ምስ ፍልጥቲ ኬንያዊት መርማሪት ገበን ተላለዪ

መግለጺ ቪድዮ, ኬንያዊት ንግስቲ ስለላ

ኬንያ ከም’ቲ ፍሉጥ ሰላዪ ጀምስ ቦንድ ዝኣመሰሰ ሰላዪ ኣለዋ። ሽማ ጀን ትበሃል። ጀን ኣብ ኬንያ ኣዝያ ዝተፈልጠት ናይ ብሕቲ መርማሪት ገበን እያ። ብኣሚኢት ዝቑጸሩ ገበናት ከምዝፈትሐት እያ እትገልጽ። ገለ ሰባት ግን ናይ ባዕላ ሕግታት ከምእትኽተል እዮም ዝገልጹ። እዚ ናይታ ‘ንግስቲ ስለላ ኬንያ’ ዛንታ እዩ።