ስለምንታይ ኢና'ባ ንሓሚ፣ ቋንቋኸ ንሕሜት ድዩ ተፈጢሩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሕሜት ዳርጋ ኣብ ኵሉ ሕብረተሰባት፡ ኣብ ገጠር ይዅን ኣብ ከተማ ልሙድ እዩ።
ካብ ፈተውትና መቕርባትናን ክሳብ መሓዙትና ኰነ መሳርሕትና፡ ካብ ኣባላት ስድራ ክሳብ ጐረባብትና፡ ብድሕሪኦም ስሞም ኣልዒልና ነውግዕ፤ ከም ኣባህላ ማሕበረሰብና 'ንምንጭቶም' ኢና።
ንገሊኦም ስሞም ዘጸልም ክኸውን ይኽእል፤ ንገሊኦም ድማ ክብሮም ዝትንክፍ ነገር ይኸውን፤ ንብዙሓት ዘዘናግዕ ዘስሕቕን እዩ፣ ንኻልኦት ድማ "ሓጢኣት" እዩ።
ሕሜት ግን፡ ኣብ ሕብረተሰብና ጥራይ ኣይኰነን፡ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ኵርናዕ ዓለም፡ ኣብ ኵሉ ዓይነት ማሕበረሰብ ይዅን ባህሊ ልሙድ ምዃኑ ተመራመርቲ ሰነ-ሕብረተሰብ ዝተዓዘብዎ ባህሪ እዩ።
ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ፍልቀት ስነ-ሰብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተን ስቴት፡ ዶክተር ኒኮል ሃገን ሄስ፡ "ኵሉ ሰብ ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ባህሊ፡ ዝዀነ ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው ዘይሓሚ የለን" ትብል።
ደቂ ሰባት ስለምንታይ ኣብዚ ባህሪ እዚ ንኽዋፈሩ ከም ዝግደዱ ግን፡ ሎሚ እውን ተመራመርቲ ንኽምልሱ ዝቃለስዎ ዘለዉ ሕቶ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምትእስሳር
ሕሜታ ኣብ ሕብረተሰብ እወታዊ ተራ ክጻወት ይኽእል እዩ፡ ዝብል ሓሳብ ብፕሮፌሰር ሮቢን ዳንባር ዝተባህለ ተመራማሪ እዩ ተዓብሊሉ።
ብመሰረት ክልሰሓሳቡ፡ ኣብ መጥበውቲ ፡ 'ምጽብባቕ' ማሕበራዊ ባህሪ ከምኡ'ውን ጽሬት ዝምልከት ባህሪ እዩ።
ጐድኒ ጐድኒ ምትእስሳር፡ ድሕሪ ባእሲ ዕርቂ ንምፍጣር፡ ወጥሪ ንምቅላልን ነፍሲ ወከፍ እንስሳት ኣብ ማሕበራዊ ስርዓተ-መሰረት ዘለዎ ቦታ ንምምስራትን እውን ክውዕል ይኽእል።
እዚ መስርሕ እዚ "ኣሎግሩሚን" ተባሂሉ ይፍለጥ።
ደቂ ሰባት፡ ጸጕሪ ስለዘይብሎም ግን፡ ሕሜታን ቺትቻትን ዘመናዊ ሰብኣዊ መምዘኒ ኣሎግሩሚን ክኸውን ይኽእል እዩ። ዝምድናታት ኣብ ምህናጽ፡ ኣብ መዛኑ ደረጃ ኣብ ምምስራት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ምልውዋጥ ማሕበራዊ ሓበሬታ፡ ከም እትኣምኖን ዘይትኣምኖን ንምንጽብራቕ ንዝኣመሰሉ ነገራት የገልግል።
ፕሮፌሰር ዳንባር፡ "ቋንቋ ሰባት ንኽሓምዩ ከኽእሎም እዩ ማዕቢሉ፡" ዝብል ምጕት እዩ ዘለዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተመራመርቲ ኣብ 2021 ካብ ዳርትማውዝ ዩኒቨርሲቲ ኣመሪካ ኣብ ዘካየድዎ መጽናዕቲ፡ ብሓባር ዝሓምዩ ሰባት ኣብ ርእይቶ ነንሕድሕዶም ጽልዋ ይፈጥሩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብቲ መስርሕ ዝያዳ ከምዝተቐራረቡ ኣረጋጊጾም።
ብተወሳኺ ሕሜት፡ ኣብ ጕጅለ ምትሕብባር ንምድንፋዕ ከም ዝሕግዝ ረኺቦም። ተሳተፍቲ ኣብ ነንሕድሕዶም ክሓምዩን ከዋግዑን ዕድል ኣብ ዝረኽብሉ እዋን፡ ኣብ ናይ ጕጅለኣዋ ጸዋታ ዝያዳ ገንዘብ ከበርክቱ ከምዝኽእሉ ተዓዚቦም።
"ሕሜታ ሓደ ዓይነት ህንጻ ኣይኰነን፡ ካብቲ ኣብ ማሕበረሰብ ዝንጸባረቕ ጸቢብ ትርጕም፡ 'መሰረት ዘይብሉ ጓሓፍ ዘረባ' ዝብል፡ ዝያዳ ዝተሓላለኸ'ዩ" ክብሉ እቶም ተመራመርቲ ደምዲሞም።
መስራቲት ኣዳላዊት ኬልሲ ማኪኒ፡ተራ ሰባት ሕሜታኦም ዘካፍሉሉ ፖድካስት 'ኖርማል ጎሲፕ' ፡ ጽማቝ ትረኻ ንዘይፈልጥዎም ሰባት ብኸመይ ኣብ ሓደ ከራኽብ ከም ዝኽእል ትግንዘብ።
ለበዳ ኮቪድ ኣብ ዝተልዓለሉ እዋንን ሰባት ክውሸቡ ምስ ተገደዱን፡ ኣድላይነት ዛንታታት ዝያዳ ዓብዩ።
"ብጥሜት ከም ዝተወዳእና ኴንና ተረዲኡኒ" ትብል።
"ብዙሕ ህይወትናን ንዓለም እንርድኣሉ ኣገባብን፡ በቲ ንነብስና እንነግሮ ትረኻ'ዩ፣ ሕሜት ድማ እቲ ትረኻ'ዩ። ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ንነግር ኢና፣ ስለዚ ድማ ኣብኡ ሓደጋ ኣሎ፡ ግን ብዙሕ ጽቡቕ'ውን ኣሎ" ትብል።
ምንባር
ንሕና ደቂ ሰባት፡ ንርእስናን ኣብ ከባቢና ንዘለዉ ሰባትን ካብ ክመጽእ ዝኽእል ጉድኣት ብኸመይ ብዝበለጸ ክንከላኸለሎም ከም እንኽእል ንምምሃር ኣብ ውሽጢ ሚልዮናት ዓመታት ምዕባለ ኣርእዮም እዮም።
ንገለ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብፍላይ ኣብ እዋን ምምስራት 'ሓደገኛ' ሓድሽ ፍቕራዊ ዕርክነት፡ ሕሜት ኣብቲ ናይ ምድሓን ስትራተጂ ኣዝዩ ኣገዳሲ መሳርሒ እዩ።
"ደቂ ኣንስትዮ፡ ብፍላይ ምስ ወዲ ተባዕታይ ባእሲ ከጋጥም ከሎ፡ ኣብ ዓቢ ጸገም እየን ዝወድቃ። ብፍላይ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ዘመድካን ናይ ቀረባ መሓዙትካን ከተካፍለን እትደሊ ኣገዳሲ ሓበሬታ'ዩ" ትብል ዶክተር ኒኮል ሃገን ሄስ።
ህላወን ኣብ ሕብረተሰብ ዘለና ቦታን እውን ኣብ ዝና ኣመና ዝተመርኮሰ እዩ።
ሕማቕ ስም ምህላው ኣዕናዊ ክኸውን ከምዝኽእል ዶክተር ሄስ ይገልጽ።
ማሕበራዊ መርገጺኻ ክጎድእ ይኽእል፣ ቍጠባዊ ዕድላት ክድርት ይኽእል፣ ዋላ'ውን መሰረታዊ ነገር ኣብ ምርካብ ክጸልዎ ይኽእል።
"ስለዚ ሰባት ብዛዕባኻ ብኣሉታ ክሓምዩ ከለዉ፡ ብሓቂ ዓቢ ጉድኣት ከስዕብ ይኽእል'ዩ" ትብል።
ዶክተር ሄስ፡ ሕሜት ኣብ ማሕበራዊ ስርዓተ-መሰረት ናይ ገዛእ ርእስኻ መርገጺ ንምዕቃብ ወይ ንምምሕያሽ ዝጥቀመሉ ዓይነት ማሕበራዊ ምቍጽጻር እውን ምዃኑ ይምጕት።
ሰባት ኣብ ውሽጢ ማሕበራዊ መራኸቢታቶም ከመይ ከም ዝረኣዩ ከመሓድሩ ስለ ዝፍትኑ፡ ብሕሜታ ንሓድሕዶም ከም ዝፍወሱ ትዛረብ። ንዝናኦም ንምሕላው፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ንመወዳድርቶም ንምድኻም'ውን ሕሜታ ከም ዝጥቀሙ ትገልጽ።
"ደቂ ሰባት ብባህሪኦም ምስ ካልኦት ኣባላት ዓሌቶም ተወዳደርቲ እዮም።"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምዝንጋዕ
ንመብዛሕትኦም ሰባት ሕሜት ጐድኣት ዘይብሉ መዘናግዒ ኰይኑ ክስምዖም ይኽእል እዩ።
"እዚ ዓይነት ሕሜታ'ዩ ኣነ ፍሉይ ዝገብሮ" ትብል ፖድካስተር ማኪኒ።
ንሳ ሕሜት ሓጢኣት ምዃኑ ኣብ ዘስተምህር ሃይማኖታዊ ገዛ ዝዓበየት እያ።
"ዓለም ብዘይ ሕሜት ድማ? "ኣንታ ኣምላኸይ! ኣዝዩ ኣሰልቻዊ ምዀነ" ክትብል ትስሕቕ።
ብዛዕባ ምዝንጋዕ ይዅን፡ ብዛዕባ ህላወ ወይ ማሕበራዊ ምትእስሳር፡ ሕሜት ቀጻሊ መለለዪ ህይወትና ኰይኑ ኣሎ - "ሰብኣዊ ኣድማሳዊ" ኰይኑ ክውገድ የብሉን ይብል ዶክተር ሄስ።
"ብርግጽ ሕሜት ኣብ ሓቀኛ ዓለም ሳዕቤን ኣለዎ" ክትብል ትገልጽ።
"ሕሜት ስቕ ኢሉ፡ ብሃንደበት ዝበሃል፣ ዘይሓቂ፡ ዘይወግዓዊ ዘረባ ካልእ እንተዝኸውን ነይሩ፡ ሰባት ንኻልኦት ኣባላት ማሕበረሰቦም ብኸመይ ጥቕምታትን ክብርታትን ክምድቡ ከም ዝውስኑ ጽልዋ ኣይምሃለዎን።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







