ብዛዕባ ምቍራጽ ንጥፈት ማህጸንን ሳዕቤኑን እንታይ ንፈልጥ?

ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ጥዕና ስነ-ተዋልዶ ምስ ሓካይም ብቀጻሊ ክመኽራ ይመዓድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ጥዕና ስነ-ተዋልዶ ምስ ሓካይም ብቐጻሊ ክላዘባ ይምከር

ደቂ ኣንስትዮ፡ ወርሓዊ ጽግያት ኣብ መጀመርታ ዕድመ ንእስነተን ይጅምራ።

ኣብ ከባቢ 50 ዓመት ዕድመን ድማ ወርሓዊ ጽግያት የቋርጻ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ማህጸን ንጥዕንአን ወሳኒ ዝዀኑ ከም ኢስትሮጅንን ቴስቶስትሮንን ዝኣመሰሉ ሆርሞናት የፍሪ።

ኢስትሮጀን፡ ብኣካላትና ዝስራሕ ዓይነት ሆርሞን ኰይኑ፡ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ባህርያት ንምምዕባልን ንምዕቃብን ከምኡ'ውን ንዕብየት ኣዕጽምቲ ዝሕግዝ እዩ። ቴስቶስትሮን ከኣ ኣብ ኣካላትና ኣገዳሲ ተራ ዝጻወት ናይ ጾታዊ ርክብ ሆርሞን እዩ።

ይዅን እምበር፡ ካብ 2 ክሳብ 4 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ማህጸነን ኣዝዩ ኣቐዲሙ ንጥፈቱ የቋርጽ እዩ። እዚ ድማ ካብ ዕድመ ንእስነተንን ክሳብ ቅድሚ 40 ዓመት ምምላአን ከጋጥም ይኽእል።

እዚ ኵነታት'ዚ ብኣግኡ ዘጋጥም ምቍራጽ ንጥፈት ማህጸን (premature ovarian insufficiency ወይ POI) ብዝብል ይፍለጥ።

መብዛሕትኡ ግዜ ብኣግኡ ዘጋጥም ምቍራጽ ንጥፈት ማህጸን ወይ ፒኦኣይ፡ ብውሑዱ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ወርሓዊ ጽግያት ኣብ ዘይረኣያ ትሕቲ 40 ዓመት ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮ ይርአ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ማህጸን እንቋቝሖ ንኽለቅቕ ብዝሕግዝ ካብ ሓንጎል ዝፍኖ ልዑል መጠን ሆርሞን ክልለ ይኽእል'ዩ።

ጥንሲ እናተጸበያ እንተ ዘይኰይነን፡ እዚ ሃንደበታዊ ምቍራጽ ፍርያት እንቋቝሖ፡ ኣብተን ኣብ ዕድመ ንእስነት፡ ዕስራ ወይ ሰላሳታት ዓመት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ብርግጽ ምሉእ ብምሉእ ስንባደ ከስዕበለን ተኽእሎ ኣሎ።

ስርዓተ ተዋልዶ ደቂ ኣንስትዮ
መግለጺ ስእሊ, ስርዓተ ተዋልዶ ደቂ ኣንስትዮ

ብተወሳኺ፡ እዚ ኵነታት መብዛሕትኡ ግዜ ማህጸን ስራሕ ምቍራጹ ስዒቡ ብዝፍጠር ለውጢ ሆርሞናት ብዘስዕቦም ካልኦት ምልክታት ዝተሰነየ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ገለ ካብዞም ምልክታት ዘይስሩዕ ወርሓዊ ጽግያት፡ ድሙቕ ሕብሪ፡ ረሃጽ ለይቲን፡ ቅሳነት ዘይብሉ ድቃስ፡ ድኻም፡ ለውጢ ስምዒት፡ ጭንቀትን ቅዛነትን ይርከቡዎም።

ዋላ'ኳ እቲ ኵነታት ዘለዎ ዝርግሐ ተዛማዲ እንተዀነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብልክዕ ስለምንታይ ከም ዘጋጥም ኣይፍለጥን።

ገለ ፍንጪታት ግን ኣለዉ።

ሓደ ካብቲ ዝፍለጥ ጠንቂ ፒኦኣይ፡ ኣካላት ንርእሱ ዘጥቅዓሉ ዓይነት ባዕለ-ብዩናዊ ሕማም እዩ። እዚ ድማ ከም ሕማም ጕሩንጕሪትን ዓይነት 1 ሕማም ሽኮርን ዝኣመሰሉ ካልኦት ሓያሎ ኵነታት ከስዕብ ይኽእል።

ይዅን'ምበር፡ እዚ ንምንታይ ከም ዝኸውን ብልክዕ ኣይተፈልጠን ዘሎ።

ገለ ደቂ ኣንስትዮ ብስነ-ሰረታዊ መንገዲ ንፒኦኣይ ክቃልዓ ከም ዝኽእላ ይፍለጥ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ኵነታት ኣብ ስድራቤታት ስለ ዝርአ እዚ ካብ መጀመርታ ክፍለጥ ይኽእል።

ከምዚአን ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጾታ ክሮሞዞም ስነ-ሰረታዊ ለውጢ ክህልወን ይኽእል'ዩ፣ ወይ'ውን ምናልባት፡ ኣብ እዋን ውልደት ጓል ኣንስተይቲ ካብቲ ንቡር ክልተ ንላዕሊ ሓደ ኤክስ ክሮሞዞም ክህልዋ ዝገብር ምዝባዕ ክሮሞዞም ወይ 'ተርነር ሲንድሮም' ክህልወን ይኽእል'ዩ።

ዘይረኣዩ ጽልዋታት

ማህጸንን ዘይንጡፍ ምዃኑን ምስዚ ዝመጽእ ምቍራጽ ምፍራይ ሆርሞንን፡ ኣብ ሓጺርን ነዊሕን ግዜ ኣብ ኣካላትና ዓቢይ ጽልዋ የሕድር።

እዚ ድማ ቅልጡፍ ምቍራጽ ንጥፈት ማህጸን (ፒኦኣይ) ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ፡ ሕማም ልብን ስርዓተ ደምን፡ ወቕዒ ልቢ፡ ወቕዒን ዋላ'ውን ድኻም ልብን ክህልወን ዘሎ ተኽእሎ ብዕጽፊ ክውስኽ ይገብር።

ፒኦኣይ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ እንተ ዘይተሓኪመን ዕድመአን ክሓጽር ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ዝዀነሉ ድማ ብቐንዱ ትሑት መጠን ኢስትሮጅን ኣብ ሻምብቆታት ደም ስብሒ ብምእካብ ንሓደጋ ጸገማት ልቢ ከቃልዐን ስለ ዝኽእል እዩ።

ይዅን እምበር፡ ነቲ ትሑት መጠን ኢስትሮጅን ብመድሃኒት ምትካእ ነዚ ሓደጋ ክንክዮ ከም ዝኽእል መጽናዕትታት ይሕብሩ።

ትሑት መጠን ኢስትሮጅን ምንካይ ዕቤት ዓጽሚ'ውን ከስዕብ ይኽእል'ዩ። እዚ ድማ ኣብ መወዳእታ እንተላይ ኣብ ትሕቲ 50 ዓመት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ከይተረፋ፡ ንሓደጋ መስበርቲ ዓጽሚ ክቃላዓ ይገብር።

ብተወሳኺ፡ ፒኦኣይ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ፡ ምንቍልቋል ተገንዝቦኣዊ ዓቕሚ ከጋጥመን ሓደጋ ኣሎ።

ከም ሕማም ረሲዕን ምዝሕታል ሓንጎልን (ኣልዛይመርን ፓርኪንሰንን) ከምኡ'ውን ከም ጭንቀት ዝኣመሰሉ ጸገማት ኣእምሮ ክጋደዱን ብሰንኪ'ዚ ድማ ክሳቐያን ዘሎ ተኽእሎ'ውን ልዑል እዩ።

ብኣግኡ ዘጋጥም ምቁራጽ ንጥፈት ማህጸን (ፒኦኣይ) ኣስታት 3 ሚእታዊት ካብ ኣብ ትሕቲ 40 ዓመት ዕድመ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ የጥቅዕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብኣግኡ ዘጋጥም ምቍራጽ ንጥፈት ማህጸን (ፒኦኣይ) ኣስታት 3 ሚእታዊት ኣብ ትሕቲ 40 ዓመት ዕድመ ካብ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ የጥቅዕ

እቲ ኵነታት ኣብ ጥዕና ስነ-ተዋልዶ'ውን ጽልዋ ኣለዎ። ብሰንኪ'ዚ ምንጻል ወይ ምጭንጋፍ ጥንሲ ከጋጥም ይኽእል።

ይዅን'ምበር፡ ንጥፈታት ማህጸን ፍልልይ ክህልዎ ስለ ዝኽእል፡ ፒኦኣይ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምጥናስ ውሑድ ዕድል ኣለወን። ስለዚ፡ ድማ ዘይተደልየ ጥንሲ ንምክልኻል መከላኸሊ ጥንሲ ክጥቀማ ይምከር።

እቲ ቀንዲ ነጥቢ፡ ቅልጡፍ ምቍራጽ ንጥፈት ማህጸን - ፒኦኣይ - ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብሰንኪ'ዚ ክመጽእ ዝኽእል ሰፊሕ ሳዕቤን ንምክልኻል፡ ብኣድማዒ መንገዲ ክሕከማን ብዝተፈላለየ ሕክምናዊ ክኢላታት ክረኣያን ኣለወን።

ከም ውጽኢቱ ከኣ እቲ ኵነታት ዘበገሶም ብዙሓት ሳዕቤናት ናብ ንቡር ክምለሱን ዕድመ ናይተን በዚ ሕማም ዝሳቐያ ደቂ ኣንስትዮ ክናዋሕን ምግባር ይከኣል እዩ።