ብዛዕባ'ቲ ስጋ ሰብ ዝበልዕ ሓሰኻ ክትፈልጡዎ ዝግባእ

እቲ 'ኒው ዎርልድ ስክሩዎርም' ዝብል ስያመ ዝተዋህቦ ተሃዋስያን፡ ካብ ኤል ሳልቫዶር ናብ ኣመሪካ ኣብ ዝተመልሰ ሕሙም ከም ዝተረኸበ ክፍሊ ጥዕናን ሰብኣዊ ኣገልግሎትን እታ ሃገር ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ኣመሪካ ንፈለማ እዋን ስጋ ሰብ ዝበልዕ ጽግዕተኛ ኣብ ሓደ ሕሙም ከም ዝተረኽበ ሰብመዚ ገሊጾም።

እቲ 'ኒው ዎርልድ ስክሩዎርም' ዝብል ስያመ ዝተዋህቦ ተሃዋስያን፡ ካብ ኤል ሳልቫዶር ናብ ኣመሪካ ኣብ ዝተመልሰ ሕሙም ከም ዝተረኸበ ክፍሊ ጥዕናን ሰብኣዊ ኣገልግሎትን እታ ሃገር ሓቢሩ።

እዚ፡ ብ4 ነሓሰ ኣብ ሓደ ሰብ ከም ዝተረጋገጸ ማእከል ምቍጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት (CDC) ገሊጹ።

እቲ ሕሙም ንኻልኦት ደቂ-ሰብ ይዅን እንስሳታት ከም ዝተለኽፈ ዝሕብር መርትዖ ከይተረኽበ እንከሎ ከም ዝሓወየ ሰብመዚ ጥዕና ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም።

ግን 'ኒው ዎርልድ ስክሩዎርም' እንታይ'ዩ? ንእንስሳን ሰብንከ ብኸመይ የጥቅዕ?

'ኣዕናዊ ባልዕ'

'ኒው ዎርልድ ስክሩወርም' (NWS, Cochliomyia hominivorax) ኣዕናዊ ባልዕ ምዃኑ ኣገልግሎት መርመራ ጥዕና እንስሳታትን ተኽልታትን (Aphis) ይገልጽ።

እዚ ትካል ኣብ ውሽጢ ክፍሊ ሕርሻ ኣመሪካ ዝርከብ ኰይኑ፡ እንስሳታትን ተኽልታትን ካብ ባልዕን ሕማማትን ንምክልኻል ይሰርሕ።

ዓበይቲ ጽንጽያታት 'ስክሩወርም'፡ ክንዲ ልሙድ ጽንጽያ ገዛ (ወይ ቍሩብ ዕብይ ዝበሉ) እዮም።

እዚኦም፡ ሽሮዋይ ዝሕብሩ ኣዕይንቲ፡ እስራስ ዝመስል ሰማያዊ ወይ ቀጠልያ ኣካላት፡ ኣብ ሕቖኦም ድማ ሰለስተ ጸሊም መስመር ኣለዎም።

እቲ 'ስክሩወርም' ንጥሪት፡ እንስሳ ዘቤት፡ እንስሳ ዘገዳም፡ ሓሓሊፉ ንኣዕዋፍ፡ ሳሕቲ ድማ ንሰባት ከጥቅዕ ይኽእል።

ጽንጽያ 'ኒው ዎርልድ ስክሩወርም'፡ እንቋቍሖ ናብ ስጋ ህያው እንስሳ በርቢሩ ብምእታው ክድርቢ እንከሎ፡ ከቢድ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ቀታሊ ዕንወት የስዕብ።

እዚ፡ ኣብ ኩባ፡ ሄይቲ፡ ዶሚኒካን ሪፓብሊክን ሃገራት ደቡብ ኣመሪካን ዝርከብ እዩ።

ንእንስሳታት ብኸመይ ይወርር?

እቶም ጽግዕተኛታት ሓሳኹ፡ ኣብ ሰብነትካ ዘይሓወየ ወይ ዘይተሸፈነ በሰላ እንተ'ልዩ፡ ንዓኡ በሲዖም ይኣትዉ።

ኣንስተይቲ ሓሰኻ ስክሩወርም፡ እንቋቝሖአን ኣብ ልዕሊ እቲ ቍስሊ ዘለዎ ከባቢ የውድቓ።

እቶም እንቋቝሖታት ምስ ተጫጭሑ፡ ኣማኢት ዕጸታት (ላርቫታት) 'ስክሪውዎርም' ነቲ በሊሕ ኣፎም ተጠቒሞም ነቲ ስጋ ይዅዕቱዎ።

በዚ መንገዲ'ዚ ሰብ ወይ እንስሳ ይልከፍ።

'ስክሩወርም' ኣብ ከብትን እንስሳ ዘገዳምን ኣዕናዊ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ሳሕቲ ድማ ንደቂ-ሰብ የጥቅዕ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት በዚ ሓሰኻ ዝተለኸፈ ናብ ዶሚኒካን ሪፓብሊክ ምብጻሕ ዝገበረ ሓደ ውልቀሰብ፡ ካብኡ ምስ ተመልሰ ዘርኣዮም ምልክታቱ ንሲዲሲ ሓቢሩ።

"ንልዕሊ ክልተ ሰዓታት ገጸይ ክሓብጥ ጀሚሩ። ከንፈረይ ሓቢጡ። ዳርጋ ክዛረብ ኣይከኣልኩን። ምሉእ ገጸይ ሓዊ ዝነደደ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ቀጻሊ ደም ካብ ኣፍንጫይ ክፈስስ ጀሚሩ፡" ኢሉ።

ሰባት ብፍላይ ድማ እቶም ዘይሓወየ በሰላ ዘለዎም ሰባት፡ በቲ ለበዳ ናብ ዝተጠቕዑ ከባቢታት እንተ ተጓዒዞም ወይ ኣብ ከባቢ ዝተለኸፈ ጥሪት እንተ ነይሮም፡ ተቓላዕቲ ይዀኑ።

እዚ ሓሰኻ ንምፍዋስ እቲ እንኮ መንገዲ ካብቲ ዝተበከለ ቲሹ ኣማኢት ላርቫታት ብኣካል ምእላይን ነቲ በሰላ ብግቡእ ምጽራይን እዩ።

ቅድሚ ሕጂ ዝተራእየ ለበዳታት

ብመሰረት ክፍሊ ሕርሻ ኣመሪካ፡ ብ1933፡ 'ኒው ዎርልድ ስክሩወርም' ብመንገዲ በቲ ሓሰኻ ዝተጠቕዑ ካብ ደቡባዊ ምዕራብ ናብ ደቡባዊ ምብራቕ እታ ሃገር መዝጽኡ እንስሳት ተዛሚቱ።

ክሳብ 1934፡ ሓረስቶት ሚሲሲፒ፡ ኣላባማ፡ ሰሜን ካሮላይና፡ ደቡብ ካሮላይና፡ ጆርጅያን ፍሎሪዳን በዚ ዕስለታት ይሽገሩ ከም ዝነበሩ የመልክት።

ኣብ 1960ታት ተመራመርቲ ምስ ደቀንስትዮ 'ስክሪውዎርም' በረኻ ዝራኸቡ ብብዝሒ ዝመኸኑ ተባዕትዮ 'ስክሩወርም' ጽንጽያታት ክለቁ ምስ ጀመሩ፡ ካብ ኣመሪካ ጠቕሊሉ ጠፊኡ'ዩ።

እቲ ዳሕረዋይ ለበዳ ኣብ ፓናማ ኣብ 2023 ዝጀመረ ኰይኑ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ 'ስክሩዎርም' ካብ ማእከላይ ኣመሪካን ሜክሲኮን ናብ ሰሜን ክጓዓዝ ጸኒሑ።

ሜክሲኮ ኣብ ሓምለ ካብ ዶብ ኣመሪካ ኣስታት 595 ኪ.ሜ ንደቡብ ርሒቑ ሓድሽ መልከፍቲ ከም ዘጋጠማ ገሊጻ ነይራ።

ክፍሊ ሕርሻ ኣመሪካ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሕዳርን ግንቦትን ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ንብረት ደው ድሕሪ ምባሉ፡ ብደቡባዊ መእተዊ ወደባት ኣቢሉ ንግዲ ጥሪት ክዕጾ ኣዚዙ'ዩ።

ኣመሪካ ብልሙድ ኣብ ዓመት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ከብቲ ካብ ሜክሲኮ ተእቱ።

ለበዳ 'ስክሩወርም' ድማ ከቢድ ቍጠባዊ ሳዕቤን ከስዕብ ከም ዝኽእልን እዚ ድማ ምስ ኢንዱስትሪ ከብቲ ዝተኣሳሰር ልዕሊ 100 ቢልዮን ዶላር ቍጠባዊ ንጥፈታት ኣብ ሓደጋ ከእቱ ከም ዝኽእልን ግምታት ክፍሊ ሕርሻ ይሕብር።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣብ ጥዕና ህዝቢ ዘጋጥም ሓደጋ 'ኣዝዩ ትሑት' ምዃኑ ሰበስልጣን ገሊጾም።