እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መስሓቕ ኣሳእል እንስሳ ዘገዳም ናይዚ ሰሙን
ኣብ ዓለምና እንስሳ ዘገዳም ይዅን እንስሳ ዘቤት ዝምልከቱ ዝተፈላለዩ ውድድራት ይካየዱ እዮም።
ሓደ ካብዚኦም ውድድር መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም’ዩ።
ካልእ ድማ ውድድር ብሉጽ ሰኣላይ እንስሳ ዘገዳም ናይዚ ዓመት እዩ።
እዚ ኵሉ ግዜ ምንጪ መስተንክር ምስልታት ተፈጥሮኣዊ ዓለም ዝዀነ ውድድር፡ ኣብ መላእ ዓለም ብዛዕባ ዘሎ ህይወት እንስሳታት ዝምልከት ምናልባት ብዓይንና ክንርእዮ ዕድል ዘይንረኽበሉ መሳጢ ርድኢት ይህብ።
ውድድር ብሉጽ ሰኣሊ ኣዕዋፍ ናይዚ ዓመት’ውን ዘደንጽዉ ዝተፈላለዩ ምስልታት ዘቕርብ ካልእ ውድድር እዩ።
ካብ ኣስታት ልዕሊ 20 ሽሕ ነቶም ዝተፈላለየ ረቛሒታት ዘማልኡ ብሉጻት ስእልታት ሽልማት ይህብ።
ውድድር ብሉጽ ናይ ቀረባ ርሕቐት ሰኣላይ ናይዚ ዓመት፡ ብቐረባ ድማ ምስ ኣፊኒቲ ፎቶ 2 ብምትሕብባር ዓመታዊ ውድድር ዘካይድን ንዘደንጹ ገጻት ዓለምና ዝገልጹ ስእልታት ዝቐርቡሉ መድረኽን እዩ።
ንሎሚ ዝመረጽናልኩም ስእልታት ካብዞም ውድድራት ዝተረኸቡ ምዃኖም ንሕብር።
እዛ ስእሊ ኣብ ውድድር ብሉጽ ናይ ቀረባ ርሕቐት ሰኣላይ 2022 ካብ ዝቐረቡ ምሩጻት ስእሊ ሓንቲ ኰይና ኣብ ‘ዝኽሪ ዓርዓር ኣናብር’ ዝብል መጽሓፍ’ውን ተሓቲማ እያ።
ብመሰረት’ዚ መጽሓፍ፡ ኣብ ዓለምና ኣስታት 7 ሽሕ ዓርዓር ኣናብር ጥራይ ተሪፎም ኣለዉ።
ሪመምበሪን ዋይልድላይፍ፡ ንእንስሳታት ንምክልኻል ገንዘብ ንምእካብ ዝሕግዝ ተኸታታሊ መጽሓፍ ግብረ ሰናይ እዩ።
ክሳዕ ሕጂ ዝኽሪ ሓራምዝ፡ ዝኽሪ ሓሪሻት፡ ዝኽሪ ዕዙዝ ጭራ ኣልቦ ኣህባይን፡ ዝኽሪ ኣናብስ፡ ዝኽሪ ዓርዓር ኣናብር፡ ዝኽሪ ኣኽላባት በረኻን ከምኡ’ውን ዝኽሪ ድቢ ዝኣመሰሉ ብስም እንስሳታት ዝተሰመዩ ሸውዓተ መጻሕፍቲ ኣሕቲሙ እዩ።
እዞም መጻሕፍቲ ብሓባር ሕጂ ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ዶላር ዝተሸጡ ክኸውን እንከሎ እቲ ኣታዊ ድማ ኣብ 27 ሃገራት ኣፍሪቃን ኤስያን ንዝርከቡ 63 ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ዕቃበ ኣከፋፊሉ ኣሎ።
እዛ ስእሊ’ውን ኣብ ውድድር ብሉጽ ናይ ቀረባ ርሕቐት ሰኣላይ 2022 ንፍጻመ ዝበጽሐት’ያ። እቶም ሓርጃማት ኣብ ሩባ ቡኤጅስ ፈረንሳ ብማቲዮ ፎልኪየ ርክብ እናፈጸሙ ተሳኢሎም።
እዚ ድቢ ኣብ መሬት ክረኽቦ ዘይከኣለ ቀምታ ወይ ሓጺር ድቃስ ኣብ ገረብ የስተማቕር፤ እቲ ንስሪ ግን ነቲ ኵነታት ኣሚኑ ኣይተቐበሎን። ጄሮይን-ሆከንዳይክ ኣብ ኣላስካ፡ ኣመሪካ ተሳኢላ፤ ኣብ ውድድር ብሉጽ ሰኣሊ እንስሳ ዘገዳም ቀሪባ።
ምጹጽላይ ኣዝዩ ፉል ከም ዝፈቱ ትፈልጡ’ዶ? ኣብዛ ስእሊ ዝርአ ምጹጽላይ ድማ ገለ ካብ ዝዓቖሮ ተሰሪቕዎ ኲናት ዓለም ከልዕል ዝተዳለወ ይመስል።
እዞም ውጥም ኢሎም ንደገ ዝጥምቱ ፖሰማት ኣብ ያሊንግፕ ምዕራብ ኣውስትራልያ ተሳኢሎም። ፖሰማት ብተፈጥሮኦም ኣብ ኣግራብን ዱርን ኣውስትራልያ ይርከቡ፤ ኣብ ቆፎታት ኣግራብ ድማ ይዕቆቡ።
ኣብ ዝያዳ ከተማታት ዝርከቡ ግን ኣብ ትሕቲ ናሕሲ ኣብ ዝርከቡ ቦታታት ክዕቆቡ ይኽእሉ።
ጄምስ ዊለኮክስ፡ እዛ ጫቚት መግቢ ብኸመይ ከም እትደሊ ካብ ወላዲታ እናተማሃረት ከላ ከም ዝሰኣለን ይገልጽ። ኣብ ውድድር ብሉጽ ሰኣላይ እንስሳ ዘገዳም 2021 ዝቐረበት ስእሊ’ያ።
እዛ ኣብ ህይወት ወሳኒ ህሞት እተርኢ ሰእሊ ኣብ ስካጊት፡ ግዝኣት ዋሽንግተን፡ ኣሜሪካ ብግሌን ኔልሰን ዝተሰኣለት እያ።
እዛ እንቍርዖብ ብሓቂ ተቓሊሳ ንገዛእ ርእሳ ሓራ ተውጽእ ድያ ዘላ ወይስ እታ ዑፍ ክትውሕጣ ተመቻችእ’ያ ዘላ? ብዝዀነ ዳኒኤል ዣንግ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሰኣላ እያ። ኣብ ውድድር ብሉጽ ሰኣላይ እንስሳ ዘገዳም 2021 ድማ ተወዳዲራ ነይራ።
እዚ ዓሳ ካብ ምሳሕ እታ ዑፍ ምዃን ከምልጥ ተኽእሎኡ ትሑት ይመስል፤ ግንከ ይቃለስ ኣሎ። ኣብ እስራኤል ብሆድ ሃሻሮን ተሳኢላ ውድድር ብሉጽ ሰኣሊ ኣዕዋፍ ናይዚ ዓመት ቀሪባ ነይራ።
ኣብ 2021 ኣብ ውድድር ብሉጽ ሰኣሊ ኣዕዋፍ ናይዚ ዓመት ካብ ዝነበሩ ዘደንጽዉ ስእልታት ሓንቲ እዚኣ ነይራ፤ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተሰኣለት እያ።