ኢትዮጵያ፡ 'ሓደ ወዲ ን10 ኣዋልድ' ኣዘራራቢ መደብ 'ኣለሻ ፍቕሪ'

ምንጪ ስእሊ, D!nkTV
ወዲ ምስ ጓል ይራኸብ፣ እታ ጓል ኣብ ፍቕሪ ትወድቕ፣ ምስተን ኣብ መጻወድያ ፍቕረን ከእትዋኦ ዝጽዕራ ካልኦት መወዳድርታ ደቂ ኣንስትዮ ትወዳደር፣ ኣብ መወዳእታ እቲ ወዲ ከም ዘፍቅራ ይገልጸላ።
እዚ ዓይነት ዛንታ ፍቕሪ፡ ኣብ ከም 'ላቭ ኣይላንድ'፡ 'ላቭ ኢዝ ብላይንድ'፡ ከምኡ'ውን 'ዘ ባችለር' ዝኣመሰሉ ምርኢታት ተለቪዥን ልሙድ እዩ።
እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ዓይነት ግን፡ ነዚ ዝቕይር ዝተፈልየ እዩ። ኣብቲ 'ላጤ' ተባሂሉ ዝፍለጥ መደብ ተለቪዥን፡ ኣዳላዊት መደባት ቤተል ጌታሁን፡ ንወኪል መድሕን መሳያ ሃይለመስቀል ተዓዊታትሉ።
ኣበጋግሳ መደብ 'ላጤ' (ብኣምሓርኛ ንነጨበረር - ዘይምርዕው ወይ ዘይምርዕውቲ - ዝገልጽ ቃል እዩ) ነቲ 'ዘ-ባችለር' ዝተሰምየ ውሩይ መደብ ኣመሪካ ዘንጸባርቕ እዩ ነይሩ።
ዓሰርተ ደቀንስትዮ ንፍቕሪ ሓደ መሳያ ዝተባህለ ኣብ ዳላስ ዝዓበየን ዝነብርን ወዲ 38 ዓመት ኢትዮጵያዊ ኣመሪካዊ ክወዳደራ ነይርወን።
ኣብ ምሉእ እቲ ተኸታታሊ መደባት፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጸወታታት ጕስጢ፡ ውድድራት ኩዕሶ ሰኪዐትን ንመወዓውዒ ፍርናሽ ዘንጸባርቕ ካብ ንቡር ኣገባባት ውጽእ ዘበለ ውድድራት ኣካይደን።
እዚ ብመንገዲ ዩቱብ ዝፍኖ መደብ ላጤ፡ ኣብቲ ጉዳይ ዕርክነትን ፍቕርን ከም ብሕታዊ ጉዳይ ዝርኣየሉ ባህሊን ሕብረተሰብን ኣዘራራቢ ኣርእስቲ ፈጢሩ እዩ።
እታ ኣብዚ መደብ ዝተዓወተት ጓል 25 ዓመት ቤተል፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ፍሉይ መደብ ምዕዋታ፡ "ልዕለ-ክውንነት" (ሱርያል ወይ ሕልሚ) ኰይኑ ከም ዝተሰምዓ ንፖድካስት ቢቢሲ ፎከስ ኦን ኣፍሪቃ ገሊጻ።
ኣብቲ ልዕሊ 620,000 ተረኣይነት ዝቐረበ ቀጥታዊ ፈነወ መዛዘሚ ውድድር፡ ዓወታ "ማዕርግ ክብሪ፡" ኰይኑ ከም ዝስምዓ ገሊጻ።
እንተዀነ፡ ኵሉ ሰብ ከምዚ ዝበለ ሓደ ዓይነት ስምዒት የብሉን።
"ኣምር ምርኢት ዕርክነት ምሉእ ብምሉእ ሓሳብ ምዕራባውያን'ዩ፡" ይብል ኢትዮጵያዊ ቭሎገር ሰመረ ካሳየ (ሰመረ ባርያው)።
"ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዕርክነት ወይ ፍቕሪ ብሕታዊ ጉዳይ'ዩ፤ ብጥንቃቐ እናተሓብሓበ ድማ ኣብ ደረጃ ብስለት ምስ በጽሐ ጥራሕ እዩ ናብ ስድራቤት ወይ ሕብረተሰብ ዝቐርብ።"
እቲ ምርኢት ክብሪ ደቀንስትዮ ዘጕድልን ከም ኣቕሓ ክርኣያ ዝገበርን ኰይኑ ከም ዝስምዖ፡ እቲ ወዲ 41 ዓመት ሰመረ ይገልጽ።
ሓያሎ ተዓዘብቲ ተመሳሳሊ ርእይቶኦም ኣንጸባሪቘም፤ ሓደ ኣብ ዩቱብ ርእይቶኡ ዝሃበ ሰብ፡ "ደቀንስትዮ፡ ብዓል ገንዘብ ብቐሊሉ ዝወስደክን ኣቕሓ ኣይኰንክንን፡" ክብል ጽሒፉ።
ካልእ ወሃቢ ርእይቶ ድማ፡ "ኣብ ኣቀራርባ እቲ መደብ ብዙሕ ፈጠራውነት ተራእዩ እዩ፤ ኣንጻር ባህሊ እንተዀይኑ ግን እንታይ ረብሓ ኣለዎ?" ኢሉ።
ቤተል ብወገና፡ እቲ ደቀንስትዮ ብቕሉዕ ንሓደ ንወዲ ክወዳደራ ዝብል ኣምር ብርግጽ ምስ ልምድታት ኢትዮጵያ ዝጋጮ እዩ ብምባል፡ እንተዀነ እቲ ምርኢት ዝያዳ ኣገዳሲ ምዃኑ ትምጕት።
"ምሉእ ሓሳብ እቲ ምርኢት ንዝተፈላለያ ዓይነት ደቀንስትዮ ምውካል'ዩ፡" ትብል።
"ነቶም ክፋላት እቲ መደብ እንተ ተዓዚብኩም፡ ዝተፈላለያ ደቀንስትዮ፡ ብዙሕ ዝተፈላለየ ቃልሲ፡ ድሕረ-ባይታ፡ ብሓፈሻ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ ዘይተወከለ ወይ ዘይተገልጸ ብዙሕ ዝተፈላለየ ዓይነት ነገራት ክትዕዘቡ ትኽእሉ ኢኹም።"
መደብ ላጤ ድማ በዚ መዳይ እዚ ከም ዝዕወት ኣየማትእን። ኣካየድቲ ሆቴላት፡ ሰራሕተኛታት በረራን ክኢላታት ሕሳብ ወዘተ ዝኣመሰለ ሞያታት ዘለወን ደቀንስትዮ ቅልጡፍ ምትእስሳር ብምፍጣር፡ ውልቃዊ ዛንታአን ኣብ ሓድሕደንን ምስ ተዓዘብትን ኣካፊለን እየን።
ኣብ ሓደ ካብቲ ዝያዳ ልቢ ዝሰብር ምርኢታት፡ ተዋሳኢት ቪቭያን ኣሚር፡ ካብታ ንዅሎም ዜጋታት ንዘይተወሰነ ግዜ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት እተገድድ ጐረቤት ሃገር ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝሃደመት እዩ።
ቪቭያን በይና ናብ ኢትዮጵያ ተጓዒዛ ንሓሙሽተ ዓመት ኣደኣ ከም ዘይረኣየት ትዛረብ።
"ኣዝየ እየ ዝናፍቓ፡" ትብል እናነብዐት።
ካልእ'ውን ዝተፈላለየ ስራሕ ብምስራሕ ንኣሕዋታ ክትናቢ ትምህርታ ከም ዘቋረጸት እትገልጽ ራሄል ዝተባህለት ሞዴል፤ ካልኦት ድማ ውሽጣዊ ስምዒታተንን ንዘዕበዩወን ዘለወን ኣኽብሮትን ዝገልጻ ነይረን።
መደብ ላጤ፡ ክውንነት እዘን ደቂ ኣንስትዮ - ከምኡ'ውን ፍቕራዊ ድሌታተን ብምቕላዕ - "እዋናውነት ትሕዝቶ" ከም ዘደልድል ኣፍራዪት መታሰብያ ዮሴፍ ንቢቢሲ ትዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Bethel Getahun
መደብ ላጤ ዝተመሓላለፈሉ ድንቅ-ቲቪ ሓባራዊት መስረትቲ ዝዀነት ወ/ሮ መታሰብያ፡ እቲ መደብ ምንዋጽ ፈጢሩ እዩ፤ እንተዀነ ባህሊ ኢትዮጵያ ካብ ምንሻው ግን ኣመና ዝረሓቐ እዩ ትብል።
"ቀዳማይ ነገር - ልዕሊ ዓቐን ጾታዊነት ዘለዎ መደብ ኣይኰነን፡" ብምባል፡ ከምዚ "እስከ ንፋለጥ" ዘሎ ዓይነት ደረጃ ዕርክነት ምዃኑ ትገልጽ።
ኣብ ርእሲ'ዚ፡ እቲ ምርኢት ንተዓዘብቱ ኣብ ኣምር ባህሊ፡ "ባህልና እንታይ እዩ? ንሕና እንልውጦ ድዩ?" ኣብ ዝብሉ ሕቶታት ክመራመሩ ዝገበረ ምዃኑ ተረድእ።
ብኻልእ መዳይ ንኸምዚ ዝበለ ዓለምለኻዊ ምርኢታት 'ሪያሊቲ ሾው' ምስ ክውንነትን ባህሊን ኢትዮጵያ ኣጠዓዒምካ ክቐርብ ምኽኣሉ ንብዙሓት ኣሐጒሱ እዩ።
ሓደ ነቲ ምርኢት ዝደገፈ ወሃብ ርእይቶ፡ ከም ሕብረተሰብ ክሳብ ክንደይ ዓቀባውያን ምዃንና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ዝተገብረ ድፍረት ኣመና አድንቕ፤... ካብ ቀደም ኣትሒዘ ካልኦት ምርኢታት ምስ ኢትዮጵያዊ ክውንነት ተጠዓዒሞም ክቐርቡ ክርኢ እደሊ ነይረ እየ። እዚ ለውጢ ዝፈጥር ህሞት'ዩ፡" ክብል ጽሒፉ።
ካልኣይ ተዓዛቢ እውን፡ "ዘ ባችለር ኣብ ኢትዮጵያ ክርኢ ሓሲበ'ውን ኣይፈልጥን፣ ነቲ መደብ ህያው ንምግባር ብሉጽ ስራሕ ሰሪሕኩም፡" ክብል ኣድናቘቱ ጽሒፉ።
በዚ ዓወት ተደሪኹ፡ ድንቅ-ቲቪ ካልኣይ ተኸታታሊት መደብ ከዳሉ ወጢኑ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, D!nkTV
ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ሓንቲ ጓል ካብ 10 ተስፋ ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮ ሓደ መጻምድቲ ክትመርጽ ምዃና መታሰብያ ሓቢራ።
"ካብ ተዓዘብቲ ብዙሕ ግብረ መልሲ ተቐቢልና ኣለና፣ ብዙሓት ሰባት እቲ ተራ ተገልቢጡ ክርእዩ ይደልዩ፡" ክትብል ትገልጽ።
ጉዳይ ቤተልን መሳያንከ? እቲ ዘሕዝን ዛንታ ፍቕሮም ምቍራጹ እዩ።
"ኣብዚ እዋን ምስ ወዱ ኣብ ኣመሪካ ስለ ዘሎ - ነዊሕ ርሕቀት'ዩ፤ ስለዚ ናይ ብሓቂ ከቢድ'ዩ... ብመሰረቱ ኣንፈቱ ናበይ ምዃኑ ኣይፈልጥን'የ፡" ትብል።
ቤተል ምስ መወዳድርታ ጽቡቕ ቅርበት ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ ሕጂ'ውን ከም ዝራኸባ ትገልጽ።
ላጤ፡ መርኣያ "ፍቕራዊ ወገን ኢትዮጵያ" ምዃኑ ከም እትሕበን ብምግላጽ፡ እቲ ምርኢት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ ዝሓሸ ውክልና ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝመርሕ ትኣምን።
ደቂ ኣንስትዮ ሓሳባተን ዝገልጻሉን ንነብሰን ዝርእያሉን ሓድሽ ኣገባብ ምዃኑ ድማ ትገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







