ግድብ ህዳሰ፡ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ከቢድ 'ዕልቕልቕ' ኣስዒቡ ድዩ?

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት፡ 4 ጳጉሜን 2017 ዓ.ም [ኣ.ግ] ህንፀቱ ተዛዚሙ ዝተመረቐ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ብፍላይ ምስ ግብፂ ዝፀንሐ ዘይምርድዳእ ኣጋዲዱዎ ይርከብ።

ምረቓ እቲ ግድብ ስዒቡ፡ ግብፅን ሱዳንን ሓበራዊ ቅዋም ዝሓዛ ዀይነን፡ እቲ ጉዳይ ክሳብ ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ- ሕቡራት ሃገራት በፂሑ ከዘራርብ ቀንዩ ኣሎ።

ሕዚ ድማ፡ ግብፂ ካብቲ ግድብ 'ብዘይግቡእ ኣተሓሕዛን ኣተኣላልያን ዝተለቐቐ ማይ'፡ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዕልቕልቕ ኣስዒቡ ክትብል ከሲሳ ኣላ።

ሚኒስትሪ ማይን ኢነርጂን ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ነቲ ካብ ግብጺ ዝተሰምዐ ክሲ፡ "ሓሶትን ብተንኰል ዝተመልአን" ክብል ነጺግዎ ኣሎ።

ርግፅ፡ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እንተዘይህሉ ነይሩ፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ከበሳታት ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናብ፡ ኣብ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ህይወት ደቂ ሰባትን መሰረተ ልምዓትን ከቢድ ጉድኣት ከብጽሕ ይኽእል ከም ዝነበረ ይገልፅ።

ሚኒስትሪ ሃብቲ ማይን መስኖን ግብጺ፡ እቲ መግለጺ "ንማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋር ዝዓለመ" ከምኡ'ውን "ናይ ተበዳልነት ናይ ሓሶት ትረኻ ንምፍጣር ዝዓለመ'ዩ" ኢሉ።

ግብፂ ብዓርቢ 23 መስከረም ኣብ ዘውፀኣቶ መግለፂ፡ ነቲ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ "ዘይሕጋዊ" ብምባል፡ እዚ ዘስዕቦ "ኢንዱስትሪያዊ ውሕጅ" ዕሽሽ ብምባል ዝተለቐቐ ከም ዝዀነ እያ ትኸስስ።

እቲ ናይ ግብፂ መግለፂ፡ እቲ ግድብ ኣብ ዝተመረቐሉ መዓልቲ፡ ዝውሕዝ ማይ ናይቲ ግድብ ንምርኣይ፡ ኣብ ዝገበሮ ፈተነ ልዑል መጠን ሒዙ ከም ዝነበረ እዩ ዝገልፅ።

ድሕሪ'ቲ ምረቓ ኣብ ዝነበረ መዓልታት፡ ኣካየድቲ እቲ ግድብ፡ "ኣብ ሓደ መዓልቲ 485 ሚልዮን ኪዩቢክ ሜትሮ" ዝኣክል ኣዝዩ ልዑል መጠን ማይ ክልቀቕ ከም ዝወሰኑ ይዝርዝር።

ነዚ ስዒቡ ዝተፈነወ ልዑል መጠን ማይ፡ ምሕደራ እቲ ግድብ "ግቡእ ቁፅፅር ዘይግበረሉን ኢደ-ወነናዊን" ምዃኑ ዘረጋግጽ ምዃኑ ገሊጻ።

እዚ ሃንደበታዊ ምፍናው ማይ፡ ንኻልእ ነገራት ሓዊሱ፡ ኣብ ሱዳን "መሬት ሕርሻ"ን "ብዙሓት ዓድታትን" ከም ዘዕለቕለቐ ይኸስስ።

ሚኒስትሪ ማይን ኢነርጂን ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለፂ ግን፡ ነቲ ክስታት "መሰረት ዘይብሉ" ክብል ነጺግዎ።

"ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ሩባ ኣባይን ብዝምልከት ትካላት መንግስቲ ግብፂ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓሶት ቀንዲ ኣካል ኮይኑ'ሎ" ይብል።

ምስቲ ቅድሚ እቲ ግድብ ምህናፁ፡ ዝነበረ ታሪኻዊ መረዳእታ ዋሕዚ 'ብምውድዳር እቲ ሓቂ ኣበይ ከም ዘሎ ዘርኢ'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ሱዳን ዝተመዝገበ መረዳእታ ዋሕዚ "93 ዓመታት" ብምጥቃስ፡ እቲ ግድብ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ታሕተዎት ሃገራት ዝፀለወ ከቢድ ውሕጅ ከምዘጉደሎ ኣረጋጊፁ።

ብመሰረት መግለጺ እቲ ሚኒስትሪ፤ ቅድሚ ህንፀት እቲ ግድብ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ መዓልቲ ዝለዓለ ውሕጅ 800 ሚልዮን ሜትር ኪዩብ፣ ኣብ ወርሒ መስከረም ድማ ልዕሊ 750 ሚልዮን ሜትር ኪዩብ ይበፅሕ ከምዝነበረ ይሕብር።

ኣብ ነሓሰ 2017 [ግ] ግን እዚ ቁጽሪ ብማእከላይ ገምጋም ናብ 154.7 ሚልዮን ሜትር ኪዩብ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ድማ 472 ሚልዮን ሜትሮ ኪዩብ ከም ዝበፅሐ ይገልፅ።

ብተወሳኺ እቲ ናይ ግብፂ መግለፂ፡ ምስ ሰበ-ስልጣን ሱዳን ብዛዕባ'ቲ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ዕልቕልቕ ዝሃብዎ መብርሂ "ዝጋጮ" ምዃኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ የረድእ።

ሚኒስትሪ ሕርሻን መስኖን ሱዳን፡ ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ዕልቕልቕ፡ "ዋሕዚ ማይ ካብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝኾነ ምትእስሳር ዘይብሉ፡ፃዕዳ ኣባይ [ካብ ኡጋንዳ ዝብገስ] ምዃኑ ይጠቀስ" ኢሉ።

ሰበስልጣን ሱዳን ብተወሳኺ እቲ ወሰኽ ዋሕዚ "ምስ ለውጢ ክሊማ ብዝተኣሳሰር ኣብ መጠን ዝናብ ክመጽእ ከምዝኽእል" ገሊፆም።

እቲ ግብጺ ዝሃበቶ መግለጺ "ንጎረባብታ ወኪላ ናይ ምዝራብ መሰል ኣለዋ" ዝበለ ሚኒስትሪ ማይን ኢነርጂን፡ ሰበስልጣን እታ ሃገር "ነቲ ሓቂ ዕሽሽ ብምባል ነቲ ወቐሳ ናብ ኢትዮጵያ ከሰጋግሩ ይፍትኑ ኣለዉ" ክብል እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ።

ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ናይ ምትሕብባርን ሓበሬታ ምልውዋጥን ማዕቀፍ ከም ዘለዋ ብምሕባር፡ ግድብ ህዳሰ ሓደጋ ውሕጅ ንምንካይ ምስ ሰበስልጣንን ክኢላታትን እታ ሃገር ብቐረባ ክትሰርሕ ምዃና ይግለፅ።