‘. . . እንጀራና ሎሚ ሃበና’ - መስሓቕ ኣሳእል እንስሳ ዘገዳም ወዘቤት

ኣብ መንጎ ደቂ ሰብን እንስሳታትን ዘሎ ምትእስሳር ዝምልከት መጽናዕቲ ክሳዕ ሕጂ ብተዛማዲ ትሑት እዩ።

ገለ መጽናዕትታት፡ ብፍላይ ኣብ ገዛ ምሳና ምስ ዝነብር እንስሳ ዘቤት ዘለና ርክብ እወታዊ ጽልዎ ከም ዘለዎ ይገልጹ።

ንኣብነት፡ መጠን ኮርቲሶል ዝተበሃለ ምስ ጸቕጢ ዝተኣሳሰር ሆርሞን ክንኪ ከም ዝገብር ይሕብሩ። ስለዚ ህርመት ልብን ጸቕጢ ደምን ኣዝዩ ክንኪ ይኽእል።

ብተወሳኺ ሰባት ዝስምዖም ጽምዋ ክጐድል፡ ማሕበራዊ ደገፍ ክውስኽን ከምኡ’ውን ንጥፈታት ብምትብባዕ ኣካላዊ ብቕዓት ከመሓይሹን ይኽእሉ።

ከልቢ ምውናን ምስ ትሑት ተርእዮ ሕማማት ልብን ስርዓተ ደምን ከም ዝተኣሳሰር ሓያሎ መጽናዕትታት የመልክቱ።

ተመራመርቲ፡ እንስሳታት ንዕብየት ህጻናት ብኸመይ ክጸልዉ ከም ዝኽእሉ’ውን እናመርመሩ ይርከቡ።

እንስሳታት ምስ ኦቲዝም፡ ምጕዳል ኣቓልቦን ልዕሊ ዓቐን ምንቅስቓስ ጸገም (ኤዲኤችዲ)ን ካልእ ኵነታትን ዘለዎም ህጻናት ዝገብርዎ ርክብ እንስሳታት የጽንዑ ኣለዉ።

ደቂ ሰባት ካብ እንስሳ ዘቤት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ እንስሳ ዘገዳም ኣዚና ተረባሕቲ ኢና።

ከም መግቢ፡ ጸረ ባልዕ፡ መድሃኒትን ጀነቲካዊ ጸጋታትን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ማሕበረ-ቍጠባዊ ረብሓታት ከም እንሓፍስ ፍሉጥ’ዩ። እንስሳ ዘገዳምን ዝነብርሉ ተፈጥሮኣዊ መልክዓ ምድርን እውን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ቀንዲ መሰረት ቱሪዝም እዮም።

ስለዚ፡ ደቂ ሰባት እንስሳታት ዘገዳምን ዘቤትን ከነኽብርን ክንከላኸሎምን ሓላፍነት ኣለና።

መነባብሮ እንስሳታት ካብ ምሕላው ብተወሳኺ፡ ካብ ዘይሕጋዊ ሃድን፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን እውን ክንከላኸሎም ይግባእ።

ኣብ ጎደናታት ከተማታት ዝርከቡ እንስሳታት’ውን እንተዀነ፡ ዘይተደለየ መጕዳእቲ ከይወርዶም ብምክልኻል ኣበርክቶ ክንገበር ንላቦ።

እዚ ካብ በልና ንሎሚ ብዝመረጽናልኩም 10 መስሓቕ ኣሳእል እንስሳ ዘገዳም ወዘቤት ተዛነዩ!

‘ሓይሊ ቴስታ ደማሙ!’

ምንጪ ስእሊ, KENICHI MORINAGA

መግለጺ ስእሊ, ‘ሓይሊ ቴስታ ደማሙ!’

እዛ ስእሊ ኣብ ምድብ ስእሊ ደማሙን ከምኡ’ውን ኣብ ሓፈሻዊ ምድብ ተዓዊታ’ያ፤ ሰኣሊኣ ኬኒቺ ሞሪናጋ ድማ ብሉጽ መስሓቕ እንስሳታት ዘቤት ናይቲ ዓመት ኰይኑ ነይሩ። ጃፓናዊ ኬኒቺ፡ ኣብ ደሴታት ሃገሩ እናተዘዋወረ ደማሙ ምስኣል ከም ዝፈቱ ይዛረብ።

‘ጥሜትካ ለቓልቆ፡ ጽጋብካ ኣርግአዮ’

ምንጪ ስእሊ, MICHAEL LANE

መግለጺ ስእሊ, ‘ጥሜትካ ለቕልቈ፡ ጽጋብካ ኣርግኣዮ’

ነዚ ዘይረኣዩ ሰባት ቈልዓ ምዕባይ ከቢድ እዩ ይብሉ። እዚ ጉማረ ዕጽዋ ዘስዓቦ ጥሜት’ዶ ኣጋጢምዎ ይኸውን ንኣደኡ ክኹልሳ ዝጽዕር ዘሎ?

እዚኣ ብማይክል ሌን ዝተሰኣለት እያ።

‘ኣይትስኣለኒ ይብለኪ ኣለኹ!’

ምንጪ ስእሊ, AMY KENNEDY

መግለጺ ስእሊ, ‘ኣይትስኣልኒ እብለኪ ኣለኹ!’

ከምዚ ዝበለ ቍጥዐ ይትረፍ’ዶ ካብ እንስሳ ካብ ደቂ ሰባት እውን ትጽበዮ ኣይኰነን።

‘ሓጎስ ኣይትውነንን'ያ!’

ምንጪ ስእሊ, TOM SVENSSON

መግለጺ ስእሊ, ‘ሓጎስ ኣይትውነንን'ያ!’

ቶም ስቨንሰን ነዛ ኣብ ፎክላንድስ ዝሰኣላ ስእሊ፡ 'ሕጉስ' ዝብል ኣርእስቲ’ዩ ሂብዋ።

"እዞም ፐንጉን ኣብ ልዕሊ ማዕበል ባሕሪ ኣብ ዝጻወቱሉ እዋን ኵሎም ኣዝዮም ሕጕሳት ይመስሉ ነይሮም" ይብል።

‘ክንማልአኩም?’

ምንጪ ስእሊ, MEHMET ASLAN

መግለጺ ስእሊ, ‘ክንማልኣኩም?’

እዛ ስእሊ ኣብ ቱርኪ ብመህመት ኣስላን ዝተሳእለት ኰይና ኣብ ምድብ መስሓቕ እንስሳታት ዘቤት ተዓዊታ’ያ።

“መብራህቲ ትራፊክ ደው ምስ ኣበለኒ ዝረኣኹዎ ነገር እዚ እዩ። ኣብ መጀመርታ እቲ ከልቢ ብሓቂ ዝዝውር ዘሎ መሲሉኒ!” ይብል መህመት ኣስላን።

‘እምባሕ!’

ምንጪ ስእሊ, THE MARS PETCARE COMEDY PET PHOTO AWARDS 2020

መግለጺ ስእሊ, ‘እምባሕ!’

ከመይ ኢሉ’ዩ ተንጠልጢሉ? ወይስ ተቐርቒሩ እዩ ዘሎ?

ማልጎርዛታ ራስል፡ “እዚ ወዲ ሓደ ዓመት ድሙና ባሲል፡ ኣዝዩ ፈታዊ ጸወታ’ዩ። ኣብ ዙርያ ጀርዲን ንሓድሕድና ምጉያይ መዓልታዊ፡ ናይ ንግሆ ልምድና እዩ። ስኑዕ ስእሊ ኣይኰነን” ትብል።

‘ናይ ዕለት እንጀራና ሎሚ ሃበና . . .’

ምንጪ ስእሊ, THE MARS PETCARE COMEDY PET PHOTO AWARDS 2020

መግለጺ ስእሊ, ‘ናይ ዕለት እንጀራና ሎሚ ሃበና . . .’

“ኣብቲ መትሓዚ ብሽኰቲ ብታሕቲ ቀዲደ፡ ሞባይለይ ኣብ ውሽጢ ኣእትየያ፤ ቅድሚ እቲ ጥዑም መግቡ ምብላዑ ድማ ስኢለዮ” ይብል ሰኣሊኣ ካንዲስ ሰዲጋን።

‘ባለሪና’

ምንጪ ስእሊ, THE MARS PETCARE COMEDY PET PHOTO AWARDS 2020

መግለጺ ስእሊ, ‘ባለሪና’

ኣብ ፊልም ወይ ኣብ ትያትር ዓለም፡ እንስሳታት ክዋስኡ ምግባር ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ከም ዝኽእል ምግማት ቀሊል’ዩ። እዛ ኢያን ማኮነል ዝሰኣላ ድሙ ግን ፈጺማ ንመድረኽ ወይ ንሳዕሳዒት 'ባለ' ዝተፈጥረት’ያ ትመስል።

'ብእዋኑ ከይሕሉ፡ ዋይ ኣነ ሸእ! ይብል ይህሉ'

ምንጪ ስእሊ, DANIELLE D'ERMO/CWPA/BARCROFT IMAGES

መግለጺ ስእሊ, 'ብእዋኑ ከይሕሉ፡ ዋይ ኣነ ሸእ! ይብል ይህሉ'

ዳኒኤል ዲ’ኤርሞ ነዚ ብገለ ምኽንያት ዝተጠዓሰ ዝመስል ድቢ ኣብ ኣላስካ እዩ ስኢልዎ።

‘ንዓይ’ውን . . . ንዓይ’ውን!’

ምንጪ ስእሊ, Cheryl Strahl

መግለጺ ስእሊ, ‘ንዓይ’ውን . . . ንዓይ’ውን!’

ነዛ ስእሊ ‘ዘ ፎቶ-ቦምቢን ዌቭ’ ኢላ ዝሰመያታ ቸሪል ስትራል፡ "ኣደ ድቢ ምስ ደቃ ይዘናግዑ ነይሮም" ትብል።

"እታ ኣደ ምስ ሓደኦም ምዉቕ ህሞት እናሕለፈት ከላ፡ ካልኣይ ኢዱ ብምውዝዋዝ ከይተሓስበ ናብ ካሜራ እትዩ።"