‘ባይታ ዘቢጥና ክንለዓል ኢና!’ - መስሓቕ ስእልታት እንስሳት ዘገዳም

ነዚ ሰሙን ዝመረጽናልኩም 10 ስእልታት ተኣንገዱ!

‘ካራተ ምጹጽላይ’

ምንጪ ስእሊ, Alex Pansier/Comedy Wildlife Photography Awards 2022

መግለጺ ስእሊ, ‘ካራተ ምጹጽላይ’

እዚ ብኣኬክስ ፓንሲር ኣብ ኔዘርላንስ (ሆላንድ) ዝተሰኣለ ምጹጽላይ መን ይደፍሮ?

‘ቬፒንግ ኣብ ኣዕዋፍ’ዶ ይዀን?’

ምንጪ ስእሊ, Li Ying Lou

መግለጺ ስእሊ, ‘ቬፒንግ ኣብ ኣዕዋፍ’ዶ ይኸውን. . .?’

ክረይን፡ ብነዊሕ ኣእጋርን ክሳድን ዝፍለጡ ኣዕዋፍ ኰይኖም ነንሕድሕዶም ድማ እሙናት እዮም። ኣብ ኣዋርሕ ክረምቲ ከይተረፈ ዘለዎም ምትእስሳር ንምድልዳል ኣብ ዝሕግዙ ባህርያት ይዋፈሩ። ቢብ ቢብ ዝብል ድምጺ እናስምዑ ኣብ ውሕሉል ሳዕስዒት ይነጥፉ።

ሊ ይንግ ሉ ኣብ ጃፓን ዝሰኣላ እያ።

‘ኣድሕነነ ካብ ጥፍኣት ማይ’

ምንጪ ስእሊ, Laszlo Potozky/BPOTY

መግለጺ ስእሊ, ‘ኣድሕነነ ካብ ማይ ኣይሂ’

ኣብ ሮማንያ ብላስሎ ፖታዝስኪ ዝተሰኣለት እዛ ስእሊ ኣብ ውድድር ብሉጽ ሰኣሊ ኣዕዋፍ ዓመተ 2020 ብሩር ተሸሊማ እያ። እታ ንእሽቶ ጉንጓ፡ ኣቐዲሙ ዝነበረ ዝናብ ኣብ ትሕቲ ናሕሲ ተዓቚባ ድሕሪ ምሕላፋ’ያ ብኸምዚ ተሳኢላ።

‘ስለላ’

ምንጪ ስእሊ, Arjun Jenigiri/BPOTY

መግለጺ ስእሊ, ‘ስለላ’

ብሉጽ ሰኣሊ ኣዕዋፍ፡ በብዓመቱ ብዝተፈላለየ ምድብ ዝካየድ ውድድር እዩ። ሓደ ካብቶም ምድባት፡ ዕድሚኦም ሸሞንተን ትሕቲኡን ዝዀኑ ህጻናት ዝሳተፉሉ እዩ።

ኣብ ዓመተ 2022፡ ኣብዚ ምድብ ዝተኻየደ ውድድር ወርቂ ዝተዓወተት ድማ፡ እዛ ብኣርጁን ጄኒግሪ ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ኣካድያ፡ ኣመሪካ ዝተሰኣለት እያ።

‘ሓመድ ልሒስና ክንለዓል ኢና!’

ምንጪ ስእሊ, Ripan Biswas/Wildlife Photographer of the Year 2020

መግለጺ ስእሊ, ‘ባይታ ዘቢጥና ክንለዓል ኢና!’

እዛ ስእሊ ተዓዋቲት ፖርትፍልዮ ውድድር ብሉጽ ሰኣሊ እንስሳ ዘገዳም ዓመተ 2020 እያ።

ኣላምቲ ጻጸታት ኣዝዮም ግዝኣታዊን ሃደንቲን እዮም፤ ናብ ከባቢኦም ጣልቃ ዝኣትዉ ብጭካነ ብምጥቃዕ ግዝኣቶም ከም ዝከላኸሉ ይፍለጥ። እቲ ኣብዛ ስእሊ ጣልቃ ዝኣተወ ግን ካብቲ ኣላማይ ጻጸ ዝያዳ ጨካን ሃዳናይ እዩ። እዚ ኣብ ሰዓት 9 ኪሎ ሜተር ክጎዪ ዝኽእል ዓቢ ነብሪ ሕንዚዝ፡ ሳይናይድ ዝበሃል መርዚ ብምፍናው ጸላእቱ ክከላኸል ይኽእል። እቲ ኣላማይ ጻጸ’ውን እንተዀነ ብቐሊሉ ኢዱ ዝህብ ኣይመስልን።

ብመሰረት ሰኣሊኣ፡ ነብሪ ሕንዚዝ ልዕሊ 12 ሚሊሜተር ንውሓት ስለ ዝነበሮ፡ ነቲ ጻጸ ዓብሊልዎ። እቲ ጻጸ’ውን ንገዛእ ርእሱ ንምክልኻል ኣብታ ቀጣን እግሩ ነኺስዎ። እቲ ሕንዚዝ ብቕልጡፍ ተጠውዩ ምንጋጋኡ ተጠቒሙ ነቲ ጻጸ ኣብ ክልተ ቆሪጽዎ’ኳ እንተነበረ፡ እቲ ጻጸ ግን ርእሱን ላዕለዋይ ክፋል ኣካላቱን ኣጽኒዑ፡ ከይተበጠሰ ተሪፉ።

ድልድል ዝሰርሑ ጻጸ

ምንጪ ስእሊ, Vaishakh Manohar/Shutterstock

መግለጺ ስእሊ, 'ሓድነትና ሓይልና'ዩ'

እዞም ሰራዊት ጻጸ፡ ብጾታቶም ብቕልጡፍ ንኽሰግሩ ምእንቲ፡ ኣካላቶምን ርእሶምን ተጠቒሞም ድልድላት ይፈጥሩ። ክሳብ 50 ዝዀኑ ጻጸታት ሓደ ድልድል የቑሙ፡ ሓደ ዕስለ (ኮሎኒ) ጻጸ ኣብ ዝዀነ እዋን 40 ወይ 50 ድልድላት ኣብ ጥቕሚ ከውዕሉ ይኽእሉ።

ኣብ ኒውጀርሲ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ዝርከቡ ክኢላታት ማይርሜኮሎጂ (መጽናዕቲ ጻጸ) ነዚ ባህሪ’ዚ ዝምልከት ቀሊል ሕጊ ከም ዘሎ ይገልጹ።

እቶም ድልድል ዘቖሙ ጻጸታት ከም ድልድል ኰይኖም ዝጸንሑ እኹል ቁጽሪ ዘለዎም ብጾት ጻጸ ከም ዝሰገሩ ክሳብ ዝስምዖም ጥራይ እዩ። እቲ ኣቋራጭ መንገዲ እኹል ኣገልግሎት ክህብ ኣለዎ። ውሑዳት ጥራይ እንተሰጊሮም ድልድል ንምፍጣር ክንድኡ ዝኣክል ጉልበት ምውፋር ዋጋ ኣይክህልዎን፤ ኣብ ክንዲ ኣቋራጭ መንገዲ ነዊሕ መንገዲ እንተተጓዓዙ ዝሓሸ ይኸውን።

‘ዋላ እዝኑ ነኺሰ ክስዕሮ’የ!’

ምንጪ ስእሊ, Aaron Gekoski/Wildlife Photographer of the Year

መግለጺ ስእሊ, ‘ዋላ እዝኑ ነኺሰ ክስዕሮ’የ!’

ኦራንጉታን ዝተበሃሉ ኣህባይ ኣብ ባንኮክ ታይላንድን ካልኦት ብዙሓት ከባቢታትን ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዘዋርድ ምርኢታት ክሳተፉ ተገይሮም እዮም።

መዓልታዊ ኣማኢት ሰባት፡ ኦራንጉታን መኸተ-ጉስጢ ክገጥሙ፡ ክስዕስዑ፡ ከበሮ ክጻወቱን ካልኦት ምርኢታት ከቕርቡን ንምዕዛብ ይኸፍሉ።

“ጨና እትኽደኖ ሙዚቃ ማለት’ዩ ድዮም ዝበሉ?”

ምንጪ ስእሊ, Valtteri Mulkahainen/Comedy Wildlife Photography Awards 2022

መግለጺ ስእሊ, “ጨና እትኽደኖ ሙዚቃ ማለት’ዩ ድዮም ዝበሉ?”

ብቫልተሪ ሙልካሃይነን ኣብ ፊንላንድ ተሳኢላ ኣብ ውድድር መስሓቕ ስእሊ እንስሳት ዘገዳም 2022 ዝቐረበት እያ።

‘እንታይ’ዶ ገይረ’የ?’

ምንጪ ስእሊ, Lee Zhengxing/Comedy Wildlife Photography Awards 2022

መግለጺ ስእሊ, ‘እንታይ’ዶ ገይረ’የ?’

“እዛ ንእሽቶ ምጹጽላይ ምስ ቀረብናያ፡ ኣብ ክንዲ ትሃድም ንኣስተንትኖኣ ከም ዘቋረጽናያ ዘይራ ጠሚታትና” ይብል ሰኣሊኣ ሊ ዠንግ።