ጉዳፍ ጸጋይ፡ 1500ሜ ናይ ውሽጢ ገዛ ጉያ፡ ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ኣመዝጊባ

ኣትሌት ጉዳፍ ጸጋይ

ምንጪ ስእሊ, WORLDATHLETICS

ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ጉዳፍ ጸጋይ ኣብ ሌቪን ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 1500 ሜትሮ ናይ ውሽጢ ገዛ ጉያ፡ ናይ ዓለም ክብረ ወሰን ብምምሕያሽ ተዓዊታ።

እታ ኢትዮጵያዊት ኣትለት ነቲ ክብረወሰን ብ2 ካልኢት [ሰከንድ] ብምምሕያሽ 3 ደቒቕን 53 ኣልኢትን 09 ንኡስ ካልኢትን ብምምዝጋብ እያ ነቲ ዓወት በቒዓ።

እቲ ጉዳፍ ዘመሓየሸቶ ክብረወሰን ብኢትዮጵያዊት ገንዘቤ ዲባባ ኣብ 2014 ኣብ ካርልስሩሄ ተመዝጊቡ ዝጸንሐ እዩ።

“ናይ ዓለም ናይ ውሽጢ ገዛ ክብረወሰን ብምምሕያሸይ ኣዝየ ሕጉስቲ እየ” ዝበለት ጉዳፍ፤ “ጽዑቕ ልምምዳት ኣካዪደ ብምንባረይ ነቲ ክብረወሰን ንምምሕያሽ ተዳልየ እየ ነይረ” ኢላ።

ትማሊ ምሸት ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 3000 ሜትሮ ናይ ውሽጢ ገዛ ጉያ’ውን ኢትዮጵያውያን ኣትለታት ብዓብላልነት ተዓዊቶም።

እቶም ኢትዮጵያውያን ካብ ቀዳማይ ክሳዕ ራብዓይ ዘሎ ደረጃ ሒዞም ክዛዝሙ እንከለው ናያ ዓለም ካልኣይ ዝቐልጠፈ ሰዓት’ውን ኣብቲ ውድድር ተመዝጊቡ ኣሎ።

ኣብ ናይ 3000 ሜተር ጉያ መሰናኽል ጌትነት ዋለ ክዕወት እንከሎ፡ ሰለስተ ኢትዮጵያውያን ተኸታቲሎም ብምእታው ነቲ ዓወት ኣድሚቖምዎ።

ጌትነት ነቲ ውድድር ብ 7 ደቓይቕ 24 ካልኢትን 98 ንኡስ ካልኢትን ብምዝዛም እዩ ተሸላሚ ወርቂ ሜዳልያ ኮይኑ። እቲ ሰዓት ካልኣይ ዝቐልጠፈ ናይ ዓለም ኮይኑ’ውን ተመዝጊቡሉ ኣሎ።

ወዲ 20 ዓመት ጌትነት ነቲ ክብረወሰን ብ 7፡24.90 ንነዊሕ ግዜ ሒዙ ንዝርከብ ዳንኤል ኮሜን ስግኣት ፈጢሩሉ ኣሎ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ 3000 ሜተር ናይ ውሽጢ ገዛ ውድድር ትሕቲ 7 ደቂቅን 30 ካልኢትን ክኣትው ዝኸኣሉ ሽዱሽተ ኣትለት ጥራሕ እዮም ነይሮም።

ሕጂ ግና ዕድሚኦም ካብ 19 ክሳዕ 21 ዝኾኑ ኣርባዕተ ጎየይቲ ነቲ ውድድር ትሕቲ እቲ ዝተጠቕሰ ሰዓት ክዛዝሙ ክኢሎም ኣለው።

እዚ ድማ እቲ ክብረወሰን ኣብ ቀረባ እዋን ክመሓየሽ ዘተስፍው ምዃኑ ይግለጽ።