ብዙሕ ዘይዝረበሉ ሳሓ ብልዕቲ ዘስዕብ ጸገም እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብዙሓት ደቀንስትዮ ኣብ ከባቢ ብልዕተን ሳሓ ይገብረለን'ኳ እንተኾነ ካብ ሕፍረት ዝተላዓለ ሕክምናዊ ሓገዝ ካብ ምሕታት ሰገጥ ይብላ።
እዚ ሰጊረን ናብ ሰብ ሞያ ዝኸዳ'ውን እንተኾና ነቲ ልክዕ ጠንቕን: ሕማመን እንታይ ምዃኑ ንምልላይ ንዓመታት ካብ ሓኪም ናብ ሓኪም ዝኽርትታ ብዙሓት እየን።
ንምዃኑ ብዙሕ ዘይዝረበሉ ሳሓን ቀጭቀጭታን ዘስዕብ 'ቩልቫል ላይከን ስክለሮሰስ' እንታይ እዩ?
ነቲ ንሓካይም ከለልይዎ ዘጸገመን፡ ሕማመን እንታይ ምኳኑ ንኽፈልጣ ዝያዳ 10 ዓመት ዝወሰደለን ተሓከምቲ ደቀንስትዮ ንተሞክሮኤን ኣካፊለን ኣለዋ።
ጓል 52 ዓመት ክሌር ባምሁዋር ፡ ንፈለማ እዋን ሳሓ ዝገበረላ ግዜ ገና ጓል 5 ዓመት እንከላ ብምንባሩ "ንኩለን ደቀንስትዮ ዘሳሕየን መሲልኒ ኔሩ፡" ብምባል እቲ ኣብ ከባቢ ኣፍ ብልዕቲ ዝኽሰት ሰሓ ንኹለን ደቂ ኣንስትዮ ዝገጥመን መሲልዋ ምንባሩ ትዛረብ።
"ኩሉ ግዜ የሳሓየኒ ብምንባሩ፡ስለዝሓኮ ጭንዳሕን ዝደሚ ቁስልን ኔርኒ። ዓይኒ ምድሪ ኣብ ዝጥቀመሉ ድማ ኣዝዩ የሕምመኒን ሓውሓው ይብለንን ኔሩ፡" ብምባል ንክትንቀሳቀስ ኮነ ኮፍ ክትብል ትጽገም ምንባራ ተረደእ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ብዙሓት ሓካይም ከይዳ ተመርሚራ። ሲስቲትስ/ cystitis ወይ ካልእ ከም ትራሽ/ thrush ዝኣመሰሉ ረኽስታት ከምዘለዋ'ኳ እንተነገርዋ፡ ካብቲ ዝተዋህባ ፍወሳ ግን ዋላ ሓደ ኣይሰርሐን።
ክልተ ደቃ ኣብዝሓረሰትሉ'ውን እንተኾነ፡ ንሸሞንተ ግዜ ብምኩራት መሕረስቲ ተመርሚራ'ኳ እንተነበረት ዝኾነ ዘይንቡር ነገር ኣቃሊዑ ኣይፈልጥን።
ኣብ 2016 ግን ኣብ ቖርበታ ብዘጋጠማ ጸገም ናብ ሓኪም ድሕሪ ምኻዳ፣ ካብ ቲሹታታ ብምውሳድ ተመርሚሩ። ሻቡ ድማ እዩ ጓል 43 ዓመት ምስ ኮነት ናይ ቩልቫል ላይከን ስክለሮሰስ [vulval lichen sclerosus] ጸገም ከምዘለዋ ክፍለጥ ዝተካእለ።
እዚ ኣብ መላእ ዓለም ትሑት ትኹረት ከምዝተገብረሉን ብዙሕ ግዜውን ግጉይ ናይ ምርመራ ገምገማ ከምዝወሃቦ ክኢላታት ዝኣምኑሉ ናይ ቆርበት ሕማም፡ ኣብ ቆርበት ብልዕቲ ጻዕዳ ምልክት፡ሳሓ፡ በሰላን ኣናቶማዊ ለውጥታትን ከስዕብ ይኽእል'ዩ።
እዚ ድማ ዓቐን ርሕሚ ክውስኽ ወይ ክቕንስ ብምግባር ኣብ እዋን ምሕንባስ፡ ምሻንን ጾታዊ ርክብ ኣብ ዝፍጽመሉ እዋን ዘይምቹእነት የስዕብ።
እዚ ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ዝጸሉ'እኳ እንተኾነ፣ ልዕሊ 50 ዓመት ኣብ ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮ ግን ዝያዳ ይርአ።
ሓካይም ብትሑት መጠን ምዃኑ ዝገልጽዎ ፣ መንሽሮ ከንፈር ብልዕቲ (vulval cancer )ናይ ምምዕባል ሓደጋ ከስዕብ'ውን ይኽእል'ዩ።
ክሌር ምንኣስ ከንፈር ርሕማን ጉድበኣ ምስቲ ኣብ ከባቢ ዘሎ ቆርበት ምሕዋሱ ድሕሪ ምስትዋዓላ፡ መንሽሮ ከንፈር ብልዕቲ (vulval cancer ) እውን ኣማዕቢላ ምንባራ ትጠቅስ።
'ይሓፍር ነይረ'

ኣብቲ ኩሉ ዝተመርመረቶ እዋናት ኣቀዲማ ጸገማ ዘይምፍላጣ፣ ቅልጡፍ ፍታሕ ከይተናዲ ከምዝገበራ ብምጥቃስ ድማ 'ዘሕፍርዩ' ብምባል ከምዘሕረቃ ትገልጽ።
እቲ ዳርጋ ንመሉእ ሂወታ ዘሸግራ ዝነበረ ጸገም፡ የሕፍራ ስለዝነበረ ድማ ንበዓል ቤታ ከይተረፈ ድሒራ ናብ መንሽሮ ምስ ማዕበለ እያ ነጊራቶ።
"የሕፍረኒ ስለዝነበረ ሓቢኤሉ እየ ኔረ። ቀጭቀጭ የብለኒ የሳሕየኒ ብምንባሩ ንጾታዊ ርክብ ኣብ ዝሓተተኒ እዋን ኣመኻንየ ካብቲ ዘቐንዝወኒ ርክብ ይሃድም ኔረ። ምኽንያቱ እንታይ ምዃኑ እቲ ጸገም ስለዘይተፈልጠ እዚ'ዩ ሽግረይ ኢለ ክዛረብ ኣይከኣልኩን''ትብል።
በዓል ቤታውን ኣብቲ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ዝከደትሉ እዋን ፈውሲ ሳሓ ሂቦማ ብምንባሮም ፣ ነቲ ጸገም ከም ቀጻሊ ዝመላለስ ሕዱር ሕምም ጌሩ እዩ ወሲድዎ ።
ካብ ተሞክሮኣ ብምብጋስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከባ ተመሳሳሊ ሕማም ቩልቫል ላይከን ስክለሮሰስ ዝሳቀያ ደቀስንትዮ ብማንዛ ሓገዛት ተበርክት።
ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ፡ ርሕሚ ወይ ጉድበ ብግልጺ ስለዝይንዛረብ ክሳብ ሕጂ ከም ነውሪ እዩ ዝቑጸር ብምባል ድማ ብዙሓት ደቀንስትዮ ሽግረን ክዛረባሉ ድፍረት ከምዘይብለን ትገልጽ።
ጠንቁን ፍወሳኡን'ከ?

ሓካይም ላይከን ስክለሮሰስ ክፍወስ ከምዘይክእል እኳ እንተገለጹ፡ ስቴሮይድ ዝበሃል ቅብኣት ምጥቃም ግን መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ምልክታት ንምፍዋስ ይሕግዝ።
ጠንቂ ናይቲ ኩነታት ዘይተፈልጠ ኮይኑ፡ ሰብ ሞያ ግን ስርዓተ ምክልኻልካልና ብጌጋ ነቶም ኣንጻር ረኽሲ ዝከላኸሉ ዋህዮታት ብጌጋ ብምጥቃዑ ዝስዕብ ንቆርበት ዝጎደእ ተርእዮ ክኸውን ከምዝኽእል ይኣምኑ።
ብሰንኪ ረኽሲ ወይ ዋሕዲ ውልቃዊ ጽሬት ዝመጽእ ኣይኮነን። ተላባዒውን ስለዘይኮነ ብምትንኻፍ ወይ ብጾታዊ ርክብ ናብ ካልኦት ሰባት ክመሓላለፍ ኣይክእልን'ዩ።
ካልእ ጓል 85 ዓመት ኣብ ህንዲ ትነብር መንካሺውን ናብ 13 ሓካይም ድሕሪ ምኹላል፡ ድሕሪ 24 ዓመታት እቲ ቀንዲ ጸገም ማለት ቩልቫል ላይከን ስክለሮሰስ ከምዝተረኸባ ተረደእ።
ሓካይም ላይከን ስክለሮሰስ ክፍወስ ኣይከእልን እዩ'ኳ እንተበሉ ቅባኣት ስተሮይድ ብምግባር ግን ግዝያዊ ሩፍታ ክህብ ዝኸእል እዩ።
ወዝቢ እዩ ሕማመይ ተረኺቡ!

ጓል 50 ዓመት ሉችያ (ስማ ዝተቐየረ) ብወገና ብወዝቢ ከምዝፈለጠት ትዛረብ። ንሳ ን25 ዓመታት ናብ ናይ ማሕጸን ሓኪም ብምኻድ ዓመታዊ ክምክትታል ጥዕና ትገብር እኳ እንተነበረት ዝኮነ ጸገም ከምዘለዋ ግን ተነጊርዋ ኣይፈልጥን እዩ።
ኣብ ከባቢ ናይ መፍረ ኣካላ ጸገም ስለዘጋጠማ ናብ ሓኪም ቆርበት ዝኾነት መሓዝኣ ምስ ከደት ጥራይ እዩ ብልዕታ ዝተፈለየ መልክዕ ከም ዘለዎ ዝተነግራ።
"ናይ ካሎኦት ደቀንስትዮ ርሕሚ እንታይ ይመስል ስለዘይፈልጦ ናተይ ዝኾነ ጸገም ኣለዎ ኢለ ኣይሓሰብኩን፡" ትብል።
እታ ናይ ቖርበት ሓኪም መርመራ ድሕሪ ምክያዳ ግን ፣ እቲ ድሕሪ ጾታዊ ርክብ ዝንድርን ዘቐንዝዋ ዝነበረን ጠንቁ በጺሓቶ።
ናብቲ ንዓመታት ዝተኸታተላ ናይ ማሕጸን ሓኪማ ከይዳ እቲ ዜና ምስ ነገረቶ ፣ እቲ ጠንቂ ቃንዛ ድሕሪ ርክብ ምጽባብ ርሕማ ክኸውን ይኸእል ምዃኑ ይነግራ ብምንባሩ ሓፊሩ።
"ዝኮነ ናቱ ምልክትታት ስለዘይነበረኪ ቩልቫል ላይከን ስክለሮሰስ ክኸውን ኢለ ፈጺመ ኣይጠርጠርኩን" ከምዝበላ ብምዝካር ድማ -ሉችያ እቲ ሕጽረት ኣፍልጦ ኣብቶም ናይ ሕክምና ማሕበረሰባት ከይተረፈ ከምዘሎ ትዛረብ።

ሰብ-ሞያ ዘለዎም ድሩት ኣፍልጦ
ኣብ ብሪጣንያ ኖቲንግሃም ዩኒቨርስቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ሕጽረት ኣፍልጦ ንገለ ሓካይም ነቲ ሕማም ካብ ምልላይ ይዓግቶም ምህላዉ የመልክት።
ገለ ሓፈሻውያን ሓካይምን ሰልጠንትን'ውን ፣ ሕሙማት ካብ ሕፍረት ዝተላዕለ ነቲ ምልክታት ሕማመን ኣነጺረን ስለዘይነግራን፣ ንጹር ዝኮነ ምልክታት ስለዘይብሉን ንምልላዩ ከምዘጸግም ይገልጹ።
ኣብቲ መጽናዓቲ ንዝቐረበሎም ሕቶታት ካብ ዝመለሱ 38 ምእታዊት ካብ 122 ኪሊኒካት፣ ብዛዕባ ናይ ቖርበት ርሕሚ ሕማም ከምዘይተማህሩ ሓቢሮም።
እዚ ክፍተት'ዚ ስለዘሎ ድማ ብዙሓት ደቀንስትዮ በዚ ሕማም እናተሳቐያን ምስ ሳሓ ቆርበት ክንፈር ርሕሚ ክነሰን ግቡእን ቅጽበታውን ሓገዝ ዘይክረኽባ ከምዝኸእላ ይንገር።
ክሌር ነቲ ዝመስረተቶ ሓገዛት ዝህብ ጉጅለ ዛጊት 13000 ኣባላት ከምዘለዎኦ ብምጥቃስ መንሽሮ ኣብ ኣካላታ ከምዘየለን እናሻዕ እናከደት ሕክምናዊ ክትትል ከምትገብርን ትገልጽ።
መናከሽ ብወገና "ነዚ ጸገምክን ንምክፋልን ሓገዝ ንምሕታትን ኣይትፍርሃ' ብምባል ብሰሪ ሕንከት ከይሕባኣ ትላቦ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







