ኤችጂ፡ ብዙሕ ዘይተነገረሉ ንነፍሰ ጾራት ዘጥቅዕ ሓደገኛ ሕማም

ምንጪ ስእሊ, Getty
ካብ ኦንታርዮ ካናዳ ዝመጸት ክርስታቤል ንጉቤ ንመጀመርታ ግዜ ጥንስቲ ምዃና ምስ ፈለጠት፡ ካብ መጠን ንላዕሊ'ያ ተሓጒሳ።
እታ ጓል 30 ዓመት መንእሰይ ንዓመታት፡ ኣምላኽ ውላድ ንኽህባ ትጽሊ ነይራ'ያ።
ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት፡ እቲ ኣብ ኣብ ውሽጣ ሓጎስ ዝፈጠረ ጥንሲ፡ ኣብ ጥዕና ናብ ሞት ዝገማገም ጥዕናዊ ጸገማት ከስዕበላ ክኣላ።
"ዋላ ድኣ ውሑድ ይኹን'ምበር ነቲ ህጻን ጸልየሉ'የ፡ እቲ ቀንዲ ዝደልዮ ዝነበርኩ ነገር ግን ካብዚ ነገር እዚ ምግልጋል'ዩ" ትብል።
ክርስታቤል ከቢድ ረስኒን ክትቆጻጸሮ ዘይትኽእል ተምላስን ክስምዓ ጀመረ። ጨና መግቢ ከይተረፈ'ዩ ብርቱዕ ሕማም ዘስዕበላ ነይሩ።
ከይተምልስ ብምፍራሕ መግቢ ኣቋረጸቶ፡ "ዋላ ማይ'ውን ከምልሰኒ'ዩ" ብምባል፡ ንማይ'ውን ብፍርሒ ክትርዮ ጀሚራ።
ነፍጾራት ብፍላይ ኣብ ፈለማ ሰሙናት ምሓዝ ድቂ ንግሆ ካብ ድቃሰን ክትስኣ እንከለዋ ተምላስ ዕግርግር ይብለንን የምልሰንን'ዩ።
እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ዓሰርተ ኣርባዕተ ሰሙናት ናይ ድቂ ዘጋጥም'ዩ።
እዚ ከኣ ምስ ምውሳኽ ሆርሞናት ዝኽሰት ንቡር ነገር'ዩ፡ ኩነታት ክርስታቤል ግን ካብዚ ንቡር እዚ ኣዝዩ ዝኸበደ እዩ።
ክርስታቤትል ጥንሳ መበል 39 ሰሙን ኣብ ዝረገጸሉ፡ ብሕጽረት ማይን መግብን ዝስዕብ 'ሃይፐረሜሲስ ግራቪዳረም' [HG] ብዝብሃል ሕማም ተጠቒዓ ምህላዋ ክረጋገጽ ክኣለ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ኤችጂ እናተብሃለ ዝጽዋዕ ሕማም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ሰፊሕ ኣቶኩሮ ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ፍሉጣት ሰባትን ብሓፈሻ ህዝብን ክረክብ ዝኸኣለ ሕማም'ዩ።
ልእልቲ ዌልስ ካትሪን ከይተረፈት ንሰለስተ ደቃ ኣብ ዝጠነሰትሉ በዚ ሕማም እዚ ተጠቒዓ ምንባራ ናይ ገዛእ ርእሳ ተሞክሮ ከተካፍል ጀሚራ።
እዚ ሕማም እዚ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ 1 ክሳብ 3 ሚኢታዊት ጥኑሳት ዝርአ ሕማም ምዃኑ ኤንኤችኤስ ዝገበሮ መጽናዕቲ ይሕብር።
ሰብ ሞያ ጥዕና ግን እቲ ቁጽሪ ብደረጃ ዓለም ካብቲ ተዋሂብዎ ዘሎ ግምት ንላዕሊ ንነፍሰ ጾራት የጥቕዕ ከምዘሎ'ዮም ዝሕብሩ።
ክርስታቤል "ብጥምየት ተለልየ እናተቐንዘኹ፡ ክበልዕ ግን ኣይክእልን'የ፡ ከየምልሰኒ ብምፍራሕ ዋላ ማይ ምስታይ ሓዲገዮ" ትብል።
እቲ ዝኸፈአ ግን ንሕማም ዝርድኣላ ስለዝሰኣነት ስነ ኣእምሮኣዊ ሃስያን ተነጽሎን ከምዝወረዳ'ያ ትዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Christabel
መርመራ ንምክያድ ዘሎ ብድሆ
ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ዋሕዲ ቀረብ ኣገልግሎት ጥዕና ስለዘሎ፡ ብዙሓት ብኤችጂ ዝተጠቐዓ ደቂ ኣንስትዮ ሕማመን ኣይልለን'ዩ።
ብዙሓት ሰባት፡ ጓል ኣንስተይቲ ድቂ ምስ ሓዘት ምሕማም፡ ከም ድኻምን ስንፍናን ናይታ ጓል ኣንስትይቲ፡ ሓደ ሓደ እዋን'ውን ተጋንኖ ኣላ ኢሎም ስለዝሓስቡ ኣቶኵሮ ኣይህብዋን'ዮም።
ኣብ ናይጀርያ ካብ ከተማ ኣቡጃ ኣሽሓት ኪሎ ሜተራት ርሒቓ፤ ንመጀመርታ ግዜ ዝተበኮረት ነኒ እውን፡ ድቂ ምስ ሓዘት እቲ ዝነበራ ምልክታት ካብ ንቡር ወጻኢ እዩ ነይሩ።
ንሳ ገለ ረስንን ድኻምን ክስምዓ ትጽቢት ነይርዋ'ዩ፡ ኣብ ክንድኡ ግን ዘየቋርጽ ተምላስን ዋሕዲ ኣብ ኣካላታ ዘለ ፋሳስን ብተደጋጋሚ ኣብ ሆስፒታል ንኽትድቅስ ኣገዲድዋ።
ኣማራጺ ዝስኣኑ ሓካይም ብመልክዕ ኢንፊጁን ናብ ኣካላታን ፈሳሲ ይህብዋ ነይሮም።
ንሳ "ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ሃይፐረሜሲስ ግራቪዳረም [HG] ሰሚዐ ኣይፈልጥን'የ ነይረ" ትብል።
ከም ዳርጋ ኩለን ቦኳራት ኣዴታት እንታይ ከምዝኾነት ክርደኣ ኣይክኣለን።
እቲ ሕማም ምስ በርተዓ'ውን፡ እቶም ሓካይም እንታይ ሓገዛት ክገብሩላ ከምዘለዎም ክርድኦም ኣይክኣለን።
እቲ መጀመርታ ዝረኸባ ሓኪም "ኣብ እዋን ፈለማ ድቂ ምሓዝ ዘጋጠም ንቡር ሕማም'ዩ ኢሉ'ዩ ኣፋንዩኒ"ትብል።
ነኒ ግን ኩነታት ካብ ንቡር ዝሓለፈ ምዃኑ ይርድኣ ነይሩ'ዩ።
ጥንሳ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ምስ ኣቁጸረ'ውን፡ እቲ ዘይንቡር ተምላስ ኣይሓደጋን።
ደም ከምልሳ ምስ ጀመረ'ዮም እቲ ሓካይም ኣቶኵሮ ክህብዋ ጀሚሮም።
ክኢላታት፡ ሕማም ኤችጂ ምስቲ ንቡር ኣብ ፈለማ ሰሙናት ናይ ጥንሲ ዝመሳሰል ምልክታት ስለዘለዎ ቀልጢፍካ ከተላልዩ ኣጸጋሚ ከምዝኾነ'ዮም ዝሕብሩ።
ዶክተር ኒኩሩካ ኢቸ ንዋዳጉ ኣብ ናይጀርያ ከተማ ኢቦኒ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ማእከል ፌስቱኣ ክኢላ ማህጸን'ያ። ንሳ ሰብ ብዛዕባ ሕማም ኤችጂ ዘለዎ ኣፍልዮ ክብ ኣብ ምባል እንተዘይተሰሪሑ ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውን ከምዝኽእል'ያ ትምዕድ።
"ኣብ ፈለማ ሰሙናት ጥንሲ ብልሙድ 'ሞርኒን ሲክነስ' ዝብሃል ሕማም ኣሎ፤ እዚ ዕግርግርን ተምላስን ከምጽእ ይኽእል'ዩ፡ እንተኾነ እዚ ሕማም እዚ ንደቂ ኣንስትዮ ንቡር መዓልታዊ ስርሐን ካብ ምክያድን ካብ መግብን ክኽልክለን ኣይክእልን'ዩ" ትብል።
"ኤችጂ ግን ብኣንጻሩ፡ ነቲ ሰብ ዓቕሙ የጉድሎ፡ ካብ መሰረታዊ ዕማማት ከይተረፈ'ውን የሰናኽሎ" ትብል።"
ዶክተር ኒኩሩካ ኢቸ ንዋዳጉ ብምስዓብ "እዚ ናብ ዝተሓላለኸ ኩነታት ጥዕና ከምርሓና ይኽእል'ዩ፡ እዚ ሕማም እዚ ዘይምዕሩይ ኤለትሪላይት ብምስዓብ ምዕናው ገለ ክፋል ውሽጣዊ ኣካላትን ከስዕበልና ዝኽል ሓደገኛ ሕማም'ዩ" ብምባል ትገልጾ።
ኣብ ሎንዶን ክኢላ ማህጸን ዝኾነት ዶክተር ኣደንዮ ኣኪሰኩ ብወገና ሕማም ኤችጂ ነቲ ህጻን'ውን ክጸልዎ ከምዝኽእል ትገልጽ።
"እታ ኣደ ኣብ ግዜኡ ሕክምናዊ ሓገዝ እንተ ዘይረኺባ፡ እቲ ህጻን ዋሕዲ መኣዛታት ስለዘጋጥሞ ክውለድ እንከሎ ትሕቲ ሚዛን ኮይኑ ክውለድ ይኽእል'ዩ፡ ወይ'ውን ቅድሚ ግዜኡ ክውለድ ተኽእሎ ኣሎ" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Nenye
ኤችጂ ብዘርኢ ይመሓላለፍ ድዩ?
መጽናዕትታት ንሃይፐረሜሲስ ግራቪዳረም (HG) ምስ ተፈጥሮኣዊ ዘይንቡርነት ኣየተኣሳስርዎን። ይኹን እምበር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ተመራማሪት ዶክተር ማርለና ፈጅዞ፡ ምስ ዘርኢ ወይ ዓሌት ምትእስሳር ከምዘለዎ ትገልጽ።
"ሓፍትኺ ብሕማም ኤችጂ ተጠቂዓ ትፈልጥ እንተኾይና፡ ንስኺ ብ17 ዕጽፊ ብሕማም ኤችጂ ናይ ምጥቓዕ ተኽእሎ ከምዘለኪ ከነረጋግጽ ክኢልና ኢና፡ እዚ ከኣ ምስ ዘርኢ ወይ ዓሌት ምትእስሳር ከምዘለዎ ዘርኢ'ዩ" ትብል።
ዶክተር ፈጅዞ ወሲኹ፡ ኤችጂ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እዋን ጥንሲ ዝለዓለ መጠን ሆርሞን GDF15 ከምዘለወን ይዛረብ - እዚ ሆርሞን እዚ ንነድሪ፡ ምትሕልላፍ መግቢን ዕብየት ዋህዮታትን ንምቁጽጻር ዝሕግዝ እዩ።
"እዚ ለውጢ ደረጃ ሆርሞናት፡ ነቲ ምውሳኽ ልዕሊ ዓቐን ተነቃፍነት ከም ዝፈጥርን፡ ንልዕሊ ዓቐን ምፍሳስ ደም ከም ዘበግስን ረኺብናዮ ኣለና" ትብል።
ተኽእሎታት ፍወሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መጀመርታ 12 ሰሙን ናይ ጥንሲ ንሕማም ኤችጂ ንኸይሕይል ዝሕግዝ መድሃኒት ኣሎ።
እንተኾነ እዚ ንተምላስ ዝከላኸል ኣይኮነን።
ነተን ተምላስ ዝበርተዐን ግን ነቅጺ ፈሳሲን ዋሕዲ መኣዛን ንኸየጋጥመን ዝውሃበን ተወሳኺ መድሃኒት ኣሎ።
ነዚ ኣመልኪቶም ንቢቢሲ ርኢቶኦም ዘካየፈሉ ክኢላታት ጥዕና ብወገኖም፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘይምዕሩይ ኤለትሮላይት ዝኣመሰለ ዝተሓለለኸ ጸገም ጥዕና ንኸየጋጥመን ጽዑቕ ምክትታል ከምዘድልየን'ዮም ዝሕብሩ።
ነተን ደቂ ኣንስትዮ ስነኣእምሮኣዊ ማዕዳ ምሃብ'ውን ኣገዳሲ'ዩ፡ ምኽንያቱ ገለ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ሕማመን ድሕሪ ሕርሲ'ውን ስለዝቕጽል።
ዶክተር ኣኪሰኩ ኤችጂ፡ ክሳብ ንፍርሕን ጭንቀትን ዝኣመሰሉ ስነኣእምሮኣዊ ሕማማት ከቃልዕ ዘለዎ ተኽእሎ ልዑል ምዃኑ ትሕብር።
ነኒ፡ ድሕሪ ሕርሳ'ውን እንተኾነ እቲ ፍርሒ ፈጺሙ ከምዘይገደፋን ብምግላጽ፡ ዘይከውን ኮይንዋ'ዩ እምበር ንማይን ንመግብን'ውን ጠቕሊላ ክትገፍፎ ከምዘይትጸልእ ትገልጽ።
"ብፍጹም ከምቲ ቀደም ዝነበርክዎ ኣይኮንኩን ዘለኹ፡ ሰባት ቆርበተይ እንታይ ኮይነ ሕብሩ ከምዝቐየረ ይሓቱኒ'ዮም፡ ፈጺመ'የ ጸማልያ መሲለ" ትውስኽ ነኒ።
ብምስዓብ "ንነዊሕ እዋን ካብ ሰብ ስለዝተነጸልኩ፡ ንሱ'ውን ንተወሳኺ ጸቕጢ ኣቓሊዕኒ'ዩ ኢለ ይሓስብ" ትብል።
ኩሎም ሰብ ሞያ ዝሰማምዕሉ ግን ሓደ ነጥቢ ኣሎ፡ ሰብ ብዛዕባ እዚ ሕማም ውሑድ ኣፍልጦ ስለዘለዎ፡ ብዛዕባ እዚ ሕማም ዘለዎ ንቕሓት ንምብራኽ ዓቲብካ ክስራሕ ኣለዎ ይብሉ።
ዶክተር ኒኩሩካ ኢቸ ንዋዳጉ፡ ቅልጡፍ ዝኾነ ግብረ መልሲ ምሃብን ምምሕዳርን ንኽልቲኦም ኣደን ህጻንን ካብ ከቢድ ሓደጋታት ጥዕና ንምክልኻልን ቀንዲ ወሳነ ሮቋሒ'ዩ ብምባል፡ እዚ ስቓይ ንምቅላል ጥራይ ዘይኮነስ፡ ህይወት ንምድሓን እንከለይ'ዩ ትብል።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







