒውጀርሲ’ያ ተወሊዳ። ዳና ኢሌን ኦወንስ ብዝብል ድማ ትጽዋዕ ነይራ። ብንእስነታ ላቲፋ (ብዓረብኛ “ረቂቕ” ወይ “ተሃዋሲ” ዝብል ሳጓ) ተዋሂብዋ፡ ድሒሩ ድማ ክዊን ላቲፋ ዝብል ስያመ ሒዛ።
ኣቦኣ ገዲም ተጋዳላይ ቬትናም ኰይኑ፡ ምስ ሓሽሽ ይቃለስ ስለዝነበረ፡ ወለዳ ጓል 8 ዓመት እንከላ’ዮም ተፋቲሖም።
ምስ ድኽነት፡ ጾታዊ ዓመጽን ካልኦት ዝተፈላለዩ ጸገማትን እናተቓለሰት’ያ ዓብያ። ብተወሳኺ ብሰንኪ ሕብሪ ቆርበታ ዘይተኣደነ ጽልኢ ኣጋጢምዋ እዩ፤ እንተዀ ንሳ ነዚ ንኻልኦት ንምምሃርን ንምልዕዓልን እያ ትጥቀመሉ።
ላቲፋ ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ ራፐር ኣይኰነትን፤ ኰይኑ ግን ንመጀመርታ ግዜ ኮኾብ ዝዀነት ራፐር እያ።
እዛ ኣመሪካዊት ሙዚቀኛን ተዋሳኢትን፡ ኣብ መወዳእታ 1980ታት ዝረኸበቶ ዓወታ፡ ንኻልኦት ደቂ ኣንስትዮ ራፐራት ዘለዓዓለ እዩ።
ኢቭ ከም ትብሎ፡ ኮኸብ ክትከውን ዘለዓዓላኣ ደቂ ኣንስትዮ ክዊን ላቲፋ፡ ኤም ሲ ላይትን ሶልት-ኤን-ፔፓን እየን። ነዚአን ኣብ ትርእየሉ እዋን "እወ ኣነ’ውን እኽእል እየ" ዝብል ስምዒት ይስምዓ ከም ዝነበረ’ያ ትገልጽ።
“ግን ኵሉ ግዜ ምስ ክዊን ላቲፋ ፍሉይ ቅርበት ይስምዓኒ ነይሩ” ብምባል ላቲፋ ተራር ጓል ኣንስተይቲ ምዃና ትዛረብ።
ግጥሚ ላቲፋ “ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ብምዃና ከም እትኾርዕ፤ ብዛዕባ ሓድነት ደቂ ኣንስትዮ ዝገልጽን’ዩ። ብሓባር ደው ንበል፡ ግድን ተወዳደርቲ ክንከውን የብልናን፡ ነንሕድሕድና ንጸምብል” ዝብል ትሕዝቶ ከም ዘንጸባርቕ ኢቭ ትጠቅስ።
2. ሎሪን ሂል

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ትያትር ኣፖሎ ቀጥታዊ ሙዚቃ ዝካየደሉ ቦታ እዩ። ከም በዓል ጀምስ ብራውን፡ ቦብ ማርሊን ሪቻርድ ፕራይየርን ዝኣመሰሉ ስሙያት ስነጥበባውያን ምርኢቶም ኣቕሪቦምሉ እዮም።
ኣብ 1987፡ ሎሪን ሂል እትበሃል ህንጥይቲ መንእሰይ ኣብቲ መድረኽ ቀሪባ። እንተዀነ ፈሪሓ ስለዝነበረት ኣብ መጀመርታ ቀስ ዝበለ ኣጀማምራ ኣርእያ። እቶም ተዓዘብቲ ካብ መድረኽ ክትወርድ ጨዲሮም።
እታ ድሒራ ኮኸብ ሂፕ-ሆፕ ዝዀነት ላውሪን ሂል ነዚ ምርኢት ኣብ ወግዓዊ ዩቱብ ቻነላ ዘርጊሓቶ’ያ።
ብሓያል ድምጻን ፍሉይ ቅዲ ሙዚቃኣን እትፍለጥ ሎሪን ሂል፡ ብ26 ግንቦት 1975 ኣብ ሳውዝ ኦሬንጅ፡ ኒውጀርሲ ተወሊዳ።
ሂል ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ተጠሚቓ “ፍቅርተ ማርያም” ዝብል ሃይማኖታዊ ስም ተዋሂብዋ’ዩ።
ኣባል ጕጅለ ሂፕ-ሆፕ ፉጂስ ብምዃና ክህብብቲ ኰይና።
‘ዘ ሚስዱኬሽን ኦፍ ላውሪን ሂል’ እትብል ናይ መጀመርታ ናይ በይና ኣልበም፡ ባእታታት ሂፕ-ሆፕ፡ ኣርኤንድቢን ሶልን ዝሓወሰት ኰይና፡ ብሉጽ ኣልበም ናይዚ ዓመት ዝርከቦም ሓያሎ ሽልማታት ግራሚ ተዓዊታትላ እያ።
ኣብ 1999 ሎሪን ሂል ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ሓሙሽተ ሽልማት ግራሚ ዝዓተረት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሓ።
“ላውሪን ሂል ኣብ ከም በዓል ቮካብን ሃው ማኒ ማይክስን ዝኣመሰላ ናይ ፉጂስ ደርፍታት እያ ክእለታ ኣመስኪራ” ትብል ኢቭ።
እንተዀነ፡ በቲ ንበይና ዝሰርሓቶ ‘ዘ ሚስዱኬሽን ኦቭ ላውሪን ሂል’ እትብል ናይ መጀመርታ ኣልበማ ክሳብ ሎሚ ብሉጽ ኣልበም ናይዚ ዓመት ሽልማት ግራሚ ዝተዓወት እንኮ ጓል ኣንስተይቲ ራፐር ከም ዝዀነት ትዛረብ።
“ክሳብ ሞት እየ ዘፍቅራ” ፉጂስ ብሓፈሻ ዘገርሙ እኳ እንተነበሩ፡ ላውሪን ምስኦም ምህላዋ ግን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኣብጽሒዎም’ዩ፡ ብርግጽ።”
ኢቭ ከም ትብሎ፡ ሎረን ብዙሓት ራፐራት መምህርን መራሒትን ኰይና ናብ ልዑል ደረጃ ኣብጺሓ’ያ።
“ሎሪን ፍልይቲ እያ። ንሳ እያ ኣስተምሂራትና።”
3. ሚሲ ኤልየት

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ሚሲ ኤልየት፡ መበቆላዊ ስማ ሜሊሳ ኣርነት ኤልዮት እዩ፤ ኣብ 1 ሓምለ 1971 ኣብ ቨርጂንያ፡ ኣመሪካ ተወሊዳ።
ምስ ድኽነትን ጸገማትን እናተቓለሰት’ያ ዓብያ። ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝወረዳ’ውን ትገልጽ።
ካብ ንእስነታ ጀሚራ ናይ ምርኢት ክእለት ነይርዋ። ኣብ ክፍላ ባቡላ ኣኪባ ትደርፍ ከም ዝነበረት ትዛረብ።
እታ ረጓድ ብምዃና ኣብ መጀመርታ ዝነጸገት ሚሲ ብብድሆታት ከይተሰዓረት ናብ ልዑል ደረጃ በጺሓ’ያ።
ንሳ ራፐር ጥራይ ኣይኰነትን። ጸሓፊት ደርፍታት፡ ኣወሃሃዲት ሙዚቃን ኣፍራዪት እውን እያ። ብተወሳኺ’ውን ከም በዓል ቢዮንሰ፡ ጃኔት ጃክሰን፡ ማርያ ካሪ፡ ዊትኒ ሂዩስተንን ካልኦት ብዙሓትን ናይ ምፍራይን ምጽሓፍ ደርፍታትን ተውህቦኣ ኣበርኪታ’ያ።
“ፈጠራዊት፡ ውልቃዊት፡ መወዳድርቲ ዘይብላ” ኢላ እትገልጻ ኢቭ፡ ሚሲ ሂፕ-ሆፕ ንሓዋሩ ከም ዝቐየረቶ ትዛረብ።
“ከም ጌት ዮር ፍሪክ ኦን’ ከምኡ’ውን ‘ዎርክ ኢት’ ዝኣመሰላ ደርፍታት መብዛሕትኡ ግዜ ተመሲለን ይስርሓ ነይረን፤ እንተዀነ ንዓኣተን ዝበለጸት ደርፊ የላን።"
“ኣብ ኣቀራርባኣን ቪድዮታታን ናብ ሂፕ-ሆፕ ትያትራዊ ባእታ ኣተኣታትያ” ትብል ኢቭ።
“ብዙሕ ግዜ ብሓባር ሰሪሕና” ብምባል ኵሉ ግዜ ንምእማኑ ዘጸግም ዓርክን ደጋፊትን ከም ዝነበረት ትምስክር።
4. ኒኪ ሚናዥ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ካብ ድኻ ስድራቤት ዝተወልደት ሚናዥ፡ ብዙሕ ዕንቅፋታት'ዩ ኣጋጢምዋ። ኣዘናጋዒት ክትከውን ዝነበራ ሕልሚ ንምግሃድ ዝፈታተናን ዝኸበዳን ብዙሕ ተመኵሮታት ሓሊፋ ግን ኣብ መወዳእታ ናብ ልዑል ደረጃ በጺሓ።
ኣቦኣ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተን ሓሽሽን ከም ዝነበሮ ትዛረብ። ንወልፍታቱ መሸፈኒ ኣቝሑ ገዛ ይሸይጥ ከም ዝነበረ’ውን ትገልጽ።
እዚ ግን ኣብ ስብእናኣ ሓያል ጽልዋ ነይርዎ። ሕጂ'ውን እንተዀነ፡ በቲ ኣብ ዕድመ ንእስነታ ዘጋጠማ ብድሆ ዝበዝሖ ፍጻመታት ኣዝያ ስለዝተሃሰየት ምስ ከም ኣቦኣ ዝበለ ሰብ ፈጺማ ምትእስሳር ከም ዘይህልዋ ድማ ቃል’ያ።
"ዝዀነ ወዲ ተባዕታይ ክቈጻጸረኒ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ወይ ከምኡ ዝኣመሰለ ኣብ ከባቢየይ ክፍጸም ፈጺመ ከም ዘይፈቅድ ቃል ኣትየ፤ ምኽንያቱ ደቀይ ከምኡ ክርእዩ ስለዘይደሊ" ትብል።
ኢቭ ንሚናዥ ዘለዋ ኣድንቘት ፍልይ ዝበለ’ዩ።
ኒኪ ሚናጅ፡ ደቂ ኣንስትዮ ራፐራት ካብ ቀንዲ ሂፕ-ሆፕ ኣብ ዝጠፍኣሉ እዋን፡ ኣብ 2010 ከም ዝደመቐት ትዛረብ።
“ካብ ሽዑ ጀሚራ ኣብ ቻርት ቢልቦርድ 133 ደርፍታት ኣመዝጊባ ኣላ፤ ገለ ካብኣቶም ስታርሺፕስ፡ ኣናኮንዳን ሱፐር ፍሪኪ ገርልን ይርከብዎም።”
“ብሉጽቲ ጸሓፊት ግጥሚ እ፣ ዝዀነ ሰብ ክበልጻ ኣይክእልን። ብዛዕባ እቲ ኢንዱስትሪ እውን ኣዝያ በላሕ እያ - እንታይ ከም ዝመጽእ ፈሊጣ ነቲ ህሞት ትጥቀመሉ” ክትብል ትገልጻ።
ጓል ኣንስተይቲ ራፐር ምዃን ብዙሕ ብድሆታትን ኣድልዎን ከም ዘለዎ ኢቭ ተረድእ።
“ኒኪን ዶጃ ካትን፡ ኣነ ዓቢ ኣድናቒተን’የ፡ ብሓቂ እተን ክዀናኦ ዝደልያኦ ስነጥበባውያን ክዀና ይደፍኣ ኣለዋ።”
5. ለይከይሊ47

ምንጪ ስእሊ, RCA RECORDS
ኣብ ቨርጂንያ ተወሊዳ ኣብኡን ኣብ ብሩክሊንን ዝዓበየት ሌይከሊ-47፡ ሓፋርን ጽምዋ ዝመልኦን ንእስነት እያ ኣሕሊፋ። ብዙሕ’ውን ትድንደን ነይራ።
እንተዀነ፡ ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ሙዚቃ ክትሰርሕ ከም እትደሊ ትፈልጥ ነይራ።
ኣብ መጀመርታ 2000ታት ደርፍታት ክትፈጥር ጀሚራ።
ተላባዒ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ብፈተነ ድምጺ ዝፈጥር፡ ቅኒትን ምፍራይን ቅዲታት ትኹረት ንምሃብ፡ ፍሉይ ማስክ ትገብር’ያ።
ኢቭ “ብግጥሚ ሂፕ-ሆፕ እትስሓቡ እንተዄንኩም፡ ጽቡቕ ዛንታ ክትሰምዑ እንተደሊኹም፡ ንሳ ትገርም እያ” ብምባል ትገልጻ።
“መንነታ ኣይትገልጽን፤ እቶም ስርሓታ ንባዕሎም ክዛረቡ ጥራይ እያ ትደሊ። ኵሉ መዳያዊ ፍጽምቲ ራፐር’ያ ምበልኩ... ተወሳኺ ሙዚቃ ክትዝርግሕ ጥራይ እየ ዝደሊ!”




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







