እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብስእልታት ዝተሰነዩ መዛነዪ ሓቅታት ሓራምዝ
ትማሊ ቀዳም 12 ነሓሰ 2023 ዓለማዊ መዓልቲ ሓርማዝ እዩ ነይሩ።
ዓለማዊ መዓልቲ ሓርማዝ ንፈለማ እዋን ብ12 ነሓሰ 2012 እዩ ተጀሚሩ።
ሓራምዝ ኤስያን ኣፍሪቃን ትኹረት ክረኽቡ ብምግባር ካብ ሓደጋታት ንኽዕቀቡ ድማ ይሕግዝ።
ነዚ መዓልቲ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዘዛንዩ ስእልታትን ከምኡ'ውን ገለ ሓቅታትን ብዛዕባ ሓራምዝ ኣቕሪብናልኩም ኣለና።
ወዲ 22 ዓመት ክርስቲያን ለ ብላንክ ንሓደ ሓርማዝ እናመገበ እንከሎ፡ ዘይተጸበዮ ነገር ኣጋጢምዎ።
"ባናና ቀልጢፈ ወዲአ፡ እቲ ሓርማዝ ድማ ብቕልጡፍ ጎፕሮ ካሜራይ ሒዝዋ። ዕድለኛ ኮይነ ኣብ ቀጻሊ ቀረጻ ስለዝነበረት እቲ ሓርማዝ ዝገበሮ ነገር ተቐሪጹ" ይብል።
ኣብ ዝተፈላለዩ ቪድዮታትን ፊልምን ሓርማዝ ፉል ክበልዕ ምርኣይ ልሙድ እዩ። እቲ ሓቂ ግን፡ መብዛሕትኦም ሓራምዝ ፉል ኣይበልዑን - ኣይፈትዉን።
እዘን ተኸታታሊ ኣርባዕተ ስእልታት ኣብ ውድድር መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም 2021 ዝተዓወታ ኰይነን ብቪኪ ጃውሮን ዝተሰኣላ እየን።
ኣብ ጭቃ ምግልባጥ ንሓራምዝ ዘዘናግዕ ክመስለና ይኽእል’ዩ፤ ሃራምዝ ውሑድ ጸጉር ስለዘለዎም፡ ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ጸሓይ ኣፍሪቃ ክዝሕሉ ይጽገሙ እዮም። ስለዚ እቲ ጭቃ የዝሕሎም ጥራይ ዘይኰነስ ሓሳኹ ከይነኽስዎም’ውን ይከላኸለሎም’ዩ።
ሓራምዝ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ስምዒታት ከም ዘርእዩን ዋላ’ውን ከም ዝሓዝኑን ዝሕብር ብዙሕ መርትዖ ኣሎ።
ኣብ ጥቓ ሬሳታት ኣዝማዶም ደው ኢሎም ክበኽዩ ዝተረኣዩሉ ኣጋጣሚ ሒደት ኣይኰነን።
ሓራምዝ ኣብ መስትያት ንነብሶም ከለልዩ ከም ዝኽእሉ ትፈልጡዶ?
ሳይንቲስት፡ እዚ ናይ ዝዓበየ ርእሰ-ንቕሓት ምልክት ምዃኑ ይኣምኑ። ኣብ ሓደ መጽናዕቲ፡ ሓንቲ ሃፒ ዝተባህለት ኤስያዊት ሓርማዝ፡ ኣብ መስትያት እናጠመተት ኣብ ግንባራ ዝተቐብአ ‘X’ ብተደጋጋሚ ተንኪፋ፡ እዚ ድማ ንናይ ገዛእ ርእሳ ነጸብራቕ ትጥምት ከም ዘላ ከም እትፈልጥ ዘመልክት እዩ።
መብዛሕትኦም እንስሳታት ነጸብራቕ ካልእ እንስሳ ስለዝመስሎም ብድሕሪ እቲ መስትያት ክደልይዎ ይፍትኑ’ዮም።
ተመራመርቲ ኣብ በረኻ ዝርከቡ ሓራምዝ ኣፍሪቃ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ መዓልቲ ክልተ ሰዓታት ከም ዝድቅሱ ኣረጋጊጾም። ብተወሳኺ ብዘይ ዝዀነ ድቃስ ዳርጋ ክልተ መዓልቲ ክጸንሑ ይኽእሉ እዮም!
መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ 20ታት ዕድመ ዝርከቡ መንእሰያት ተባዕትዮ ሓራምዝ ብሆርሞናት ምፍራይ ይዕለቕለቑ።
እዚ እዋን ‘ሙስት’ ብዝብል ዝጽዋዕ ኰይኑ ‘ሰኺሩ’ ዝብል ትርጉም ዝህብን ብባህርያት ዓመጽ ዝተሰነየን እዩ።