ኢትዮጵያ፡ ግብጺ 'ስጕምቲታት ክወስድ'የ' ንዝበለቶ መልሲ ሂባ

ምኒስትሪ ማይን ጸዓትን ብ3 ጥቅምቲ 2018 (ግ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ግብጺ ምስ ሩባ ናይልን ግድብ ህዳሰን ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝኸፈተቶ ወፍሪ ኣጠናኺራ ቀጺላትሉ ኣላ፡" ክብል ከሲሱ።

ግብጺ፡ ሃገራዊ ረብሕኣን ናይ ማይ ደሕነታን ንምሕላው፡ "ኣድላዪ ዝዀኑ ስጕምቲታት" ከም እትወስድ ፕረደዚንት ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ከም ዝተዛረበ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ፡ ግብጺ "ዘይሕጋውን ልዕልነትን ብዝተመልኦ መንገዲ" ሩባ ኣባይ ንምቍጽጻር እትገብሮ ፈተነ ቀጺላትሉ ኣላ ክትብል ኢትዮጵያ ከሲሳ።

ኣልሲሲ፡ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ሻሙናይ ሰሙን ማይ ንዕዱማት ብቪድዮ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ግብጺ ኣብ ዲፕሎማስያውን ዓለምለኻውን ትካላት፡ "ዝያዳ ድማ ኣብ ሕቡራት ሃገራት" እምነት ምሕዳራ ከም ድኽመት ክውሰድ የብሉን ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሰ ኣብ ምምሕዳር እትኽተሎ ዘላ "ሓላፍነት ዝጐደሎ" ኣካይዳ፡ ሃገሩ "ኣእዳዋ ኣጣሚራ ኣይትርእዮን፡" ኢሉ።

ፕረዚደንት ግብጺ፡ ኣብ እዋን ደርቅን ውሕጅን መጠን ካብቲ ግድብ ዝፍኖ ማይ ንምቍጽጻር፡ "ንኽልቲአን ሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ዘካተተ፡" ቀያዲ ስምምዕ ክግበር ጸዊዑ።

እዚ ድማ፡ "ኣብ መንጎ ድልየት ልምዓት ሃገራት ላዕለዋይ ተፋሰስን ታሕተዋይ ተፋሰስ ሃገራት ካብ ጕድኣት ንምክልኻልን ዝህሉ ሚዛን ንምሕላው ዘኽእል ብሕታዊ ኣማራጺ'ዩ፡" ኢሉ።

ምኒስትሪ ማይን ጸዓትን ኣብ መግለጺኡ፡ ኢትዮጵያ ሩባ ኣባይ ናይ ምጥቃም መሰላ ኣሕሊፋ ከም ዘይትህብ ብምግላጽ፡ "ካብ ጸላእቲ ኢትዮጵያ ብኢደ ኣዙር ዝበጽሕ ጸቕጢ እንተ ሓየለ'ውን፡ ዕብየት ኢትዮጵያ ንድሕሪት ኣይምለስን፡" ክብል ገሊጹ።

ቅድም ኢሉ'ውን፡ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ባድር ዓብደላቲ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ዓቢይ ግድብ ህዳሰ፡ "ህይወት ኣብ ታሕተዋይ ተፋሰስ ዝርከቡ ሚልዮናት ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ገይራ እያ፡" ኢሉ ብምኽሳስ፡ እቲ ጉዳይ ናብ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ከም እትወስዶ ተዛሪቡ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ምኽትል ቀዋሚ ወኪል ኢትዮጵያ ዮሴፍ ካሳዬ ሽዑ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "ግብጺ ብዛዕባ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ዘቕረበቶ ዘረባ፡ መሰረት ዘይብሉን ዘጋግይን እዩ፡" ብምባል ነጺጉዎ።

ግብጺ፡ "ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ብተደጋጋሚ እሙናት ዘይኰኑ ክስታት ናብ ቤትምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪባ'ያ፡" እውን ኢሉ።

ግብጺ፡ ኣብ 1959 ምስ ኤውሮጳ ዝተገብረ መግዛእታዊ ስምምዕ፡ መሰል ዝበዝሐ ማይ'ቲ ሩባ ከም ዝህባ ብምጥቃስ፡ እዚ ክቕየር የብሉን ክትብል ትምጕት።

ኢትዮጵያ ብወገና፡ ኣብ ርትዓውን ምኽንያታውን ኣጠቓቕማ ሩባ ኣባይ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ከም ዘለዎ ብተደጋጋሚ ገሊጻ፤ ህንጸት እቲ ግድብ ድማ ንውሕስነት ማይ ግብጺ ኣብ ሓደጋ ዘየእቱ ምዃኑ ትምጕት።

ኣብ ዝለሓፉ ዓመታት፡ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ሃገራት ተፋሰስ ኣባይ ምስ ግብጺ ንምዝርራብ እኳ እንተ ፈተና፡ እቶም ዝካየዱ ዝነበሩ ዝርርባት ኣይተዓወቱን።

ኣብ እዋን ስሉሳዊ ዝርርባት-ግብጺ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከምኡ'ውን ቀዳማይ ዙርያ ምምላእ ግድብ ህዳሰ፡ ዓለምለኻዊ ሕጊ ብምኽባር ፈተነታት ዝርርብ እኳ እንተ ተገበሩ፡ ግብጺ ብቕንዕና ከም ዘይተሳተፈት ኢትዮጵያ ገሊጻ።

ግብጺ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንኢትዮጵያ ብጉዳይ እቲ ግድብ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕቡራት ሃገራትን ሊግ ዓረብን ጥርዓናት ብምቕራብ ጸቕጢ ክትገብር ፈቲና'ያ።

ኣብ ዓለም እቲ ዝነውሐ ሩባ ኣባይ ልዕሊ 85 ሚእታዊት ማይ ካብ ኢትዮጵያ ዝቕበል ኰይኑ፡ ዝበዝሕ ማይ ናይቲ ሩባ እትጥቀም ግብጺ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሃንጸ ግድብ ነቲ ክትጥቀመሉ ዝጸንሐት ማይ ከየስእና ስግኣት ኣለዋ።