እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ባይታ ዘቢጥና ክንለዓል ኢና!’ - መስሓቕ ስእልታት እንስሳት ዘገዳም
ነዚ ሰሙን ዝመረጽናልኩም 10 ስእልታት ተኣንገዱ!
እዚ ብኣኬክስ ፓንሲር ኣብ ኔዘርላንስ (ሆላንድ) ዝተሰኣለ ምጹጽላይ መን ይደፍሮ?
ክረይን፡ ብነዊሕ ኣእጋርን ክሳድን ዝፍለጡ ኣዕዋፍ ኰይኖም ነንሕድሕዶም ድማ እሙናት እዮም። ኣብ ኣዋርሕ ክረምቲ ከይተረፈ ዘለዎም ምትእስሳር ንምድልዳል ኣብ ዝሕግዙ ባህርያት ይዋፈሩ። ቢብ ቢብ ዝብል ድምጺ እናስምዑ ኣብ ውሕሉል ሳዕስዒት ይነጥፉ።
ሊ ይንግ ሉ ኣብ ጃፓን ዝሰኣላ እያ።
ኣብ ሮማንያ ብላስሎ ፖታዝስኪ ዝተሰኣለት እዛ ስእሊ ኣብ ውድድር ብሉጽ ሰኣሊ ኣዕዋፍ ዓመተ 2020 ብሩር ተሸሊማ እያ። እታ ንእሽቶ ጉንጓ፡ ኣቐዲሙ ዝነበረ ዝናብ ኣብ ትሕቲ ናሕሲ ተዓቚባ ድሕሪ ምሕላፋ’ያ ብኸምዚ ተሳኢላ።
ብሉጽ ሰኣሊ ኣዕዋፍ፡ በብዓመቱ ብዝተፈላለየ ምድብ ዝካየድ ውድድር እዩ። ሓደ ካብቶም ምድባት፡ ዕድሚኦም ሸሞንተን ትሕቲኡን ዝዀኑ ህጻናት ዝሳተፉሉ እዩ።
ኣብ ዓመተ 2022፡ ኣብዚ ምድብ ዝተኻየደ ውድድር ወርቂ ዝተዓወተት ድማ፡ እዛ ብኣርጁን ጄኒግሪ ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ኣካድያ፡ ኣመሪካ ዝተሰኣለት እያ።
እዛ ስእሊ ተዓዋቲት ፖርትፍልዮ ውድድር ብሉጽ ሰኣሊ እንስሳ ዘገዳም ዓመተ 2020 እያ።
ኣላምቲ ጻጸታት ኣዝዮም ግዝኣታዊን ሃደንቲን እዮም፤ ናብ ከባቢኦም ጣልቃ ዝኣትዉ ብጭካነ ብምጥቃዕ ግዝኣቶም ከም ዝከላኸሉ ይፍለጥ። እቲ ኣብዛ ስእሊ ጣልቃ ዝኣተወ ግን ካብቲ ኣላማይ ጻጸ ዝያዳ ጨካን ሃዳናይ እዩ። እዚ ኣብ ሰዓት 9 ኪሎ ሜተር ክጎዪ ዝኽእል ዓቢ ነብሪ ሕንዚዝ፡ ሳይናይድ ዝበሃል መርዚ ብምፍናው ጸላእቱ ክከላኸል ይኽእል። እቲ ኣላማይ ጻጸ’ውን እንተዀነ ብቐሊሉ ኢዱ ዝህብ ኣይመስልን።
ብመሰረት ሰኣሊኣ፡ ነብሪ ሕንዚዝ ልዕሊ 12 ሚሊሜተር ንውሓት ስለ ዝነበሮ፡ ነቲ ጻጸ ዓብሊልዎ። እቲ ጻጸ’ውን ንገዛእ ርእሱ ንምክልኻል ኣብታ ቀጣን እግሩ ነኺስዎ። እቲ ሕንዚዝ ብቕልጡፍ ተጠውዩ ምንጋጋኡ ተጠቒሙ ነቲ ጻጸ ኣብ ክልተ ቆሪጽዎ’ኳ እንተነበረ፡ እቲ ጻጸ ግን ርእሱን ላዕለዋይ ክፋል ኣካላቱን ኣጽኒዑ፡ ከይተበጠሰ ተሪፉ።
እዞም ሰራዊት ጻጸ፡ ብጾታቶም ብቕልጡፍ ንኽሰግሩ ምእንቲ፡ ኣካላቶምን ርእሶምን ተጠቒሞም ድልድላት ይፈጥሩ። ክሳብ 50 ዝዀኑ ጻጸታት ሓደ ድልድል የቑሙ፡ ሓደ ዕስለ (ኮሎኒ) ጻጸ ኣብ ዝዀነ እዋን 40 ወይ 50 ድልድላት ኣብ ጥቕሚ ከውዕሉ ይኽእሉ።
ኣብ ኒውጀርሲ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ዝርከቡ ክኢላታት ማይርሜኮሎጂ (መጽናዕቲ ጻጸ) ነዚ ባህሪ’ዚ ዝምልከት ቀሊል ሕጊ ከም ዘሎ ይገልጹ።
እቶም ድልድል ዘቖሙ ጻጸታት ከም ድልድል ኰይኖም ዝጸንሑ እኹል ቁጽሪ ዘለዎም ብጾት ጻጸ ከም ዝሰገሩ ክሳብ ዝስምዖም ጥራይ እዩ። እቲ ኣቋራጭ መንገዲ እኹል ኣገልግሎት ክህብ ኣለዎ። ውሑዳት ጥራይ እንተሰጊሮም ድልድል ንምፍጣር ክንድኡ ዝኣክል ጉልበት ምውፋር ዋጋ ኣይክህልዎን፤ ኣብ ክንዲ ኣቋራጭ መንገዲ ነዊሕ መንገዲ እንተተጓዓዙ ዝሓሸ ይኸውን።
ኦራንጉታን ዝተበሃሉ ኣህባይ ኣብ ባንኮክ ታይላንድን ካልኦት ብዙሓት ከባቢታትን ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዘዋርድ ምርኢታት ክሳተፉ ተገይሮም እዮም።
መዓልታዊ ኣማኢት ሰባት፡ ኦራንጉታን መኸተ-ጉስጢ ክገጥሙ፡ ክስዕስዑ፡ ከበሮ ክጻወቱን ካልኦት ምርኢታት ከቕርቡን ንምዕዛብ ይኸፍሉ።
ብቫልተሪ ሙልካሃይነን ኣብ ፊንላንድ ተሳኢላ ኣብ ውድድር መስሓቕ ስእሊ እንስሳት ዘገዳም 2022 ዝቐረበት እያ።
“እዛ ንእሽቶ ምጹጽላይ ምስ ቀረብናያ፡ ኣብ ክንዲ ትሃድም ንኣስተንትኖኣ ከም ዘቋረጽናያ ዘይራ ጠሚታትና” ይብል ሰኣሊኣ ሊ ዠንግ።