ኣትለት ጉዳፍ ጸጋይ ብኬንያዊት ተታሒዙ ዝነበረ ክብረወሰን 5 ሽሕ ሜትሮ ሰይራ

ኣትሌት ጉዳፍ ጸጋይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣትለት ጉዳፍ ጸጋይ፡ ኣብ ዩጂን ኦሪገን ክካየድ ኣብ ዝቐነየ ውድድር ዳያመንድ ሊግ፡ ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ኣመዝጊባ።

እቲ ውድድር ትማሊ ሰንበት እዩ ተዛዚሙ።

ሻምፕዮን ዓለም 10 ሽሕ ሜትሮ ጉዳፍ፡ ክብረወሰን ደቂ ኣንስትዮ 5000 ሜትሮ ብምስባር፡ ብ14 ደቒቕ 00.21 ካልኢት እያ ተዓዊታ።

ጓል 26 ዓመት ጉዳፍ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ብኬንያዊት ኮኾብ ፈይዝ ኪፒየጎን ዝተመዝገበ ክብረወሰን 5000 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ዳርጋ ብሓሙሽተ ካልኢት ሰይራቶ።

ኬንያዊት ቢያትሪስ ቸቤት ካብቲ ዝሓለፈ ነጥባ ቅሩብ ድሒራ፡ ብ14፡05.92 ካልኣይቲ ኰይና ውድድራ ዛዚማ።

ጉዳፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 1500 ሜትሮ ውሽጢ ገዛ፡ ክብረወሰን ከም ዝሰበረት ይዝከር።

ኣብ ኣሜሪካ ኦሪጎን ኣብ ዝተኻየደ መበል 18 ሻምፒዮን ኣትለቲክስ ዓለም፡ ብደቂ ኣንስትዮ ናይ 5 ሽሕ ሜትሮ ናይ ፍጻመ ውድድር፡ ጉዳፍ ጸጋይ ቀዳመይቲ ብምውጻእ ተዓዋቲት ወርቂ መዳልያ ምዃና'ውን ዝዝከር እዩ።

ኣብቲ ሓያል ንሕንሕ ዝተራእየሉ ውድድር፡ ጉዳፍ ብ 14 ደቂቕ፡ 46 ካልኢትን 29ንኡስ ካልኢትን ብምዝዛም'ያ ተዓዋቲት ወርቂ መዳልያ ክትከውን ክኢላ ነይራ።

ኬንያዊት ቢትሪስ ቺቤት ኣብቲ እዋን’ውን ካልአይቲ ኰይና ነቲ ውድድር ዛዚማ ነይራ።

ጃኮብ ኢንገብሪግትሰን ድማ፡ ኣብ ታሪኽ ደቂ ተባዕትዮ ሳልሳይ ዝቐልጠፈ ግዜ ድሕሪ ምጉያዩ ንኻልኣይ ግዜኡ ናይዚ ሰሙን መወዳእታ ዋንጫ ዳያመንድ ሊግ ተዓዊቱ።

እዚ ኖርወጃዊ ኮኾብ ነዊሕ ርሕቐት፡ ኣብ መወዳእታ ካብ ኢትዮጵያዊ ዮሚፍ ቀጀልቻ ዘጋጠሞ ሓያል ንሕንሕ ብዘስደምም ፍጻመ ቀዲሙ እዩ፡ ናይ ደቂ ተባዕትዮ 3000 ሜትሮ ብ7፡23.63 ብምእታው ተዓዊቱ።