'ሃይፖጋሚ'፡ ብትምህርተን ጸብለል ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ዝመርጽኦ ዘለዋ ሓድሽ መንገዲ

ምንጪ ስእሊ, PeopleImages
ካብ ጥንቲ ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ባህልታትን ልምድታትን ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ዳርጋ ተመሳሳልነት ኣለዎ።
ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዊሱ ኣብ ኵሎም ባህልታት፡ ደቂ ኣንስትዮ "ክምርዓዋ ኣለዎን" ዝብል ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ሱር ዝሰደደ ልምዲ እዩ።
ዝተመርዓወት ጓል ኣንስተይቲ ካብ ዘይተመርዓወት ዓብዪ ክብርን ደረጃን ትጐናጸፍ፣ ዘይተመርዐወት ድማ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ትሑት ብርኪ ክብሪ ክወሃባ ጸኒሑ እዩ።
ምስዚ ተኣሳሲሩ ድማ ብዙሕ ጽዕንቶን ፀጸቕጥን ኣሕሊፈን እየን።
ሎሚ ሎሚ ምስ ምስፍፋሕ ትምህርትን ንቕሓትን፡ ገለ ለውጢታት ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብ ዝበዝሕ ኵርናዕ ዓለም ሎሚ'ውን ብዙሕ ኣይተለወጠን።
እዚ ድማ ካልእ ሳዕቤን ሒዙ ዝመጽአ ይመስል።
ደጊም ደቂ ኣንስትዮ ዝለዓለ ትምህርትን ፋይናንሳዊ ናጽነትን ኣብ ዝረኽባሉ ዘለዋ እዋን፡ እዚ ባህላዊ ስርዓት ይቕየር ኣሎ።
"ሎሚ ኣብ መንጎ መንእሰያት ዘይምስምማዕ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ፣ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ብትምህርቲ ዝደፍኣ ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ፡" ትብል ናድያ ስታይበር፡ ክኢላ ስነማሕበረሰብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቪየና ኦስትርያ።
ከም ውጽኢቱ ድማ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ምስ ትምህርቲ ወይ ማሕበረ-ቍጠባዊ ደረጃአን ዝመዓረረ መጻምድቲ እኳ እንተ ደለያ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ኣብ መወዳእታ ካልእ ኣማራጺ ክወስዳ ይግደዳ ኣለዋ።
"ትሑት" ዝደረጃኡ መጻምዲ ምእላሽ።
ኣብ ማሕበራዊ ስነፍልጠት እዚ ተርእዮ እዚ 'ሃይፖጋሚ' ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ሃይፖጋሚ እንታይ እዩ?
'ሃይፖጋሚ' ማለት ምስ ሓደ ካብ ገዛእ ርእስኻ ትሑት ማሕበራዊ፡ ቍጠባዊ ወይ ትምህርታዊ ደረጃ ዘለዎ ሰብ ምምርዓው ወይ ፍቕራዊ ርክብ ምፍጣር ዘመልክት እዩ።
ብባህሊ፡ ብኣንጻሩ 'ሃይፐርጋሚ' (ብማሕበረ ቍጠባዊ ደረጃ ልዕለኻ ምስ ዝዀነ ሰብ ምምርዓው) ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ልሙድን ማሕበራዊ ቅቡልን ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።
ባህላዊ ስርዓታት ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ናይ ገንዘብ ብልጫ ዘለዎም፡ ዝዓበዩ ወይ ዝሓሸ ትምህርቲ ዝረኸቡ መሻርኽቲ ንኽደልዩ የተባብዕ እዩ።
ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ትካል ኣተሓሳስባ ስቪታስ ብሪጣንያዊት ስነማሕበረሰብን ፕሮፌሰር ተመራማሪትን ካትሪን ሃኪም፡ ነዚ ታሪኻዊ ጾታዊ ምውሳባት፡ ምስቲ ኣብዚ ዘበን ዝፍጠር ዘሎ ትምህርታዊ ማዕርነት ኣተኲራ ትርእዮ።

ምንጪ ስእሊ, Historical Picture Archive
ምስ ግዜ ዝቕየር ዘሎ ሓቂ
ኣብ ቀረባ እዋን ዝተረኽበ መረዳእታ፡ ሓድሽ ሓቅታት ዘንጸባርቕ እዩ።
ኣብ 2023 ኣብ ማእከል ምርመር ፒው ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ኣመሪካ ካብተን ኣብ ሓዳር ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ፡ 24 ሚእታዊት ካብ ሰብኡተን ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎን ኰይነን፡ እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 1972 ዝነበረ 19 ሚእታዊት ሓፍ ዝበለ እዩ።
እዚ ተመሳሳሊ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ 29 ሚእታዊት ሓዳር ክልቲኦም መጻምድቲ ኣስታት ሓደ ዓይነት ገንዘብ ከም ዝረኽቡ ኣረጋጊጹ።
እቲ ባህላዊ ስርዓት ገና ዓብላሊ ክኸውን ከሎ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሰብኡት ቀዳሞት ወይ ብሕታዊ ምንጪ ገንዘብ ሓንቲ ስድራ እዮም፣ 16 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ እየን ስድራ ዝኣልያ።
ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ብዝሒ ናይተን ምስ ሰብኡተን ማዕረ ወይ ልዕሊኡ ዝረኽባ ደቂ ኣንስትዮ ዳርጋ ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ።
እዚ ለውጥታት እዚ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ጾታዊ ስርዓታት ዝፈታተንን ኣብ ዙርያ ሓዳር ዝነበረ ሱር ዝሰደደ ሃዋሁ ዝቕይር ይምሰል።

ምንጪ ስእሊ, kkshepel/Getty Images
እዚ ሓድሽ ተርእዮ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መንጎ ዝምዕብል ርክብን ዝጸንሐ ማሕበራዊ ምርጫታትን ዘፍርስ ኰይኑ፡ ምቅሕሓር የስዕብ ኣሎ።
"ገለ ደቂ ኣንስትዮ ዝለዓለ ማሕበረ-ቍጠባዊ ደረጃ ዘለዎም ኣወዳት ክደልያ እንከለዋ፡ ብዙሓት ግን ልዕሊ እቲ ዝጸንሐ ባህላዊ ልማድ፡ ንስምዒታዊ ምትእስሳር፡ ናይ ሓባር ክብርታትን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ቀዳምነት ይህባ፡" ትብል ሚሸል ቤጊ፡ መጻምድቲ ኣብ ኢግናይት ዴቲንግ።
ንሳ ትብል፡ "እዚ ሓድሽ ተርእዮ፡ ናብ ጾታዊ ማዕርነታዊ መሰረት ዝገበረ ዝምድናታት ዝወስድ ዝንባለ ዘንጸባርቕ ኰይኑ፡ እቲ ትዅረት ኣብ ክንዲ እቲ ዝጸንሐ ልዑልን-ትሑትን ዝገብር ስርዓት፡ ኣብ ምሕዝነትን ውልቃዊ ዕግበትን መሰረት ዝገበረ'ዩ።"
ሚስ ሃኪም፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ትምህርታዊ ምዕሩይነት እቲ ዓብላላይ ግደ ምዃኑ ትዛረብ።
"ኣስታት ፍርቂ፡ ሓድሓደ ግዜ ግን ክሳብ ሰለስተ ርብዒ መጻምድቲ፡ ዳርጋ ዝመዓረረ ትምህርቲ ከም ዘለዎም ይሕብሩ፡" ክትብል ትገልጽ።
"ኣስታት ሓደ ሲሶ ኣንስቲ [ብትምህርቲ] ዝበልጹዎን ክምርዓዋ እንከለዋ፡ ብግምት ሓደ ሓሙሻይ ካብ ሰብኡት ድማ ብትምህርቲ ጸብለል ዝብለኦም ይምርዓዉ፣ ትምህርታዊ ማዕርነት ልሙድ እናኸዀነ ይመፅእ ኣሎ።"
ዓለማዊ ስርዓታት

ምንጪ ስእሊ, MarcoVDM/Getty Images
ኣብ ምዕራባውያን ኣለም፡ 'ሃይፖጋሚ' (ካባኻ ዝትሕት ምምርዓው) ዝያዳ ክረአ እንከሎ፡ 'ሃይፐርጋሚ' ግን ክሳዕ ሕጂ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ሰፊኑ ኣሎ።
ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሜሪላንድ ተመራማሪ ስነማሕበረሰብ ሶናልደ ደሳይ፡ ኣብ ህንዲ ገና ባህላዊ ልምዲ ዓብላልነት ከም ዘለዎን ዳርጋ 95 ሚእታዊት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓሌት ከም ዘጋጥምን ይሕብር።
ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ካብተን ዝለዓለ መጠን ምሩቓት ዩኒቨርሲቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዋ ሃገር ብምዃና ጽቡቕ ኣብነት እያ።
ይዅን እምበር፡ ብዙሓት ስድራቤታት ደቂ ተባዕትዮ ቀንዲ ወሃብቲ ኣገልግሎት ክዀኑ ስለ ዝጽበያ፡ 'ኣቦኣዊ' ስርዓታት ይቕጽል ኣሎ።
እዚ ድማ መጠን ናይተን "ቅቡል" መጻምድቲ ንምርካብ ዝቃለሳ ዝተማህራ ደቂ ኣንስትዮ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ሰብ-ሞያ ይዛረቡ።
እቲ ሓድሽ ወለዶ ደቂ ኣንስትዮ ግን ነዚ ባህላዊ ትጽቢታት ይፈታተኖ ኣሎ። ብዙሓት ንውልቃዊ ርእሰ-ምሕደራ፡ ሞያን ኣብ ዘመናዊ ሕብረተሰብ ኢራን ሓደርን ፍቕራዊ ርክባትን እንታይ ማለት ምዃኑ ከም ብሓድሽ ክረእ ገይረ ኣሎ ይብሉ።
ኣብ ቻይና፡ እቲ ጽያፍ ቃል "ሸንግ ኑ" (ተረፍ ደቂ ኣንስትዮ) ኣብ መወዳእታ 20ታት ወይ 30ታት ዕድመ ንዝርከባ ዝተምሃራ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ዝወሃብ መጸውዒ ኰይኑ፡ ሓደር ዘይሰምረለን ምዃኑ ዘርኢ እዩ።
ኣብ ጃፓን ድማ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብሰንኪ ቍጠባዊ ናጽነተን ድሌት ማዕረነት ጾታዊ ርክባትን ካብ ሓዳር ምድንጓየን ወይ ጠቕሊለን ሓዳር ዘይምግባር እናወሰኸ መጺኡ።
'ሳሕቲ ዝረአ'
ብኣንጻሩ ከም ብዓል ኖርወይን ሽወደንን ዝኣመሰላ ሃገራት ናይዚ ተቓራኒ እዩ።
ኣብዚ ክፋል ዓለም፡ ጽኑዕ ፖሊሲታት ጾታዊ ማዕርነት፡ እኹል ዕረፍቲ ወለድን ልዑል ተሳትፎ ስራሕ ደቂ ኣንስትዮን፡ ኣብ ሓዳር ማዕርነታዊ ርክብ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ።
ሚስ ሽታይበር፡ ደቂ ኣንስትዮ ካብኣተን ዝተሓተ ኣታዊ ዘለዎ ወይ ድማ ዝተሓተ ትምህርቲ ዘለዎ ወዲ ምምርዓው፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንደቂ ተባዕትዮ ዝያዳ ወጥሪ ከም ዝፈጥርን፡ "ንተባዕታይነት ክፈታተን" ከም ዝኽእልን ትገልጽ።
እንተዀነ፡ ኣብተን ዝማዕበላ ዝበሃለ ሃገራት ከይተረፈ፡ "ኣብ ኵሉ ቦታታት፡ ደቂ ተባዕትዮ ብተለምዶ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ወይ ኣንስቶም ዝበዝሕ ኣታዊ ይረኽቡ፣ ምኽንያቱ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣደታት ስራሕ ከቋርጻ ይግደዳ እየን፡" ትብል ሚስ ሃኪም።
"ኣብታ 'ማዕርነት ጾታ ዝፍለጣ' ስካንዲናቭያ'ውን እንተዀነ፡ ሰብኡት ብማእከላይ ገምጋም ኣስታት ሰለስተ ኢድ ኣታዊ ይረኽቡ። ልዑል ኣታዊ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ወይ ኣንስቲ ሳሕቲ እምበር ልሙድ ኵነታት ኣይኰነን፡" ትብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







