ኣድማ ጾታዊ ርክብ እንታይ እዩ? ኣበይ’ከ ተጀሚሩ?

ምንጪ ስእሊ, BBC THREE / ISTOCK
ኣድማ ጾታዊ ርክብ ክበሃል እንከሎ መብዛሕትኡ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ዝሓዘት ጉጅለ፡ ገለ ዝዀነ ዕላማ ንምዕዋት ጾታዊ ርክብ ምኽልካል ዘጠቓልል ኣገባብ ማለት እዩ።
ኣመሪካዊት ተዋሳኢትን ተቓላሲት #MeTooን ኣሊሳ ሚላኖ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ግዝኣት ጆርጅያ ዝወጸ ጽኑዕ ሕጊ ምንጻል ጥንሲ ተቓውሞአን ንምግላጽ ምስ ደቂ ተባዕትዮ መጻምድተን ጾታዊ ርክብ ከቋርጻ ካብ ትጽውዕ ኣትሒዙ፡ ከምዚ ዝበለ ኣድማ ኣብ መላእ ዓለም ከካትዕ ጸኒሑ’ዩ።
ኣሊሳ ሚላኖ ኣብ ትዊተር፡ "ኣካላዊ ርእሰ-ምሕደራ ክሳብ እንረክብ ጾታዊ ርክብ ብዘይምፍጻም ምሳይ ተጸንበራ" ኢላ ነይራ።
"ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ ናይ ገዛእ ርእስና ኣካላት ሕጋዊ ቁጽጽር ክሳብ ዘይሃለወና፤ በቃ ኣብ ሓደጋ ጥንሲ ክንወድቕ ኣይብልናን" ትብል።
ድሒራ ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ ድማ፡ “እዚ ዓይነት ተቓውሞ፡ ኣብ ክትዓት ጥዕና ካብቲ ልሙድ ዛዕባታት ዝያዳ ትዅረት ክስሕብ ተኽእሎ ኣሎ። ኵሉ ሰብ ኣብቲ ጉዳይ ቅልጡፍ ስጉምቲ ከምዘድሊ ንምርዳእ ዝሕግዝን መንገዲ እዩ” ኢላ።
ግብረ መልሲ ናይ’ቲ ዝቐረበ ተቓውሞ ዝተኸፋፈለ ነይሩ፤ ገሊኦም ኣድላዪ ጽንኩር ስጉምቲ እዩ ክብሉ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ጌጋ ኣረኣእያ ዘቕርብን ንኤልጂቢቲ ደቂ ኣንስትዮ ሸለል ክብል ዝኽእልን ምዃኑ ገሊጾም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ገሊኦም ነቲ ኣድማ ደጊፎም ነይሮም። ምኽንያቱ ክገልጹ እንከለዉ ድማ ጾታዊ ርክብ ዘይምፍጻም ሓደ ዓይነት ኣገባብ ምክልኻል ጥንሲ ስለዝዀነ፡ ውሑድ ምንጻል ጥንሲ ከስዕብ ከምዝኽእል ይዛረቡ።
ኣብ ጾታዊ ርክብን ጾታን መጽናዕቲ እተካይድ ከምኡ'ውን ነቲ ጾታዊ ኣድማ ክትነቅፍ ዝጸንሐት ኣመሪካዊት ተመራማሪት ስነ-ልቦና ፔጊ ድሬክስለር፡ ኣብቲ ሓሳብ ሓያሎ ጸገማት ኣለዉ ኢላ ከም እትሓስብ ኣብቲ እዋን ንቢቢሲ ገሊጻ ነይራ።
"እቲ ዝዓበየ ጉድለት፡ ከምቲ ኣሊሳ ሚላኖ ዝጸውዓቶ፡ ኣድማ ጾታዊ ርክብ፡ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽማ ንደቂ ተባዕትዮ ንምሕጓስ፡ ወይ ቆልዓ ንምውላድ ጥራይ እዩ ዝብል ሓሳብ ንምጥንኻር ዘገልግል ኰይኑ ይስምዓኒ" ትብል።
እታ ዶክተር ወሲኻ፡ “ብርግጽ ኣሊሳ፡ እቲ ጾታዊ ኣድማ ንደቂ ተባዕትዮ ንምቕጻዕ ክግበር ከምዘለዎ እያ ኣመልኪታ። ግን ኵለን ደቂ ኣንስትዮ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ጾታዊ ርክብ ኣይገብራን እየን” ኢላ።
እቲ ኣድማ፡ ዋላ’ውን ስሕተት እንተሃለዎ ኣዝዩ ንቕሓት ዘዕበየን ኣቓልቦ ዝሰሓበን ከምዝመስላ ኣይሓብአትን።

ምንጪ ስእሊ, BRENDAN SMIALOWSKI/AFP/GETTY IMAGES
ኣድማ ጾታዊ ርክብ ኣበይ ተጀሚሩ?
ኣድማ ጾታዊ ርክብ ኣብ ታሪኽ ንፈለማ እዋን ዝተጠቐሰ ኣሪስቶፋነስ ብ411 ቅ.ል.ክ. ኣብ ዝጸሓፋ ‘ሊሲስትራታ’ ዘርእስታ ጥንታዊ ግሪኻዊ ድራማ እዩ።
ኣብታ ድራማ፡ ሓደ ገጸ ባህሪ፡ ደቂ ኣንስትዮ ንኲናት ፔሎፖነዥያ ብሰላማዊ መንገዲ ክሳብ ዝዛዘም ምስ ሰብኡተን ምድቃስ ከቋርጻ ይጽውዕ።
ድሕሪ ኣስታት 2000 ዓመታት ማለት ኣብ 1530ታት ደቂ ኣንስትዮ ኒካራጓ እውን ነዚ ሜላ ተጠቒመን ኣንጻር ንግዲ ባሮት ስጳኛ ተቓውሞአን ከምዘስምዓ ይግለጽ።
ደቂ ኣንስትዮ ኒካራጓ ደቀን ባሮት ኰይኖም ከምዘይውለዱ ከረጋግጻ ቆሪጸን ከምዝነበራን፡ ስለዚ ድማ ‘ኣድማ ማህጸን’ ዝበሃል ስጉምቲ ከምዘበገሳን ይንገር።
ዘመናዊ ታሪኽ
ኣብዚ ዝያዳ ዘመናዊ ግዜ እውን፡ ጾታዊ ኣድማ ኣብ መላእ ዓለም ህቡብ ኣምር ምዃኑ ተረጋጊጹ’ሎ።
ኣብ 2003 ኣብ ላይበርያ ሌይማ ግቦዊ ዘካየደቶ ፍሉጥ ፈተነ ኣሎ። ንሳ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ኣዋዲዳ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዝነበረ ኣረሜናዊ ኲናት ሓድሕድ ንኸብቅዕ ጎስጓስ ኣካይዳ።
ሓደ ካብቲ ሜላኣ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ንሰብኡተን ጾታዊ ርክብ ክኽልክላ ዘቕረበቶ ሓሳብ ኰይኑ፡ ኣብ 2011 ሽልማት ኖቤል ሰላም ክትዕወት ክኢላ እያ።

ምንጪ ስእሊ, PIUS UTOMI EKPEI/AFP/GETTY IMAGES
ሌይማ ግቦዊ ብዛዕባ ኣድማዕነት ኣድማ ጾታዊ ርክብ ክትዛረብ ከላ፡ ዋላ’ኳ እቲ ዝሃበቶ ሓሳብ ኣብ ግብሪ እንተዘይወዓለ፡ እቲ ስግኣት ጥራይ ግን "ኣቓልቦ ሰባት ኣብ ምርካብ" ጠቓሚ ከምዝነበረ’ያ ትገልጽ።
“ጾታዊ ርክብ ፍሉይ ነገር’ዩ፡ ብዙሓት ሰባት ድማ ነውሪ ኣርእስቲ’ዩ ይብሉ” ክትብል ኣብ 2012 ንጋዜጣ ሃፊንግተን ፖስት ተዛሪባ ነይራ።
“ሓደ ሰብ ናብ ኣቓልቦ ህዝቢ ከቕርቦ ክደፍር ከሎ ግን ክልተ ውጽኢት ኣለዎ። ሰባት ‘መን’ዩ እዚ ዝገብር ዘሎ?’ ክብሉ ይጅምሩ’ሞ፡ ሽዑ ድማ እቲ ነዚ ዝገብር ዘሎ ሰብ እንታይ ንምጉላሕ እዩ ጾታዊ ርክብ ዝጥቀም ዘሎ ኢሎም ክሓቱ ይጅምሩ። ደቂ ተባዕትዮ ድማ ክሓስቡ ይገብሮም... ‘እዚ ኲናት ጌጋ’ዩ’ እናበሉ ምስ መሳርሕቶምን ቢራ መሳቲ መሓዙቶምን ክዘራረቡ ይጅምሩ።” ትብል።
እቲ ኣብ ላይበርያ ዝተፈጸመ ተግባራት ንብዙሓት ተመሳሰልቲ ጎስጓሳት ዘነቓቕሐ ነይሩ። ኣብ 2009 ኣብ ኬንያ ደለይቲ ፍትሒ ደቂ ኣንስትዮ ኣንጻር ውሽጣዊ ውግእ መንግስቲ ንምቅዋም ንሓደ ሰሙን ዝጸንሕ እገዳ ጾታዊ ርክብ ምስ ጀመራ ኣንስቲ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን እታ ሃገር ከይተረፈ ክጽንበራኦ ጸዊዐን።
ፈደረሽን ጠበቓታት ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ወፍሪ ኬንያ ዝነጥፋ ትካላት እያ። ፈጻሚት ዳይረክተር ናይዚ ትካል ፓትሪሻ ንያውንዲ፡ ኣብቲ እዋን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ዓበይቲ ውሳነታት ኣብ ዓራት ይውሰድ እዮም፤ ስለዚ እተን ክልተ ኣንስቲ ኣብታ ቅርበት ዘለዋ ህሞት ንሰብኡተን፡ 'ፍቕረይ፡ ብዛዕባ ኬንያ ገለ ክትገብረላ ትኽእል’ዶ?' ኢለን ንኽሓትታ ኢና ጠሊብና" ኢላ።
"ዋላ'ውን ፋይቶታት ኣብቲ ንሃገር ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ወፍሪ ክጽንበራ ይግባእ" ክትብል ወሲኻ ምግላጻ ይዝከር።
ኣብ 2008፡ ኣማኢት ደቂ ኣንስትዮ ናፖሊ፡ መጻምድተን ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ሓደገኛን ዘይሕጋውን ርችት ካብ ምትኳስ ክቑጠቡ እንተዘይተሰማሚዖም ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ከምዘቋርጻ ተሓንየን፤ እዚ ሓሳብ ድማ ናብ ኤውሮጳ ከይተረፈ ቅቡልነት ረኺቡ።
ኣብ 2011፡ መሻርኽቲ ፖለቲከኛታት ቤልጅየም፡ መንግስቲ ክሳብ ዝምስረት ኣድማ ጾታዊ ርክብ ከካይዳ ተማሕጺኖም ነይሮም፤ -ዋላ'ኳ እቲ ብድሕሪኡ ዝነበረ ፖለቲከኛ ድሒሩ ዋዛ ጥራይ ምዃኑ እንተገለጸ።

ምንጪ ስእሊ, TONY KARUMBA/AFP/GETTY IMAGES
ከምኡ’ውን ኣብ ቀረባ ኣብ 2017 ሓንቲ ኣባል ባይቶ ኬንያ፡ ደቂ ኣንስትዮ ክሳዕ ተመዝጊበን ምምራጽ ዝኽእላ ምስ ሰብኡተን ጾታዊ ርክብ ከቋርጻ ምጽዋዓ ይዝከር።
ወካሊት ደቂ ኣንስትዮ ሚሺ ምቦኮ፡ "ደቂ ኣንስትዮ እዚ ክኽተልኦ ዝግበእ ስትራተጂ'ዩ። እቲ ዝበለጸ'ዩ። ክሳዕ ናይ መረጽቲ ካርድኽን ዘርእዩኽን ጾታዊ ርክብ ክልእኦም" ኢላ።
ፖለቲካ ጥራሕ ድማ ኣይኰነን። ኣድማ ጾታዊ ርክብ ህዝባዊ ባህሊ ኣብ ምልዕዓል እውን ይውዕል ኣሎ።
ኣብታ ኣብ 2015 ብሊሲስትራታ ተደጊፋ ብስፓይክ ሊ ዝተዳለወት ‘ቺ-ራግ’ ዘርእስታ ናይ ገበን ኮሜዲ ፊልም፡ ኣብ ቺካጎ ዝፍጸም ዓመጽ ንምውጋድ ኣፍቀርትን ኣንስቲን ኣባላት ጕጅለታት ኣድማ ጾታዊ ርክብ የካይዳ።
ስለዚ እቲ ኣድማ ጾታዊ ርክብ ውጽኢታዊ ድዩ? ወይ’ውን ስነ-ምግባራዊ ድዩ? እዞም ሕቶታት እናቐጸሉ ይርከቡ። እዞም ዝተጠቐሱ ፍጻመታት ግን ናይ መወዳእታ ክዀኑ ከምዘይኽእሉ ታሪኽ ይሕብር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







