እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ፈጣሪ ካብ ፈተውተይ ሓልወኒ...' - መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘቤት
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘቤት፡ ናብ መወዳእታ ዙር ውድድር ዓመተ 2023 ዝበጽሓ 25 ብሉጻት ስእልታት ኣግሂዱ ነይሩ።
እዚ ውድድር ብፖል ጆይንሰን-ሂክስን ቶም ሱላምን ዝተመስረተ እዩ፤ ዕላምኡ ድማ እንስሳ ዘቤት ኣብ ህይወትና ዘለዎም እወታዊን ኣገዳስን ተራ ምጽንባልን ድሕነት እንስሳታት ምትብባዕን እዩ።
"ሎሚ ዓመት'ውን ኣብቲ ውድድር ናይ ኣማኢት መስሓቕ ድሙታትን ኣኽላባትን ናይ ብሓቂ ዘስሕቑ ስእልታት ተዓዚብና ኣለና" ክብል ሓባራዊ መስራቲ ቶም ሱላም ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ተዛሪቡ።
"ቴክኒካዊ ብሉጽነት ምስ ዝያዳ ዘስሕቕ ትሕዝቶን መግለጺ ጽሑፍን ዘወሃህደ" ሰኣሊ ሓፈሻዊ ተዓዋቲ ናይቲ ውድድር ክኸውን እዩ።
ብመሰረት ምዘና ዳያኑ ክኢላታትን ድምጺ ህዝቢን፡ ተዓወትቲ እዚ ውድድር ኣብ 11 ነሓሰ ክግለጹ እዮም።
ክሳዕ 6 ነሓሰ ድምጺ ምሃብ ዝከኣል ኰይኑ፡ ክትመርጹ ድሌት እንተሃልይኩም፡ እዚ መላገቢ ናብቲ ድምጺ ዝወሃበሉ መርበብ ክመርሓኩም እዩ።
ንሎሚ ካብተን ብሉጻት መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘቤት 2023 እተን 13 መሪጽና ኣቕሪብናልኩም ኣለና።
ብኬኒቺ ሞሪናጋ ዝተሰኣለት እያ። ‘ፍጹም ቅላዕ ኩዕሶ እግሪ’ ዝብል ኣርእስቲ ድማ'ዩ ሂብዋ።
ኣብ ኩዕሶ እግሪ ብፍላይ ኣብ ምጽባይ ውጽኢት ፍጹም ቅላዕ ዝርአ ጸቕጢ ስለ ዘዘኻኸሮ ክኸውን ይኽእል።
ብሓቂ ግን እንታይ እዮም ዝገብሩ ዘለዉ? ገለ ተንኰል ዝኣልሙ ዘለዉ’ዶ ኣይመስሉን?
ስም እዚ ድሙ ‘ቢግ ቦስ’ እዩ - ከም ዋና ጎይታ ወይ ቀንዲ ሓለቓ ማለት እዩ።
እዚኣ’ውን ብኬኒቺ ሞሪናጋ እያ ተሳኢላ፡ “ቢግ ቦስ ናይዚ ከባቢ ጎይታ እዩ። ግን ለዋህ፡ ሕያውነቱ’ውን ዓቢ እዩ” ብምባል ይገልጾ።
እዚ ቢዱል ዝስሙ ድሙ ሓላዊ ልዳት ንምዃን ጽቡቕ ብቕዓት ዘለዎ ይመስል!
'ህሞት መቐይሮ ህይወት' ተባሂላ ዝተሰመየት እዛ ስእሊ ብሊባኖሳዊ ሚሸል ዞግዞጊ ዝተሰኣለት እያ።
እቶም ደማሙ ድማ ኣሌክስን ማክስን ይበሃሉ።
“ኣሌክስ እቲ ሓፋር እዩ። ማክስ እቲ ተጻዋታይ እዩ። ካብቲ ኣብ እንስሳ ዘገዳም ንምስኣል ዝገበርክዎም ጕዕዞታት፡ ነዚኦም ብምስኣል ዝያዳ ተዘናጊዐ” ይብል ሚሸል።
ሰኣሊኣ ጃፓናዊ ማሳዮሺ ያማሞቶ፡ እቲ “ልክዕ ከምታ ፍልጥቲ ስእሊ ኣንስታይን መልሓሱ ኣውጺኡለይ” ይብል።
ኤድጋር ትበሃል እዛ ጎብየ - ትፈትዎ ምግቢ ድማ ቆጽሊ፡ ዕምባባታትን ዳንዴርን እዩ።
ድፍረት ናይዛ ኣንጭዋ’ዶ ደንጽይዋ ይኸውን? ይብል ሰኣሊኣ ኡዶ ክራውስ።
ነዛ ስእሊ ኣብ ዝሰኣለሉ እዋን “ሊሊ እትበሃል ድሙና ምስ’ዛ ኣንጭዋ ክትጻወት ከላ፡ ነታ ኣንጭዋ ኣድሒንናያ፡ ከልብና ኤሚ ድማ በታ ኣንጭዋ ተመሲጣ” ከም ዝነበረት ይዛረብ።
ብቆጽሊታት ምጽዋት ክንድዚ የሐጉስ ድዩ?
“ኣብ ቀውዒ ንሚሎ ክንስእሎ ፈቲንና - ንሱ ግን ኣብ ክንዲ ቁሩብ ብጎድኑ ዝድቅስ ከም ዕቡድ ተጠውዩ። እዛ ስእሊ ስብእናኡ ስለ እተርኢ ስድርኡ ካብ ዝዀነ ስእሊ ንላዕሊ ነዚኣ ይፈትው” ትብል ሰኣሊት ክርስቲን።
እዚ ከልቢ እዚ እንታይ ርእዩ ክሳብ ክንድዚ ከም ዝተሓጎሰ ክትግምቱ ትኽእሉ’ዶ?
“ኣብ መጋቢት 2019 ኣብ ዩኒየን ስኩዌር ኒውዮርክ ኮፍ ኢለ ከለኹ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ናብ ከልባ ኩዕሶ ክትድርቢ ርእየያ። ድሕሪኡ እቲ ከልቢ [ነታ ኩዕሶ ክሕዝ] ዘሊሉ ኣብ ኣየር ከሎ ስኢለዮ!” ይብል ክሪስ።
ክሪስ ነታ ወናኒት እቲ ከልቢን ነታ ብጸጋም ተገሪማ እትርኢ ዘላ ሰበይቲን ቅዳሕ እዛ ስእሊ ክሰደለን፡ ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሃን ኒውዮርክ ክረኽበን ፈቲኑ ከም ዘይሰመረሉ ይዛረብ።
“ስለዚ እዚ ውድድር መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘቤት፡ ንክረኽበን ክሕግዘኒ ተስፋ እገብር። እንታይ ይፍለጥ!”
እዛ ሚስቲ እትበሃል ከልቢ ዘጻውታ ደልያ ነይራ፤ ኣበይሞ? ዘይትዀን መሓዛ እንዶ መሪጻ፤ እታ ድሙ ፍጹም ኣይተመሰጠትን።
“ሚስቲ ምስ ናላ ክትጻወት ኣዝያ ደልያ ነይራ። ናላ ግን ክሳብ ክንድ’ቲ ኣይተበረሃን፡ ሚስቲ ድማ ኣብ ጸወታ ጭርጭር ዓበደ ቅሩብ ንፍዕቲ ኣይኰነትን” ይብል ሰኣሊኣ ኪም።
ብቕዓት እዚ ሞዴል ዝመስል ከልቢ ሽልማት ኦስካር ዝግብኦ ኣይመስለኩምን?
“እወ፡ ስሙ ኦስካር ይበሃል። ኣፍጋኒስታናዊ ከልቢ ሃድን እዩ፡ ብነብሱ ድማ ኣዝዩ ሕጉስ እዩ” ትብል ላና።
ቆልዑ ንወለዶም ይመስሉ እዮም፤ እንስሳ ዘቤት ንዋናታቶም ክመስሉ ግን ልሙድ ኣይኰነን።
እዚኣ ሓንቲ ካብተን ናብ መወዳእታ ዙር ዝሓለፋ ክልተ ስእልታት ላና ፖሊኮቫ እያ። መበል ካልአይቲ ስእላ እያ።
እዚ ምስ መጻወቲ ጎሪላ ዝደቀሰ ከልቢ ብካትያ ፒሎኔል ዝተሳእለ እዩ።