‘. . . እንጀራና ሎሚ ሃበና’ - መስሓቕ ኣሳእል እንስሳ ዘገዳም ወዘቤት
ኣብ መንጎ ደቂ ሰብን እንስሳታትን ዘሎ ምትእስሳር ዝምልከት መጽናዕቲ ክሳዕ ሕጂ ብተዛማዲ ትሑት እዩ።
ገለ መጽናዕትታት፡ ብፍላይ ኣብ ገዛ ምሳና ምስ ዝነብር እንስሳ ዘቤት ዘለና ርክብ እወታዊ ጽልዎ ከም ዘለዎ ይገልጹ።
ንኣብነት፡ መጠን ኮርቲሶል ዝተበሃለ ምስ ጸቕጢ ዝተኣሳሰር ሆርሞን ክንኪ ከም ዝገብር ይሕብሩ። ስለዚ ህርመት ልብን ጸቕጢ ደምን ኣዝዩ ክንኪ ይኽእል።
ብተወሳኺ ሰባት ዝስምዖም ጽምዋ ክጐድል፡ ማሕበራዊ ደገፍ ክውስኽን ከምኡ’ውን ንጥፈታት ብምትብባዕ ኣካላዊ ብቕዓት ከመሓይሹን ይኽእሉ።
ከልቢ ምውናን ምስ ትሑት ተርእዮ ሕማማት ልብን ስርዓተ ደምን ከም ዝተኣሳሰር ሓያሎ መጽናዕትታት የመልክቱ።
ተመራመርቲ፡ እንስሳታት ንዕብየት ህጻናት ብኸመይ ክጸልዉ ከም ዝኽእሉ’ውን እናመርመሩ ይርከቡ።
እንስሳታት ምስ ኦቲዝም፡ ምጕዳል ኣቓልቦን ልዕሊ ዓቐን ምንቅስቓስ ጸገም (ኤዲኤችዲ)ን ካልእ ኵነታትን ዘለዎም ህጻናት ዝገብርዎ ርክብ እንስሳታት የጽንዑ ኣለዉ።
ደቂ ሰባት ካብ እንስሳ ዘቤት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ እንስሳ ዘገዳም ኣዚና ተረባሕቲ ኢና።
ከም መግቢ፡ ጸረ ባልዕ፡ መድሃኒትን ጀነቲካዊ ጸጋታትን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ማሕበረ-ቍጠባዊ ረብሓታት ከም እንሓፍስ ፍሉጥ’ዩ። እንስሳ ዘገዳምን ዝነብርሉ ተፈጥሮኣዊ መልክዓ ምድርን እውን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ቀንዲ መሰረት ቱሪዝም እዮም።
ስለዚ፡ ደቂ ሰባት እንስሳታት ዘገዳምን ዘቤትን ከነኽብርን ክንከላኸሎምን ሓላፍነት ኣለና።
መነባብሮ እንስሳታት ካብ ምሕላው ብተወሳኺ፡ ካብ ዘይሕጋዊ ሃድን፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን እውን ክንከላኸሎም ይግባእ።
ኣብ ጎደናታት ከተማታት ዝርከቡ እንስሳታት’ውን እንተዀነ፡ ዘይተደለየ መጕዳእቲ ከይወርዶም ብምክልኻል ኣበርክቶ ክንገበር ንላቦ።
እዚ ካብ በልና ንሎሚ ብዝመረጽናልኩም 10 መስሓቕ ኣሳእል እንስሳ ዘገዳም ወዘቤት ተዛነዩ!

ምንጪ ስእሊ, KENICHI MORINAGA
እዛ ስእሊ ኣብ ምድብ ስእሊ ደማሙን ከምኡ’ውን ኣብ ሓፈሻዊ ምድብ ተዓዊታ’ያ፤ ሰኣሊኣ ኬኒቺ ሞሪናጋ ድማ ብሉጽ መስሓቕ እንስሳታት ዘቤት ናይቲ ዓመት ኰይኑ ነይሩ። ጃፓናዊ ኬኒቺ፡ ኣብ ደሴታት ሃገሩ እናተዘዋወረ ደማሙ ምስኣል ከም ዝፈቱ ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, MICHAEL LANE
ነዚ ዘይረኣዩ ሰባት ቈልዓ ምዕባይ ከቢድ እዩ ይብሉ። እዚ ጉማረ ዕጽዋ ዘስዓቦ ጥሜት’ዶ ኣጋጢምዎ ይኸውን ንኣደኡ ክኹልሳ ዝጽዕር ዘሎ?
እዚኣ ብማይክል ሌን ዝተሰኣለት እያ።

ምንጪ ስእሊ, AMY KENNEDY
ከምዚ ዝበለ ቍጥዐ ይትረፍ’ዶ ካብ እንስሳ ካብ ደቂ ሰባት እውን ትጽበዮ ኣይኰነን።

ምንጪ ስእሊ, TOM SVENSSON
ቶም ስቨንሰን ነዛ ኣብ ፎክላንድስ ዝሰኣላ ስእሊ፡ 'ሕጉስ' ዝብል ኣርእስቲ’ዩ ሂብዋ።
"እዞም ፐንጉን ኣብ ልዕሊ ማዕበል ባሕሪ ኣብ ዝጻወቱሉ እዋን ኵሎም ኣዝዮም ሕጕሳት ይመስሉ ነይሮም" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, MEHMET ASLAN
እዛ ስእሊ ኣብ ቱርኪ ብመህመት ኣስላን ዝተሳእለት ኰይና ኣብ ምድብ መስሓቕ እንስሳታት ዘቤት ተዓዊታ’ያ።
“መብራህቲ ትራፊክ ደው ምስ ኣበለኒ ዝረኣኹዎ ነገር እዚ እዩ። ኣብ መጀመርታ እቲ ከልቢ ብሓቂ ዝዝውር ዘሎ መሲሉኒ!” ይብል መህመት ኣስላን።

ምንጪ ስእሊ, THE MARS PETCARE COMEDY PET PHOTO AWARDS 2020
ከመይ ኢሉ’ዩ ተንጠልጢሉ? ወይስ ተቐርቒሩ እዩ ዘሎ?
ማልጎርዛታ ራስል፡ “እዚ ወዲ ሓደ ዓመት ድሙና ባሲል፡ ኣዝዩ ፈታዊ ጸወታ’ዩ። ኣብ ዙርያ ጀርዲን ንሓድሕድና ምጉያይ መዓልታዊ፡ ናይ ንግሆ ልምድና እዩ። ስኑዕ ስእሊ ኣይኰነን” ትብል።

ምንጪ ስእሊ, THE MARS PETCARE COMEDY PET PHOTO AWARDS 2020
“ኣብቲ መትሓዚ ብሽኰቲ ብታሕቲ ቀዲደ፡ ሞባይለይ ኣብ ውሽጢ ኣእትየያ፤ ቅድሚ እቲ ጥዑም መግቡ ምብላዑ ድማ ስኢለዮ” ይብል ሰኣሊኣ ካንዲስ ሰዲጋን።

ምንጪ ስእሊ, THE MARS PETCARE COMEDY PET PHOTO AWARDS 2020
ኣብ ፊልም ወይ ኣብ ትያትር ዓለም፡ እንስሳታት ክዋስኡ ምግባር ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ከም ዝኽእል ምግማት ቀሊል’ዩ። እዛ ኢያን ማኮነል ዝሰኣላ ድሙ ግን ፈጺማ ንመድረኽ ወይ ንሳዕሳዒት 'ባለ' ዝተፈጥረት’ያ ትመስል።

ምንጪ ስእሊ, DANIELLE D'ERMO/CWPA/BARCROFT IMAGES
ዳኒኤል ዲ’ኤርሞ ነዚ ብገለ ምኽንያት ዝተጠዓሰ ዝመስል ድቢ ኣብ ኣላስካ እዩ ስኢልዎ።

ምንጪ ስእሊ, Cheryl Strahl
ነዛ ስእሊ ‘ዘ ፎቶ-ቦምቢን ዌቭ’ ኢላ ዝሰመያታ ቸሪል ስትራል፡ "ኣደ ድቢ ምስ ደቃ ይዘናግዑ ነይሮም" ትብል።
"እታ ኣደ ምስ ሓደኦም ምዉቕ ህሞት እናሕለፈት ከላ፡ ካልኣይ ኢዱ ብምውዝዋዝ ከይተሓስበ ናብ ካሜራ እትዩ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







