መስሓቕ ኣሳእል እንስሳ ዘገዳም

ነዚ ሰሙን ዝመረጽናልኩም 10 መዛነዪ ስእልታት ተኣንገዱ።

እዞም ህበይ ዝመስሉ ኣብ ማዳጋስካር ዝርከቡ እንስሳ ሌሙር ይበሃሉ።

ንእሽቶ ርእሲ፡ ፍሩያት ኣዒንቲን ዓበይቲ ኣእዛንን ኣለዎም። ብፍላይ እዚኦም፡ 'ሳዕስዒት ለሙራት' ብዝብል ይፍለጡ - ምኽንያቱ ኣብ መሬት ብኽልተ እግሮም ንጎኒ ዝልል ዝልል እናበሉ ብቕልጡፍ ክኸዱ እንከለዉ ዝስዕስዑ ዘለዉ እዮም ዝመስሉ።

ሌሙራት ኣብ ኣዝዩ ሓደጋ ይርከቡ - ኣብ ዓለምና እታ እንኮ ሌሙር በረኻ ዝርከበላ ሃገር ማዳጋስካር እያ። ኣፍሪቃዊት ደሴት ማዳጋስካር ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ዝተረፋ ብዙሕነት ህይወት ዘለወን ቦታታት እያ።

እዞም ስድራቤት ቡናዊ ድብታት፡ ቫልተሪ ሙልካሃይነን ኣብ ፊንላንድ ዝሰኣሎም እዮም።

ነዚ ኣብ ሩዋንዳ ዝርከብ ዝጠበየ ጎሪላ ከረን ዝሰኣለ ማርክ ኤድዋርድ ሃሪስ፡ ብዝሒ ዓሌት እዚ እንስሳ ቀስ ብቐስ ይውስኽ ከም ዘሎ ይዛረብ።

ወጠጦ፡ ኣፍንጫ ነብሪ እንተልሒሱ ነገር ደልዩ ይበሃል። ነብሪ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣፍንጫ ምስ ዝልሕስከ? ህድማ እዩ’ምበይ!

እዚ ክብን ቁሩብ ንላዕሊ ዝተገልበጠን ኣፍንጫ ዘለዎ ህበይ፡ ኣብ ሰሜናዊ ቬትናም ኣብ ውሑዳት ዝተነጸሉ ጫካታት ጥራይ ይርከብ። ኣስታት 80 ሚእታዊ ዓሌት እዚ ህበይ ኣብ ሓደ ጫካ ዝርከብ’ዩ! ብሰንኪ ስእነት መነባብሮ ሃድንን ኣብ ሓደጋ ካብ ዝርከቡ እንስሳታት ሓደ እዩ።

እዛ ፍርቂ ነብሳ ከም ሕብሪ ኣድጊ በረኻ ዝዀነት እንስሳ ኦካፒ ትበሃል። ምናልባት ‘መን ኣቦኣ?’ ተባሂሉ ኣድጊ በረኻ ዝብል ይጋገ ኣሎ። ዓሌት ኦካፒ ግን ምስ ዘራፍ ዝተኣሳሰር እዩ - ‘ዘራፍ ጫካ’ ብዝብል ይፍለጡ።

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝርከብ ጽዑቕ ጫካ ይነብሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እዚ ዓሌት ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ሃድንን ምብራስ ኣግራብን ኣብ ሓደጋ ይርከብ።

እዛ ስእሊ፡ ኣብ ውድድር ብሉጽ ስእሊ ኣዕዋፍ፡ ኣብ ምድብ ካብ ትሽዓተ ክሳብ 13 ዓመት ህጻናት ብሩር ሽልማት ተዓዊታ’ያ።