‘ጭርጭር ዓበደ’፡ መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም

ንሎሚ ዝመረጽናልኩም 10 መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም እዞም ዝስዕቡ እዮም። ተዛነዩ...

ከም ደቂ ሰባት፡ እንስሳታት’ውን ካብ ሓደገኛ ኵነታት ንነብሶም ከድሕኑ ክደራደሩ ዝኽእሉ’ዶ ይመስለኩም?

“እዚ ንስሪ ነታ ምጹጽላይ ንምሓዝ ዝገበሮ ፈተነ ምስ ፈሸለ፡ እታ ምጹጽላይ ናብኡ ገጻ ዘሊላ፤ ከምኡ ምግባራ ነቲ ንስሪ ስለዘሰንበዶ፡ ናብቲ ኣብ ቀረባ ዝነበረ ጕድጓዳ ንኽትሃድም ግዜ ረኺባ። ናይ ብሓቂ ዛንታ ዳዊት ኣንጻር ጎልያድ!” ይብል ሰኣሊኣ ኣርተር ትረቪኖ።

ፓሮትፊሽ ኣብ ትሮፒካዊ ውቅያኖሳት ዓለምን ከባቢኡን ዝነብሩ ሕብራዊ ዓሳ እዮም። እዞም ማሕበራዊ ዓይነት ዓሳታት መብዛሕትኡ ግዜ ብጉጅለ ዝጓዓዙ ኰይኖም ገለ ካብዚኦም ጭማራ ክምክት ዝኽእል ተሪር ቆርበት ኣለዎም።

ብተወሳኺ መብዛሕትኦም ጾታን ሕብርን ክቕይሩ ይኽእሉ። እቲ ጾታ ናይ ምቕያር መስርሕ ግን ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ክወስድ ይኽእል።

ኣርተር ቲመን ነዚ ፓሮትፊሽ ኣብ ደሴታት ካናሪ’ዩ ረኺብዎ።

“ኣፉ ተጠውዩ፡ ፍሽኽ ዝበለ ይመስል” ነዛ ስእሊ ንምስኣል ሓያሎ ደቓይቕ ከም ዝወሰደሉ ይገልጽ።

‘ቫይን ስኔክስ’ ዝተበሃሉ ዓይነት ኣትማን ኣብ ምዕራብ ህንዲ ብብዝሒ ይረኣዩ።

ሰኣሊ ኣዲትያ ክሺርሳጋር፡ “ነዚ ተመን ክረክብ ከለኹ ተሓጒሰ፤ ፍሽኽ ኢለ። ንሱ’ውን ፍሽኽ ኢሉ ምላሽ ዝሃበኒ ይመስል” ይብል።

እንተዀነ ግን ብሓቂ እዚ ተመን ይስሕቕ ኣሎ ኢልካ ንምእማን ዘጸግም’ዩ። እዞም ዓይነት ኣትማን ዝዀነ ነገር ምስ ዝቐርቦም ወይ ሓደጋ ምስ ዝስምዖም፡ ኣፎም ኣግፊሖም ብምኽፋት ንመጥቃዕቲ ይዳለዉ፤ ኣዝዮም ኣጥቃዕቲ ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም። ከም እንስሳ ዘቤት ንምሓዞም'ውን ዝሕሰብ ኣይኮነን።

እዚ ሲል ዝበሃል ዓሳ ዝምገብ እንስሳ ባሕሪ ቅኑዕ ሰሓቕ ከመይ ከም ዝገብር ኣብነት ክኸውን ዝደለየ ይመስል። ሓንቲ ካብቶም ኣብ 2020 ዝቐረቡ መስሓቕ ስእልታት ዝኾነት እዛ ስእሊ ብኬን ክሮሳን ዝተሰኣለት’ያ።

ጉሩሙርቲ ኬ፡ ነዛ 'ዘ ግሪን ስታይሊስት' ክብል ዝሰመያ ነፋሒቶ ኣብ ህንዲ ከም ዝሰኣላ ይገልጽ።

"እታ እንቁርዖብ ካብ ሓደ ተኽሊ ናብቲ ዕምባባ ድሕሪ ምድያባ፡ እናሰሓቐት ዓወታ ጸንቢላ” ክብል ሰኣሊኣ ዲኪ ኦሲን ጽሒፉ ነይሩ።

እዛ ዳምሴፍላይ እትበሃል ዓይነት መራሕ-ማይ (ድራጎንፍላይ) እያ።

ሰኣሊ ቲም ሄርን “ኣኽናፋን ኣካላታን” ክስእል ተዳልዩ ነይሩ። “እንተዀነ ግን . . . ነቲ ጕንዲ ሳዕሪ ተጠቒማ” ካብቲ ካሜራ ከም ዝተኸወለት ይገልጽ። ብዝዀነ ኣብታ ህሞት እቲኣ ከም ዝሰኣላን ‘ጭርጭር ዓበደ’ ክብል ከም ዝሰመያን ይዛረብ።

ፊሊፕ ስታር ነዛ ስእሊ 'ስዊት ሊፕስ ፎር ኪስንግ' ክብል ከም ዝሰመያ ይዛረብ - ንምስዓም ምቁራት ከናፍር ማለቱ እዩ። እሞ መን ስዒሙ የረጋግጽ?

ኣንዲ ሃዋርድ ነዛ ማንቲለ ንምስኣል ንልዕሊ ሓሙሽተ ሰዓታት ተጸብዩ’ዩ።

ድሕሪ ሓሙሽተ ሰዓታት ካብዛ ኣብ ስኮትላንድ ዝተሰኣለት ማንቲለ ከምዚ ዝበለ ሰላምታ እንተረኺቡ ዘጣዕሶ ኣይኰነን።

ሽልማት መስሓቕ እንስሳ ዘገዳም እንተዘይህሉ ነይሩ፡ እዞም ንምእማኖም ዘጸግሙ ሰለስተ ተውህቦታት ሙዚቃ ኣበይ ምረኸብናዮም?

እዞም ስኒት ዝተመልኦ ሙዚቃዊ ባንድ ዝመስሉ ፍጥረታት ኣብ ታይዋን ብቹ ሃን ሊን ሊን ዝተሰኣሉ እዮም።