እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ፡ ኢትዮጵያን ግብጽን ንምሽምጋል ዘለዎ ድሉውነት ኣረጋጊጹ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ግብጺን ዘሎ ብጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ከሽምግል ከም ዝደሊ ገሊጹ።
ትራምፕ ናብ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ "ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ንዘሎ ማያት ፈለግ ኒል ናይ ምክፋል ሕቶ ዝፈጠሮ ምስሕሓባት ሓንሳብን ንሓዋሩን ብሓላፍነት ንምፍታሕ ድሉው እየ፡" ክብል ኣፍሊጡ።
ሃገሩ ነቲ ምስሕሓብ ንምፍታሕ እትገብሮ ጻዕርታት ክትቅጽል ምዃና እውን በቲ ትሩዝ ዝተባህለ ገጽ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ሓቢሩ።
እቲ ፕረዚደንት ብዓርቢ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ተዅሲ ደው ንምባል ንዝተጻወቶ ተራን ነቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ጸጥታውን ሰብኣውን ቅልውላው ኣብ ምፍታሕ ዘለዎ ግደ "ውጽኢታዊ መሪሕነት" ብዝብል ንኢዱ።
ኢትዮጵያ ምህናጽ ዓቢይ ግድብ ህዳሴ ካብ ዝጅምር ኣትሒዛ ምስ ሱዳንን ግብጽን ክትጋጮ ጸኒሓ እያ።
ግብጺ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዝሓለፈ 14 ዓመታት ብዛዕባ ፈለግ ኒል ስምምዕ ክገብራ ጸኒሐን'ኳ እንተ ነበራ ክሳዕ ሕጂ ግን ንሰለስቲአን ሃገራት ዘዕግብ ሰፊሕ ስምምዕ ክብጻሕ ኣይተኻእለን።
እታ ካብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝባ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትርከብን 120 ሚልዮን ዝህዝባ ኢትዮጵያ፡ ነቲ 5 ቢልዮን ዝወድአ ግድብ ከም ሕመረት ቍጠባዊ ዕብየታ ገይራ እያ እትርእዮ።
ግብጺ እቲ ግድብ ንዓለምለኻዊ ስምምዓት ዝጠሓሰ ብምዃኑ ደርቂን ዕልቕልቕን ከስዕብዩ'ኳ እንተበለት፡ ኢትዮጵያ ግን ነዚ ትነጽጎ።
እቲ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ዓመት እተዛዘመ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ልዕሊ 5,000 ሜጋዋት ኤለክትሪክ ከመንጩ እዩ።
ትራምፕ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ምስ ሰለስቲአን ሃገራት ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ተኸታታሊ ዝርርብ ጌሩ'ኳ እንተነበረ፡ ብዛዕባ ቀንዲ ነጥብታት ግን ኣብ ስምምዕ ኣይበጽሐን።
ግብጽን ሱዳንን እቲ ኣብ ፈለግ ኒል ዝርከብ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ነተን ምብራቓዊ ተፋሰስ ኒል ዝርከባ ሃገራት ናይ ነዊሕ ግዜ ስግኣት ከም ዘምጽእ ብተደጋጋሚ ገሊጸን ኢየን።
ትራምፕ ኣብ ደብዳበኡ፡ ሃገሩ ንጕዳይ ግድብ ህዳሴ ክትፈትሖ ከም እትደሊ ብምግላጽ "ኣብዚ ዞባ እዚ ዋላ ሓንቲ ሃገር ንሃብቲ ፈለግ ኒል ብውልቂ ክትቈጻጸሮን ንጐረባብታ ክትሃስን የብላን" ኢሉ።
ወሲኹ'ውን "ኣነን ጕጅለይን ፈለግ ኒል ንግብጽን ህዝባን ዘለዎ ረብሓ ንርድኦ ኢና" ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ኣስፊሩ ኣሎ።
ኣብ ዓለምና ካብ ዝተራእዩ 8 ኲናታት ደው ከምዘበለ ዝዛረብ ትራምፕ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ዘሎ ምስሕሓባት ሓደ ካብኡ ምዃኑ ይጠቅስ።
ትራምፕ "ጥዑይ ተክኒካዊ ፍልጠትን ፍትሓውን ግልጽን ዝርርብ ምስናይ ሓያል ናይ ኣመሪካ ናይ ምቍጽጻርን ምትሕብባርን ግደ፡ ምስ ኵለን ሃገራት ተፋሰስ ኒል ነባሪ ስምምዕ ክንበጽሕ ንኽእል ኢና ዝብል እምነት ኣሎኒ፡" ክብል ኣብ ደብዳበኡ ኣስፊሩ'ሎ።
ወሲኹ ድማ "ኣብ እዋን ድርቅን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዝህሉ ነቕጽን ናብ ግብጽን ሱዳንን ትጽቢት ዝግበረሉ ማይ ከመጽእ፣ ከምኡ'ውን ኢትዮጵያ ብዙሕ ኤለክትሪክ ከተመንጩ ከኸእላን ገለ ኻብዚ ድማ ናብ ግብጽን ሱዳንን ክቐርብ ወይ ክሽየጥ ይኽእል እዩ" ኢሉ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ኣብ ግድብ ህዳሰ ዘሎ ግጭት ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ዞባዊ ርግኣት "ዓቢይ ሻቕሎት" ምዃኑ ሓቢሩ።
"ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ነባሪ ሰላም ንምምጻእ ክዓዪ እንኸለኹ ነቲ ኣብ ልዕሊ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይምስምማዕ ንምፍታሕ ቀንዲ መደበይ እዩ" ኢሉ።
እቲ ናብ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ዝተጻሕፈ ደብዳበ ናብ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ታየ ኣጽቀስላሰ፡ ኣዛዚ ሰራዊትን ኣቦ መንበር ልዑላዊ ቤትምኽሪን ሱዳን ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን ኣብቲ ዞባ ዓቢ ጽልዋ ንዘለዎም ልዑል ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማንን ፕረዚደንት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መሓመድ ቢን ዛይድ ተላኢኹ።
ኣመሪካ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት መዓስ ዝርርብ ከም እትጅምር ኣይተፈልጠን።
መንግስታት ግብጽን ኢትዮጵያን እውን ዛጊት ብዛዕባ እቲ ደብዳበ ዝዀነ ርእይቶ ኣይሃቡን።